ውድድር ብሽክሌታ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ 64.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ብሽክሌታ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ መዓልቲ ተቐዳሚት ጋንታ ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን እየሩ ሃፍቱ ተዓዊታ ፤ብደቂ ተባዕትዮ ድማ በረኸት ደሳለኝ ካብ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ተዓዊቱ።

ኣብ ሰለስተ ጋንታታት ዝተሓቖፋን ብውልቀን ብድምር 24 ተቐዳደምቲ ዘሳተፈ ውድድር ሓደ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 2:30 እንትብል ውድድረን ሓደ ኢለን ብምጅማር ክሳብ 5 ዙራት ዝተርፎ ብሓደ እናተጉዓዛ ዝፀንሓ ኮይነን ድሕሪ ሓምሻይ ዙር ግን ምቁርራፅ ተቐዳደምቲ ተራእዩ ‘ዩ ።

እቲ ውድድር ክዛዘም ኣርባዕተ ዙር እንትተርፎ ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ሰርካለም ታየ ንክልተ ዙራት ፈልያ ብምኻድ እቲ ዙር ብርቱዕ ንሕንሕ ከተኣናግድ ዝገበረት ኮይና ዲሒራ ዝነበረት ጉጅለ ግን ንበይና ክትኸይድ ኣይፈቐዳላን ድሕሪ ፃንሒት ክልተ ዙራት ስዒበንኣ።

ዝተረፋ ክልተ ናይ መወዳእታ ዙራት ብሓደ ዝተጓዓዛ እተን ተቐዳደምቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ዝተገበረ ቕፅበታዊ ቮላታ ተቐዳዳሚት ኢንዳስትርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን እየሩ ሃፍቱ ቐዳመይቲ ኮይና ክትዛዝም ከላ ራሄል ታመነ ብተመሳሳሊ ካብ ኢንዳስርያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ካልአይቲ ተቐዳዳሚት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ሰርካለም ታየ ድማ ሳልሰይቲ ብምዃን ዓወት ኣመዝጊበን።

ተቐዳደምቲ ንዝተመደበለን 64.8 ኪሎ ሜትሮ ንምዝዛም 1 ሰዓት 51 ደቒቓን 41 ሰከንድን ዝወድአለን ኮይኑ ብሰዓት ድማ 34.46 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዘን ‘የን ። ፅጌ ካሕሳይ ናብ ርዋንዳ ምዕራፍ ገረዝሄር ድማ ንስልጠና ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ስለ ዝተጉዓዛ ኣብቲ ውድድር ዘይተሳተፋ ክኾና ከለዋ ፕሮፌሽናል ብሽክሌተኛ ሰላም ኣምሃ ድማ ተሳታፊት ኮይና ‘ያ ።

ቐፂሉ ድማ ኣብ 6 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 53 ተቐዳደምቲ ዝርከብዎ ዝተገበረ ውድድር ውልቀ ደቂ ተባዕትዮ ገና ቅድሚ ምጅማሩ ትፅቢት ተገይርሉ ነይሩ ኣብተን ፈላሞት 4 ዙራት ‘ውን ዝተፈላለዩ ተፃወቲ ፈልዮም ንምኻድ ፈቲኖም ‘ዮም፤ እዚ ድማ ቐልቢ ተመልከቲ ከዘናግዕን ንክስሕብን ልዑል ግደ ኔርዎ ።

ብፍላይ ኣብተን ዝተረፋ ሰለስተ ዙራት ኣብ 4 ጉጅለታት ‘ዮም ተበታቲኖም ። እታ ካልአይቲ ዝነበረት ጉጅለ ብ ተመስገን መብራህቱ እናተሰሓበት ነታ ቀዳመይቲ ጉጅለ ኣብ ዘርከበትሉ ግዘ ናይ መወዳእታ ዙር ደወል ተደዊላ። ኣብ መወዳእታ ዝተገበረት ቕፅበታዊ ቮላታ ድማ በረኸት ደሳለኝ ካብ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ቀዳማይ ኮይኑ እንትዛዝም ፊልሞን ዘብረኣብሩኽ ካብ ስራሕቲ ንግዲ ጉና ካልኣይ ተኽለ ፀጋይ ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊቶም ።

ተቐዳደምቲ ንዝተመደበሎም 117 ኪሎ ሜትሮ ንምዝዛም 2 ሰዓትን 34 ደቒቓን ዝውድአሎም ኾይኑ ብሰዓት 41.60 ኪሎሜትሮ ተጓዒዞም ‘ዮም ፡፡

ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You