“ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምግሃድ ዲጂታል መንነት ምርግጋፅ ኣገዳሲ ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡- ዲጂታል ኢትዮጵያ ንምግሃድ ዲጂታል መንነት ምርግጋፅ ኣገዳሲ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዲጂታላዊ መንነት ዘተኮረ ‹‹ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ›› ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብራእይ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ተመሪሕና ኣዝዩ ኣገዳሲ ውሳነ ወሲና ኢና። እዚ ድማ ዘመናዊ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዲጂታላዊ ስርዓተ መንነት ምህናፅን ንነፍሲ ወከፍ ነባሪ ተበፃሒ ምግባርን ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ብስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ዓ.ም.ፈ ብዝተጀመረ ካብ ዝተበታተነ ስርዓተ መለለዪ ሓሊፋ ናብ ውሑስ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ጠቓሚ ዲጂታላዊ መንነት ከምዝሰገረት ኣስሚሮምሉ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ንፋይዳ ተመዝጊቦም ኣለዉ። 90 ሚልዮን ሰባት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ። ፋይዳ ኩሎም ዜጋታት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ከምኡ’ውን ተመዛበልቲ ማሕበረሰባት ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ከም ዝገብር ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ ከም ፋይናንስ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ወሰንቲ ዓውድታት ዝተቐናጀወ ፋይዳ፣ 9 ነጥቢ 6 ትሪልዮን ብር ብዲጂታል ትራንዛክሽን ንምንቅስቓስ ይሕግዝ ከምዘሎ ገሊፆም። ረብሓ ዲጂታላዊ ስርዓተ መንነት ካርድ ጥራይ ዘይኮነስ ምስጢራዊነት ውልቃዊ ሓበሬታ ውልቀሰባት ብምሕላውን ኣድላዪ ዝኾነ ጥራይ ብምክፋልን መንነት ዘረጋግፅ ፍሉይ መለለዪ ቁፅሪ ‘ዩ።

ፋይዳ ዜጋታት ካብ ዘፈር ዲጂታል ኢኮኖሚ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዓብዪ ዕድል ከምዝፈጠረ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ዜጋታት ብፋይናንስ፣ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ቴሌኮም ሓዊሱ ምስ ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብምትእስሳር ዘድልዮም ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ፃዕርታት ይግበር ከምዘሎ ኣመላኺቶም። ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝጠቅም ዘመናዊ፣ ዝሓቁፍ፣ መሰረታዊ ዲጂታላዊ መንነት ስርዓት ተግባራዊ ገይራ ኣላ። እዚ ድማ ዜጋታት ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዘለዎም ተሳትፎ ብምዕባይ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዕድል ከምዝፈጠረ ሓቢሮም።

ፋይዳ ኣማራፂ ዘይኮነስ ንሰባት ምስ ኣገልግሎታት ማሕበረሰባት፣ ትካላትን መንግስታትን ዘራኽብ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓት ምዃኑ ዘብርሁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ፋይዳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎን ኣብ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ዓቢዪ ተራ ከምዝፃወትን ተዛሪቦም። ሰናይ ምምሕዳር ንምዕዋት ዲጂታላዊ መንነት ወሳኒ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነቲ ዕላማ ብሓባር ብምስራሕ ዓቕሚ ኣፍሪካ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዘለዎ ‘ውን ጠቚሞም።

ኢትዮጵያ ማእኸል ኮንፈረንስ ምስ ምዃና ብተወሳኺ ናይ በዓላ መንነት ዘለዋ ሃገር ‘ያ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብ ኣዝዮም ውቁብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባን መልክዓ ምድራን ተሞክሮ ምውሳድ ዝከኣል ምዃኑ ጠቒሶም። ብተወሳኺ ተሳተፍቲ ናብ ዝመፅሉ ከባቢኦም እንትምለሱ ኩሉ ሰብ ዘተኣማምን ዲጂታላዊ መንነት ክህልዎ ብትግሃት ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

ኣብ ዲጂታላዊ መንነት ዘተኮረ ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣፍሪካ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ኣቦ መንበር ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ጆሴፍ ኣቲክ (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ ኣብ ኣፍሪካ ዲጂታላዊ ለውጢ ምርግጋፅ ሕንቃቐ ዘይኮነስ ግቡእ ‘ዩ። ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ምርግጋፅ ዲጂታላዊ መንነት ኣፍሪካውያን ሓድሽ ምዕራፍ እንጅምረሉ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብቲ ጉባኤ ንመለለዪ መንነት ልምዓት ኣይዲ ፎር ኣፍሪካ ምንቕስቓስ ኣብ ዝምልከት ኩሉ እጃሙ ከበርክት እነገንዝበሉ ‘ዩ። መራሕቲ ኣፍሪካ ተለዋዋጢ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ምህናፅ ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ትኹረት ክገብሩ ከምዝጀመሩ እውን ኣመላኺቶም። ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ንምግሃድ ዲጂታላዊ መንነት ምርግጋፅ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ እውን ጠቚሞም።

ኣብ ዲጂታላዊ መንነት ኣፍሪካ ብዙሕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ብምጥቓስ፤ እዚ ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ምዕባለ ኣፍሪካን ናብራ ዜጋታትን ኣብ ምምሕያሽን ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ኣፍሊጦም። እዚ መድረኽ’ዚ ናይ መፃኢ ዲጂታላዊት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኩሉ ኣፍሪካዊ መንነቱን ንምርግጋፅ ተወፋይነትና እነርእየሉ ’ዩ ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You