“መሶብ ምጅማሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብዪ ብስራት ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ:– ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምጅማሩ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብዪ ብስራት ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ናብ ልዕሊ እዚ ማእኸል ወሲኻን ኣስፋሕፊሓን ንኹሎም ዜጋታታ ዝሓሸ ኣወሃህባ ግልጋሎት ክተረጋግፅ ‘ያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንምረቓ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ምጅማሩ ዓብዪ ስጉምቲ ምስጓምና የመላኽት።

ኣብ መዳይ ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣብ ዜጋታትና ምምራር ዝፈጥሩ ኣሰራርሓታት ፈቲሽካ ምስትኽኻል ቐዳምነት ንህቦ ጉዳይ ‘ዩ። ነዚ ቖራፅነትና ዘርእይ እቲ ሓደ ዝኾነ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ግልጋሎት መሪቕና ኢሎም። ነዚ ሓዱሽ ማእኸል ዝገልፁ ሰለስተ ቑልፊ ባህርያት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝፀንሐን ዝተጎድአን ህንፃ ናብ ዘመናዊ ከምኡ ‘ውን ስነ-ፅባቓዊ ደረጅኡ ንኸባቢ ስራሕ ዘሐጉስ ናብ ዝኾነ ህንፃ ምልዋጡ እቲ ሓደ ‘ዩ።

ግልጋሎታት ንምውጋንን ንምውዳድን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝለምዐ ሶፍትዌር ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ኢሉ ‘ውን ብዝተሓደሰ ኣመለኻኽታ ብቑዕን ኽብሪ ዝተመልአን ግልጋሎት ዝህቡ መናእሰይ ምድላዎም እቶም ኻልኦት ባህርያት ‘ዮም ክብሉ ጠቒሶም። 12 ትካላት ኣብ ውሽጢ ሓደ ህንፃ 40 ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ምሃብ ከምዝጀመሩ ገሊፆም፤ እዚ ‘ውን ዜጋታት ግዜኦም ንኽቑጥቡን ግልጋሎታት ብዝሓሸ ውፅኢታዊ መገዲ ንምርካብ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኸምዚ ዝበሉ ስርዓታት ምምዕባል ንዝተፈላለዩ ናይ ዜጋታት ስእነት ርውየት ግልጋሎታት መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ኸይዲ ንርውየት ሰፊሕ ማሕበረሰብ ዓብዪ ኣበርክቶ ይህልዎም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምረቓ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ዓብዪ ስጉምቲ ምስጓምና የመላኽት ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ማእኸል ወሲኻን ኣስፋሕፊሓን ንዜጋታት ዝሓሸ ኣወሃህባ ግልጋሎት ከምተረጋግፅ ኣመላኺቶም፤ ናይዚ ዓመት ጅማሮ ብራኸ ኢትዮጵያ ‘ዩ እንትንብል እቲ ሓደ ናይ ህዝቢ ምምራርን ቕሬታን ዘለዎ ዘፈራት ዘላቒ ብዝኾነ መገዲ ብዝፈትሕ መልክዑ ሪፎርም ምክያድ ‘ዩ ኢሎም።

ከም ገለፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ሎማዓንቲ መሶብ ተወሊዱ። መሶብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸል መውሃቢ ‘ዩ። እዚ ‘ውን ኣብ ፍቓድ ንግዲ፣ እቶት፣ ኢዲት፣ ፓስፖርትን ዝኣመሰሉን ግልጋሎት ዝስምዑ ቕሬታታን ንምፍታሕ ዘኽእል ‘ዩ። እቲ ማእኸል ስራሕ ዝቀላጠፈሉ፣ ሌብነት ዝጠፍአሉ፣ ኢንቨስትመንት ዝስፋሕፍሐሉ ንክኸውን ልዑል ግደ ይፃወት።

ንህዝቢ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ግልጋሎታት ምዝማንን ምቅልጣፍን ቓል ዝኣተውናሉ ጉዳይ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ‘ውን ብመሶብ ተረጋጊፁ ኢሎም። ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ንግልጋሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ናብ ኻልኦት ክፍልታትን ከተማታትን ሃገርና ንምስፍሕፋሕ ብኣድህቦ ከምዝስራሕ ኣመላኺቶም።

ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት ብህዝቢ ዝለዓሉ ቅርስታታት ዝፈትሕ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብምርካብ ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ማእኸል ተዓዚቦም።

ኣብቲ ዑደት ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ንሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባይቶ ኣለምፀሃይ ጳውሎስን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ብዛዕባ ኣወሃህባ ኣገልግሎት እቲ ማእኸል ገለፃ ተገይሩሎም። ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ካብ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ዝለዓሉ ቅርታታትን ሕቶታትን ኣብ ትካላት ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ፀገናት ሰናይ ምምሕዳርን ቀንዲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብመንግስቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ቅልጡፋት፣ ውፅኢታዊ፣ ወፃኢ ዝቑጥብ፣ ቅርታ ህዝቢ ዝምልስን ድኻም ዝንክዩ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም። እቲ ማእኸል ፀገማት ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣብ ሓፂር እዋን ዝፈትሕ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You