ኢትዮጵያ- ካብ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪካ

ኢትዮጵያ ኣብ ምስረታ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ጀሚሩ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪካ ምጥንኻር ኣብ ዘሎ ኸይዲ ታሪኽ ዓብይ ግደ እናተፃወተት መፂኣ ‘ያ።

ኣብ ምስረታ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ኣብቲ እዋን ኣብ ምምስራት ዝነበሩ ሃገራት ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝኛን ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳይኛን ሃገራት ኣብ ሞነጎኦም ኣፍላላይ ምፍጣሮም ይዝከር። ኣብ ክልተ ጉጅለታት ሞንሮቪያን ካዛብላንካን ብዝብል መፀወዒ ጉጀለታት ዝነበሮም ኮይኖም ኢትዮጵያ ግና ናብ ክልቲኡ ከይወገነት ዘይሻራዊት መትከል ብምርኣይ ንክልቲኦም ጉጅለታት ብምስምዕማዕ ሓዱሽ ታሪኸ ክትፅሕፍ ክኢላ እያ።

ኢትዮጵያ ንክልቲኦም ጉጅለታት ድሕሪ ምስምዕማዕ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ንክምስረት ምንቕስቓስ ብምጅማር ኣብቲ እዋን ነፃ ናይ ዝወፅኣ 32 ሃገር መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምፅዋዕ ኣብ ምስረታ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ንክዛተዩ ብምግባር ነቲ ምስረታ ዕውትነት ዓብይ ግደ ክትፃወት ኪኢላ እያ።

ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኣብ ዝገበረትሉ ፃውዒት ብሙሉእ ብዘይዝኾነ ኣፍላላይ ተቀባይነት ዝርኸበ ከምዝነበረን ከም አቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን ኣብ 23 ግንቦት 1963 እቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን ‘ውን ነቲ ኣኼባ ብኣቦ ወንበርነት ንክመርሑ ዝተመረፁ ሃፀይ ኃይለሥላሴ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣፍሪካውያን ድምፆም ሓደ ምግባር ከምዝግበኦምን ፀገማታቶም ‘ውን ባዕሎም ብባዕሎም ዝፈትሕሉ ሓደ መተኣኻኸቢ ትካል ክምስርቱ ከምዘለዎም ብትኹረት ተዛሪቦም ምንባሮም ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ።

ኣዲስ ኣበባ ናይቲ ትካል ዋና ቤት ፅሕፈት መቀመጢ ምስኮነ ‘ውን ነቲ ትካል ንምጥንኻር ዝተፈላላዩ ሓገዛት እናገበረት ዝመፅአት ኮይና ካብ ሞነጎ እቲ ሓገዝ ኣብቲ እዋን ንኮሌጅ ፖሊስ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ብዙሕ ክፍልታት ዝነበሮ ሕንፃ ብግምት ናብ 250 ሽሕ ካሬ ሜትር ኣብ ዝኸውን ቦታ ነቲ ትካል ንክኸውን ብነፃ ከም ሂባ። ብተወሳኺ እቲ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ክሳብ ዝጠናኸር ናይቲ ትካል ናይ ሰለስተ ዓመት መካየዲ ስራሕ ወፃኢ ካብ ሸፊና ኣላ።

ምስዚ ጎና ጎኒ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምስራት ሓድነት ኣፍሪካ ዋና ዕላማ ገይራ ካብ ዝሰረሐቶ፤ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምልቃቅ ዕላማ ዝገበረ ኮሚቴ ንክምስረት ብምግባር ካብቲ ኮሚቴ ውሽጢ ‘ውን ኣተሓባባሪ ካብ ዝነበሩ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ ነይራ ‘ያ።

ናይቲ ኮሚቴ ዋና ዕላማ ድማ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምልቃቅ ንዝካየዱ ቃልስታት ብገንዘብ ምሕጋዝ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምልቃቅ ካብ ዝግበሩ ቃልስታት ሓደ ዝኾነ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ዘካትት ‘ውን ነይሩ። ንናፅነት ዝዋግኡ ሓይልታት ኣፍሪካ ሓይሎም ናብ ሓደ ብምትእኽኻብን ኣፈላላዮም ንጎኒ ሓዲጎም ግንባር ንምፍጣር ምድርዳር ካሊእ ተልእኾ ነይሩ ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብውልቃ ንናፅነት ተቃለስቲ ናይ ገንዘብ፣ ወታደራዊ ኣቅርቦት ሎጀስቲክስን ትፍፅም ከምዝነበረትን ደሓር ፕሬዚደንት ደቡብ አፍሪካ ዝነበሩ ኔልሰን ማንዴላ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ስልጠና ውትድርና ከምዝተወሃቦም ዝፍለጥ ‘ዩ። እቶም ፕሬዚደንት ‹‹A Long Walk to Freedom›› ኣብ ዝተብሃለ መፅሃሓፎም ውሽጢ ‹‹ንኣሜሪካ፣ እንግሊዝን ፈረንሳይን ብሓደ ካብ ዝርእይ ንኢትዮጵያ ምርኣይ ይመርፅ ›› ኢሎም ‘ዮም።

ተልእኾ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ወዲኡ ናብ ሕብረት አፍሪካ እንትሰጋገር ‘ውን ኢትዮጵያ ዘይትካእ ግደ ምፅዋታ ዝዝከር ‘ዩ። ሕብረት ኣፍሪካ ንክጠናኸር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘመናዊ መአከቢ ኣዳራሽ ንክህነፅ ቦታ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ብምትሕብባር ተሳቲፋ ‘ያ።

ካብዚ ጎና ጎኒ ሐዚ ድማ መቀመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ደረጅኣ ዝሓለወት ነቲ ሕብረት መቀመጢት ዝትምጥን ንክትኸውን ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ። ብልምዓት ኮሪደር ፅባቀን ዘመናዊነትን ብምጥማር ንኣጋይሻ ተስማዕማዒን ተመራፅን ከተማ ንምግባር እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ናይዚ ፃዕሪ ሓደ መርአያ ‘ከምዝኾነ ‘ውን ይግለፅ።

መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክግበር ‘ዩ። ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝግበሩ መርሃ ግብርታት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ለካቲት ሓደሽቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝመረፁ ከምዝኾኑ ካብ ጋዜጣ ፕላስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

እቲ ኮሚሽን ብመጀመሪያ ካብ ዝተመስረተሉ ሴክሬታሪያት ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኑ እንተኾነ ‘ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግና ዕላማ ፐሮጀክታት ፓን ኣፍሪካን ክንድቲ ዝድለ ከየንቀሳቀሰ ‘ዩ ፀኒሑ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ዝግበር መረፃ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምኽትል ኣቦ ወንበር፣ ከምኡ ‘ውን ሽዱሽተ ሑፁያት ንኮምሽነርነት ሕብረት ኣፍሪካ ተወዳዲሮም ‘ዮም። እቲ መቀመጢ ወንበር ኣብ ሓሙሽተ ቀጠናታት ኣፍሪካ ዘሽክርከር እንትኾን ናይ ሎሚ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝርከቦ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ተራ ‘ዩ። ነዚ ድማ ኣወዳት ሕፁያት ዝቐረቡ እንትኾኑ ሰሜን ኣፍሪካ ድማ ንቦታ ምኽትል ኮሚሽነር ሕፁያት ክቀርቡ ‘ዮም።

ከምዝፍለጥ ብደንቢ መተሓዳደሪ ሕብረት ኣፍሪካ (2002) መሰረት ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ተወካሊ ሕጊን ኦፊሰር ሒሳብን ኮይኖም የገልግሉ። እቲ ኣቦ ወንበር ዝፀንሕ ድማ ንኣርባዕተ ዓመታት ኮይኑ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ብሾመንቲኦም ኣፍልጦ ብዘለዎም ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ እቲ ቀጠና ፖሊሲታት ብምትሕብባርን ብምድላውን ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ትፅቢት ይግበረሎም።

እቲ ዝምረፅ ሓዱሽ ኣቦ ወንበር ብትኹረት ክሰርሐሎም ዝግብኡ ሽዱሽተ ዘፈራት ዘለው እንትኾኑ ንሶም ‘ውን ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ ሃገራት ናይቲ ሕብረት ናይ ሓባር እሴታት ምሕዳስ፣ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣፍሪካን ብቐጠና ኢኮኖሚ ማሕበረሰባት ዘሎ ክፍፍል ስራሕ ፖሊሲ ምዝዛም፣ ብብርኪ ዓለም ዘለው ፈተናታትን ማሕለኻታትን ናይ ሓባር ኣፍሪካዊ ቁፅሪ ቦታት ምውሳኽ፣ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ካልኦት ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ብስልታዊ ኣከያይዳ ምቕፃል፣ ናይቲ ትካል ፋይናንስን ኸይዲ ትካላዊ ምምሕያሽ ምዝዛም ሓድነትን ዕበየትን ዜጋታት ምስፍሕፋሕን ‘ዮም።

እዚኦም ዓበይቲ ዘፈራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ነዊሕ እዋን መሰረት ፖሊሲ እንትኾኑ ብብልሓት እንተዘይተታሒዞምን እንተዘይተሰሪሕሎምን ግና ኣጀንዳ መላእ ኣፍሪካ ብዙሕ ዕብየት ኣየምፅኡን። በቲ ሕብረት ንነዊሕ እዋን ዝቐፀሉን እቲ ሕብረት ዝተስማዕመዐሎምን ሰብኣዊ መሰላት፣ ሉዕላውነት ሕጊን ናይ ደቂ ኣነስትዮ፣ መሰላት መናእሰይን ውሕዳት ብሄረሰባትን ናይ ሓባር እሴታት ጉዳይ ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ‘ዩ ዝኸውን።

ነዚ ምኽንያቱ ድማ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣብታ ኣህጉር ዝርኣይ ውድቀት ዲሞክራሲ፣ ኣብ ኣባል ሃገራት ጥሕሰት ሰብአዊ መሰል ናይ ምክሓድ ፖለቲካ፣ ሽብርተኝነትን ኢ-ሕገመንግስታዊ ዝብሃሉ ለውጥታት መንግስቲ እናተበራኸቱ ምምፃእ ‘ዮም። ብተወሳኺ ሐዚ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዘሎ ፖሊሲ ሕገ መንግሥታዊ ዘይኮኑ ለውጥታተት መንግስቲ ብዝምልከት ድሕሪ ሐዚ ክሰርሕ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኾን ካብ ኣባል ሃገራትን ኢኮኖሚ ማሕበረሰባትን ሕፅረት ሓገዝ የጋጥም ኣሎ።

ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብ2021 ኣብ ማሊ ብ2022 ኣብ ቡርኪነፋሶ ፣2023 ኣብ ናይጄሪያ ዘገጠመ ዕልዋ መንግስቲ ናይ ቀረባ ተዘክሮታት እንትኾኑ ኣብዚ ሕብረት ኣፍሪካ ይኹን ናይቲ ቀጠና ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ (ኢኮዋስ) ናብ ህገ-መንግስታዊ ስርዓት ንክምለሱ ዘይከኣሎም ናይ ቀረባ ተዘክሮታት ‘ዮም።

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ለውጢ ኣየር ንብረት ሓዊሱ ብዓለም ኣብ ዋና ማሕለኽታት ብዙሓት መርገፅታት ዘጠናኸረ እንትኾን እዚ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ተፅዕኖ ንምፍጣር ኣድላይ ‘ዩ። ብሓፈሻ ናብቲ ሕብረት ዝመፅኡ ኣቦ ወንበራት ንዓመታት እናተጎተቱ ዝመፅኡ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ኣባል ሃገራት፣ ምስቲ ኢኮኖሚ ማሕበረሰባትን ምስ ኮሚሽነራት ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ጥምረት ብምፍጣር ምስራሕ ይግብኦም ይብል ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ፕላስ ዝተረኸበ ሓበሬታ።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብኹሎም መራሕታ ምስቲ ሕብረት ብምትሕብባር ሓቢራ ኣብ ምስራሕ ብጥቡቕ ዝልዓል ተግባራት ምምዝጋብ ዝኸኣለት ከምዝኾነት ዝገልፁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ መምህርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ናይ ኣፍሪካን እስያን ፅንዓት ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ተምሃሪ ዝኾኑ ኣይተ ዳዊት መዝገበ እዮም። ሕብረት ኣፍሪካ ውፅኢታዊ ዝኸውን መብዛሒቲኡ ናይቲ ሕብረት ወፃኢ ብኣፍሪካውያን ምሽፋን እንትክኣል ጥራሕ ከምዝኾነ ‘ውን ይዛረቡ።

ኣይተ ዳዊት ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝተዛረብዎ ፤ እቲ ሕብረት ዝተመስረተሉ ዋና ዕላማ ረብሓ ኣፍሪካን ንምሕላው ዝኾነ ዕላምኡ ንምዕዋት፤ እኹል ዓቕሚ ሃልይዎ ናይ ባዕሉ ወፃኢ ባዕሉ ክሽፍን ኣለዎ። ይኹን ‘ምበር ክሳብ ሎሚ እቲ ሕብረት ካብ ኣታዊኡ ሰላሳ ሚኢታዊ ዝኸውን ዝሽፈን ብኣውሮፓውያን ዝድጎም ‘ዩ። ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ሓገዝ እናሓተትካ ረብሓ ኣፍሪካ ንምሕላው ዝስርሑ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ክኾኑ ‘ዮም ኢልካ ምሕሳብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ዮም ዝዛረቡ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ ኣባላት ሃገራት እቲ ሕብረት ትፅቢት ዝግበረሎም ክፍሊት ዝግበረሎም ብግቡእ ዝፍፅሙ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራት ጥራሕ ከምዝኾና ዝሕብሩ ኣይተ ዳዊት፤ ኩለን ሃገራት ትፅቢት ዝግበረለን መዋጮ ብግቡእ ብምኽፋል ዓቕሚ እቲ ሕብረት ምጥንኻር ከምዝግባእ ‘ውን ይመኽሩ።

ብተወሳኺ እቲ ምትሕብባር ካብ ምውፃእ ብዝሓለፈ ብፍልጠትን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕን ትኹረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ ዝብሉ እቶም መምህር፤ በዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም መራሕቲ ዘመን ብታሪኽ ዝፅራሕ ተግባራትን ካብ ምምዝጋባ ብተወሳኺ፤ ብፍላይ ኣብ ድኽነት ቕነሳን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ክስርሑ ዝግብኦም ብዙሓት ተግባራት ኣብ ቕድሚኣ ከምዘሎ ብምሕባር፤ በዚ መንፅር ናይ ካልኦት ኣሕጉራት ሓገዝ ከየድለየ እቲ ሕብረት ባዕሉ ዘድሊ ክፍፅም ዘሕእል ዓቕሚ ክፈጥር ይግባእ ይብሉ ።

እቲ ሕብረት ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸረን ኣብ ምሕዳር ፖለቲካ ኣፍሪካ ውሽጢ ተሰማዕነቱ እናርአየ ዝመፅአ ትካል ምስ ምዃኑ ኢኮኖሚ ዓቕሙ ብምዕባይ ካብ ተረዳእነት ወፂኡ ባዕሉ ምውሳን ንክኽእል ጠንኪሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ‘ዮም ዘረድኡ።

ከም ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ደቡብ ኣፍሪካን ዝበላ ሃገራት ኣባላት ብሪክስ ምዃነን ከም ሓደ ውፅኢት ዝርኣይ ምዃኑን ኣብ ምንቕስቀቓስ ምኽባር ሰላም እንተኾነ ‘ውን እቲ ሕብረት ብዙሕ ርሕቀት ምጉዓዙ ከም ፅቡቕ ዝርኣይ ኮይኑ ኢትዮጵያ ነቲ ሕብረት ካብ ምምስራት ጀሚራ ዓብይ ግደ ዝተፃወተትን ሃገራት ኣፍሪካ ሓራ ንክወፅኡን ዓርሶም ክኢሎም ደው ንክብሉ ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሐት ምዃና ብምዝኽኻር፤ ካብ ምምስራት እቲ ሕብረት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ትፅቢት ዝግበረላ እናተዋፅአት ከምዘላ ይዛረቡ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You