‹‹ኣብ ትግራይ ናይ ውጥረት ኣጀንዳ ንክፍጠር ዝገብሩ ሰለስተ ኣካላት ኣለው›› – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)

ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ምስ ኢቲቪ ትግርኛ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብፍላይ ኣብ አፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘሎ ኩነታትን ምዕባለታትን ኣድሂቦም ዘልዐልዎም ሓሳባት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ሕቶ፡- ካብ ሓደ ሓደ ኢሊታት ከም ዝልዓል እቲ ኲናት ክተርፍ ኣይኽእልን ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ እሞ፤ እቲ ኲናት ኣይተርፍንዶ ነይሩ? ብወገንካ ዘለካ ኣመለኻኽታ እንታይ እዩ? ብፍላይ ከም መንግስቲ ፌዴራል እውን ዝተገበሩ ፃዕርታት እንተነይሮም እንታይ ይመስል?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ሓደ ሓደ ሻዕ ስንፍና ንምሽፋን ተባሂሉ ዝኾነ ጉዳይ ኣይክኣልን ነይሩ ኢልካ ይግለፅ ‘ዩ። እዚ ናይ ሰነፍ ኣገላልፃ ‘ዩ። ወይ ከዓ ናይ ጥፍኣተኛ ኣገላልፃ ‘ዩ። ወትሩ ስንፍናኻን ጥፍኣትካን ንምሽፋን ዝግበሩ ምኽንያታት ‘ዮም። ክተርፍ ዘይኽእል ነገር ኣይነበረን።

ግን ክተርፍ ዘይኽእል ዝገበርዎ ኣካላት ናብ ከምኡ ንክንኣቲ ንከይተርፍ ገይሮሞ። ነቲ ንሰላም ዝፅዕር ዝነበረ ኣካል እቶም ነቲ ኲናት ከይተርፍ ዝደለዩ ስዒሮሞ እምበር ካብኦም ንላዕሊ ተዝስራሕ ንሶም ‘ውን ቀኑዕ ልቢ ተዝነብር ንሰላም ዘሎ ድልየት ብኹሉ ወገን ዝሐሸ ተዝነብር ነይሩ እቲ ኲናት ዘይተርፈሉ ምኽንያት ኣይነበረን።

ኣብቲ ዝነበረ ኲናት ‘ውን ብተደጋጋሚ ጠጠው ከነብል እንሰርሖም ዝነበርና ጠጠው ክብሉ ስለዘይኽእሉ ኣይኮኑን። ቀፂሎም ግና እቲ ናብቲ ኲናት ዝወስድ ኣካል እናሰዓረ ይኸይድ ስለዝነበረ ናብ ኲናት እናጎተተና ከይዱ እምበር ዘይክኣል ስለዝነበረ ኣይኮነን።

ዘይክኣል ስለዝነበረ እዩ ናብ ኲናት ኣቲና፣ ዘይክኣል ስለዝነበረ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ተዋጊእና፣ ካብኡ ናብ ካሊእ ምዕራፍ ቀፂልና ዝብል፤ ናይቲ ዋና ጥፍኣት ሓይሊ ወይ ናይቲ ዘጥፍኣ ኣካል ከም መከላኺሊ ዝቅመጥ ‘ዩ እምበር ዘይክኣል ስለዝነበረ ኣይኮነን። ሰላም ዝክኣል ነገር ‘ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር ክሰርሕ ዝግብኦ ኣካል ብኡ ልክዕ ስለዘይሰረሐ ዝኸሰርናሉን ጥፍኣተኛ ስለዘሸነፈ ናብ ጥፍኣት ዝኣተናሉ ከይዲ ‘ዩ ኢለ እየ ዝገልፆ እቲ ኸይድታት።

ሕቶ፡- ድሕሪ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ሕማቕ ኲናት ፐሪቶርያ ናይ ሰላም ሃዋህው ሒዙ መፂኡ ‘ዩ እሞ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመት ሓሊፍዎ ኣሎ። ፕሪቶርያ ከመይ ተቀቢልካዮ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ኣፈፃፅማታትኸ ምዝንጋዕ ኣሎዶ? ምናልባት ዝተፈፀሙ ኣውንታዊ ምዕባለ እትብሎምን ወይ ዘይተፈፀሙ እትብሎምን እቲ ኸይዲ በሓፈሻ እስቲ ኣብርሀልና?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ውዕሊ ፕሪቶርያ መቸም ሰላም ንዝደሊ ማሕበረሰብ፤ ሰላም ንዝመነይ ዝነበረ ብፍላይ ድማ ንትግራዋይ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ዝነበራ ኣዴታት ዘጨንቆ ዝነበረ ትግራዋይ፣ ኣብ ትግራይ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ዘጨንቆ ዝነበረ ትግራዋይ፣ በቢመዓልቱ ዝነበረ ስቓይ ተሸኪሙ ዝኸይድ ዝነበረ ትግራዋይን ካብ ፕሪቶርያ ንላዕሊ ዘሕጉሶ ነገር ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን።

ሳላ ፕሪቶርያ እንተነኣሰ እቲ መዓልታዊ በቲ ኲናት ዝመውት ዝነበረ መንእሰይና፣ ኣዴታት እናነበዓ ዝሓድራሉ ዝነበራ፣ እቲ እንታይ ከምዝፍጠር ዘይፍለጥ ዝነበረ ኩነታት ሃዋህው ዝቀየረ ብስምምዕ ፐሪቶርያ ‘ዩ። ኩሉ ነገር ክሓልፍ ከሎ እናተረሰዐ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሃልዮም እምበር፤ ፕሪቶርያ ማለት ንተጋሩ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ምዕራፍ ሰላምና ‘ዩ።

ባዕልና ክንፍትሸሉን ክንሪአሉን ድሕሪ ሐዚ ካፍቲ እንረኽቦ ሰላም ንድሕሪት ከይንምለስ እንዝክሮ ስምምዕ ፕሪቶርያ ‘ዩ። ሳላ ስምምዕ ፕሪቶርያ ቅድሚ እቲ ስምምዕ ዝነበሩ ፀለምቲ መዓልታት፣ ኣዋርሕን ዓመታትን ናብ ብርሃን ዝቀየርናሉ ‘ዩ ኢለካ ‘ውን ምግላፅ ይክኣል ‘ዩ።

ፕሪቶርያ ምስ ተፈራረምና ኢና ፀልሚቱ ዝነበረ ብርሃን ክረክብ ዝገበርና። ምስ ቤተሰቡ ብስልኪ ዘይራኸብ ዝነበረ ክራኸብ ዝገበረ፣ ስርዓት ትራንሰፖርት ንክምለሱ ዝገበረ፣ መንግስቲ ዘይነበሮ ክልል መንግስቲ ንክህልዎ ዝገበርና፣ ኣድለይቲ ዝብሃሉ ድጋፋት ከም ህዝቢ፣ ትካላት ፌዴራል፣ ትካላት ወሃብቲ ሓገዛትን ኣብ ትግራይ ንክሕግዙ ዕድል ረኺቦም ዝሓገዝሉን ‘ዩ።

ፕሪቶርያ ስለዝተስማዕማዕና ኢና ሐዚ ዘሎ ፕላትፎርም ሰላማዊ መድረኽ ተፈጢሩ ነገራት ብዝርርብ፣ ብዘተን ፀገማት ንክፍትሑ ዝገብሩ ዘለዉ። ሳላ ፕሪቶርያ ‘ዩ ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ተመሊሶም ዘለው። ቤት ትምህርትታት፣ጥዕና ጣብያታት ስርሖም ጀሚሮም ዘለው።

ዝጎደለ የለን ማለት ኣይኮነን ኮይኑ ገና ዝተገበሩ እናረሳዕኻ ምኻድ ግና ፅቡቕ ኣይኮነን። እንታይ ንምምላስ ‘ዩ ዝርሳዕ ዘሎ ኢልካ ምፍላጥ ፅቡቕ። ተመዛብልቲ ‘ውን ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ዕድል ረኺቦም ዘለው ሳላ ፕሪቶርያ ‘ዩ ዝተረፈ እንተሃለወ ‘ውን። ዝተረፈ ንምስራሕ ዕድል ረኺብና ዘለና ሳላ ፕሪቶርያ ‘ዩ። ነቲ ብዙሓት ዕጡቃት ሓይልታት ናብ ትግራይ ኣትዮም ፀገም ዝፈጥሩ ዝነበሩ ካብ ሓይሊ ፌዴራል ወፃኢ ክወፅኡ ዝተገበረ። ስለዚ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንትግራይ ዘምፅኦ፤ ነዓይ ከም ትግራዋይ ዝርድኣሉ ነገራት ብጣዕሚ ሰፊሕ ‘ዩ።

እቲ ሰላም ካብ ውሽጠይ ስለዝቅበሎን ስለዘኽብሮን ሕድ ሕድ መዓልታት ከኣ ናብ ድሕሪት ከይምለስ ኢለ ስለዝሰርሕን ዝጎደሉ ናይ ስምምነት ፐሪቶርያ ብዝኽእሎ ንክፍፀሙ ለይትን ቀትርን ዝሰርሐሉ ስለዝኾነ። ህዝብና መዓት ኣጀንዳታት ይተርፎ እዩ። ኩሉ ነገር በቲ ስምምዕ ተፈቲሑ ማለት ኣይኮንን። ኩሉ ብፕሪቶርያ ይፍታሕ ማለት ‘ውን ኣይኮነን። ስለዚ እተን ዘይተፈተሓ ‘ውን ንክፍትሓ፤ ንኣብነት ማሕበረሰብ ንግዲ ዘጋጥሞ ዘሎ ፀገም ንክፍሕ ኮፍ ኢልካ መፍትሒ ዝእለሽ ዘሎ ዝርርብ ዝግበር ዘሎን መፍትሕታት ዝቕመጥ ዘሎ ሳላ ሰላም ‘ዩ።

ብምኽንያት ኲናት ጥሮተኛታት ገጢምዎም ዝነበረ ፀገም ንክፍታሕ ዕድል ዝተረኸበ ሳላ ፕሪቶርያ ‘ዩ። ስለዚ ብዙሓት ዘርዚርካ ዘይውደኡ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። እቲ ዋና ግና መንእሰይ ትግራይ በኲናት ዝረግፈሉ ዝነበረ ኩነታት ተቀይሩ እቲ ዘሎ መንእሰይ ንሰላም ንልመዓት ንቀፃሊ ተስፋ ህዝብና ዝውዕለለ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝገልፆ ፕሪቶርያ።

ሕቶ፡- ኣብ ስምምዕ ፐሪቶርያ ካብ ዝተገበሩ ብዋናነት ሰለስተ ኣርባዕተ ካብ ዝኾኑ ሓደ ትግራይ ናብ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረቶ ምምላስ ኮይኑ እዚ ምስ ተመዛበልቲ ምምላስን ካብ ሓይሊ ፌዴራል ወፃእ ካብ ትግራይ ምውፃእ ዝበል ‘ዩ ነይሩ እና ሓደ ሓደ ዝተፈፀሙ ከምዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ዝተመዛበሉ ዘይተመለሱ ኣለው፤ ናይዚኦም ዘይምምላስ እንታይ ‘ዩ ፀገሙ መን ‘ዩ እቲ ዕንቅፋት ዝኸውን ዘሎ? እዚኦም ንምምላስ ዝተገበረ ፈተናታት እንተሃልዩ ከመይ ትገልፆ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡– ጉዳይ ተመዛበልቲ ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ‘ውን መብረሂ ሂበሉ ነይረ ‘የ። ኩላኹም ከምዝትዝክርዎ ኣብ 2015 ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስተፈረመ ወርሒ ኣብ ዘይመለአ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናይ መጀመርያ ኣጀንዳና ክኸውን ኣለዎ ኢልና ዘቅመጥናዮን ዘልዐልናዮን በቲ ፕሪቶርያ ‘ውን ዝተቀመጠን እዚ ጉዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳይ ‘ዩ። ናይ ህገመንግስቲ መሰል ጉዳይ ‘ዩ ልዕሊ ኹሉ ንሱ ‘ዩ ክስርሐሉ ዘለዎ።

ንሱ ከይሰራሕና ካሊእ እንተገበርና ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብ መገዛ ዓዱን መገዛ ገዝኡን ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ኬንዳ ዝቕመጠሉን ዝፅገመሉን ኩነታት ካብ ምርኣይ ዘሕምም ጉዳይ ዘሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ነዚ ምፍታሕ ኣለና ኢልና ካብ ክልልን ፌዴራልን ኮሚቴ ተመስሪቱ ንወርሒ ዝኣክል ኮፍ ኢለና ተዛቲና ተስማዕምዒና ትልሚ ኣውፂእና።

ቅድሚ ክረምቲ 2015 ህዝብና ንመልሶ ዝብል ትልሚ ኣውፂእና ናይ ራያን ፀለምትን ቅድሚ ክረምቲ ክንውድእ፤ መስከረም 2016 ከኣ ወልቃይት ክንጅምር ዝብል ተሰማዕሚዕና ትልሚ ኣውፅኢና። ብኣፈፃፅማ ‘ውን ዋና እቲ ህዝብና ናብ መረበቱ ንመልሶ ኣመሓዳድርኡ ድማ ባዕሉ ዝመርፀሉ ኩነታት ንፍጠረሉ ዝብል ‘ዩ ነይሩ።

ጉዳይ ሰብኣውነት ይቅደም ካብኡ ዝተረፉ ኣጀንዳታት ብድሕሪኡ ንሪኦም ኢልና ተስማዕሚዕና ፌዴራል ክስርሖም ዘለዎም ፈሊና። ኣብዞም ኣከራኻሪ ቦታታት ዘለው ተዋዲዶም ዝኣተዉ ሓይልታት ከወፅእ፣ በቲ ኲናት ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ምምሕዳር ከፍርስ፣ ነቲ ዝምልስ ተመዛባሊ ምችው ኩነታት ከዳልው ሓይልታት ፀጥታ ሓላፍነት ወሲዶም ወድያው ናብ ስራሕ ክኣትው ከለው፤ ብወገን ትግራይ ዕዮ ክሰርሑ ዝተሓሰቡ ኣካላት ግና ኣዋርሕ ወሲዶም ከይተስማዕምዑ ተሪፎም። .

ከምቲ ዝረኣኽሞም ናብ ካሊእ መድረኽ ዘተ ኣትዮም። ብዙሕ ዘተ ገይሮም ‘ውን ክስማዕምዑን ናብ ተግባር ካይኣተዉ ከይከኣሉ ናብ ክረምቲ 2016 ኣቲና። እዚ ብፍላይ በቲ ናይ ፌዴራል ወገን ዝነበረ ምንቕስቃስ ብጣዕሚ ‹‹ኣግረሲቭ›› ስለዝነበረ ብዙሕ ፖለቲካዊ ኪሳራታት እናተረኸቦ ዝተፈፀመ ስለዝነበረ ይኹን ኢልና ኣቲናዮ፤ እዚ ኹሉ እናሰራሕና ብትግራይ ወገን ከምዚ ዓይነት ምትዕንቃፍ ምስተፈጠረ ድሕሪ ክረምቲ ‘ውን ኣንሕና ተበግሶ ወሲድና እዚ ጉዳይ ካብዚ ንላዕሊ ከኸድ የብሉን ሓላፍነት ክንወስድ ኣለና ኢላና።

እዚ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ናይ ፖለቲካ መነገዲ ኣይኮነን ወይ ትሕዣ ኣይኮነን ኮፍ ኣቢልናዮ ካሊእ ኣጀንዳታት ንዘራረብ ኢልና ‹‹ዘይትስማዕምዕዎ ጉዳይ እንተሃልዩ እዚ እዚ ኣይንስማዕምዕን በሉ”፤ ተሰማዕምዒና ከይድና ክንትግበሮ ኣይከኣልናን ህዝባና ይሳቀ ኣሎ መፍትሒ ነምፅእ ›› ኢለና እንደገና ካሊእ ምይይጥ ገይርና። እቲ ምይይጥ ብዙሕ ገዜ ወዲኡ ሐዚ ‘ውን ተስማዕሚዕና። ቅድሚ ክረምቲ 2016 ኩሉ ክንውድኦ ዝብል ትልሚ ሒዝና።

ኣብ ኩሉ ተፈፃሚ ክነገብሮ ኢልና ኣብቲ ዝቀለለ ድማ ብቕልጡፍ ከነካይዶ ኢልና ናይ ስራሕ ክፍፍል ገይርና ናብ ስራሕ ኣቲና። ከምቲ ዝረኣኹሞ ኣብ ራያን ፀለምትን ዋላ ኩሉ ሙሉእ ‘ዩ እንተዘይተብሃለ፤ ምኽንያቱ ኣብ ዝተባላሸየ ከባቢ ኩሉ ምሉእ ክኸውን ኣይኽእልን። ግን ህዝበና ናብ ገዝኡ ተመሊሱ መንበሪኡ ረኺቡ ብድሕሪኡ ወድያው ባዕሎም ንባዕሎም ምምሕዳር መሪፆም ንክምስርቱ ዝኽእለሉ ኩነታት ክፍጠር ‘ዩ ነይሩ ስምምዕና።

ንሱ ክንገብሮ ኣይከኣልናን፤ ንሱ ክንገብሮ ዘይከኣልና ‘ውን በቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካዊ ውጥረት ትግራይ ‘ዩ። ሐዚ እውን ካብቲ ዋና ኣጀንዳ ወፂኡ ገሊኡ ዝምልከቶ ገሊኡ ዘይምለከቶ ኣጀንዳ ግዜ ዝህብ ኣካል ስለ ዝበዝሓ ክዝንግዕን በቲ እንደልዮ ግዜ ክውዳእ ኣይኸኣለን። ናይ ወልቃየት ጉዕዞና ‘ውን ክተኣጓጎል ዝተገበረ ብትግራይ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ። እቲ ዋና ሕማም ዝኾናን ኣብ መሰረታዊ ኣጀንዳታት ህዝቢ ዝዘንግዐ ኣካይዳ ኣብ ትገራይ ስለዘሎ’ዩ።

ካሊእ ዝኾነ ነገር የለን። ናብ ፌዴራል ክልጥፍዎ ይደልዩ ‘ዮም። ኩሉ ነገር ፀገም ናብ ፌዴራል እዮም ዝገብርዎ። ባዕሉ እቲ ዓንቃፊ ከሳሲ ኮይኑ ኢኻ ትሰምዖ። ባዕሉ አቲ ዘደናቕፍ ንቕደሚት ከይንጉዓዝ ዝገብር ካይሳኻዕ ዝገብር ዘደናቕፍ ንፖለቲካዊ መትሐዣ ገይረዎ ዘሎ ኣካል ሓቢሩ ክኸስስ ኢና ንሰምዖ ። እዚ ንዝፈልጦ ኣካል ብጣዕሚ ‘ዩ መሕፈሪ። ናይ ዓለም ግዜ፣ ደቒቓን ሰዓትን ንዕዖም ንትግራይ ዝተውሃበ ‘ዩ ዝመስል። ኣዋርሕ ተኣኪቦም ኣጀንዳ ህዝቦም ዘይዛረብሉ ካሊእ ኣጀንዳ ሒዞም ስለ ህዝቦም ዝርስዑሉ ነገር ኢኻ ትርኢ ኣብ ትግራይ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ነቲ ዝስምዖ ሓላፍነት ወሲዱ መፍትሒ ከምፅእ ‘ዩ ንእትብሎ ኣካል ኣብ ከምዚ ዓይነት ዋዕላ ጉዳይ ክውዕል ከሎ ዝጎድሎ ነገር ኣሎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ በቲ እንደልዮ ጉዕዞ ከይንኸይድ፣ እቲ እነቕምጦ ኣንፈት ናብ መሬት ወሪዱ ከይትግበር ዘዕንቕፍ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣከያየዳታት ‘ዩ።

ኣንሕና ኢና ነዕንቕፎ ዘለና ኢለካ ንህዝብካ ምነጋር ‘ውን ፅቡቕ ‘ዩ። ሐዚ የኣክል። እቲ ሐዚ‹‹ይኣክል›› ኢሎም ዝዛረብዎ ዘለው ነቶም ናብ መረበቱ ከይምለስ ዘዕንቕፍዎ ዘለው ‘ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እምበር ፌዴራል ዝሓፈ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣኼባ ነይሩና ኣብዚ። ኣፍቲ ኣኼባ መሰረታዊ ኣጀንዳና ብሰንክኹም ይደናቀፍ ኣሎ፤ ካብዚ ንላዕሊ ክጓተት ክወስድ ኣይንደልዮን ዝብል ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ተስማዕሚዕና ከይድኩም ኣይትትግብርዎን ዘለኹም ዘደናቅፈኩም ዘሎ ኣካል እንተሃልዩ መፍትሒ ኣካል ግበርዎ። ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ካበዚ ኣጀንዳ ዝቕድም ስለዘየሎ፤ ካብ ፖለቲካ ካብ ፓርቲ ካብ ፀጥታ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተባሂሉ ኮሚቴ ተደራጅዩ ናብ ስራሕኹም እተው ተባሂሉ ሐዚ ክልተ ወርሒ ክመልእ ኢሉ ምንም ነገር የለን።

ካብኡ ከኣ ‹‹ይኣክል›› ኢሉ ሓቢሩ ይኸስስ፤ እዚ ሕማም ‘ዩ። ወይ ከዓ እዚ ጉዳይ ከይፍታሕ ዝደሊ ኣካል ‘ዩ፤ ነዚ ኹሉ ዕንክሊል ዘብላ ዘሎ ማለት ‘ዩ። እምበር መንግስቲ ፌዴራል ብሓባር ዘቕመጥናዮ ናብ ስራሕ ንእተው ኢልና ኢና። በይንና ንገብሮ እንኽእል ተዝኸውን ነይሩ ቀደም ምገበርናዮ ነይርና። ግና በይንኻ ዘይግበር ጉዳይ ኾይኑ። ናይ ራያ ዝተሳኽዐ ኣንሕና ስለ ዝደለናዮ ጥራሕ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ‘ውን ናብ ገዝኡ ንክምለስ ስለዝደለየን ሰዒሩ

ስለዝወፅአን ‘ዩ። እቲ ኣብኡ ዝፀንሐ ማሕበረሰብ ‘ውን ቅኑዕ ልቢ ስለ ዘለዎ ተናቢቦም ምሰቲ ናይ ፌዴራል ምንቕስቃስ ተናቢቦም ተሳኺዑ። እዚ እውን ክስዕር ዝኽእል እቲ ዝተፈናቀለ ማሕበረሰብና ክስዕር ኣለዎ። ነቲ ዘደናቕፍ ዘሎ ኣካል ክስዕሮን ንስኻ ናይ ፖለቲካ መትሐዣ ኣይትግበረኒ።

ኣነ ፖለቲካ መፃወቲኻ ኣይኮንኩን ዝግበአኒ ናብ ገዛይ ምምላስ ‘ዩ ኢሉ ዝስዕረሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። ምሰቲ ኣወንታዊ ዝሰርሕ ዘሎ ተደሚሩ ከነሳኽዖ ኣለና። ድሕሪ ሐዚ ኻሊእ ክረምቲ ኣረኪቡና ኣምሊጥና ኢለና ክነሰምዕ ኣይንደልን። እዚ ንከይሳኻዕ ዝገብር ዘሎ ኣካል ተፈሊጡ ፈሊኻ ንዝምልከቶ ‹‹ይኣኽለካ›› ናብ ገዛና ክንምለስ ኣለና ኢሉ ክንቐሳቀስ ኣለዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ብኣና ወግን ብዙሓት ኸይድታት ኸይድና ኢና። ቀርይና ዘሎ ናይ ወልቃይት ጉዳይ ‘ውን ብቕልጡፍ ክፍፀመልና ኢና ንደሊ። ብቕልጡፍ ዘፈፅሙ ኣንፈታት ‘ውን ኣቕሚጥና ኢና። ሓላፍነት ወሲድና ኣንሕና ክንሰርሖ ዝግባእ ነገር ክንሰርሕ ወሲድና ኢና።

ሐዚ ተሪፉ ዘሎ ከዓ በቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ ውጥረት ምኽንያት ኣጀንድኦም ኩሉ ንተፈናቃሊ ዘይኮነስ ንናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ጉዳይ ‘ዩ ዝዝንግዕ ዘሎ። ብኣና ወገን ግና ትማሊ ድልዋት ኢና ሐዚ ‘ውን ድልዋት ኢና ብሱሩ ‘ውን እዚ ኣጀንዳ ክሓድረልና ‘ውን ኣይንደልን ዝብል ቅዋም ‘ዩ ዘለና።

ሕቶ፡- እዞም ዘዕንቕፉ ዘለው ኣካላት ቕኑዓት እንተዘይኮይኖም መንግስቲ ፌዴራል ካብዚ ሓሊፉ ክኸዶ ዝኽእል ነገርዶ የለን?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ተዘራሪበና እንዲና። ከምዚ ዝበሉ ስራሕ ተኻፋፊለካ ተናቢብካ ‘ዩ ዝስራሕ። ካሊእ ፖለቲካ ገዲፍካ ኣብናይ ህዝብኻ ህላወ ትኹረት ዝገበረ ስራሕ እንተሰሪሕኻ ጥራሕ ‘ዩ እዚ ነገራት ዝሳኻዕ። መንግስቲ ፌዴራል ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል እተን ቦታት ካብቶም ካብ ናይ ፌዴራል ሓይልታት ወፃእ ዘለውን ዘይምልከቶም ብኻሊእ ኣጀንዳታት ኣትዮም ዝነበሩ ኣካላትን ምፅራይ ጥራሕ ‘ያ እታ ስርሑ ክትኸውን እትኽእል ።

ሕድ ሕድ ሰብ እናፀወዐ ከእትዎ ኣይኽእልን። ዝኣትው እኮ ኣለው ‘ዮም ግና እቲ ኩነታት ተናቢቡን ተዋዲዱን መን የኣቲ ኣሎ ‘ውን ተፈሊጡ ‘ዩ። ደሓር ፀገም እንተተፈጢሩ እኳ ማኔጅ ንምግባር ዘኽእል ስርዓት እንተዘየቕሚጥና ብድሕሪት ኮይኑ ክፍተታት ንምፍጣር ኣጀንዳ ዝፈጥር ኣካል ኣብቲ ፀገም ንሱ እንተተወሲኽዎ ብጣዕሚ ሓደገኛ ‘ዩ ዝኸውን።

ስለዚ እቲ ጉዳይ ባዕሎም እቶም ተፈናቀልቲ ብዝተደራጀወ መልክዑ ክንቀሳቀሱ ይኽእሉ ‘ዮም። ናይ ባዕሎም ተወከልቲ ኣቕሚጦም ኣንሕና ክንምለስ ንደሊ ኢና። ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነትን ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ዝተረጋገፀ ባዕልና እኹላት ኢና። ሰላም ፀጥታን እቲ ከባቢ ክሳብ ዘይደፍረሰ፣ ነዓና ዘጥቕዕ ኣካል ክሳብ ዘየለን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ክሳብ ዘሎን ኢሎም እንተኣሚኖም፤ በቶም ተወከልቲ ‘ውን ዘረባታት ተጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ።

ግና ንሱ እኹል ኣይኮነን። ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኾነ ናይቲ ፖለቲካ ኣብ ትግራይ ይምልከተኒ ‘ዩ ዝብል ኣካል ዋና ስራሕ እዚ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ ‘ዩ። ካሊእ ኣጀንዳ ዝዛረብ እንተኾይኑ ‘ውን ብድሕሪኡ ‘ዩ ይመረፀኒ ኣይምረፀኒ ክብል ዝኽእል። ናብ ገዝኡ ዘይመለሶ ህዝቢ መሪፁኒ ነይሩ ‘ዩ ኣነ እየ ዘመሓዳድሮ እንተኢሉ እቲ ኣጀንዳ ናይ ግዝኣት እምበር ናይ ህዝቢ ሕውየት ኣይኮነን።

ኣጀንዳና ኣብ ህዝበና ይኹን ‘ዩ። ህዝብና ኣብ ምምላስ ተረጋጊዑ ናብርኡ ከመሓድር ዝገብረሉ ባዕሉ ንባዕሉ መሪፁ ዝመሓደረሉ ኣብ ምፍጣር ኩነታት ናይ መጀመርያ ኣጀንዳና ገይረና ንስራሕ ኢልካ ብሓባር ምስራሕ ዘለዎ። እዚ ዕንቕፋት እዚ ወይ እዚ ክፍፅሙ ዝምደቡ ኣካላት ጥዕና የብሎምን ማለት ‘ዩ። ንሶም ተስማዕሚዖም ክትግብርዎ እንተዘይክኢሎም ወይ ባዕሎም ፀገም ኣለዎም ወይ ከዓ ኣብቲ መሬት ወሪዶም ዘፀግሞም ኣካል ኣሎ።

ንሱ ‘ውን ነቲ ህዝቢ ግልፂ ገይሮም ነቲ ህዝቢ ክነግርዎ ይግባእ። ምሽፍፋን ኣየድልን። ምስ ሓቂ ክትጋፈጥ ኣለካ። ምስ ሓቂ እናተጋፈጥካ ኢኻ ለውጢ ክተምፅእ እትኸእል። በኣና ወገን ዕንቕፋታት ተዝህሉ ምተዘራረብና። እቲ ፀገም ዘሎ ኣብ ካሊእ ‘ዩ። እቲ ፖለቲካዊ ወጥሪ ትኹረት ስለዝወሰደ ግን ቕደሚ ኹሉ ትኹረት ክግበሮ ዝግባእ ፖለቲካ አጀንዳ ዘይኮነ ኣጀንዳ ህዝቢ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ድሕሪ ሐዚ ዘሎ ኸይድና ‘ውን ብዝተቀላጠፈ መልክዑ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣኪቡና እናሃለወ ናይ መጀመርያ ሰራሕኹም ነዚ ግበሩ ዝብል ‘ዩ። ድሕሪ ሐዚ ካብዚ ዝዐቢ ኣጀንዳ የብልናን። ኣብዚ ዘይሳተፉ ዝነበሩ ኣካላት ‘ውን ኣሳትፍዎም ተባሂሉ። ይኹን እምበር ሓንቲ መዓልቲ ተኣኪቦም ኣይፈልጡን። ሓንቲ መዓልቲ ተዘራሪቦም ኣይፍልጡን። ኣነ ‘ውን ይሓቶም ‘የ። እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ተራኺብኩም እባ ሓዲኡ ግበሩ ይበሎም ‘የ።

እዚ ናይ ህዝብና ኣጀንዳ ‘ዩ እሞ ሒዝናዮ ክንድቕስ የብልናን። እዚ ብዝቕይር መንገዲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን ሓላፍነት ወሲዱ እዚ ከሳኽዑ ዝኽእሉ ኣካላት መዲቡ ናብ ተግባር ክኣትው ኣለዎ። እቲ ስንፍና ናይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ዝግብኦ ዘይገብር ዘሎ ስለዝኾነ ዝብል ‘ዩ ዘሎ።

ሕቶ፡- ጉዳይ ዲዲኣርን ጉዳይ ዕጥቂ ምፍታሕን እቶም ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበሩ መናእሰይ ወይ ዜጋታት ዳግማይ ምውዳብን ምጥያሽን ናብ ስሩዕ ሂወቶም ከምለሱ ምግባር ዝበል ነይሩ ፤ ክሳብ ሐዚ ዋላ ዲዲኣር ኣይተሳለጠን ማለት ይክኣል ፤እቲ ኣብ ቀረባ ቁሩብ ዝጀመረ ‘ውን ተቋሪፁ ኣሎ ንምንታይ ‘ዩ ተቋሪፁ? ዕንቕፋት ዝኾነ ኣካል ኣሎ ድዩ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ትኽክል ‘ዩ። ዲዲኣር በቲ ናይ መጀመርያ ፕሪቶርያ ስምምዕ መሰረት ክኸድ ‘ውን ኣይክእልን። እቲ ውዕልን ኣብ መሬት ዘሎ ነገርን እናጠዓዓምካ ክኸየድ ስለ ዝግብኦ። ስራሕቲ ምድላው ‘ውን ዘድልዮ ስለዝነበረ። እቲ መሰረታዊ ኣጀንዳ ዝገበርናዮ፤ እቲ ኩነታት ምሰተረዳእና ኣመሓይሽና ኩነታት ትግራይን ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነት ህዝቢ ትግራይን ብዘገናዘበ መልክዑ ዲዲኣር ክትግበር ኣለዎ ኢልና ናብ ስራሕ ኣቲና። ናብ ስራሕ ንምእታው ድማ ትካል ክህልው ኣለዎ።

እዚ ዘፈፅም ከም ፌዴራል ክምስረትን ነዚ ዝመርሕ ቦርድን ብትኽክል ዝሰርሕ ተፃዋዕነት ንሚኒሰትር ገይርና። እዚ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝተውሃበ ዝርዝር ኣሎ። ብብርኪ ትግራይ ናብ ዲዲኣር ክኣትው ኣለዎም ዝተብሃሉ ናብ ልዕሊ 75ሽሕ ዝኣክል ሓይሊ ሰብ ዝሓዘ ዝርዝር ተዋሂቡ ‘ዩ። እዚ ግና ብሓደ ግዘ ክኸውን ስለይኽእል በቢምዕራፉ ክንፍፅሞ ኣለና። ስለዚ ንዝተፈላለዩ ወፃኢታት ብዙሕ ገንዘብ ስለዘድልዮ ናይ ሃፍቲ ምትእኽኻብ የድልዮ ‘ዩ።

ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ንምትግባር ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣብቲ ግዝየዊ ምምሕዳር ዘለዉ ናይ ፀጥታ መዋቕርን ምስቲ ናይ ፖለቲካ ክንፊ ‘ውን ምርድዳእ ተፈጢሩሉ ናብ ስራሕ ተኣትዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እዚ ከይትግበር ዝደሊ ሓይሊ ‘ውን አሎ ‘ዩ። ነዚ ሓይሊ ሒዘ እየ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝኽእል ወይ እዚ ሓይሊ ውሕስናይ ኢሉ ዝኣምን ወይ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ገይርዎ ክቕፅል ዝደሊ ኣካል ኣሎ ‘ዩ።

እቲ ኩነታት ወይ ዲዲኣር ዘይተረደኦም ‘ውን ነዚ ዝድግፉን ዘዕንቕፉን ኣለዉ ‘ዮም። ንሕና ንሕድሕድ ውለቀሰብ ናብ ማሕበረሰብ ንምሕዋስ ዘድልዮ ብር 90 ሽሕን 400ን ንሕድ ሕድ ክረክብ ዘኽእል ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ትልሚ ኣውፂእና ስራሕ ተጀሚሩ መኽፈቲ ‘ውን ተሳቲፍና ኣጀሚርናዮ። ኣብዚ ሓደ ሻዕ ምዝገባ ዓሻራ ይብሉ አጀንዳ ንሱ ይተርፍ። ካብኡ ይቕፅል ዕጥቂ ኣረክቡ ተባሂልና ይብሉ፤ ኣብዚ ህዝብና ክፍለጦ ዝግበኦ፤ ክኽውን ዝግበኦ እናፍልጥናዮ ‘ውን ንቕዲሚት ክንኸይድ ዘለና ግልፂ ክገብሮ ‘የ።

ናይ መጀመርያ ምዕራፍ 75ሽሕ ክንብል ከለና ከም ትዝክርዎ መብዛሕትኡ ካብ ዕጥቂ ኣውፂኦም ናብገገዝኡ ክምለስ ዝተገበረን ነዚ ዝፅበይ ዘሎ ኢና ናይ መጀመር ምዕራፍ እንብሎ ዘለና። ቅድሚ ዓመትን ገለን ከበድቲ መሳርሒ ኣረኪቡ ናብገዝኡ ዝኸደ ዝኣምሰሉ ቁስለኛን ዝሓዘ ‘ዩ ዝፅበ ዘሎ።

ነዚኦም ‘ዮም ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ተባሂሉ። ክንጅምር ከለና ብሚድያ ኣጀንዳ ተፈጢሩ። ደሓር ከዓ ዕጥቂ ኣረክቡ ተባሂልና ኢና ብዝብል ጠጠው ክብል ገይረሞ። ዕጥቂ ብዝምለከት ግልፂ ንክኸውን ናይ ከበድቲ ብረት መጀመርያ ኣለና ኢሎም ዝኣመኑሉ ኣረኪቦም ‘ዮም። ቀፂሉ ዘሎ ናይ ውልቀ ዕጥቂ ክላሽ ‘ዩ። ፌዴራል መንግስቲ ክላሽ ካብ ክልላት መንግስቲ ኣይወስድን ‘ዩ። ዋላ ናይ ዲዲኣር ፐሮሰስ እንተተገበረ ናብ ፌዴራል ዝመፅእ ዋላ ሓንቲ ከላሽ የለን።

እቲ ፕሮሰስ ናይ ዲዲኣር ግና ሓደ ዕጡቕ እንትመፅእ መጀመርያ እታ ተዓጢቕዋ ዝነበረ ሽጉጥ ይኹን ክላሽ የመዝግባ፤ ካብኡ ነቲ ናይ ክልል መንግስቲ ኣካል ከዓ የረክባ። ኮነ እናተብሃለ እቲ ኸይዲ ንከየኸይድን ነዚ ዝፅበይ ዘሎ ማሕበረሰብና ወይ ከዓ ኣካል ፀጥታ ዝነበረ እዚ ዕድል እዚ ከይረክብ፤ እዚ ኮነ ኢሉ ከተዓናቕፍ ዝደሊ ኣካል ኣጀንዳ እናፈጠረ ‘ዩ ዝደናቀፎ ዘሎ። ገና ካብ መጀመርያ ኣብ 7ሽሕ ከባቢ ምስ በፃሕና ‘ዮም ጠጠው ኣቢሎሞ።

እዚ ጠጠው ከብልዎ ከለው ‘ውን ኮፍ ኢልና ንመያየጠሉ ንዘራረብ እንታይ ‘ዩ ፀገምኩም ኢላናዮም። እዚ እንተነኣሰ እቲ ጉዱእ፣ እቲ ተሸጊሩ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ዘሎ እዚ ዝፅበይ ዘሎ ማሕበረሰብና ተጠቃሚ ንክኸውን ኣብቲ ካልኣይ ምዕራፍ ካሊእ ክንዘራረብ ንኽእል ኢና። እንተነኣሰ እዞም ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ግና ነፈፅሞ ተበሃሂና ኢና። ትግራይ ዘድልያ ሓይሊ ኩነታት መሰረት ገይሩ ኣድላይ ‘ዩ ። ክንደዚ የድልየና እዩ ክንደዚ ንፖሊስ ክንድዚ ነዚ ኢልካ ተዳራጂና ኣለና ኢልካ እኮ ሓይሊ ምቕማጥ ይክኣል ‘ዩ።

ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ንምነታይ ናይዚ ኣካል ገይረካ ናብ ሂወቱ ናብ መነባበርኡ ዘይምለስ? መምህር እንተኾይኑ ናብ መምህርነቱ ነጋዳይ እንተኾይኑ ናብ ንግዱ ዘይምለስ? ዕድል ስራሕ ክፍጠረሉ ዝኽእል ኣካል ንምንታይ ኣደራጂና ሂወቱ ዘይነድሕኖ? ንምንታይ ተሰፋ ክቆርፅ ንገብሮ? ሰለዚ ጉዳይ ዲዲኣር ብጣዕሚ ልዑል ሃፍቲ ዝተንቀሳቀሰሉ ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ብልዑል ውፉይነት በጀት መዲቡ ኣሰራርሓ ዘርጊሑ ‘ዩ።

ገገሊኡ ከካብ ገዝኡ መፂኡ ዝወስድ ምዃኑ እናተፈለጠ፤ ናብ ገዝኡ ተበቲኑ ዝነበረ ‘ዩ እናተብሃለ ክውሃብ እናተገበረ እናሃለወ ዘይኮነ ኣጀንዳ እናፈጠሩ እዮም ዘደናቕፍዎ ዘለው። ምድንቃፎም ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ዘደናቕፍ ኣካል ከሸንፍ ከሎ ዝገርመካ። እዚ ክግበር ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ተዘራሪብና ንምንታይ እዚ ጠጠው ይብል? እንታይ ገይርኩም እቲ ህዝቢ? እንታይ ገይርኩም እቲ ጉዱእ? እንታይ ገይረናኹም እተን ወሊደን ገገዝአን ዝኣተዋ? እዚ ከቢድ ብረት ኣረኪቡ ናብ ገገዝኡ ዝኸደ እንታይ ገይርኩም? ከም መንግስቲ ወሲድና ኢና ከንመያየጥ ኢና ይብሃል ክሳብ ሐዚ ነዚ ዘደናቕፉ ኣካላት ስዒሮም ጠጠው ኢሉ ኣሎ።

ሐዚ እውን ህዝበና ክፈልጦ ዝግበኦ፤ ናይ ክላሽ ምርካብ ዝምልከትን ምምዝጋብ ናብ ስቶር ምቕማጥ ጉዳይ ግዴታ ‘ዩ። ምኸንያቱ ዲዲኣር እንተኾይኑ ናይ መጀመር ስራሕ ዕጥቒ ምርካብ ስለዝኾነ። ኣብ ዕጥቂ ነይረ እየ እዚ ነይሩኒ በዚ እየ ናብ ዲዲኣር ዝኣትው ኢሉ ክገልፅ ክምዝገብ ስለዝግብኦ።

ብድሕሪኡ ዘሎ ግና ናይ ሕድ ሕድ ክላሽ ተኣኪቡ ንትግራይ እምበር ካብ ትግራይ ወፃእ ዝጠቀመሉ ኩነታት የለን። ከምኡ ዝብል ኣጀንዳ ‘ውን ኣይተፈጠረን። ኮነ ኢሎም ንፖለቲካ ረብሕኦምን ንምጥቃም ንቐፃሊ ምዕራፋት ከይምፅእ እዚ እንተሃልዩ ጥራሕ እየ ኣጀንዳይ ዘረጋግፅ ዝብለ ኣካል ዝፍጥሮ ምዃኑ ግልፂ ምግበር የድሊ ኢለ እየ ዝኣምን።

ሕቶ፡- ካብ መንግስታዊ መሓውር ወፃኢ ዘለው ገለ ኢሊታት እቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ዘይድግፍዎ ኣለው። ኮነ ኢሎም ክኾኑ ይኽእሉ ከምቲ ዝገለፅካዮ ብግርህነቶም ‘ውን ክኾኑ ይኽእሉ ዮ’ም። ዕጥቕና እንተፈቲሕና እንታይ ‘ዩ ዋሕስና ይብሉ እዮም እሞ፤ ከም ሓደ ናይ ፌዴራል ኣካል ድልየት መንግስቲ ፌዴራል ኣብዙይ ከምይ ‘ዩ? ነዞም ኣብዚ ስግኣት ዘለዎም ከመይ መብርሂ ትህቦም?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡– ሓደ እቲ ኣተሓሳስባ ‘ውን ዝገርም ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ናይ ኩሉ መንግስቲ ‘ዩ። መንግስቲ ፌዴራል ብሉኣላውነት መንግስቲ ዝደራደር ኣይኮነን። መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ዝተፈለየ ኣጀንዳ ኣለዎ ኢሉ ዝሓስብ እንተሃልዩ ‘ውን ጌጋ ‘ዩ። ዳርጋ ንትግራይ እንምድቦ በጀት ንልምዓት ንጥዕና ዝሓሰብናዮምን ንብዙሕ ሂወት ክቕይር ዝኽል ሃፍቲ ዩ’።

ናብ 270 ሽሕ ሰራዊት ይኸይድ ከምዘሎ እናፈለጠና ብኸይዲ ናብ ስርዓት ክኣቲ ኢልና ኢና ንቕፅል ዘለና ክሳብ ሐዚ። ሓደ ክትደልዮ ከለኻ ሕገ መንግስቲ ናይዛ ሃገር ትፅውዕ ኣብ ዘይትደለየሉ ድማ ሕገ መንግስቲ ተፍርስ። ክትደልዮ ከለኻ ፕሪቶርያ ትፅውዕ ኣብ ዘይትደለዮ ድማ ካብ ፕሪቶርያ ወፃኢ ምዃን ኣይክኣልን። ከምዚ ዝበሃል ኣከያይዳ የለን፤ኣይክኣልን። ኣብ ሓንቲ ሃገር ክልተ ሰራዊት ኣይክኣልን። እዚ ሚኢቲ ፐርሰንት ግልፂ ክኸውን ኣለዎ። በቲ ስምምዕነት ፐሪቶርያ ገይሩ ስርዓት ክሕዝ ‘ዩ ብዝብል ‘ዩ እምበር፤ ክልተ ሰራዊት ኣብ ሓደ ሃገር እንተኾይኑ ካሊእ ኣጀንዳ ‘ዩ። ፕሪቶርያ መሰረቱ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ‘ዩ።

ዝኾነ ኣካል ካብ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ ኣጀንዳ ዘለዎ ኣይሰርሕን ‘ዩ። ፕሪቶርያ ብግልፂ ዘቕመጦ ንሱ ‘ዩ። ክልቲኦም ወገናት ሕገ መንግስቲ ሃገርን ሕጊ ሃገርን መሰረት ገይሮም ክሰርሑ ‘ዮም ተስማዕሚዖም። ሰለዚ እዚ ኮምፕሮማይዝ ዝግበር ጉዳይ ኣይከነን ማለት ‘ዩ። ኩሉ ነገራት እዚ ብዘጠዓዓመ መልክዑ በቲ ስምምዕ ፐሪቶርያ ዝተቀመጠ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ። ፌዴራል ኣካል ኣሕሊፉ ዝህቦ መሬት የለን።

ኣሕሊፉ ዝሃበ ካሊእ ኣካል ከህልው ይኽእል ‘ዩ። ፌዴራል ንማንም ኣሕሊፉ ኣይሃበን ክህብ ‘ውን ኣይክእልን። ኣይኮነንዶ መሬቱ ካሊእ ‘ውን ኣሕሊፉ ኣይህብን። ድልየት መንግስቲ ፌዴራል ካሊእ ‘ዩ። መሬት ትግራይ ኮነ ካሊእ መሬት ኢትዮጵያ ክሳብ ዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊ ኮፍ ኢሉ ዝነብረሉ ሓይሊ የለን። ነዚ ሚእቲ ፐርሰንት ከረጋግፅ ‘የ ዝደሊ።

እቲ ዕድል ንሱ ክርከብ ስለዘይተኽኣለ ናብኡ ስለ ዘይበፃሕና፣ እቲ ቦታት በቲ እንደልዮ፣ እቲ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኖርማላይዝ ኮይኑ ብዝግባእ ስለዘይበፀሐ፣ እቲ ፌዴራል ሓይሊ ኣብ በቦትኡ ክሕዝ ስለዘይተገብረ፣ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ክንፈልጦ ዝግባእ ሓቂ ብሓባር ስለዘይሰራሕና እንተዘይኮይኑ ንዝኾነ ኣሕሊፉ ዝህቦ መሬት ኣይህልን። መሬት ኮነ ህዝቢ ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ማሕበረሰብ ውሳነ ‘ዩ።

ሕገ መንግስታዊ፣ ሰብኣዊ መሰል ሰባት ይከበር እንተኢልና ሰብ ብዝደልዮን ብዝመርፆን ክምሓደር ዝነኣሰ ምኽባር ሕገ መንግስቲ ‘ዩ። ኣነ እየ ዝፍለጠልካ ዝብል ኣይኮነን ዝውስነሉ። ኣነ ከረጋግፆ ዘደሊ ኩሉ ነገር ብሕግን ብሕገ መንግስቲ እታ ሃገርን ክፍፀም ዝኽእል።

መንግስቲ ዝሰርሕ ዘሎ ብሰላማውን ብዝርርብን ‘ዩ። ጎንፂ ኵናት ከይልዓል ቀትርን ለይትን ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስለዚ መትከል መንግስቲ ፌዴራል ሰላማውን ሕጋውን ተኸቲሉ ጉዳያት ክውድኡ እምበር ካብዚ ወፃኢ ንዝኾነ ኣካል መሬት ቆሪስካ ዝወሃብ ድልየት የለን። ድልየት እንተሃለወ ‘ውን እቲ ሕገመንግስቲ ስለዘይፈቕድ ዘኽእል ዕድል የብሉን ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ሕቶ፡- እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ዝጣየሽ ‘ውን ዳርጋ ናብ ክልተ ዓመት ይኸይድ ኣሎ እሞ ኣፈፃፅማ ግዝያዊ ምምሕዳር ከመይ ‘ዩ? ዘለዎ ምዕባለታት እንታይ ይመስል? ናይ ምድኑጓይ ባህሪታት ኣለዎዶ? ፌዴራል መንግስቲ ንግዘያዊ መንግስቲ ኣብ ምሕጋዝ ዝገበሮ እንታይ ይመስል? ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትዕንቃፍ ዝግበሩ ዘለው ንምትዕርራይን ንምጥንኻርን ብሓፈሻኸ ከመይ ኢኻ ትግምግሞ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ክልቲኦም ዝተስማዕምዑ ኣካላት ብስምምዕነት ዝፈጠርዎ ሕጋዊ ትካል ‘ዩ። እዚ ትካል እዚ ብስምምዕነት ፕሪቶርያን ሕጊ ሃገርን መሰረት ሕጋዊ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ብሕታዊ ትካል ‘ዩ።

ንፌዴራልን መንግስቲ ትግራይን መራኸቢ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ ድንግርግር ክህልው የብሉን። ብዝኾነ ጉጅለን ብውልቃውን እዚ ንምፍራስን ንምቕያርን ዝግበር ፃዕሪ እንተሃልዩ ካፍቲ ናይ ስምምዕ ፕሪቶርያን ካብ ርክብ መንግስትን ወፃኢ ኮይኑ ዝፍፀም ሰለዝኸውን ተቀባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን።

ተስማዕሚዕና መንግስቲ መስሪትና ኢና እዚ ሕጋዊ መንግስቲ ‘ዩ። ስለዚ ሕጋዊ ስራሕቱ ክሰርሕ ምግባር የድሊ። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሎ ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም መሰረታዊ ሽግሩ ከም ትካል ብምሉኦም ተናቢቦም ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ኣቐዲሞም ውሳነታቶም ብሰዓቱ ወሲኖም ተሓታቲ ክኸውን ዝግብኦ እናሐተቱ ክስርሕዎ ዝግብኦም ዝሰርሑ ኣይኮኑን። ስለዚ ብመሰረታዊ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ስንፍና ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝድለይ ምምሕዳር ንምንታይ ውፅኢታዊ ዘይኮነ እንተተባሂሉ፤ እቶም ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ብምሉኦም ዘለው ኣካላት ነቲ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ተልእኾ ንምፍፃም ብዝተናበበ መልክዑ ሓቢሮም ኣፍቲ ዋና ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ መሰረት ገይሮም ስለዘይንቀሳቀሱ ‘ዩ። ብፌዴራል ‘ውን ዝገምገምናዮ ሰራሕቲ በቢሽዱሽተ ወርሒ ክንግምግም ኢልና ዝሓለፈ ዓመትን ቅድሚ ክልተ ወርሕን ገምጊምና ኢና።

ስለዚ እቲ መሰረታዊ ፀገም ናይቲ ግዝያዊ ምምሓዳር ‘ዩ። ካልኣይ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ውፂኢታዊ ከይከውን እግሪ እግሪ እናተኸተለ ከይሰርሕ መዓት ኣጀንዳ እናፈጠረ ዝንቐሳቀስ ኣካል ‘ውን ኣሎ። ውፅኢታዊ ከይከውን እናሰርሐ ባዕሉ ከሳሲ ኮይኑ ዝቐርብ ኣካል ኣሎ። ስለዚ እቲ መሰረታዊ ፀገም ናይ ባዕሉ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ግና ብዝተፈላለየ ኣጀንዳ ተቀናጅዩ ዝተሓላለኸ ስራሕ እናሰርሐ እቲ ግዝያዊ ምምሐዳር እግሪ ከይተክል ዝሰርሕ ስለ ዘሎ ዝተፈጠረ ፀገም ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ውጥረት ኣጀንዳ ንክፍጠር ዝገብሩ ሰለስተ ኣካላት ኣለው። እቲ ሓደ ቅድሚ ኵናት ኣብ ማእኸልን ድሕሪ ኵናትን ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ኸቢድ ሌብነት ዝተሳተፈን ሃፍቲ ፈጢሩ ኣብ ሰላማዊ እዋን ከመይ ገይሩ ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ዝጨነቆ ኣካል ኣሎ።

ሰላም እንተመፂኡ ከመይ ከምዝኸውን ዝጨነቆ ኣካል መዓልታዊ ኣጀንዳ እናፈጠረ ሰላምን ምርግጋዕን ከይመፅእ እናሰርሐ ዝውዕል ኣካል ኣሎ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣነ ከይባላዕኹ ተሪፈ ኢሉ ካሊእ ዕድል ንክረክብ ተስፋ ዝገብር ኣሎ። ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ከይንኸይድ መዓት ኣጀንዳታት እናፈጠረ ዝውዕል ‘ዩ።

እቲ ሳልሳይ ኣካል ብሕታዊ ጉዳዩ ወንበርን ግዝኣትን መሰረት ገይሩ ኣነ እንተዘይሒዘያ ሞይተ ይርከብ ብዜካይ ዝሕዛ የለን ነዓይ ዝተመስረታት ‘ያ እናበለ ስለ እታ ወንበርን ግዝኣትን ዝሓስብ፤ንሳ እንተሒዙ ሰላም ዝስምዖ ንሳ እንተዘይሒዙ ድማ ዓዲ ትርበሽን ትብፅበፅን ገይሩ ዝወስድ ዝንቀሳቀስ ኣካል ‘ዩ። ኣብ ሕድሕድ እዞም ሰለስተ ብዙሓት ተሳተፍቲ ዘለውዎ ‘ዩ።

እዚኦም ካብ ኣጀንዳ ህዝብና ወፃኢ ‘ዩ ኣጀንድኦም። መሰረት ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ሕቱኽቱኽ ዝበሉ ዘይኮኑስ ኣብ ናይ ውልቆምን ጉጅልኦም ኣጀንዳ ተፀሚዶም ህዝቢ ትግራይ ረሲዖም ኣብ ካሊእ ዓለም ዘለው ‘ዮም። እዚኦም ‘ዮም ገሊኦም እናተናበቡ ገሊኦም ብውልቆም መዓት ኣጀንዳ እናምፅኡ እንተደልዮም ኣኼባ ይፈጥሩን ሰላም ከስእኑን ዝፅዕሩ ዘለው። ህዝብና ነዚኦም ፈሊጡ ‘ዩ ክቓለስ ዘለዎ።

ኣጀንድኦም ህዝቢ ትግራይ ገይሮም እንተነኣሰ ህዝቢ ናብ ዝመርፆ ሕጋዊ መንግስቲ ዝሸጋገረሉ ዝሰርሕ ሕጋዊ መንግስቲ ኣሎ። እቲ ሕጋዊ ግዝያዊ መንግስቲ ሕጉ ሓልዩ ናብታ ቀፃሊት ጉዕዞ ከሰጋግር ምግባር የድሊ ‘ዩ። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘሎ ስንፍና ከመይ ነዐርዮ ተነጋጊረካ፣ ተመኻኺርካን ገምጊምካን ‘ዩ ዝዕረ። ትካል ተመስሪቱ ‘ዩ በቲ ናይ ሃገር ሕጊ መሰረት ይኸይድ፤ንሱ ዝቕየር እንተኾይኑ ‘ውን ብሕጋዊ ኢኻ ትቕይሮ እምበር ኣነ ስለዝደለኹ ብፌዴራል ዝደለናዮ ኣልዒልና ምውፃእ ዝብል ኣጀንዳ የለን።

ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈጠሮ ብሕታዊ ሕጋዊ ትካል ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ። ኣብ ዝሰርሐሉ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና። ስንፍንኡ ከዐሪ ክጠናኸርን ውፅኢታዊ ክኸውን ኣለዎ። እታ ተሪፋ ዘላ ጉዕዝኡ ‘ውን ሓፃር ኮይና ናብ ህዝቢ ዝመረፆ ምምሕዳር ክሰጋገር ኣለዎ። እንተነኣስ እቲ ክልላዊ መረፃ ክቕልጥፍ ገይርና ሃገራዊ መረፃ ከዓ ብሓባር ገይርና ናብቲ ስርኣት ሕገመንግስታዊ ዝፅንበረሉ ምሕሳብ እምበር እቶም ዓንተዎ ዝበልክዎም እናሸነፉ ሒዞምና ከይኸዱ ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ሓሳብ ‘የ ክገልፅ ዝደሊ።

ሕቶ፡- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ከሎ ፌዴራል መንግስቲ ብፅሒቱ ኣይወሰደን ወይ ኣተሳተፈን እሞ፤ምናልባት እቲ ሐዚ ዘጋጥም ዘሎ ፀገማትስ እጃም መንግስቲ ፌዴራል ኣብቲ ምስረታ ብዘይ ምስታፉዶ ይኾን? ንምንታይ ‘ዩ ኸ መንግስቲ ፌዴራል ካብቲ ምስረታ እጃሙ ዘይወሰደ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ክንምስርት ከለና ዝነበረና ሃንቀውታ ብቅልጡፍ ናብ ህዝብና ንበፅሐሉ ‘ዩ ነይሩ። ካሊእ ከኣ መንግስቲ ትግራይ ብዝደልዮ መንግስቲ ባዕሉ ንባዕሉ ብዘመሓድረሉ መንገዲ ኩነታት ኮምፐሮማይዛ ዝገብር ክፍጠር ኣይንደልን። ከም ሰብ ይኹን ከም ትግራዋይ ኣይንደልን።

ከም ፌዴራል መንግስቲ ‘ውን ዝተፈለየ ድልየት የብለናን። ሰላማውን ሕጋውን በቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክሳብ ዝኸዱ ባዕሎም ብቕልጡፍ ተደራጅዮም ህዝብና ቀልጢፉ ፀገም ዝፈትሓሉ ኩነታት ንክፍጠር ዝብል እምነት ሒዝና ኢና ብቅኑዕ ልቦና ናብ ተግባር ከኸዱ ንምግባር ‘ዩ።

ብቕልጡፍ ንህዝቢ ዘድሕን መፍትሒ ኢልና ንኹሉ ዘካተተ መንግስቲ መስሪትኩም ናብ ስራሕኹም እተው ብእንኽእሎ ክንሕግዝ ኢልና፤መንግስቲ ምስ መስረቱ ዝተፈላለዩ ናይ ፌዴራልን ሚኒስቴር ኣካላት ናይ ክልላት ክድግፉ ዝኽእሉ ኣካላት ኣንቀሳቂስና ንጎይይ ዝነበርና። ኣንሕና ተንኣትው ግና ከሳብ ወንበር ነስተኸኽል ክሳብ ንከፋፈል ክሳብ ንስማዕማዕ ካሊእ ኣጀነዳ ከይፍጠር ግዜ ከይወስድ ብምሕሳብ ‘ዩ።

ስለዚ ኣንሕና ብዘይምእታውና እቲ ዋና ድልየትና እዚ ‘ዩ። እቲ ዝተፈጠረ ኣካል ግና ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ብክስታይ ስለዝተወጠረ እቲ ዝመፅአ ኣካል ‘ውን ናብ ስራሕ ኣትዩ ውፅኢታዊ ከይከውን ብቕልጡፍ ስራሕቲ ስለዝተጀመሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሃርሞኒ ፈጢሩ ስለዘይጀመረ ‘ዩ።

ተሓጋጊዞም ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ካብ ምቕልጣፍ ኣጀንዳ ሓዲጎም ናብ ካሊእ ኣጀንዳ ስለዝኸዱ ‘ዩ ነገራት ተበላሽዩ። ስለዚ ንሕና ስለ ዘይኣተና ዝተፈጠረ ፀገም ዝብል እምነት የብለይን። ኣንሕና ብዝየምእታውና (ናብቲ ምስረታ) ኣብቲ መጀመርያ ቀልጢፍና ንክኸይድ ገይሩ ‘ዩ። ካብ ሕውየትን ልመዓትን ትግራይ ካሊእ ድልየት ‘ውን ሰለዘይብልና ክቕልጥፍ ኢልና ዝኸድናዮ ጉዕዞ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምክፍፋል ንትግራይ እንታይ ዓይነት ፀገም ከምፅአላ ይኽእል? ከም ናይ ፖለቲካ ማሕበረሰብን ይምልከተኒ ‘ዩ ዝብልን ሰብን ኣብዚ ምክፍፋል እንታይ ክግበር ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ኣነ ኣብ ውሽጢ ፓርቲ ዘተፈጠረ ፀገም መፍትሒኡ በቲ ናቲ ፓርቲ ኣሰራርሓን ኣከያይዳን በቲ ሕጋዊ ስርዓት ‘ዩ ክኸውን ዝግብኦ። እቲ ፓርቲ ናብ ክልተ ተኸፊሉ ኣሎ እሞ እንታይ ይግበር መፍትሒኡ ኣብቲ ፓርቲ ‘ዩ። ኣጀንድኡ ንምትዕርራይ እንተኾይኑን ናህና ድልየት እንታይ ‘ዩ ዝብል እንተኾይኑ ብተደጋጋሚ ‘ውን ስለዝገለፅናሎም፤ እቲ ፀገም ምስተፈጠረ መፂኦም ፕረዝደንት ኣልዕለልና ክብሉ ከለው እዚ ጌጋ ‘ዩ።

ሓደ ስለ ዘይደላኻዮ ይልዓል ኣይልዓል ዘይከሎነስ ንስኹም ሓደ ኢኹም። እዚ ኹሉ ልምዲ ኣለና ዝብል ፓርቲ ኮፍ ኢሉ ተመያይጡ ዘይፈትሐሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ። ንስኹም እኳ እንተኣብዩኩም ዓበይቲ ዓዲ ሒዝኩም ፍታሕ ኣልሹ እምበር፤ መፂኢኹም ንሶም ኣንሕና ኢና ሕጋወያን እናበሉ ንስኹም እውን ኣንሕና ኢና እናበልኩም ሓድነትኩም ዘየረጋገፅኩም።

እዚ ትክክል ኣይኮንኩምን እሞ ተመሊስኩም ኣዕርዩ። ክልቲአኹም ጥራሕ ኢኹም ፍታሕ ትረኽቡ። ክልተ እንተኾይንኹም ‘ውን ክልተ ምዃንኩም ዘረጋግፅ ሕጋዊ እኸለ ኢና ኢልኩም ምፁ። በዚ እንተዘይመፂእኹም ንኸለ ደጊፍካ ንአኸለ ምውቃዕ ናይ ፌዴራል ስራሕ ኣይኮነን። ነዚ ፈቲሒኹም ሓድነትኩም ኣረጋገፅኩም ምፁ ‘ዮም ተባሂሎም።

ሐዚ ‘ውን ባዕሎም የዐርይዎ ፤ ሓደ ይኹኑ፤ እንተተሰማዕሚዖም ዝወርድ ኣካል የውርዱ ግና ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሎም ይምፅኡ። እንተዘይ ኮይኑ ናብ ክልተ ተሰንጢቁ ዝተኸፈለ ፓርቲ ሕጋዊ ተባሂሉ ከኣ በቲ ናይ ሃገር ኣፍልጦ ዝህብ ‘ውን ኣፍልጦ ዘይተወሃበ ምስ ሓደ ወጊንካ ንኻሊእ እትወቕዐሉን ተሸንፈሉን ጉዳይ ክፍጠር ኣይኽእልን።

ስለዚ ናይ ሓባር ትካል ተስማዕሚዑ ከዕርዮ ዝኽእል ብዝገብሮ ሓበራዊ ስምምዕ ‘ዩ። ተስማዕሚዕና እንተኢልኩም ናባና ምምፃእ ‘ውን ኣየድልየኩም ባዕልኹም ኣተዓራሪኹም ምፅኡ ኢልና ብግለፂ ነጊርናዮም። እዚ ምትዕርራይ ይክኣል ነይሩ ዶ? እወ ይክኣል ነይሩ። እቶም ከተዓራርዩ ዝኽእሉ ካብ ልቦም ስለዘይሰርሑ ወይ ከዓ እቶም ኣካላት ካብ ልቦም ሓደ ክኾኑ ስለይደልዩ።

ካሊእ ድልየት ኣሸኒፍዎም እቲ መሰረታዊ ናይ ህዝቢን ቀፃልነት ፓርቶምን ኣጀነዳ ረሲዖም ናይ ወንበር ናይ ጥቕሚ ኣጀንዳታት ስለዝሓዙ እንተዘይኮይኑ ምትዕርራይ ይክኣል ‘ዩ። ይፍረጅ ‘ውን ዩ። ሐዚ እኮ ግዝያዊ ምምሕዳር ግበሩና ዝብሉ ዘለው እንተገይራናዮም ምሳና ‘ዮም ክሰርሑ። ግዚያዊ ምምሕዳር እንተኾይኑ ምስ ፌዴራል ክሰርሕ ኣለዎ።

ስለዚ ምሳና ምስ ዝሰርሑ ባንዳ እናበልካ እናፈረጅካ ሰም ኣናሃብካ ዝኽየድ ጉዕዞ.. ሐዚ እኳ ህዝባና ‘ውን እናፈለጦም የመፅእ ኣሎ ‘ዩ። ዝበሉ እንተበሉ ካብዚ ኣንጀንዳ ስለ ዘይወፅኡን ትኸክል ‘ውን ከምዘይኮኑ ስለዝፈልጥ ዝኾነ ኣካል ዝኾነ ስልጣን ክሕዝ ከሎ ሽም እትህቦን ንስኻ ክትሕዛ ከለኻ ግና እታ ሽም ዘይኮነት እንተኾይና ኻሊእ ‘ዩ ሕማሙ ማለት ‘ዩ።

ስለዚ እቲ ዋና ነገር እቲ ፈጢሩ ዘሎ ናይ ፓርቲ ክሳብ ዝኾነ ብናይ ባዕሎም ኣሰራርሓን ከይድን ይፍትሕዎ። በቲ ሕጋዊ መንገዲ ከዓ ሕጋውነቶም ዘረጋግፅሉ ይፍጠሩ። ሓደ ሓደ ይዛባዕ ‘ዩ። ባዕሎም ፀገም ፈጢሮም ንፌዴራል ስለዝህብዎ ወይ ይልጥፍዎ ‘ዮም። ከምኡ ‘ዩ ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካ ትግራይ ቀሊል ‘ውን ስለዝኾነ። ንዝኾነ ኣካል ሽም ሂቦም‹‹ ብልፅግና ስለዝኾነ ባንዳ ስለዝኾነ ‘ዩ›› ይብልዎ።

ምልጣፍ ዝተለመደ ‘ዩ። ቕዲሚ እቲ ኵናት ኣብቲ ኵናትን ዝነበረን ድሕሪ ኵናት ሐዚ ‘ውን ከይተመሃርናሉ ዝቕፅል ዘሎ ‘ዩ። ሓደ ሓዲኡ ክትሰምዖ ከለኻ መሐፈሪ ‘ውን ‘ዩ። እዚ ትኸክል ኣይኮነን ክተርፍ ኣለዎ። እቲ ዝተፈጠረ ናይ ባዕሎም ፀገም ባዕሎም ይፍትሐዎ። ፌዴራል ምስ ሕጋዊ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ይራኸብ ምስ ሕጋዊ ፓርቲ ንምርኻብ ድማ ገና ሕጋዊ ፓርቲ ኣይተፈልጠን።

እዚ ንህዝብና እንታይ ክፈጥረሉ ‘ዩ ንዝብል እቲ መንእሰይ ፈሊጥዎም ኣሎ። በቲ ሆይሆይትኦም ዝኸይድ ኣካል ዘሎ ኣይመስለንን። ድሕሪ ሐዚ በቲ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ፀገም ዘእቲ ወይ ከዓ መንገዲ ቀይሩ ብተመሳሳሊ ኣካል ናብ ካሊእ ፀገም ዝኸይድ መንእሰይ ኣሎ ኢለ ክሓስብ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ መንእሰይ ትግራይ ብተደጋጋሚ ሰላም ከምዝደሊ ገሊፁ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ንዝኸይድ ስለዝፍለጥ ነዚ ምቕላስ ‘ዩ። ዘሎ ነገራት በዚ እየ ክገልፆ ዝደሊ።

ሕቶ፡- ትግራይ መዓዝ እያ ናብቲ ስሩዕ ቁመናኣ ወይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝነበረቶ ኹነታት እትምለስ። ኣብ ፌዴራል ኣብ ቤት ምኽሪ ይኹን ኣብ ፌዴረሽን ምሉእ ውክልንኣ እትሕዘሉ ብሓፈሻ መዓዝ ‘ያ ናብ ስሩዕ ምምሕዳር እትምለስ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡– ትኽክል ‘ዩ። ክኽውን ዝግብኦ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዕድምኡ ኣሕፂርካ ብቕልጡፍ ናይ ፕሪቶርያ ኩነታት ኣስተኻኺልካ፣ መረፃ ገይርኻ፣ ሕጋዊ ናይ ክልል ኣደረጃጀት ኣትሕዝካ ኣብ ፌዴራል ዘለዋ ውክልና ከም ካልኦት ክልላት ወይ ከም ባዕላ ካብ ትግራይ ዝተመረፁ ተወከልቲ ክህልው ምግባር ‘ዩ ክቕድም ዝግብኦ።

ብተደጋጋሚ ብኣና ወገን እንብል እዚ ዕደመ እዚ ነሕፅሮ ‘ዩ። መጀመርያ እንተነኣሰ ናይ ክልል መረፃ ዘግብር ነገራት ተሎ ንፍጠር። ምስ ህዝብና ምርድዳእ ገይርና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ሕጋዊ መረፃ ክግበር ገይርና ከብኡ ህዝቢ ዝመረፆ መንግስቲ የሃልወና። ክልላዊ መረፃ ንምግባር ክነቕልጥፎ ንኽእል ኢና። እቲ ናይ ሃገራዊ መረፃ ከዓ ምስ ሃገር ናብ ፌዴራል ተወከልቲ ንክህልወና ኣብ ሰዓቱ ንገብር ኢና።

እቲ ናይ ዓነተዎ ዝበልክዎ ዕንቐፋታት ብምሉኦም እዚ ንከይኸውን እዮም ዝገብሩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ዝብሃል ዓመታት ክፀንሕ ዝገብርዎ ዘለው ስራሕቲ ከይስራሕ ስለዝገብሩ ‘ዮም። ንሱ ‘ውን ባዕሉ ሰነፍ ስለዝኾነ እቶም ዘደናቕፉ ከዓ ናይ ባዕሎም ስራሕ ኣጀንዳ ስለዘለዎም እዚ ካይሓፅር ‘ዮም ዝገብሩ ዘለው።

ብኣና ዘሎ ድልየት ብቕልጡፍ ካብ ከይዲ ግዝያዊ ምምሕዳር ወፂኣ ናብቲ ስሩዕ ቁመናኣ ተመሊሳ ሕጋዊ ብህዝቢ ዝተመረፅ መንግስትን ንፍጠር ኢና ንብል ዘለና። ንሱ ንምፍጣር ኢና ንጓየይ እቲ ጉያ ከምቲ እንደልዮ ኣይኮነን። ከምቲ እንሪኦ ጎታቲኡ በዚሑ ኣሎ። እና መዓዝ ‘ዩ እንተይልና? ኣብቲ ሃገራዊ መረፃ እንተበፂሑ ግቡእ ስለዝኾነ ሐቢሩ ክምረፅ ‘ዩ። ግና ካብኡ ቀዲሙ ‘ውን ክፍፀም ዘለዎም ነገራት ኣለው። እዚ ክናዋሕ ዝገብሩ ዘለው ግና ግዝያዊ ምምሕዳር ብግቡእ ከሰርሖም ዝግባእ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ወዲኡ ስለዘይከደ ‘ዩ።

ሕቶ፡- ንመላእ ህዝቢትግራይ ዝተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩካ ዕድል ክበካ?

ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ፡- ንኹሉ ህዝቢ ትግራይ እቲ መሰረታዊ ከሕልፎ ዝደሊ ሓዚ ኣብ ሰላም እናሃለና ኩላትና ንሰላም ንስራሕ። ንሕና ተዘናጊዕና ሰላም ዘበላሽው ኣካላት ስዒሮም ሰላምና ከይወስዱልና። እቲ ሰላም ንሕድሕድ ማሕበረሰብና ብውልቀ ይኹን ብጉጅለ ሰላም ዘየፍርስ ንድሕሪት ዘይምለስ ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ።

ካብዚ ወፃኢ ካብ ሕግን ስርዓትን እታ ሃገር ወፃኢ ካብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ወፃኢ ብስምዒት ክንቐሳቀሱ፣ ሰባት ክቕስቅሱን ኣካላት እንተሃልዮም ብሓባር ኮይኑ ክፈልዮምን ክቃለሶምን ይግባእ ኢለ የኣምን። እዚ ህዝብና ፈሊጥዎ እዩ። ህዝብና ናይ ሰላም ድልየቱ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ከይንክኦ ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ።

መንእሰይና ‘ውን ብግልፂ መንገዲ ይዛረብ ኣሎ ‘ዩ። ተመሊሱ ናብ ተመሳሳሊ ስምዒት እሞ ከኣ ውፅኢት ዘምፅኡ ዘይኮኑስ ዘኽስሩ ብዝነበሩ ኣካላት ይኹኑ ብካልኦት ኣካላት ኣጀንዳ እናፈጠሩሉ ናብ ካሊእ ዙር ፀገም ከይወስዱና ከየእትውና ነዚ ዝገብሩ ኣካላት ፈልዩ ክቃለስ ኣለዎ።

ሰላምና ነፅንዓ ኣንሕና ኢና። ሰላም እናሃለወካ ኢኻ ንሰላም ትሰርሕ። ሰላም ከይተባለሸወ ዝትገብር እምበር ንእሽተይ እንተተባላሽዩ ሰላም ምምላስ ማለት ክንደይ ፀገም ከምዝፍጠርን ክንደይ ከምዘኽሰረናን ‘ዩ። እቲ ሐዚ ኸሲርናዮ ዘለና እኮ ሰላምና ስለዝሰኣና ‘ዩ። እተን ንእሽተይ ሐዚ ንምልሰን ዘለናን ናብ ልምዓት ምንቕስቃስ እንገብር ዘለና ሰላም ስለዝመፅኣ ‘ዩ።

ሰላም ስለዝመፅኣ ኣብ ትግራይ ልምዓት ሕርሻ ንንቃሰቀስ ዘለና። ሰላም ስለዘሎ ‘ዩ ደሞወዝ ምኽፋል ስራሕ ምስራሕ ተጀሚሩ ዘሎ። ፋብሪካታት ናብ ስርሐን ከምለሳ እንገብር ዘለና። ነዚ ዘነኣኣስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብ ናይ ህዝቢ ኣጀንዳ ወፂኡ ናይ ባዕሉን ናይ ጉጅልኡን ኣጀንዳ ሒዙ ዝንቀሳቅስ ብግለፅን ብትረት ምቕላስ የድሊ ‘ዩ።

ድሕሪ ሐዚ ምትሕፍፋር ኣየድልን። ካብዚ ንላዕሊ እንኸስሮን ዝመፅእ ፀገምን የለን። ህዝባዊ ኣጀንዳታትና ብሰላማዊ መንገዲ ንቕድሚት ዝወስዱልና ኣካላት ስርዓት ሒዞም ክሰርሑ ዘግብር ነገር ክፍጠር ኩሉ ህዝቢ ትግራይ፣ ንትግራይ ዝፈቱ፣ መንእሰይ ትግራይ፣ ሙሁር ትግራይ፣ ነጋዳይ ትግራይን ዳያስፖራ ትግራይን ኩሉ ከም ትግራዋይ ኣብ ሰላምን ሰላም ምፅናዕን ፕሪቶርያ ምፅናዕ፣ ሕጊ ሃገር ምፅናዕን ምርግጋፅን ትኹረት ገይሩ ክንቀሳቀስ ፃውዒት የቕርብ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ  22 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You