
ኣዲስ ኣበባ፡- ካብ ተረዳኢነት ወፂእና ባዕልና እንምግበሉ ጅምር ስራሕ ፍረ እናፍረየሎም ካብ ዘለው ከባቢታት ሓደ ምብራቅ ሃረርጌ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ኦሮምያ ምብራቕ ሃረርጌ ኣብ ዝጎብነይሉ እዋን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ቆላማ ከባቢ ምብራቕ ሃረርጌ ዘሎ ማሕበረሰብ ቅድሚ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዓመት ሓገዝ ሴፍቲኔት እናተገበረሉ ነይሩ።ቅድሚኡ ‘ውን ጎንፂ ተራእይሉ ዝነበረ ኣከባቢ ‘ዩ፡፡ ሐዚ ግና ዝተወሰነ ግድብ ብምግዳብ ልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ምስ ጀመርና ሓደ ሽሕ ሄክታር መሬት ብሓጋይ ስንዳይ ምልማዕ ተኻኢሉ፡፡
ቅድሚ ዓመታት ብሴፍቲኔት እናተሓገዘ ዝነበረ ቆላማ ከባቢ ምብራቕ ሃረርጌ ተለዊጡ ብልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ውፅኢታማ ኮይኑ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ብጣዕሚ ዘደንቕ ድማ ናይ ሎሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልዮን ዝፅጋዕ ህዝቢ ብሓገዝ ሴፍቲኔት ይነብር ነይሩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፤ ሐዚ ግና 74 ሚእታዊ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ሓገዝ ሴፍቲትኔት ሓራ ምውፅኡ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ዝተረፈ 26 ሚእታዊ ማሕበረሰብ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ሓራ ንምውፃእ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ካብ ተረዳኢነት ወፂእና ባዕልና እንምግበሉ ስራሕቲ ፍረ ካብ ዘፍረየሎም ከባቢታት ሓደ ምብራቅ ሃረርጌ ‘ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ድማ ተስፋ ዝህብ ጅማሮ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ብመስኖ ስንዳይ ሓጋይ 3 ነጥቢ ሓሙሽተ ሚሊየን ሄክታር መሬት ተሸፊኑ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ካብ ሓጋይ ስንዳይ 300 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ትፅቢት ዝግበር ይኸውን ኢሎም፡፡ ምትጋህ፣ ምስራሕ፣ ምርኣይ እንተኽኢልና፣ ካብ ተረዳእነት ሓሊፋ ካልኦት ምርዳእ ትኽእል ‘ያ፡፡ እዚ ስራሕ ኣጠናኺርና ንክንቅፅል ሓደራ ይብል ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም