
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ንመበል ኻልኣይ ዙር ልምዓት መስኖ ልዕሊ 30 ሽሕ ሄክታር መሬት እናለምዐ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡ ዳይሬክተር ሆርቲካልቸር ግብርናን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ኣይተ ሃይለ ታደሰ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤ ልምዓት መስኖ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዘ ንምልማዕ ተተሊሙ እናተሰርሐ ̒ዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ቐዳማይ ዙር ተዛዚሙ መበል ኻልኣይ ዙር 30 ሽሕ ሄክታር መሬት እናለምዐ ይርከብ። እቲ ዓሰርተ ሽሕ ሄክታር መሬት ብፍረምረ ዝሽፈን እንትኸውን፤ሽዱሽተ ሽሕ ሄክታር ድማ ብምህርቲ እኽሊ ተሸፊኑ ዩ፡፡ሸውዓተ ሚኢቲ ሄክታር መሬት ድማ ብምህርቲ ስርናይ ምሽፋን ተኻኢሉ ̒ዩ፡፡
ኣብ ቐዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ 69 ሽሕን 552 ሄክታር መሬት ንምልማዕ ተተሊሙ 96 ሚኢታዊ ምስኻዕ ተኻኢሉ ̒ዩ። በዚ ድማ 119 ሽሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ̒ዩ። ኣብ ኻልኣይ ዙር ክንድቲ ናይ ቐዳማይ ዙር ዝኸውን መጠን ዘይተተለመሉ ምኽንያት ሙሉእ ዓመት ማይ ዝረኽባ ከባብታት ስለዘለዋ ̒የን ክብሉ ገሊፆም፡፡ 216 ሽሕ ሓረስቶት ኣብ ቐዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ ዝተሳተፉ እንትኾኑ እተን 36 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ፤ 57 ሽሕ ድማ መናእሰይ ̒ዮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተሳትፎ መናእሰይ ካብ 40 ሽሕ ኣይሓለፈን ነይሩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ኣብ መበል ኻልኣይ ዙር እኹል ሰብ ሰራሕ መዳበሪያ ከም ዝተዳለወ ብምሕባር፤ኣፍልጦ ካብ ዘለዎም ማእኸላት እቲ ሓረስታይ ምሩፅ ዘርኢ ንኽረክብ እናተገበረ ̒ዩ ኢሎም። ዓቕሚ እቲ ሓረስታይ ንምጉልባት ድማ እኹል ስልጠናን ናይ ልምዲ ልውውጥን እናተውሃበ ̒ዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ልምዓት መስኖ ከም ክልል ሓረስቶት ፅቡቕ ለውጢ እናመዝገቡ ይርከቡ። በዚ ድማ ቕድሚ ሐዚ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ብርኪ ከፍትን ንብረትን እናሸጡ ፓምፕ ብምግዛእ ኣብ ልምዓት መስኖ እናነጠፉ ይርከቡ። መብዛሕትኦም ድማ መናእሰይ ̒ዮም ኢሎም፡፡
ውሑዳት መናእሰይ ናይ ወለዶም መሬት ዘልምዑ እንትኾኑ፤ መብዛሕትኦም ድማ መሬት ተኻርዮም እናምዑ ይርከቡ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ብመዳይ ቐረብ ነዳዲ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ዕንቅፋ እናፈጠረ ምዃኑ ብምሕባር እዚ ፀገም ንምቕራፍ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝርብ ገሊፆም፡፡
ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ኲናት ዓንየን ዝነበራ ማእኸላት ፈልሲ ናብ ንቡር ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዘሎ ብምጥቃስ፤ ዛጊድ ሰለስተ ሚሊዮን ፈልሲ ኣብዘን ማእኸላት ምድላው ከምዝተኽኣለን ሓረስታይ ̒ውን ብውልቁ ፈልሲ እናዳለወ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ብሓፈሻ ልምዓት መስኖ በዚ ብርኪ ንምስኻዕ እቲ ክልል ትኹረት ሂቡ ብምስርሑን መንግስቲ ፌደራል ድማ ግቡእ ሓገዝ ብምግባሩን ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ሔርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም