
ኣዲስ ኣበባ፦ ምስ ዓለም ተስማዕሚዕኻ ንምቅፃል ዘኽእል ኢንቨስትመንት ትምህርትን ቴክኖሎጂን ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ሓቢሮም ። መበል 14 “Innovation Africa 2025” ዓለም ለኸ ጉባዔ ብዝሓለፈ ሶኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ጀሚሩ።
ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ ከምዝገልፅዎ፤ ኣፍሪካ ናይ መናእሰይ ትውልዲ ኣህጉር ብምዃና ምስ ዓለም ተስማሚዑ ንምቅፃል ዘኽእል ኢንቨስትመንት ትምህርትን ቴክኖሎጂን ምዝርጋሕ ይግባእ።
እቲ ዓለም ለኸ ጉባዔ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ከምዝሕግዝ ዝሓበሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ማእኸል ትምህርትን ስልጠና ክእለትን ብምግባር እናሰርሐት ምዃና ገሊፆም። ነዚ ድማ ህንፀት ሓደሽቲ ቤት ትምህርትታት፣ ዝተመሓየሹ መሠረተ ልምዓታትን ጥንኩር ዲጂታል ምትእስሳር እናተፈጠረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ሐዚ ‘ውን ኣብ ኣፍሪካ ጉዕዞ ትምህርትን ዲጂታላይዜሽን ብምስኻዕ ወገን ዝተረፉ ስራሕቲታት ኣለዉና ዝበሉ ኣይተ ተመስገን፤ ንፅባሕ ትውልዲ እንገብሮ ኢንቨስትመንት ትምህርትን ቴክኖሎጂን ብዝተዋደደን ብዝተቃላጠፈ መልክዑ ክውገን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብወገኖም፤ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ዓለም ብጣዕሚ ዝተወሳሰበን ካብ ምዃኑ መፃኢ መንእሰይ ትውልዲ ብትምህርት፣ ብቴክኖሎጂን ክእለትን ምድላው ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ሓዊሱ ሚኒስትራት ትምህርቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ተወከልቲ ትካላት መሻርኽቲ ትምህርቲ ከምኡ ‘ውን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሃገርና ተሳቲፎም። እቲ ጉባኤ ሎምዓንቲ ዝዛዘም ከምዝኾነ ‘ውን ተሓቢሩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም