
ኣዲስ ኣበባ ፡- ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂን ብሄራዊ ስምረትን ከፍጠር እንተዘይክኢሉ ካብቲ ዘሎ ዝኸፍአን ዝኸበደን ኩነታት ከምዝፍጠር ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ዝነጥፉ ዝኾኑ ኣይተ ጠዓመ ኣርዓዶም ገሊፆም።
ኣይተ ጠዓመ ኣርዓዶም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ቃለ መሕትት ከምዝበልዎ፤ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ብሄራዊ ዕርቂን ብሄራዊ ስምረትን ከፍጠር ይፅውዕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ብቅልጡፍ ናብ ተግባር መፂኡ ደው ኢለካ ዝሕሰበሉ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝርኣዩ ዘለዉ ዘተፈላላዩ ፀገማት ዋና መበገሲኦም ፖለቲካዊ ውድቀት ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ናይዚ ፖለቲካዊ ውደቀት ድማ ህወሓት( ሐዚ ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ) ዝምራሕ ዝነበረ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ውሽጡ ናይ መሪሕነት ውድቀት ስለዝገጠመ ‘ዩ ኢሎም።
ብፍላይ እቲ ኣመራርሓ ውሽጣዊ ኣፈላላይ እቲ ውድብ ብኣግባቡ ክኣልዩ ብዘይምኽኣሎምን ንውልቀ ረብሓን ስልጣንን ብዝገብርዎ ጎንፂ ምኽንያት ከይዱ ከይዱ ኣብዚ እዋን ንትግራይ ስርዓት ኣለቦነት ዝነገሳን ሓይሊ ዘለዎ ከምድልየቱ ዝገብራ ገይሮምዋ ኣለው ብምባል፤ ኣብዚ ቅነ ዝተርኣየ ናይ ቤት ፍርዲ ዕርግር ረብሻን ናይዚ መረኣያ ‘ዩ ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፅዕንቶ ድሕሪ ኵናት ዘሎ ብምዃኑ ኣብዚ ደው ኢልካ ምምኽኻር ኣብ ዘድልዮም ፀገማት ውሽጢ ኢና ዘለና ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ስለዚ ዘየረዳድኡና ኣጀንዳታት ንጎኒ ኣፅኒሕና ንትግራይ ኣብ ዝረብሑን ብሓባር ኣብ ዘረዳደኡናን ኣጀንዳታት ምርድዳእ ብምፍጣር ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ኵናት ደው ክነብሎ ክንኽእል ኣለና ኢሎም።
ከም ገለፃ ኣይተ ጠዓመ፤ ትግራይ በቲ ሐዚ ዘሎ እንተቀፂላ ናብ ዝኸፍኣ ኩነታት ‘ያ ክትኽይድ፤ ምናልባት ‘ውን ቅድሚ ሐዚ ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ብዛባታት ናብ ምክፍፋል ክትኸድ ትኽእል ‘ያ ኢሎም። ኣብ ደቡብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ተርእዮታትን ኣብ ካልኦትን ‘ውን ክርኣይ ከሎ ከይዱ ከይዱ ናብ ኣብ ሞነጎ ዞባታት ጎነፂ ክፍጥር ዝኽእል ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ፤ ብሓፈሻ ኵናት እንተተጀሚሩ ንትግራይ ብጣዕሚ መዕነውን ከቢድ ጉድኣት ዝፈጥርን ኢሉ ‘ውን ናይ ህልውና ስግኣት ክፈጥር ዝኽእል ስለዝኸውን ነዚ ክነትርፈሉ እንኽእል ፃዕሪ ክነገብር ኣለና ኢሎም።
እዚ ኵናት ካባና ጀሚሩ ንኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓዊሱ ኣብ ዞባ ምብራቅ ኣፍሪካ ዝስፋሕፍሕን ካሊእ ጂኦግራፊካል ኮንፊገሬሽን ክፍጠር ዝኽእል ስለዝኸውን ንሕና ከም ምኽንያት ኮይንና ንባዕልናን ንኻልትን ስግኣት ካብ ምዃን ክንመኻኸር ክንዝቲ ኣለና ፣ብሄራዊ ዕርቂ ብሄራዊ ስምረት ኣብ ትግራይ ክንፈጥረ ክንኽል ኣለና ኢሎም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም