
ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ካብ ዝተዓደለቶም ፀጋታትን ክብርታትን ዓሚቕ ሃብትታታን ባህላውን ህዝባዊን በዓላት ዝረከቡላ ሃገር ‘ያ። እዞም ዝተፈላላዩ ብዝሓ ባህልታት ነታ ሃገር ድምቀት ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ ብዙሓት ኣብ ዘይድህሰሱ ቅርስነት ዓለም ንክምዝገቡ ብምግባር ብዘለዋ ሃፍቲ ልክዕ ካብዚ ተረባሒት ክትኮን ክኢላ ‘ያ ክብሃል እንተዘይተኽኣለ ‘ውን ካብ ዘለውዋ መስሕብ ቱሪዝም ብመጠኑ ተረባሒት ክትከውን ክኢላ ‘ያ።
ነዞም በዓላት እዚኦም ንምዕዛብ ብዝመፅኡ ብርክት ዝበሉ ቱሪስትታት መስሕብነት ቱሪዝም እዛ ዓዲ ካብ እዋን ናብ እዋን እንተጠናኸረ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክጠናኸር ኣብ ምግባር ዘለዎም ረብሓ ‘ውን ብቀሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ናይዚ ኣብነት ካብ ዝኾኑ በዓላት ድማ ዝሓለፈ ሰሙን ብብሄረሰብ ሲዳማ ዝተኸበረ በዓል ፍቼ ጫምባላላ ሓደ ‘ዩ።
እቲ በዓል ኣብ ማሕበረሰብ ሓድነት፣ ምትሕብባር፣ ዕርቅን ተስፋን ንክሰርፅ፤ ፅቡቕ ትምኒት ዝገለፀሉን ብተግባር ‘ውን ዝርኣየሉን ካብ ህዝቢ ሲዳማ ንመላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ንዓለም ዝተበረከተ ፀጋ ምዃኑ ዝግለፀሉ በዓል ‘ዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ብሄር ሲዳማ በዓል ዘበን መለወጢ ‘ፍቼ ጫምባላላ’ ዝሓፈ ሰሙን ብዕለት 18ን 19ን ብፍሉይ ባህላዊ ኩነታት ደሚቑ ዝተኸበረ ኮይኑ፤ ፍቼ ጨምበላላ ክብርታት ንሃገራዊ ምርድዳእ፣ ንሓድነት ህዝቢን ርኡይ ኣበርክቶ ሰላምን ከምዘለዎም ኣብ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ሲዳማ ሓላፊ ቱሪዝምን ስፖርትን ኣይተ ኣበባ ማሪሞ ምግላፆም ግዜኣ ፀብፂቡ ‘ዩ።
እቲ በዓል ናይ ዕርቒ፣ ሰላምን ሓድነትን ክብርታት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ 10 ዓመት አብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኒስኮ) ኣብ ዘይድህሰስ ቅርሲ ክምዝገብ ከምዝበቕዐ ብምግላፅ፤ ኣካል እቲ ምድላው ዝኾነ ‘ኡሱራ’ ዝተብሃለ፣ ብቁዕ ኣረጋውያን ሲዳማ (ጭሜየ) ዝሕዝዎ ስርዓት ፆም፣ ካብቲ በዓል ቕድም ኣብ ዝበሉ መዓልቲታ ዝካየድ እንትኾን፣እዙይ ንዝሓለፈ በደል ንስሃ ዝኣትወሉን መፃኢ ግዘ ናይ ሰላም ክኸውን ዝምነይሉን መማሕፀኒ እዋን ምዃኑ ተሓቢሩ ‘ዩ።
“ኡሱራ” ዝተብኣሱ ሰባት ስነ-ስርዓት ዕርቒ ዝኽወነሉ ብምዃኑ ሰባት ተፃሊኦም ናብ ሓዱሽ ዘመን ክሰጋገሩ የብሎምን ብዝብል ሓሳብ ዝፍፀም ከምዝኾነን እቲ ስነ-ስርዓት ዕርቒ ‘ኣፊኒ’ ብዝብሃል ባህላዊ ዘተ ሲዳማ ዝግለፀሉ ኩነት ከምዝኾነ ኣይተ ኣበበ ብምግላፅ፤ ዕርቒ፣ ዘተን ፍትሒን ሓቑፉ ዝሓዘ ኣፊኒ ብዳይነት ተበዳሊ ሓሳቦም ዝዛረብሉን ዝደመፅሉን ዓብዩ ቦታ ዘለዎ ስርዓት ‘ዩ።
ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውሽጢ ዓድን ወፃእን አጋይሽ ዝተረኸቡሉን ከምኡ ‘ውን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዶ/ር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓላፍቲ ዕዮታት መንግስቲ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ዝተመሓለለፈሉ በዓል ‘ዩ።
ንኣብነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ፍቼ ጫምባላላ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣብ ዘሕለፉሉ፤ ኢትዮጵያ ብብዝሓ መንነት፣ ባህልን ክብሪን ዝደመቐት፣ ብህብረ ብሄራዊነት ዝተዛመደት ዓባይ ሃገር ‘ያ ብምባል፤ እቲ በዓል ናይ ሲዳማ ብሄር ባህላዊ መፍለጢ ቅርሲ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ሃፍቲ እውን ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም።
ከም ገለፃ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ‘ውን፤ ፊቼ ጫምባላላ ክብሪ ዕርቀ ሰላም፣ ሰላም፣ ሕብረትን ሕውነትን ካብ ምጉልባቱ ብተወሳኺ ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዝህልዎ ግደ ልዑል ከምዝኾነን፤ ዘበን መለወጢ ፊቼ ጫምባላላ ባህሊን ህዝቢ ሲዳማ ካብ ምፍላጥ ብተወሳኺ ልምዓትን ምዕባለን ቱሪዝም እቲ ክልል ኣብ ምምዕባል ልዑል ኣወንታዊ ግደ ኣለዎ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ሓበራዊ ያታ ንምህናፅ ዝህልዎ ግደ ልዑል ‘ዩ።
በዓል ዋና እዚ ባህሊ ዝኾነ ህዝቢ ሲዳማ ብመሰረት ናይ ባዕሉ ቀመር ግዜ ዘኽብሮ እቲ በዓል ዘመን ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ተስፋ፣ ምሕዳስን ብሩህነትን ዝሰንቀሉ ብስራሕ ሓዱሽ ዘበን ‘ዩ ዝበሉ ድማ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፤ ከም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀፃሊ እቲ በዓል ካብዚ ብዝበለፀ ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ኢሉውን ናይቲ በዓል ውፅኢታት ንሓገራዊ ሓድነትን ህብረ ብሄራዊ ተወሳኺ ዓቕሚን ንክኾኑ ብዝግባእ ክንሰርሕ ኢና ምባሎም ተፀብፂቡ ‘ዩ።
ካብ ብዙሓት ዘይድህሰሱ ቅርስታት ውሽጢ ፊቼ ጫምባላላ ሓደ ‘ዩ ዝበላ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ድማ እዚ በዓል ኣብ ክልል ሲዳማ ምስ ብዙሓት መስሕባት ቱሪዝም ክተኣሳሰር ከምዝግባእ ገሊፀን። ብተወሳኺ እቲ በዓል ብዓለምለኸ ተወዳዳሪ መባፅሕ ቱሪዝም ንክኾን ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢረን።
እዚ ወካሊ ባህላዊ ቅርሲ ካብ ሃገር ሓሊፉ ዓለም ለኻዊ ቅርሲ ንክኸውን መንግስቲ፣ ናይ ሲዳማ ምሁራትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘበርከትዎ ግደ ዝርሳዕ ኣይኮነን እሞ መሰል ኣብ ዩኒስኮ ክምዝገቡ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ቅርስታት ካብዚ ትምህርቲ ብምውሳድ ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕ ብምስራሕ ካብ ዝተፈላላዩ ቅርስታትና ተረባሕቲ እንኹነሉ ዕድል ክጠናኸር ይግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም