
ሓተታ ዜና
ኣብ ሃገርና ንዘፈር ቴክኒክን ሞያዊ ስልጠና ዝወሃብ ኣገዳስነት ትሑት ‘ኳ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ግን እቲ ኣረኣእያ ዝተቐየረ ይመስል።
ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት እቲ ዓውዲ ሕዚ ብዙሓት ተምሃሮ ልክዕ ከምቲ ቀደም ናብ ዩኒቨርሲቲታት ዝኣትዉ ዝነበሩ ክእለትን ሓደሽቲ ምህዞታት ቴክኖሎጂን ዘጥርዩሉ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ስልጠና ይኣትዉ ኣለዉ። ስለዚ ነዚ ዝያዳ ንምዕባይ ድማ “ክእለት ምእንተ ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ዕዮን ክእለትን ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብዝሓለፈ ሰኑይ ተኻይዱ ‘ዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ዘቕረቡ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ዶክተር ተሻለ በሬቻ፤ ብኽእለት ዝበቕዐ ሓይሊ ሰብ ንሓንቲ ሃገር እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብዘቕረብዎ ፅሑፍ፤ ትርኽቲ ካብ ዝህነፀሎም ቑልፊ ጉዳያት እቲ ሓደ ክእለት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ፅሬት ዘለዎ ክእለት ንዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር እታዎታት ዝመርሖ ዕዳጋ ንምቕያር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽንና ንምዕዋት ግደ ክእለት ዓቢዪ ‘ዩ ዝበሉ ዶክተር ተሻለ፤ ሃገር በቖል ሪፎርም ኢኮኖሚ ካብ ዝትግበር ንደሓር ኢኮኖሚያዊ ስብራት ንምፅጋን ዘኽእል ኣብ ክእለት ዝተመርኮሰ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም። ምስ ኢንዱስትሪን ውልቐ ሴክተርን ብቕርበት እናተሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ቴክኒክን ሞያን ስልጠና ብባህሪኡ ተግባር ተኮር ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ተግባር ተኮር ስልጣና ጋህዲ ንምግባር ምስ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ሚኒስቴር ትምህርቲን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል ሕጋዊ ኣሳራርሓ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም።
ፅሬት ስልጠና ንምምፃእ ምስ ኢንዱስትሪታት ዘሎ ምትእስሳር ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ትኹረት ሂብካ ከምዝስራሕ ብምግላፅ፤ ኣብ ቴክኒክን ሞያን ትካላት ብሓፀርቲ ስልጠና ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዜጋታት፣ ብስሩዕ ድማ ልዕሊ 500 ሽሕ ዜጋታት ዝሓልፉ እንትኾን፤ ልምዓት እቲ ክእልት ካብዚ ንለዓሊ ንምዕባይ ብሓባር ምስራሕ ይሓትት።
ሚኒስትር ዲኤታ ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ቡሉልታ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ስራሕ ዝሰኣኑ መናእሰይ እንተሃለው ‘ውን ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ ዝጠልቦ ክእለት ዘማልኡ ግና ውሑዳት ‘ዮም። ኣብ መነጎ ኣፍራያይ ኢንዱስትሪን ክእለት ዘለዎ ስራሕ ዝሰኣነ መንእሰይን ዘሎ ኣፈላይ ምፅባብ የድሊ ዝበሉ ኣይተ ታረቀኝ፤ ነዚ ‘ውን ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ምስ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምዃን ብምትሕብባር እናሰርሐ ‘ዩ ኢሎም።
ካብዚ ብዝሓለፈ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ማእኸላት ስልጠና ዘለውኦ እንትኸውን ንኣብነት ብዘፈር ቆርበትን ጨርቃመርቂን ብቁዕ ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ እናሰርሑ ምዃኖም ‘ውን ገሊፆም። ሐዚ ዘሎ ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ ንሃገር ዘወፍዮ ኣበርክቶ ካብ 7 ሚእታዊ ኣይበልፅን፣ እዚ ድማ ካብ ወፃኢ ሃገር ኣብ ዝኣትዉ ፍርያታት ፅግዕተኛ ምዃንና ዘርኢ ‘ዩ ኢሎም ። ካብዚ ፅግዕተኛ ንምልቃቅ እቲ ኣፍራያይ ኢንዱስትሪ ምድጋፍን ዝድለይ ክእለት ምምላእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
መስራቲት ፋሽን ማፊ ማፊ ብራንዲንግ ማህሌት ኣፈወርቅ ብወገና ኣብ ዘቅረበቶ መዛተይ ሓሳብ ከምዝገለፀቶ ንሓደሽቲ ስራሕ ፈጠርቲ መናእሰይ ናይ ፋይናንስ ፣ መስርሒ ቦታን ኣቅርቦት ቴክኖሎጂ ወሰንቲ ‘ዮም። ንስራሕ ፈጠርቲ መልዓሊ ገንዘብ መስርሒ ቦታ ምትእስሳር ዕዳጋ ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅ ድማ ናይቲ ዘፈር ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ ክትብል ገሊፃ።
ኢንዱስትሪ ፋሽን በቢግዚኡ ክሰፍሕ ዝኽእል ‘ዩ ዝበለት ወይዘሮ ማህሌት እቲ ፋሽን ኢንዱስትሪ ትኹረት ክወሃበሉን ክስረሐሉን ይግባእ ክትብል ገሊፃ። ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ተማሂሩ ዝወፅእ ዜጋ ምፍጣር ወሳኒ ምዃኑ ፣ ሕድሕድ ኢንዱስትሪ ዘድልዮ ፅሬት ዘለዎን ብቁዕ ዜጋ ንምፍራይ ምስራሕ ከምዘለዎ ኣብሪሃ።ውልቀ ሴክተር ክፍተት ክህሎት ንምምላእ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፃ።
ንቲ መድረክ ኣመያያጢ ዝነበራ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ከምዝበልኦ፣ ግዜ ዝሓቶ ሓርበኝነት ንሞያን ንባዓል ሞያን ኽብሪ ምሃብ ከምዝኾነ ገሊፀን። ምዝባዕ ታሪኽ ዘፈር ሞያን ቴክኒክን ከምዝጎድኦ ተዛሪበን። ክህሎት ብሕብረትን ሓድነትን ኾይና ሃገር እንሰርሐሉ መገዲ ‘ዩ። ግዜ ዝሓቶ ሓርበኝነት ንሞያን ንባዓል ሞያን ኽብሪ ምሃብ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፤ ዜጋታት ወርቂ ኣእዳዎም ብሩህ ኣእምርኦም ተጠቂሞም ዝገብርዎ ተግባር ፀገም ምፍታሕ ሓርበኝነት ‘ዩ ኢለን።
ኸዚ ዘለናዮ እዋን ትርክት ዝተዛብዑ ታሪኻት እንጋፈጠሉ እንትኾን፣ ካብ ዝተዛብዑ ታሪኻት እቲ ሓደ ኣብ ሞያን ባዓል ሞያን ዘሎ ግንዛበ ከምዝኾነ ገሊፀን።ዝተዛበዐ ታሪኽ ንምስትኽኻል ብኮሙኒኬሽንን ብተግባርን ኣጣሚርካ ብምኻድ ተቃራሪብኻ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብሪሀን።
ኢንዱስትሪታት ዝደልይዎ ሓደሽቲ ናይ ስልጠና ዘፈራት ከምዘለው ድሕሪ ምግላፅ፤ ምትሕብባር ብምጥንኻር ኣብ ድልየት ዝተመስረተ ሓይሊ ሰብ ንምቅራብ ክሰርሕ ‘ዩ ኢለን። ብልምዲ ፍልጠትን ክህሎትን ዝረኸቡ ሰባት ኣፍልጦ ዝረኽብሉ ስርዓት ኣብ ዝተድሓዘ ዓመት ዕላዊ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።
ክንከባኸቦን ክንሕልዎ ዝግባእ ሃገር ቦቆል ፍልጠት ከምዘለው ድሕሪ ምግላፅ፤ 26 ዝበፅሑ ሃገር በቆል ፍልጠት ተፈልዮም ካሪኩለም ከምዝተቐረፀሎም ተዛሪበን። ኣብ ቐፃሊ ሃገር በቆል ፍልጠት ናይ ምምሕያሽ ስራሕቲ ዝስራሕ እንትኾን፤ እዚ ድማ ሞያን በዓል ሞያን ንምኽባር ዓብይ ግደ ኣለዎ። ብኻሊእ ወገን ሓደሽትን ነባራት ቢዝነስ ምጥማርን ስታርት ኣፕ ምጥንኻር ግድን ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ልዕል ምባል ዝካኣል ስራሕ ብክህሎት እንትምራሕ ብምዃኑ ዘለና ፍልጠት ብዘይ ምንም ቁጠባ ኣብ ሃገር ኢንቨስት ንግበር ኢለን። ኢትዮጵያ እናሰዓረት ትሳገር ‘ያ ምንም ጥርጥር የብሉን ክብላ መልእኽተን ኣመሓላሊፈን ።
መኣርግ ገ/ሄርን መሰረት ገ/ዮሃንስን
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም