ፖፕ ፍራንሲስ ዓሪፎም

ጠዓሞት ዜና

ፖፕ ፍራንሲስ ዓሪፎም

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሮማ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ 88 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ድኽም ዓሪፎም፡፡

እቶም ሊቀ ጳጳስ ብዝሓደሮም ልዑል ሕማም ሳምቡእ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ፀኒሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ መንበሪ ገዝኦም ካብዛ ዓለም ድኻም ከምዝዓረፉ ቫቲካን ኣፍሊጣ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፤ ንእምነት፣ ንሰብኣዊነትን ንዓለም ሰላምን ከምዘገልገሉ ኣብሪሆም፡፡ ስርዓተ ቀብሮም ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ክፍፀም’ዩ፡፡

446 መንበሪ ገዛንዜጋታት

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ን446 ዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢ 22 ዝተሃነፀ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ብዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ንዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን ሎሚ ቁልፊ ኣረኪበን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝበልኦ፣ ኣዲስ ኣበባ ንመነባብሮ ምችውቲ ከተማ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንነበርታ ብኹለመዳያዊ መንገዲ ዝጠቅም ሰፊሕ ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፀን።

እቶም ኣባይቲ ሚኒስቴር እቶት፣ ኮሚሽን ጉምሩክ፣ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር 446 ኣባይቲ ተሃኒፆም ንዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን ምርካብ ተኻኢሉ ኢለን።

ብሄራዊ ረብሓ ዘኽበሩ ዕውታት ስራሕቲ

ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘኽበሩ ዕውት ስራሕቲ ምክያዶም ውሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ኣፍሊጦም፡፡

ኣምባሳደር ነብያት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ, ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ከምኡ’ውን ዜጋታት ጠመተ ዝገበሩ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዕውት ውፅኢት ምምዝጋቦም ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ርክብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስርሖም ብምሕባር፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራትን ብሓባር ብምዃን ኣኼባ ኮሚሽን ምክያዶም ኣረዲኦም፡፡

ሙዝየም መዘከርታ ኹናት ኮርያ

ኮርያ ጅግንነትን መስዋእትነትን እቶም ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ፈፂማ ኣይትርስዕን ክብሉ ኣምባሳደር ኮርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮንግ ጆንግ ገሊፆም። ሙዝየም መዘከርታ ኵናት ኮርያ ንኽብሪ ጀጋኑ ዳግማይ ተሰሪሑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ኮርያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኮንግ ጆንግ ከምዝበልዎ፤ “ኮርያ ጅግንነትን መስዋእትነትን እቶም ኣብ ጎና ደው ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ሓርበኛታት ፈፂማ ኣይትርስዕን።”እዚ ሙዝየም መዘከርታ ጥራሕ ዘይኾነስ፤ ምሕዝነት እተን ሃገራት ኣሐይሉ ዘቐፅል ድልድል ‘ዩ ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ነበር ማሕበር ጉዳይ ወታደራት ኢትዮጵያ ኮሎኔል እስጢፋኖስ ገብረመስቀል ብወገኖም፤ ኮርያ ንጀጋኑና ብምዝካራ ኣዚና ነመስግን ኢሎም።

ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ

ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ሚዲያታት ብሓላፊነት ክንቀሳቐሳን ንህንፀት ሃገር ዘለዎም ግደ ብዝበለፀ ክብ ንክብል ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ተፀዋዒመንግስቲ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

6ይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት መበል 25 ስሩዕ ኣኼባ እንተሳልጥ፣ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)ምምሕያሽ ኣዋጅ መራከብቲ ሓፋሽ ብምጥንኻር ዘይሻራነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ትካላት መንግስቲ ኣብ ዘይሻራዊነት ዝሰርሖም ስራሕቲ ርኡይ ለውጢ ምምፅኦም ብምሕባር, ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ ኣብ ዓውዲ መራከብቲ ሓፋሽ ዝገበሮም ምምሕያሻት ናይታ ሃገር ሚዲያ ዓይነት፣ ስፍሓትን ተበፃሕነትን ምውሳኹ ገሊፆም፡፡

ንኣብነት ቅድሚ ለውጢ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሚዲያታት 122 ድሕሪ ለውጢ ናብ 272 ክብ ምባሉ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል

ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅለሉ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ገሊፀን።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር አይሻ መሀመድ ንተሰናባቲ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል/ICRC/ ብሩስ ሎሪየንዝን ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።እቲ ዘተ፤ ኢትዮጵያን እቲ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ኣብ ዘለዎም ምትሕብባርን ሰብኣዊ ጉዳያትን ጠመተ ዝገበረ እዩ።ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዝፀንሕ ምሕዝነት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ‘ውን ዘትዮም።

ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ብምንኣድ ኢትዮጵያ ምስቲ ኮሚቴ ብቐረባ ንምስራሕ ኣብ ዝኾነ እዋን ድልዉቲ ‘ያ ኢለን።

ተሰናባቲ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ኮሚቴ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ብሩስ ሎሪየንዝን ብግደኦም፤ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሚኒስቴር ምክልኻል ንስርሖም ዝገበሮ ደገፍ ኣመስጊኖም።

ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You