ዝብረታታዕ ለውጢ ዘመዝግብ ዘሎ ዘቤታዊ ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ

ቱሪዝም እንትበሃል ሰባት ንዝተፈላላየ ዕላማ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ወፂኦም ዝተፈላለዩ ቦታታት ባህሊ፣ ልምዲ ታሪኽን ሃፍቲ ተፈጥሮን እንትፈልጡ፣ ኣብ ዝተፈላላዩ ምድላዋት እንትሳተፉ፣ ኣብቲ ቦታ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እንትጥቀሙን ካልኦትን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ እንተካይዱ ቱሪዝም ይበሃል። ብፍላይ ናብ ታሪኻውን ዓበይትን ሃይማኖታዊ ቦታታት ዝግበር ሃይማኖታዊ ጉዕዞ (Pilgrimage tours) ኣብ ዓለም ዝተፈልጠን ልሙድን ኮይኑ ኣማኢት ሚልዮናት ቱሪስታት ከምዝንቀሳቐሱ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እቲ ዝተፈጠረ ኵናት ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ ድሕሪ ምድኻሙ፤ ኣብዚ እዋን ምንቅቃሕ ካብ ዝርኣየሉ ዘሎ ዓይነት ቱሪዝም ዘቤታዊ ሃፍቲ ቱሪዝም ‘ዩ። እዚ ዝነቓቓሕ ዘሎ ውሽጣዊ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ምስቲ ትግራይ ዘለዋ ሰፊሕ ሃፍቲ ሃይማኖታዊ ሓድግታት ብፍላይ ድማ ኣብ ምትብባዕ ዘቤታዊ ቱሪዝም ዓብይ ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ ይግለፅ ‘ዩ። በዚ መሰረት ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሚኢቲ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ዑደተኛታት ውሽጢ ሃገር ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መስሕባት ምጉብናዮም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ምግላፁ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ሃይላይ በየነ ከምዝገለፅዎ፤ ፍሰት ቱሪዝም እቲ ክልል ንምውሳኽ ብዝተዳለዉ ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታውን ባህላውን ፍፃመታት ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብሚኢቲ ኣሽሓት ዝቑፀሩ በፃሕቲ ውሽጢ ሃገር ኣብቲ ክልል ዑደት ዝገበሩ ኮይኖም፤ ካብ ውሽጢ ሃገር ብተወሳኺ ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎም ቱሪስትታት ወፃኢ ኣብቲ ክልል ዑደት ገይሮም ‘ዮም። በዚ መሰረት እቲ ቢሮ ‘ውን ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዱ ብዝሰረሖም ስራሕቲ ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብመንፅር ትልሙ 70 ሚኢታዊ ምስኻዕ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ከምገለፃ ኣይተ ሃይላይ፤ ምስ ሚኒስቴር ቱሪዝምን ኻልኦት ትካላት ፌደራልን ብምዃን ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ መባፅሕታት ቱሪዝም መሊስካ ንምኽፋትን ንምፍላጥን ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ሓፂር ግዜ ኣብቲ ክልል ዑደት ዝገብሩ ቑፅሪ ቱሪስትታት ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝብረታታዕ ለውጢ ተመዝጊቡ ‘ዩ።እዚ ምንቅስቃስ ካብዚ ብዘበለፀ ንከቅፅል እቲ ቢሮን ምስ ማሕበረሰብን ዝተፈላላዩ መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን ምንቅስቃሱ እናቀፀለ ይርከብ ኣሎ። ካብ ፍልፍል ዘቤታዊ ቱሪዝም ትግራይ ዝኾኑ ብፍላይ ብሓድግታት ሃፍታማት ዝኹኑ ገዳማት ዓመታዊ ንግስታቶም ምኽንያት ብምግባር ምብርባርን ምልላይን ምግባር እናቀፀለ ‘ዩ ዘሎ።

ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን በቲ ካብቶም ጥበብ ወለድና ዝዓረፎም ካብ ከውሒ ዝተወቐሩ ሓድግታት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ጣብያ ነጋሽ ቁሸት ዓዲ ቐሾ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም እንዳመድሃኒኣለም ዓዲቐሾ ንምልላይ ሓለፍቲ እቲ ቢሮ ብዘለውዎ ምብርባር ተኻይዱ ‘ዩ:: ኣብዚ ምልዕዓል እዚ ሓድጊ ብተፈጥሮኣዊ ደኒ ዝመዓረገ፣ ስራሕቲ ረቂቕ ጥበብ ወለዲን ብርክት ዝበሉ ውቁባት ተንቀሳቐስቲ ሓድግታት ዝተዓደለ ሰሓቢ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ::

እዚ 27 መጋቢት ዝተኸበረ ዓመታዊ ክብረ በዓል ገዳም እንዳ መድሃኒኣለም ዓዲቐሾ፤ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ተወለድትን ፈተውትን ወገናት፣ምምሕዳር ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክልተ ኣውላዕሎ፣ ህዝብን ምምሕዳርን ጣብያ ነጋሽ ብሓባር ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ኣብ ከተማ መቐለ፣ ከተማ ውቕሮን ጣብያ ነጋሽን ተጣይሾም ምድላዋት ብምግባር ኣብቲ በዓል ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ንክርከቡ ፀዕሪ ተገይሩ ‘ዩ።

ምስዚ ጎናጎኒ እቲ ገዳም ከምቶም መብዛሕተኦም ሓድግታት ትግራይ ብሰንኪ ዕድመን ተፈጥራዊ ሓደጋታትን ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ምንቃዕ ሓደጋ ከምዝበፅሖ ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ቢሮ ባህልን ቱሪዝም፣ ሰብ ሞያ ፅገና ሓድጊ ዩኒቨርሰቲ መቐለ፣ ኣመራርሓ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎን ነበርቲ እቲ ኸባብን ኣብ ዝተረከብሉ ምልከታን ምይይጥን ከምዝተሳለጠ ካብ ገፅ መረበብ ሓበሬታ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። ናይዚ ምልከታን ዳህሳስን መሰረት ብምግባር መፍትሒ ዝኸውን ቀፃሊ ኣንፈት ከምዝቀመጠሉ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ምስ ሓለዋ ሓድግታት ተተሓሒዙ እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ከምዝገልፅዎ፤ ሓድግታት ትግራይ በቢመዋእሉ ብዝተፈላለዩ ዝተፈጠሩ ኵናታት ምኽንያታት ሰፍ ዘይብል ብርሰት በፂሕዎም ‘ዩ:: “ካብ መከራ ዘምለጡን ኣባና ዝበፅሑን ሓድግታትና ክንሕልዎምን ናብ ረብሓ ማሕበረሰብ ከነውዕሎምን ይግባእ::” ብመባል በቢከባቢኡ ዝረአ ዘሎ ኣብ ዝተከለለ ናይ ሓድጊ ቦታ መንበሪ ገዛ ምስራሕ፣ ኣብዚ ዘመን ኣልሽካ ዘይርከብ እታወት ተጠቂምካ ዝተሰርሑ ጥንታዊ ሓድግታት (ቤተ ክርስትያን ሓዊሱ) ኣፍሪስካ ብዘይ ኣንፈት ክኢላታት ብወነንካ ሓዱሽ ንምስራሕ ምፍራስ፣ ኮነይ ኢልካ ጥሕሰት ሕግታት ሓለዋን ምሕደራን ሓድግታት ሕሉፍ ወለዶናን ብምፍፃም ንውልቃዊ ረብሓ በለፅን ምጉያይ ክእረም ዝግበኦ መዕነውን መሕፈርን ተግባራት ከምዝኾኑ ገሊፂም ‘ዮም::

እዚ ፈፂሙ ክፍፀም ዘይግበኦ ናይ ተጋሩ ክብርታት ዘራኽስ ገበን ምዃኑ ፈሊጥና ካብ ተመሳሳሊ ተግባር ንቆጠብ ብምባል፤ ዝምልከቶ ኣካል ‘ውን ኣብ ልዕሊ እዞም ጥሕሰት ዝፍፅሙ ዘለው ኣካላት መምሃሪ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ይብሉ:: ጥፍኣት ምፍፃም ጥራሕ ዘይኮነስ ጥፍኣት እናረኣኻ ስኽ ምባል ‘ውን የሕትት ‘ዩ ብምባል፤ ምድሓን ሓድጊ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ከምዝኾነ ‘ውን የተሓሳስቡ።

ብሓፈሻ ቱሪዝም ኢንዱስትሪ ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምልማዕን ክብርታት ዝምርኮስ ሃፍታም ኢንዱስትሪ ‘ዩ:: ሓድግታትና ብምዕቃብን ናብ ልምዓት ብምውዓል ሰላም እታ ሃገርን ብፍላይ ድማ ሰላም እታ ክልል ውሑስ ብምግባር ዝበለፀ ቁጠባውን ማሕበራውን ፀገማት ክፍታሕ ክስራሕ ይግባእ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You