
ኣዲስ ኣበባ፡- ቅድሚ ሕዚ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብቋንቋታት ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛ፣ ከምኡ እውን ሶማልያ ክወሃብ ከምዘፅደቐ በዓል መዚ ፍቓድን ቁፅፅርን ኣሽከርከርትን ተሽከርከርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ፍቓድ ካብ ዝተዋህቦም 137 ትካላት መሰልጠንቲ፣ ሞዴል ትካላት ዝኾና 12 ትካላት መሰልጠንቲ፣ ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛ፣ ከምኡ’ውን ሶማልኛ ስልጠና ክህባ ፍቓድ ከምዝተዋህበን ተገሊፁ:: ብኻልእ ወገን ሕፁያት ኣሽከርከርቲ ካብ ኣምሓርኛ ብተወሳኺ ብዝቐረቡ ናይ ቋንቋ ኣማራፂታት ክስልጥኑን ክፍተኑን ከምዝኽእሉ እቲ በዓል መዚ ገሊፁ።
እቲ በዓል መዚ ኣብ ከይዲ ሪፎርም ከምዝርከብን ብብዙሓት ተገልገልቲ ንነዊሕ እዋን ዝሕተቱ ዝነበሩ ናይ ስናይ ምምሕዳር ሕቶታት እናፈትሐ ከምዝርከብ ገሊፁ። እቲ ትካል ካብ ዝህቦም ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኮይኑ ናይ ሕፁያት ናይ ፅንሰ ሓሳብ ስልጠናን ፈተናን ከምዝነበረ ተጠቒሱ፡፡
ብናይ ኣዶ ቋንቋኦም ብኣማራፂ እንትስልጥኑን እንትፍተኑን ዝሓሸ ውፅኢት ከምፅኡ ከምዝኽእሉ ንነዊሕ እዋን እናተሓተተ ዝነበረ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ሕቶ ከምዝኾነ ካብቲ በዓል መዚ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመላኽት።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም