ብባህላዊ ትውፊታት ዝደመቐ ኣከባብራ በዓል ጥምቀት

ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ናይ ዘበናት ብዙሓት ዘይድህሰሱ ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊታት ዘለውዋ ኮይኖም ካብኣቶም ሓደ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብድምቐት ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ‘ዩ።በዓል ጥምቀት ብኣመንቲ ክርስትና ብድምቀት ካብ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት ሓደ ኮይኑ እቲ በዓል ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ በቢ ዓመቱ ጥሪ 11 ይኽበር ። እዚ ቢቢዓመቱ ብኣዝዩ ደሚቕ ሃይማኖታውን ባህላውን ፍፃመታት እናተኸበረ ዝመፅአን ዝቕፅልን ዘሎ በዓል ጥምቀት ሎሚ ዘበን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና ደሚቑ ተኸቢሩ ‘ዩ።

ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ጥምቀት 2017 ዓ/ም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊታቱ ሓልዩ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ማይጨዉ፣ መቐለ፣ ኣብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማታት ዓብይ ዓድን፣ ዓዲግራት፣ ውቕሮን ሸረ እንዳሰላሰን ኣብ ካልኦትን በዓል ጥምቀት ሃይማኖታዊ ትሕዝተኡ ሓልዩ መላእ ኣማናይ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝለዓለ ድምቀት ሃይማኖታዊን ባህላውን ትሕዝትኡን ትውፊታቱን ከይለቐቐ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ተዓጂቡ ተኸቢሩ ‘ዩ።

እዚ በዓል ጥምቀት ንተኸተልቲ እቲ ሃይማኖት ካብ ዘለዎ ሃይማኖታዊ ረብሓ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ትውፊታት ኣብ ምዕቃብ፣ ኣብ ምልላይን ናብ ቀፃሊ ወለዶ ኣብ ምስግጋርን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዕብየት ልምዓት ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ኣቕሊልካ ዝርኣይ ኣይከውንን ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ብፍላይ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ታሪኻውን ዘቤታዊ ቱሪዝም ክተባባዕ ዝገብር ኣሎ። ብተወሳኺ ፃንሒት ቱሪስት ክናዋሕ፣ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ቱሪዝም ክተባባዕ ዝሕግዝ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ ራያ በዓል ጥምቀት ካብ ዘድምቑ ባህላዊ ትውፊታት ድማ ኡርናን ግድልን ዝኣምሰሉ ተፀራሕቲ ‘ዮም። ብፍላይ ባህላዊ ትውፊት ኡርና ኣብዚ ዝሓለፈ በዓል ጥምቀት ልዑል ትኹረት ካብ ዝተወሃቦምን ናይ ሚድያ ሽፋን ካብ ዝረኸቡን ነቲ በዓል ‘ውን ተወሳኺ ድምቀት ካብ ዝኾነ ሓደ ‘ዩ ነይሩ።

ኡርና ማለት ሓለውቲ ከፍቲ ከፍቶም ሒዞም ንልዕሊ ኽልተ ወርሒ ናብ በረኻ ዝወፍርሉ ባህሊ ከምዝኾነን ካብ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ኡርና ኣብ ምትሕብባርን ምውዳድን ዝነጥፍ መንእሰይ ጌታቸው ንጉሰ ከም ዝረኸቦ ብምሕባር ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ኣብ ከባቢ ራያ ኡርና ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ደኒ ዴስኣ ቀላቕል ደንበር ዓፋር ብዝተፈላለየ ስም ዝፅዋዕን ብፍላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ሳዕሪ ናብ ዘለዎ ቦታ ኸፍቶም ሒዞም ዝወፍርሉ ሓደ ክፋል ባህሊ ትግራይ ‘ዩ። እዚ ባህላዊ ትወፊት ኡርና ኣብ ዝወፍርሉ እዋን ስንቂ፣ መንጋለ፣ ጥሕኒ፣ ሕሩጭ ሒዞም ከምዝወፍሩ ‘ውን ይገልፅ።

ጓሶት ካብ መንበሪ ገዝኦም ሪሒቖም ናብ በረኻ ኣብ ዝኸድሉ ጊዜ ቡርክታ ቦርኪቶም (እምኒ ብምርሳን ዝስራሕ ሓደ ካብ ባህላዊ ምግብታት ትግራይ ሓደ ‘ዩ)፣ እንስሳ ሃዲኖም፣ ፃባ ሓሊቦም ከምዝምገቡን ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ምሸት እቶም ጓሶት ከፍቶም ናብ መሐደሪአን (ጌር) ድሕሪ ምእታው ኣብቲ ከባቢ መጋርያ ብምብራህ ኣብ ሓዊ እናሞቁ ከም ጉማየ ዝበሉ ባህላዊ ትውፊታት ፍቕሪ፣ ናፍቆትን ኣድናቆትን ዝበሉ ዝግለፀሉ ተፈታዊ ባህሊ ዝፃወትሉ ከምዝኾነ ይሕበር ‘ዩ።

እዚ ባህላዊ ትውፊት ንምዕቃብን ኣካል ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ማይጨው ዝኾነ ስነ-ስርዓት ኡርና ኣብ ወረዳ እንዳ መኾኒ ከረን ዳባት ካብ 8 ጥሪ ክሳብ 9 ጥሪ 2017 ዓ/ም ከምዝተሳለጠ መንእሰይ ጌታቸው ተዛሪቡ። እዚ ስርዓት ኡርና ባህላውን ማሕበረሰባዊን ትሕዝትኡ ሓልዩ በቢ ዓመቱ ክኽበር፣ መስሕብ ቱሪዝምን ፍልፍል ኣታውን ንምግባር ይሰርሕ ከምዘሎ ይሕበር። በዚ መሰረት ከም ትግራይ በቢከባቢኡ ዘለው ኩሎም ባህላዊ፡ ታሪኻዊ፡ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ክስነዱን ናብ ዓበይቲ ፍፃመታት ብምቕያር ረብሓ ሕብረተሰብ ክረጋግፅ ክንገብር ይግባእ።

በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ኣገባብን ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ንምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ብትኹረት ክስራሕ ከምዘለዎ ዝተገለፀ ድማ ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ብፎረም ልምዓት ከተማ ማይጨዉ ኣብ ዝተዳለወ ፓነል ምይይጥ ተረኺቦም መደረ ዘስመዑ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ‘ዮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You