
ኣዲስ ኣበባ:- መበል 71 ዙር ኣባ ገዳ ኩራ ጃርሶ ንመበል 72 ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ ስልጣኖም ኣብ ምብራቅ ቦረና ዞባ ኣሬሮ ወረዳ ኣርዳ ጂላ በዳሳ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ናይ ቦረና ኣባ ገዳ ባሊ (ስልጣን ) ርክክብ ኣረኪቦም ። ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ ስልጣን ኣብ ዝተረከብሉ እዋን ከምዝገለፅዎ፣ ብገዳ እሴት መሰረት ካብ ደበሌ ብርኪ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ኩነታት ውሽጢ ብምሕላፍ ካብ ኩራ ጃርሶ ናይ ቦረና ኣባ ገዳ ባሊን(ሰልጣን) ተረኪበ ኣለኹ።
ስርዓት ገዳን ኣብ ገዳ ውሽጢ ዝርከቡ እሴታት ነባራት ኣባ ገዳታት ብዙሕ ዋጋ ኸፊሎምሉ ንሎሚ ወለዶ ንክሓልፍ ከምዝገበሩ ድሕሪ ምግላፅ ፣ ካብ ቀዳሞት እሴታት ሓሊና ከምዝተረከብና ክነቀፅል ኣለና ኢሎም። ኣብ ዘመነ ስልጣኖም ሓድነት ህዝቢ ንክጠናኸርን ሰላም ንክሰፍንን፣ ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ምስፍሕፋሕን ካልኦት ጉዳያትን ትኹረት ገይሮም ከምሰርሑ ኣመልኪቶም።
እቲ ባህሊ ብምፍላጥ ናብ ዝነበሮ እሴት ንክምለስ ኣባገዳታትን መንግስትን እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ኣመስጊኖም። እዚ ወለዶ ብትምህርቲ ዝተሓገዘ ባህሉን ልምዱን ብቅብብል ንቀፃሊ ወለዶ ብምትሕልላፍ ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት ከምዝግባእ ገሊፆም። እዚ ወለዶ ዘመኑ ብዝመሰለ ወገኑን ባህሉን ሓልዩ ከቀፅል ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ አይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም። ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ መበል 72 ናይ ቦረና ኣባ ገዳ ባሊ ተረኪቦም ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ከምዝገለፅዎ፣ ስርዓት ገዳ ኣብ ከይዲ ዘመን ስልጣነ ባዕሉ እናሓደሰን ፈተናታት እናሓለፈን ኣብዚ በፂሑ ‘ዩ። ስርዓት ገዳ በቲ ህዝቢ ባህልን እሴትን ተሃኒፁን ኣብ ከይዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ብፅንዓት ብምስትኽኻል ኣብዚ በፂሑ ‘ዩ።
እዚ ወለዶ ዘመኑ ብዝመሰለ ወገኑን ባህሉን ሓልዩ ከቀፅል ይግባእ ኢሎም። ሳይንስን ቴክኖሎጂን ህንፀት ትምህርቲ ‘ውን ናይቲ ማሕበረሰብ ባህልን ታሪኽን መሰረት ገይሩ ከምዝቅፅል ድሕሪ ምግላፅ ፣ፅባሕና እንሃንፆ ባህልናን ልምድናን ብኣግባቡ ምንክብኻብ ምዕባይ እንትንኽእል ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
ናይቲ ክልል መንግስቲ ስርዓት ገዳ ወለዶ ንክማሃረሉን ኣብ ዓለም ንክፋለጥ ኣጠንኪሩ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቶም። እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንተሳናባቲን ተረካብን ኣባገዳታት እንኳዕ ኣብፀሐኩም ብምባል ካብ ጎረቤት ሃገርን ክልልን እቲ ስነ ስርዓት ንምክትታል ንዝመፁ ኣጋይሽ ምስጋና ኣቅሪቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ጉጅለ ልኡኻን ኬንያ ዝተሳተፉ እንትኾኑ ኣብ ኬንያ ማርሳቤት ካውንት ገዛኢ መሓሙድ ዓሊ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ” ሎሚ ዕለት መዓልቲ ሓጎስ ‘ዩ ፣ንሕና ‘ውን ናይ ኣሕዋትና ሓጎስ ንምክፋል መፂና ኢና ፣ምስ ህዝቢ ቦረና ናይ ዶብ መስመር’ ምበር ናይ ባህልን ታሪኽን ፍልልይ የብልናን ” ኢሎም።
” ስርዓት ገዳ ደስ ዝብል ባህልን ጥንታዊ ስርዓት ዴሞክራሲ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ገዛኢ፣እዚ ባህሊ ሓልዮም ዘፅንሑ ኣካላት ኣመስጊኖም። ስልጣኖም ዝተረከቡ መበል 72 ናይ ቦረና ኣባ ገዳ ጉዮ ቦሩ ጉዮ ንዝቅፅሉ ሸሞንተ ዓመታተት ስርዓት እቲ ገዳ ክመርሑ ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም