ኣብ ምብራቐ ኣፍሪካ ዘሎ ዞባዊ ድሕንት ንምሕላው ትካላት ፀጥታ ምጥንኻር ኣድላዪ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ ፡– ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ዞባዊ ድሕንነት ንምሕላው ዞባዊ ትካላት ፀጥታ ምጥንኻርን ብሓባር ምስራሕን ኣድላዪ ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

ዞባዊ ኣኼባ ኮሚቴ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ “ብምሕብባር ሓበሬታ ድሕንነት እቲ ዞባ ምጥንኻር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብኣሰናዳእነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትካየድ፣ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፅ ምትእምማን ብምህናፅ፣ ኣብ ሓበራዊ ዕድላት ብምስራሕን ብምፅናዕን ‘ዩ ኢላ ከምትኣምን ‘ውን ተዛሪቦም፡፡

ሸቶ ኣጀንዳ 2063 ሰላማዊት፣ ጎንፂ ዘይብላን ዕድላት ዕቤት ዝሰፍሑላን ኣፍሪካ ጋህዲ ናይ ምግባር ኣጀንዳ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡ ኢትዮጵያ ንሰላም እቲ ከባቢ ንዓመታት ብፅንዓት ዝቖመት ሃገር ከምዝኾነት ብምሕባር፤ “እዚ ድማ ዘይልወጥ ተግባር ሰላም ኢትዮጵያ ዝኾነት ሃገር ጎረቤታ ብስእነት  ሰላም እናተሃወኸት ምዕባይ ትኽእል የላን ካብ ዝብል እምነት ዝፍልፍል ቅዋም ‘ዩ” ኢሎም።

ጀነራል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም ግብረ ራዕድን ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ብብቕዓት ብምክልኻል ሰላምን ድሕንነትን እቲ ዞባ ንምርግጋፅ ሃገራት ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝለወን ገሊፆም። ግብረ ራዕዲ፣ዶብ ተሻገርቲ ገበናት፣መጥቃዕቲ ሳይበርን ጎንፅን ስግኣት እቲ ዞባ ኮይኖም እናቐፀሉ ‘ዮም።

ኣብቲ ዞባ ዝረኣዩ ስግኣታት ፀጥታን ድሕንነትን ብብቕዓት ንምምካት ኣብ መንጎ ትካላት ፀጥታ ሃገራት ልውውጥ ሓበሬታ ወሳኒ ‘ዩ ኢሎም።ብተወሳኺ ‘ውን ኣብ መንጎ ትካላት ጠንካራ ምትሕብባር ብምፍጣር ሰላምን ፀጥታን እቲ ዞባ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣገልግሎት ብሄራዊ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንክዓስል እጃሙ እናተዋፅአ ከምዝኸነ ብምግላፅ፤ ግብረ ራዕድን ካልኦት ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ምክልኻል ዘኽእል ሪፎርም ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ተወካሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ዋና ሓላፊ እቲ ሕብረትን ኣምባሳደር ሞሀመድ ኢል ኣሚን፤ እቲ ኣኼባ ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ንምዝታይ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም። መጥቃዕቲ ሳይበር፣ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ግብረ ራዕድን ንምክልኻል ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ሓቢሮም። ኣብቲ ኣኼባ፤ ተወከልቲ ሃገራት ኣባል ኮሚቴ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ፣ሕብረት ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራትን ተረኺቦም ክብል ፀብፃብ ግዜኢ የመልክት።

ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You