
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ማእኸላይ ክሳብ ነዊሕ ናይ መም(ትራክ) ውድድራት ብዙሓት ዓወት ዘመዝገበት ኮኾብ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ውፅኢት ኣይረኸበትን። ድሕሪ ኦሎምፒክ ኣብ ውድድራት ከይተርኣየት ፀኒሓ ‘ያ።
ካብ ውሽጢ ገዛ ክሳብ እቲ ዋና ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ዓለም ዓወት ዘንፀባረቐት ጉዳፍ ኣብ 2025 ሓድሽ ናይ ውድድር ዓለም ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ቀረባ ናብ ውድድር ከምትምለስ ተፈሊጡ ። ጉዳፍ ድሕሪ ሰሙናት ናብ ውድድራት እንትትምለስ ኣብ 2021 ናይ ዓለም ክብረወሰን ዝሰበረትሉ ናይ ፈረንሳይ ሌቪን ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ቱር ውድድር ተሳትፎኣ እትገብረሉ መባፅሒ ‘ዩ ዝኾን።
ኣብ ገዛ ውሽጢ ናይ ዙር ውድድር ብስፍሓት ዝግበረሉ እዋን ኣብዚ ግዜ ጉዳፍ ናብ ውደድር ምምላሳ ኣብ መፃኢ መጋቢት ፍርቂ ኣብ ዝካየድ ናይ ገዛ ውሽጢ ናይ ዓለም ኣሌቲክስ ሻምፒዮና እትዳለወሉ ‘ዩ። ናይ ዓለም ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና ሓዊሱ ኣብ ኦሎምፒክ ፣ ሻምፒዮና ዓለም ፣ ኣብ ዲያመንድ ሊግ ከምኡ ‘ውን ብካልኦት ውድድራት ኢትዮጵያ ዘፀወዐትን ናይ 5ሜትሮን ናይ ገዛ ውሽጢ 1ሽሕ 500 ሜትሮ ባዓል ዋና ክብረወሰን ዓለም ዝኾነት ኣትሌት ጉዳፍ ኣብ ሌቪን ንኻልኣይ እዋን ንሰዓርነትን ንተወሳኺ ክብረወሰን እትወዳደር ‘ዩ ዝኸውን።
ኣብ ዓለም ናይ ገዛ ውሽጢ ሻምፒዮና ውፅኢታዊ ዝኾነት ጉዳፍ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግላስኮ ብ3ሽሕ ሜትሮ ዝረኸበቶ ሜዳልያ ብሩር ሓዊሱ፤ ብ1ሽሕ500 ሜትሮ ናይ ወርቅን ነሓስን ሜዳልያ ብምስዓር ኣብቲ ውድድር ዓብይ ስምን ስኬትን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ‘ዩ። ጉዳፍ ዝሓለፈ ውድደር ዓመት ኣብ ቦስተን ኒው ባላንስ ግራንድ ፕሪክስ ዝጀመረት እንትኾን ፤ብ10ሽሕ ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ንምስባር ዝገበረቶ ፃዕሪ ተዘይተሳኸዐላ ‘ውን ፈጣን ሰዓት ብምምዝጋብ እቲ ውድድር ዛዚማ ነይራ ።
ኣብዚ ውድድር ዓመት ብፍላይ ዓብይ ዓወት ትፅቢት እናተገበረላ ዝፀንሐ ኦሎምፒክ ፓሪስ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ሜዳልያ ተርታ ክትኣቱ ኣይኻኣለትን። ድሕሪ እዚ ኣብ ውድድራት እንተዘይተርኣየት ‘ውን ንመጀመርያ እዋን ኣብ ሌቪን ክትወዳደር ‘ያ። እዚ ድማ ኣብ መፃኢ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኒንጃንግ ዝግበር ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ሃገራ ንምውካል ውፅኢት ንክተሳኽዕ ዘኽእላ ‘ዩ ተባሂሉ ትፂቢት ይግበር።
ኣብ ሌቪን ናይ ምጉያይ ልምዲ ዘለዋ ጉዳፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2021 ኣብ ገዛ ውሽጢ ውድድራት እትፍለጠሉ ብ 1ሽሕ 500 ሜትሮ ርሕቐት 3፡53፡09 ብዝኾነ ሰዓት ብምስዓር ክሳብ ኸዚ ክድፈር ዘይኻኣለ ክብረወሰን ጨቢጣ ‘ያ ። ድሕሪ ሰሙናት ዝህልዋ ናይ ሎሚ ውድድር ዓመት ናይ ሌቪን ተሳትፎኣ ድማ 3ሽሕ ሜትሮ እትወዳደር ‘ያ እትኸውን። በዚ ርሕቐት ኣብ በርሚንግሃም ዝኣተወትሉ ሰዓት ድማ 8፡16፡69 ዝኾነ ሰዓት ናይ ውልቀኣ ፈጣን ሰዓት ‘ዩ።
እዚ ሰዓት በቲ ርሕቐት ናይ ዓለም ክብረወሰን ብ9 ማይክሮ ሰከንድታት ዝፀንሐ እንትኾን እዚ ብምምሕያሽ መበል ሳልሳይ ናይ ዓለም ክብረወሰን ትጭብጥ ‘ያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። ብዓለም ኣትሌቲክስ ዝምራሕ እዚ ናይ ገዛ ውሽጢ ቱር ውድድር ኣብ ኣውሮፓ ፣ ኣሜሪካን ኤስያን ኣብ ዝርከቡ ከተማታት ውሽጢ 60 ዝኾኑ ውድድራት ብመም(ትራክ)ን ተግባራት ሜዳን ኣትሌታት ዘወዳድር ‘ዩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 22 ጥሪ 2017 ዓ.ም