
ኣዲስ ኣበባ፡– ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ኩሉ ተሳታፊ ንክኸውን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ከስፍሕ ኣለዎ ክብሉ ፖለቲከኛን ነበር ምክትል ኣቦወንበር ትዴፓ ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ገሊፆም፡፡
ኣይተ መስፍን ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቓል ዝኣተወሎም ነጥቢታት ብዘይ ተሳትፎ መላእ ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ከሳኽዑ ከምዘይኽእሉ ተረዲኡ እቲ ካቢኔ ከም እንደጋና ብምፍታሽ ንኹሉ ብዘካትት መልክዑ ከጣይሾ ይግባእ፡፡
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ሙሁራት፣ ሲቪል ሶሳይቲ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹኑ ካልኦት ብዛዕባ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት እቲ ካቢኔ ኣሳታፊ ክኸውን ፀቕቲ ክገብሩ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ከም ገለፃ ኣይተ መስፍን፣ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ፡፡ ናይ ሸፈጥ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ንህዝቢ ዝጠቕም ስለዘይኮነ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ኣሳታፊን ሓቋፊን ኣካይዳ ክህሉ ድማ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም፡፡
ሕግን ውዕል ፕሪቶርያን መሰረት ገይርካ ምኻድ ግድን ‘ዩ፡፡ ካብቲ ዝተለመደ ኣካይዳ ወፂእኻ ሓቃዊን ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕም ኣካይዳን መሰረት ገይርካ ምኻድ ተዘይሃልዩ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝኣተዎ ፀገም ክወፅእ ኣይኽእልን ክብሉ ገሊፆም፡፡
ንትግራይ ዝጠቕማ ናይ ኩሉ ተሳትፎን ተቐራሪብካ ምስራሕን ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ መስፍን፤ ናይ ኩሉ ሰብ ሓሳብ ክድመፅን ብሓሳብ ዝኣምንን ምችው ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ትግራይ ክህሉ ኩልና እጃምና ከንዋፃእ ኣለና ኢሎም፡፡
ብምድፍፋእ ለውጢ ክመፅእ ስለዘይኽእል ሓቢርካ ምስራሕ ክልመድ ኣለዎ ዝበሉ ፖለቲከኛ ኣይተ መስፍን፤ ሕጊ መሰረት ገይሩ ዘይሰርሕ ኣካል እንትህሉ ኩሉ ብንቕሓት ብምስታፍ ግጉያት ኣካይዳ ክእረሙ ክገብር ኣለዎ ኢሎም፡፡
ፀገም ፖለቲካ ትግራይ ብዘላቕነት ክፍተሐሉ ዝኽእለሉ ነገራት ክህሉ እንተኾይኑ ኣብ ረብሓ ህዝቢ መሰረት ገይርና ኩልና ከንቓለስ ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም