ናይ ውሽጢ ፀገማት ተዘራሪብካ ምፍታሕ ተጋላፅነት ጥቕዓት ወፃኢ ይቕንስ ‘ዩ ተባሂሉ -መበል 47 ዓመት ዓወት በዓል ካራማራ ኣብ ጎዳና ሕውነት ኢትዮ-ኩባ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ናይ ውሽጢ ፀገማት ተቀራሪብካ ምፍታሕ እንተተኻኢሉ ተጋላፅነት ጥቕዓት ወፃኢ ከምዘይህልው ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ-ብርሃን መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ኣይተ ሀሳቡ ተስፋ ገሊፆም:: መበል 47 ዓመት ዓወት በዓል ካራማራ “ዓወት ኢትዮጵያውያን” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጎዳና ሕውነት ኢትዮ ኩባ ተኸቢሩ::

ኣይተ ሀሳቡ መበል 47 ዓመት ዓወት በዓል ካራማራ ኣመልኪቶም ብፍላይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፣ሐዚ ኣብ ዙርያና ዘሎ ጂኦ- ፖለቲካል ኩነታት ኣብ ምእቲ ዓመት ሓደ ግዘ ዝርከብ ዕድል ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም:: ኣብ ናይ ውሽጢ ፀገማትና ተቀራሪብካ ብምፍታሕ ከም ሃገር ካብ ወፃኢ ክህልው ዝኽእል ተገላፅነት ጥቅዓት ወፃኢ ምትራፍ ይክኣል ‘ዩ ኢሎም::

ወራር ሶማሊያ ‘ውን ዘምህረና እዚ ሓቂ ‘ዩ:: ኣብቲ እዋን ሶማሊያ ንኢትዮጵያ ንምውራር ከምፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝተጠቀመትሉ ኣብ 1960ታት መፋርቕ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዕግርግር ፖለቲካ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምርኣይ ‘ዩ ኢሎም:: ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ፀረ-መንግስቲ ኣረኣእያ ዝነበሮም ከም ሻዕቢያ፣ ህወሓት፣ ኦነግን ኢህአፓን ዝኣምሰሉ ምንቕስቃስ ውሽጢ ዓዲ ሓይልታት በብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዓቅምን ድፍረትን ከምዝሃቦም ‘ውን መምህር ሀሳቡ ሓቢሮም::

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ዚያድ ባሬ ነቲ ወራር ዝፈፀሞ ” ዓባይ ሶማሊያ ” ምምስራት ካብ ዝብል ሕልሚ ዝመንጨወ ‘ዩ ዝበሉ መምህር ሀሳቡ፤ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ኣብ ዝወፅእሉ ዓመት መወዳእታ በቲ ንጉስ ፈተነ ገይሮም ‘ዮም :: ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ዝተረጋገዐት ሃገር ስለዝነበረት ፈተናታት ብቀሊሉ ምምካት ክኢላ ‘ያ ኢሎም::

ምስ ካልኦት ጎረቤት ሃገራት ተመሳሳሊ ሕቶ መሬት ይግብኣኒ እንተሃለዎ ‘ውን መጀመርያ ኢትዮጵያን ምጥቃዕ ዓቢ ዋጋ ከርክበለይ ‘ዩ ብምባል እቲ ወራር ምክያደዱ ብምሕባር፤ ኣብዛ ሃገር ኣብ 1966 ዓ.ም ዝተወለዐ ወያነ ተኸቲሉ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ፤ ምንቕስቓሳት ቀይሕ ራዕድን ፃዕዳ ራዕድን፤ ካልኦት ሃገራዊ ዕግርግራት ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ምሙካሩ ሓቢሮም ::

ሃገር በብዙሕ ውስጣዊ ፀገማት ውሽጢ እነተኾነት ‘ውን፤ መላእ ህዝቢ ፃውዒት መንግስቲ ተቀቢሉ ብሓደ ግዘ 300ሽሕ ሚሊሻ ሰልጢኑ ብምውፋር ነቲ ወራር ክምለስ ተኻኢሉ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሕኣ በብዙሕ መልክዕ ኣብ ሓደጋ ዝወደቀት ሃገር ያ፤ ኣፍደገ እናሃለዋ ‘ውን ዝሰኣነት ‘ያ:: እዚ ብሄራዊ ረብሕኣ ንምርግጋፅ ድማ ኩሉ ግዘ ሓድነታ ምሕላው ክህልዋ ኣለዎ ኢሎ ም::

መበል 47 ዓመት ዓወት በዓል ካራማራ “ዓወት ኢትዮጵያውያን” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጎዳና ሕውነት ኢትዮ ኩባ ትማሊ ዝተኸበረ እንትኾን፣ ኣብቲ በዓል ነበር አባላት ሰራዊት፣ ስድራ ሰራዊት፣ ተወከልቲ ኢምባሲ ኩባ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You