
ሓድግታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ሓድግታት ትግራይ ምስጥር ኣእላፍ ዘመናትን ሕላገት ዘይሃስስ ክብርታትን ‘ዮም።ትግራይ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ማእከል ዝተፈላላዩ ባህላውን ሰብ ስራሕን ተፈጥሯውን ሓድግታት ‘ውን ‘ያ።
ካብ ከውሒ ዝተፈልፈሉ ገዳማት ከይሓወሰ ብኳዕቲ ይኩን በዘይ ኳዕቲ ኣብ መላእ ከባብታት ትግራይ ኣሰር ስልጣነታት መርከቢት ታሪኻዊ ቦታታት ‘ያ። እቶም ዝተፈላለዩ ሓድግታት ብዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ምኽኒያት ጉድኣት ዝበፅሖምን እናበፀሖሙን ዘለዉን ሓድግታት ብዙሓት ‘ዮም።
እዞም ዝተፈላለዩ ሓድግታት ጉድኣት ክበፅሖም ከሎ ድማ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ተሓባበርትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ብመሰረት ብኣዋጅ ዝተዋህብዎ ሓላፍነት፤ ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ባህላውን ተፈጥራውን ሓድግታት ሰብ ስራሕን ተፈጥራውን ጉድኣት ከይበፅሖም ምሕላውን ምሕብሓብን ከምዝሰርሕ ዝፍለጥ ‘ዩ።
በዚ መሰረት ‘ውን ዝተፈላላዩ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓድግታት ምስ ዝተፈላላዩ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ተሓባበርትን ብምዃን ዝተፀገኑን እናተፀገኑ ዘለው ሓድግታት ኣለው ‘ዮም። ካብቶም ኣብ ከይዲ ምፅጋን ዝርከቡ ድማ ሓደ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ መስጊድ ነጋሽ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩናት ካብ ዝተጎድኡ ዓበይቲ ሓድግታት ትግራይ ሓደ ኮይኑ ኣብ መፈለምታ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ/ም ተግባራዊ ናይ ፅገና ስራሕ ጀሚሩ ‘ዩ።
በቢእዋኑ ዘለዎ ብርኪ ፅገና ንምርኣይ ብዝግበር ዑደት መሰረት ብፅቡቅ ከይዲ ፅገና እናኸደ ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝወፅኡ ሓበሬታት የመላኽቱ። እቲ ፅገና ኣብ ውሽጢ 8 ወርሒ ሃይማኖታውን ታሪኻውን ትሕዝትኡ ሓልዩ ተፀጊኑ ከምዝጠናቐቕ ዝፍለጥ ኮይኑ ሐዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይ ፅገና ምዕራፍ ይርከብ ኣሎ:: ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 6 የካቲት ዝተገበረ ምልከታ ዘለዎ ብርኪ ፅገናን ይተርፉ ‘ዮም ዝተብሃሉ ነገራት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ዝተገበረ እንትኾን ኣብ ሓፂር እዋን ፅገንኡ ክዛዘም ‘ዩ::
ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/እዝጋብሄር ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ከምዝገለፅዎ፤ሕውየት ኢንዳስትሪ ባህሊ ሓድግን ቱሪዝም ቢዝነስን ብምርግጋፅ ሓፈሻዊ ሕውየት ትግራይ ንምግሃድ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ልዕሊ 20 ዝተፈላለዩ ዓለም-ለኻውን ሃገራውን ትካላት ኣበርቲዑ እናሰርሐ ፀኒሑን ኣሎን። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይን ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ቱርኪ ብሓባር ኣብ ታሪኻዊ መስጊድ ነጋሽ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ፅገና ኣብ ናይ መወዳእታ ምዝዛም ዘሎ ዕውት ስራሕ ‘ዩ።
ዝሓለፈ ሰሙን ብዕለት 6/06/2017 ዓ/ም ብሚስተር ኢንቨርን ሚስተር ቡለንት ኮርክማዝን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቱርክየ (ካብ ኣንካራን ኣዲስ ኣበባን) ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ተቀቢሎም ብዛዕባ ቀፀልቲ ሓበራዊ ስራሕቲ ብዕምቆት ዘቲዮም::
ብመሰረት ናይ ክሊቲኦም ኣካላት ዘተ፤ ድሕሪ ምዝዛም ፅገና መስጊድ ነጋሽ ኣብ ተወሰኽቲ ልምዓትን ፅገናን ሓድግታት፣ ልምዓት ባህሊ፣ ምልላይ መስሕባት ቱሪዝምን ዓቕሚ መዕበይ ስልጠናታትን ሓቢሮም ንምስራሕን ዝዓነወት ትግራይ ንምድጋፍን ኣብ ስምምዕነት ከም ዝበፅሑ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ብተመሳሳሊ ካብቶም ሓላፊ እቲ ቢሮ ብዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ብሰንኪ ኩናት ከቢድ ሓደጋ ዝበፅሖ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ንምድሓን ምምሕዳር እቲ ማእከል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምሕባር ውሱን ፃዕሪ ምጅማሩ ምልከታ ገይሮም:: እዚ ከቢድ ዕዮ ገዛ ነቲ ትካል በይኑ ዝግደፍ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ቢሮ ሓላፊ፤ ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ሓገዝ ንምርካብ ናብ ዓለምለኻዊ ሓገዝቲ ትካላት ኣታዊ ዝተገበሩ 2 ፕሮጀክትታት ንግዚኡ ኣይተዓወቱን:: ስለዚ እዚ ሓድጊ ንምድሓን ናይ ኩሉ ኣካል ማሕበረሰብ ድጋፍን ሕብረትን ስለ ዝጠልብ ኩሉ ዝምልከቶ እጃሙ ብምውፃእ ንቀፃልነቱን ቅልጡፍ ዳግም ህንፀቱን ዓብዪ ግደ ኣለዎ።
ብሓፈሻ ኣብ ዝተጎድኡ ሓድግታት ዝገበር ከም ፅቡቕ ጅማሮ ዝረአ ስራሕ ‘ዩ። ይኹን እምበር ትግራይ ምስዘለዋ ብርክት ዝበሉ ሓድግታት ሰፊሕ ጠለብ ስራሕቲ ፅገና ነዚ ጠለብ ብዝመልስ መልክዕ ስራሕቲ ፅገና ተጠናኺሩ ከቕፅል ይግባእ። ከምኡ እውን ጎና ጎኒ እቲ ፅገና እዞም ሓድጊታት ብምሉእነት ናብ ብርኪ መስሕብ ንምዕባይ መሰረተ ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ምስራሕ ንሓደ ኣካል ጥራሕ ዝግደፍ ዘይኮንስ ሰብ ሃብቲ፣ ማሕበራትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ክሳተፉን ክረባረቡን ይግባእ።
ኣብረሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም