‹‹ንደቅና መሰረት ብልፅግናን ሰላምን ክንገድፍ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ 23-25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልትታት ፓርቲ ብልፅግና 2ይ ስሩዕ ጉባኤ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ዝተፈላለዩ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ዕዱማት ኣጋይሽ ተረኺቦም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ መደረታት ‘ውን ተገይሮም ‘ዮም፤ ካብ ‘ቶም መደረ ዘስምዑ ሓደ ፕረዝደንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓደ እዮም፡፡ሙሉእ ትሕዝቶ ድማ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡

ክቡር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና፣ ክቡር ኣይተ ኣደም ፋራህ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና፣ ዝተኸበርኩም ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ፣ ዝተኸበርኩም ኣባላት ፈፃሚት ኮሚቴ፣ ክቡር ሙላቱ ተሾመ (ዶ/ር) ነበር ፕረዚደንት ፌደሪኢ፣ ክቡር ኣይተ ደመቀ መኮነን ነበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግናን፣ ዝተኸበርኩም ወከልቲ ኣሓት ውድባት፣ ዝኸበርኩም ወከልቲ ተወዳደርቲ ውድባት፣ ዝተኸበርኩም ሽማግለታት ሃገር፣ ዝተኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽ፣ ከምኡ ‘ውን ብልፅግና ኢትዮጵያ ብመንፅር ምዕዋት ልዑል ግደ ወከልቲ ሓረስቶት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ መናእሰይ፣ ተወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንኳዕ ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ብሰላም ኣብፀሐና፤ ኣብፀሐኩም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኽ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ኣዝዩ ሓፂር ‘ዩ። 60 ዓመት ዘይመልእ ታሪኽ ‘ዩ ዘለዎ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፓርቲ ሀሁ ኢሉ እንትጅምር ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ብልፅግና ክንፈጥር ካብ ዝጀመርናሉ እዋን ኣትሒዝና ክንሰግሮም ዘይከኣልና ድኽመታትን ውድቀታትን ከም ፓርቲ ለውጢ ፈጠርቲ ጥራይ ዘይኮነስ መራሕቲ ለውጢ ‘ውን ምዃና ዘይምግንዛብና ‘ዩ፡፡

ለውጢ ምፍጣር ጥራሕ ለውጢ ናይ ምምራሕ ዘኽእል ብቕዓት ክሳብ ዘይፈጠረ ዝተማለአ ናይ ፓርቲ ህላወ ኣይህልዎን፡፡ ውጢ ምፍጣር ማለት ብዛዕባ ዘሎ ፀገም ዝያዳ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነስ መፍትሒ ምድላይ ‘ውን ይሓትት ‘ዩ። ነቲ ዝፀላእናዮ ዝያዳ ምውቋስ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ እንፈትዎ፣ እንደልዮ ‘ውን ኣታሓሒዝና ምቕማጥ፣ ምርኣይ፣ ምምልካት የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፉ 50 ክሳብ 60 ዓመታት ዝነበረና ውድባዊ ፖለቲካ ልምምድ ንዝፀላእናዮ ኣዚና ምውቃስ፤ ክነፍርሶን ከነጥፍኦ ንዝደለናዮ ብዘይ መርትዖ ምኽሳስ ‘ምበር ክንሃንፆ ንዝሓሰብናዮ ክነምፀኦ ዝደለና ለውጢ ድሩትነት ነይሩና ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብልፅግና ከፍርሶ ዝደልዮ ኣዝዮም ድሑራት ኣሰራርሓታትን ልምምዳትን ኣለዉ። ኮይኑ ግና ከፍርሶ ዝደልዮ ነገር ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነስ ክሃንፆ ዝደልዮ ‘ውን ኣቐዲሙ ዝሓስብ ‘ዩ። ንኣብነት ንፒያሳ ምፍራስ ዘይኮነስ ምህናፅ ‘ውን ‘ዩ። ናይ ሓደ ፓርቲ ኣስኳል ሓሳብ ‘ዩ፤ ንፁር ራእይ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውድብ ዝደለዮ ምፍራስ፣ ለውጢ ምፍጣር ዋላ እንተኻኣለ ለውጢ ንምምራሕን ዝሓልሞ ንምትግባርን ይፅገም። ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርታ ፓርቲ ሃገር በቖል ሓሳብ ነዲፉ ዝመፀ ‘ዩ። ብጣዕሚ ዘሐዝን ጉዳይ ‹‹ብልፅግና ንኢትዮጵያ ፍቱን መድሓኒት ምድማር ‘ዩ ኢሉ ሓሳብ ሒዙ እንትመፅእ›› ንዝሓለፉ 6 ዓመታት ሕዚ ‘ውን ከሳሲ ‘ምበር መማረፂ ሓሳብ ሒዙ ዝመፀ ውልቐሰብ፣ ጉጅለ፣ ፓርቲ ኣይረኣናን፡፡

ይኹን ‘ምበር ኣብ ዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዘጋጠሙና ፀገማት ስለ እንፈልጥ ኢትዮጵያውያን ተወዳደርቲ ውድባት ሃገር በቖል ሓሳባት ዋላ እንተቕሪቦም ብልፅግና ክመሃር ድልው ምዃኑ ክገልፅ እፈቱ። ምኽንያቱ ሓሳብ ዘይብሎም ፖለቲከኛታት ሓሳብ ዘይብሎም ፓርቲታት ንሓፂር ግዜ ዓወት፣ ናይ ነዊሕ ግዜ ስቓይ ስለ ዘምፅኡልና ንታክቲካዊ ዓወት ስትራተጂካዊ ስዕረት የስዕቡልና። ሓሳባት ንዘይብሉ ንምፍራስ ዋላ ዝቐለለ እንተኾነ ዳግማይ ምህናፅ ግን ብድሆ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ሓደ ውድብ ሓሳብ ምስ ቀረፀ ዝዝትየሉ ጉባኤ የድልዮ። ብልፅግና ንኻልኣይ ግዚኡ ነዚ ጉባኤ ዘዳልወሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ጉባኤ እዚ ክሳብ ሕዚ ዝመፃእናዮ ጉዕዞ ዛዚሙ ሓድሽ ጉዕዞ ክጅምር ይኽእል ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ፤ ነቲ ሓሳብ ተረዲኡ ክምራሕ ዝኽእል ኣመራርሓ ከምኡ’ውን ብመሪሕነትን ሓሳባትን ኣቢሉ ውፅኢት ከምፅእ ዝኽእል ኣገባባትን ሕግታትን ዝሓትት ኮይኑ ብጉባኤ ክፀድቕ ኣለዎ።

ሕዚ ተዘራሪብና፤ ተመኻኺርና እነምፀኦም ሓሳባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት እትኽተሎ መንገዲ ዝቐርፁ ስለዝኾኑ ኣብዚ ዋዕላ ሓሳብ ምፍላቕ ኣገዳሲ ‘ዩ። ነቲ ሓሳብ ክመርሑን ስርዓት ክነድፉን ዝኽእሉ መራሕቲ ምምራፅ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ካብዚ ዋዕላ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓደ ቁልፊ ነገር ኣብ ከይዲ ጉባኤ ብውፅኢትን ዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ኣሳታፊ ምዃኑ ምርግጋፅ ኣገዳሲ ‘ዩ።

ኩልኹም ከም እትፈልጥዎ ኣብ ታሪኽ ጉባኤ ውድባት ኢትዮጵያ፣ ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ ወከልቲ ኣብ ዘለውዎ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ብልፅግና ጥራይ ምዃኑ ብዓርሰ እምነት ክዛረብ እኽእል። እዚ ንኹሉ ዘካተተ፤ ኣሳታፊ ዲሞክራሲያዊ ዝኾኑ ናይ ሓሳብ ምንሽርሻራት ዳቢሩ፤ ብቕዓት ዘለዎ መራሕቲ ካብ ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ጫፍ ክምረፁ ገይሩ፤ ኣሰራርሓ ቐይሱ፤ ብዝተለመደ መንገዲ ተደሚሩ ሓደ ኮይኑ ዝወፀ ከምዝኾነ ዝቕፅል ናይ ኢትዮጵያ ምዕራፍ ዕውት ከምዝኸውን ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ምምሃር፣ ምግንዛብ፣ ምስትውዓል ኣይንፅገምን፡፡

ነዚ ‘ዩ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ዝብል። እንታይ ማለት ‘ዩ ካብ ‹‹ቃል ክሳብ ባህሊ›› ከንብል እንተለና ንዝብል፣ እቲ ሓሳብ ብቓል ይዝረብ፡፡ ብመፅሓፍ ይስነድ፡፡ ብተግባር ይግለፅ። ኮይኑ ግና እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ምድግጋም፤ ብልምምድ ባህሊ ይኸውን። ባህሊ እንታይ ማለት ‘ዩ? ልምዲ፣ እሴት፣ ብዘይ ዝኾነ ምልዕዓል ብፍቓድካ ዝፍፀም ነገር ‘ዩ።

ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ፅሪቲ ኢትዮጵያ ክንፈጥር ኣለና፤ ጎሓፍ ኣብ ጎደናታት ከንድርቢ የብልናን ኢልና ብሓባር ክንሰርሕ ከም ዝጀመርና ይፍለጥ። እዚ ባህሊ ኮይኑ ኣሎ፣ ኩሉ ሰብ ሶፍት ምድርባይ፤ ጎሓፍ ምድርባይ ክሳብ ዝፅየፍ ኮይኑ ኣሎ፤ ካብ ወፍሪ ወፂኡ በቢመዓልቱ ብዘይመኻሪ ልምምድን ክንውንን ክኸውን ባህሊ ምፍጣር የድሊ፡፡ ካብ ጎስጓስ ሓሊፉ ዕለታዊ ልምምድን ፍፃሜን ዝኾን ባህሊ ምፍጣር የድሊ።

ኣብ ድሕር ገዛ ምግቢ ምብቋል ከም ወፍሪ፤ ኣብ ውሽጢ መናድቕና ምፍራይ ምግቢ ጀሚርና ኣለና። ወፍሪ ወቕቲ ‘ዩ። ባህሊ ተደጋጋሚ ንጥፈት ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ንጥፈት ባህሊ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክኸውን ትፅቢት ይግበር። ተፈጥሮ ዘይምርባሽ፤ ማይ ዘይምብካል፤ ኣግራብ ዘይምቑራፅ፤ ብወፍሪ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ልምዲ ኮይኖም ባህሊ ክኾኑ ኣለዎም።

ልዕሊ ኩሉ ድማ ፕሮጀክትታት ብቕልጡፍ ምጅማርን ምውዳእን ሓድሽ ልምምድ ባህሊ ክኸውን ይግባእ። ናይ ብልፅግና ባህሊ ክንፈጥር ኣለና ክንብል ከለና እንታይ ማለት ‘ዩ? ብልፅግና ባህሊ ክኸውን ኣለዎ ካብ ዝብሎም ቀንዲ ጉዳያት ሓደ ፍልጠት ‘ዩ፡፡

ሃገር ብኣግባቡ ምፍላጥ፣ ህዝቢ ባህሉ፣ ቋንቋኡ፣ ስነ-ምግባሩ ብትኽክል ምፍላጥ፤ ፀጋ ኢትዮጵያ ምፍላጥ፤ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ምፍላጥ፤ መብዛሕትና ካብታ ዝተወለድናላ ዓዲ ዝሓለፈ ፍልጠት ከይሓዝና ኢና ኢትዮጵያ ኢልና ንፅውዓ። ንኢትዮጵያ ብኣግባቡ ከንፈልጣ ኣለና፤ ዘይውዳእ ሃፍቲ ‘ዩ ዘለዋ፤ ሃገርናን ህዝብናን ምፍላጥ ኣገዳሲ ‘ዩ፡፡

ብዙሓት ሰባት ክፋላት ኢትዮጵያ ከይፈለጡን ከይተረድኡን ብቐሊሉ ዝደለይዎ ክሰርሑ ዝኽእሉ ይመስሎም። ምስ ናይ ሕዚ ኢትዮጵያን ሓደ ኣይኮነን፡፡ ናይ ሕዚ ኢትዮጵያ ብመዓርነት፣ዲሞክራሲን፣ምክብባርን ጥራሕ ንናይ ሓባር ሕልምን ራእይን እንሰርሐሉ ‘ምበር ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ከምድሌቱ ገይሩ ዝኸደሉ ኣይኮነን፡፡ ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ምግባር ስለዘይከኣል እቲ ቀዳማይ ዕማም ንኢትዮጵያ ብኣግባቡ ምፍላጥ ክኸውን ‘ዩ።

ንብልፅግና ሃገርና፣ ግዜ የብልናን ብዝብል ስምዒት ከንሰርሕ ኣለና፤ ብልፅግና ክሳብ ዝቕፅል መረፃ ሓደ ዓመት ጥራሕ ‘ዩ ዘለዎ፤ ከንድቕስ ኣይንኽእልን፤ ዝተወሃበና ኮንትራት ሓሙሽተ ዓመት ‘ዩ፤ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝረአን ዝጭበጥን ስራሕ እንተሰሪሕና ካሊእ ሓሙሽተ ዓመት ከንረክብ ንኽእል ኢና፡፡

ካሊእ ሓሙሽተ ዓመት ንምርካብ ግና ሕዚ ግዜ የብልናን ኢልና እንጎዪ፣ ቐትርን ለይትን እንሰርሕ፣ ብዘለና ነገር እንኣምን፣ ጀሚርና ንውድእ፣ ተዛሪብና ብተግባር እንፍፅም ከንኾን ኣለና፡፡ ግዜ የብለይን ብዝብል ስምዒት ፈጢና ዘይንሰርሕ እንተኾይና ኢትዮጵያ ብዝተለመደ መንገዲ ከትጎዓዝ እትኽእል ትኸውን ‘ምበር በልፂጋ ንዓለምን ኣፍሪካን መርኣያ ምዃን ግና ኣይትኽእልን፡፡

ህዝቢ፣ ሓሳብን ውፅኢትን ብተፈላላዩ ዶት ምትእስሳር የድሊ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመርናዮም ለውጥታት ቕድሚ ሕዚ ንብርክት ዝበሉ ኣሕዋትና ገለፃ ብምግባር ክነርድእ ኣለና፡፡ ምኽንያቱ ዶት ጥራሕ ‘ዩ ነይሩ፤ ሕዚ መደረ ኣየድልን፡፡ ካብ ሓደ ጫፍ ካሊእ ጫፍ ዝኸይድ ሰብ ነቲ ለውጢ ይሪኦን ይድህስሶን ‘ዩ፡፡

ኢትዮጵያውያን ምድናቕ ገና ከንለማመድ ዘለና ባህሊ እኳ እንተኾነ ምስ ኣሓት ፓርቲታት ሎሚ መዓልቲ ናብዚ ጉባኤ ዝመፁ ረኺበ ነይረ፡፡ ‹‹ ቕድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂአ ነይረ፤ ኣዲስ ኣበባ ንምፍላጥ ብዘኽእል ደረጃ ተለዊጣ ‘ያ፤ ኮይኑ ግና ምልዋጣ ዘይኮነ ዝገረመኒ ኣብ ሓፂር እዋን ከተማ ብኸምዚ ምስራሕ ይከኣል ብዝብል ጉዳይ ኣነን ዓርከይን እናተዘራረብናሉ ኢና›› ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ውሑድ ዓመታት ዝተጎዓዝናዮ ናይ መጀመርታ ናይ ብልፅግና ጉዕዞ ምዕራፍ ሓደ ሓደ ዓመት ናይ ምትሳእ ዘመን ‘ዩ ነይሩ፡፡ ካብ ሓያል ድቓስን ብዙሕ ዕዳን ምንቕቓሕ ምትሳእ ዝጀመርናሉ ዓመት/ ምዕራፍ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ዝተኣሰረ ይፈታሕ፣ ዝተሰደደ ይመለስ፣ ዝኾረየ ይተዓረቕ፣ ዝተኸፋፈለ ብኦርቶዶክስ ይኹን ብሙስሊም ይደመር፣ ኣቦራ ይነገፍ፣ ቶርቸር ኣብ ኢትዮጵያ ጠጠው ይበል ኢልና ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት እመኑ ኣይትእመኑ ሓደ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣየሳቐናን (ቶርቸር) ኣይገበርናን፤ በዙይ ንሕና ንኾርዕ ኢና።፡

እዚ ናይ ምብጋስ ግዜ ከምቲ ኣብ ነፋሪት ክትድይብ ከለኻ ዝስምዓካ ስምዒት ‘ዩ። ኮፍ ምስ በልካ እቲ ፓይለት “መቐነትካ ኣፅንዕ፤ ክንለዓል ኢና ይብለኩም፡፡ ብዙሕ መጠንቐቕታ፣ ገለፃ፣ ምምሃራት ኣለዉ፡፡ ካብኡ ክንትስእ ከለና ኣብ መሬት ስለዘለና ሓጎፅ ጎፅ ኣሎ፡፡ ድምፅታት ንሰምዕ። ላዕሊ ምስበፅሐ መቐነትኩም ኣፍተሓትሑ ይብል፡፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ምትሳእ ተዛዚሙ እቲ ሕዚ በዚ ጉባኤ ዝፀድቕ ዘሎ ካልኣይ ምዕራፍ ዘበነ ትንሳኤ ‘ዩ። ዘመነ ደውታ፣ ንታሕቲ ዝግበር ጉዕዞ፣ ንጐድናዊ ጉዕዞ ዘብቐዐሉ ማለት ‘ዩ።

ኣብ ቀዳማይ ጉባኤና እኹል ስርናይ ከነፍሪ ኣለና።ስርናይ ካብ ወፃኢ ምእታው ክነቋርፅ ኣለና። ሰደድ ክንገብር ኣለና፣ ህዳሴ ክንዛዝም ኣለና፣ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ሪፎርም ክንጅምሮ ኣለና ዝብል ነይሩ። ድሕሪ እዚ ጉባኤ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ኣዋርሕ ዝዘተናሎም ጉዳያት ክንዛዝሞም ኢና፤ ሪባን እንቖርፀሉ፤ ዓሻራ እነቐምጠሉ፤ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ደው ንምባል ካብ የማንን ፀጋምን፣ ካብ ውሽጥን ደገን ፃዕርታት እኳ እንተተገብረ ጨኪና ሰሪሕና ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብስራት እነብስረሉ ዘመን ኣብ ቕድሜና ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ዝግለፅ ይኸውን፡፡

ግሪኻውያን ሓደ ኣባሃህላ ኣለዎም፤ ‹‹ሓደ ሰብ ንሩባ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ክሰግር ኣይክእልን›› ዝብል ኣበሃህላ ኣለዎም። ምኽንያቱ ዝውሕዝ ማይ ሓንሳብ ምስ ሰገርካዮ ክሓልፍ ‘ዩ። ጠጠው ስለዘይብል እቲ ወሓዚ ማይ ደጊምካ ከትሳገሮ ኣይትኽእልን፡፡

ኣብ ናይ ዘመነ ብልፅግና ሓደን ቐንዲ ኣሳርን ቓልን ናይ ተግባር ፍልፍልን ዝኸውን ኣብዚ ዓመት ዝረኣናዮ ልምዓት ኮሪደር ኣብዚ ዝመፅእ ዓመት ከትመፁ እንተለኹም ኣይክትርእይዎን ኢኹም። ሎሚ ዓመት ዝረኣኽምዎ ፕሮጀክት ዝመፅእ ዓመት ኣይትርእዮን፡፡ ወዲእና ኣማላኺዕና ብሓድሽ መልክዕ ከትርእይዎ ኢኹም ‘ምበር ናይ ሎሚዘበን ኣብ ዝመፅእ ዓመት ኣይንደግሞን ኢና። ስለዚ እቲ ማይ ከይዱ ወይ ሓሊፉ ኣሎ ማለት ‘ዩ።

ከተማታትና፣ ፕሮጀክትታትና፣ ኣገልግሎታትና፣ ትካላትና ኣብ ዝመፅእ ዓመት ካብ ህሉው መልክዖም፣ ፅባቐኦምን ብቕዓቶምን ንላዕሊ ኮይኖም ክረኣዩ ‘ዮም። ነዚ ንምግባር እቲ ቤት ምኽሪ እኹል ሓሳባት ከመንጩ፣ ዝሓሸ ኣመራርሓ ክመርፅ፣ ኣሰራርሓታት ክነድፍ፣ ናይ ስራሕ ባህሊ ከማዕብል ኣለዎ፤ ነዞም ኣገደስቲ ሓሳባት ናይ ሓባር ውሳነ የድሊ። ከምኡ ከም ዝገብር ዓቢይ እምነት ኣለኒ።

ብልፅግና ዓቢዪ ትካል ‘ዩ። ኣብ ኣፍሪካ 15ነጥቢ07 ሚልዮን ኣባላት ዘለዎ ውድብ የለን። ኣብ ዓለም ልዑል ቑፅሪ ዘለዎም ፓርቲታት ኣብ ህንዲን ቻይናን ይርከቡ። ኣብ ህንዲን ቻይናን ዘለዉ ፓርቲታት ዋላ ቁፅሮም ኣስታት 100 ሚልዮን ይኹኑ ብመንፅር ዘለዎም በዝሒ ህዝቢ ክረአ እንተሎ ብልፅግና ዝበዝሐ ኣባላት ዘለዋ ፓርቲ ‘ዩ፡፡

እዚ ብመናእሰይ ዝተመልአ ዓብዪ ፓርቲ ‘ዩ፤ ንኢትዮጵያ መሰረት ብልፅግና ንምንፃፍ ንሕና መስዋእቲ ኮይንና፣ ከም ሽምዓ መኺኽና፣ ደቅና ሽግር፣ ስቓይ፣ ዕዳ ከይወርሱ እንተዘይገይርና ቑፅሪ ጥራሕ ትርጉም የብሉን። ቁፅሪ ጥራሕ ብዛዕባ ዕብየት ኣይዛረብን ‘ዩ። ምኽንያቱ ዕብየትና ኣብ ተግባርናን ውፅኢትናን ስለዝረአ፤ እዚ ዓቢዪ ትካል ‘ዩ፣ እቲ ውፅኢት ከርኢ ዝጀመረ ትካል ንደቅና ፀጋ፣ ብልፅግና ‘ዩ፡፡ ንብልፅግና ፅኑዕ መሰረት ዘንብር ውድብ ክንከውን ይግባእ።

ከምኡ እንተጌርና ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ነቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ጫውጫው ኣይትመልከቱ፤ ኣብ ቕድሜና ፅቡቕ ዘመን ‘ዩ ዘሎ፡፡ ብልፅግና እንታይ ዓይነት መሰረት የንብር ከምዘሎ ዝዓብዩ ዘለዉ ህፃናት ይፈልጡ ‘ዮም። ውፅኢትና ዝውሰን ብደቅና ‘ዩ፡፡ ኣቦታትና ፖለቲካ ብግቡእ ኣይተለማመዱን።

ጎንፂ ይኣኽለና፤ ኣብ 60ታት ዝተዓጠቕክምዎ ከላሽን ኣውርዱ፤ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያዊ መንገዲ ንምብልፃግ ብሓባር ንስራሕ፡፡ ብልፅግና ብዛዕባ ሰላም ብድርድር፣ ብዘተን ሓሳብን ዝግበር ቃልሲ ሰላም ፍርቂ መንገዲ እንኸይድ ምዃና ኣብዝሓለፈ ዝተረኣየ ‘ዩ። ሕዚ ’ውን እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ንዓና ሰላም፣ ልምዓትን ሓድነትን ቀንዲ ኣጀንዳና ‘ዩ።

ክቡራትን ክቡራንን ብልፅግና ኣብ ናይ መጀመርያ ናይ ምትሳእ ምዕራፍ ኣብ ደገ ዝነበረ ተቓዋሚ ብበዝሒ ስለዘእተወ፣ ስለዝፈትሐ፣ ስለዝሓቖፈ ብዙሓት ፈተናታት ገጢሞሞ ነይሮም ‘ዮም፡፡ እዚ ፈተና እዚ ሕዚ የለን፡፡ ሕዚ ብድሆታት ናይ ምስዓር ክእለት ኣማዕቢሉ ኣሎ።

ኮይኑ ግና ኣብ ቅድሜና ምንም ዓይነት ፈተና የለን ክብለኩም ኣይክእልን እየ። ብየማንን ብፀጋምን ብዙሕ ብድሆታት ክገጥመና ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ከም ትማሊ ብድሆታት ሰጊርና ንኢትዮጵያ መሰረት ክነንፅፍ ኢና። ዝጀመርናዮ ክንውድእ ኢና፣ ሓድነትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ከነረጋግፅ ኢና።

ብልፅግና ካብዚ ሓሊፉ ሓሳባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምትግባር ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ‘ዩ። ናትና ዋልታና፣ ደጋፊና ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ነቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምውፋር ንደቅና መሰረት ብልፅግናን ሰላምን ክንገድፍ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና፤ ዘተና ሰላማዊ ‘ዩ። ብልፅግና ንኢትዮጵያ ንቕድሚት ዝወስድ፣ ንዝቕፅል ምዕራፍ ብስሙር ድምፂ ንለዓለሉ ክኸውን ዘለኒ ሙሉእ እምነተይ እናገለፅኩ፤ ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ በልፂጋ፣ ተሓፊራን ተኸቢረን ንዘልኣለም ትንበር ክብሉ መልእኽቶም ዘሕለፉ እንትኾኑ።

እቲ ፓርቲ ኣብቲ ዘካየዶ ጉባኤ መረፃ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ከምኡ ‘ውን ኣይተ ተመስገን ጥሩነህን ኣይተ ኣደም ፋራህን ምክትል ፕሬዚዳንትታት ብምግባር፤225 ኣባላት ቤት ምኽሪ፣45 ኮሚቴ ስራሕ ፈፀምቲ፣15 ኣባላት ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነምግባር ፓርቲ ብልፅግና ብምምራፅን በዓል 8 ነጥቢ መግልፂ ቅዋም ብምውፃእ ጉባኤኡ ዛዚሙ ኣሎ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You