ኣፍደገ ባሕሪ ንሓንቲ ሃገር ብዙሓት ረብሓታት ኣለዎ። ንኣብነት ቴስዓ ሚኢታዊ ንግዲ ዓለም ዝካየድ ብባሕሪ እንትኸውን፣ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ንምንቕስቓስ ንግዲ ኣዝዮም ወሰንቲ ከም ዝኾኑ መፅናዕትታት የመላኽቱ። ኣብ ዓለም ንኢትዮጵያ ሓዊሱ 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን እንትኾና ካብዚአን ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ ትስራዕ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ እኳ እንተነበረት ብዝተፈላለየ ግዳማውን ውሽጣውን ምኽንያታት ግን ኣፍደገ ባሕሪ ክትስእን ተገዲዳ ‘ያ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣፍደገ ባሕሪ ብምርካብ ኢኮኖሚኣ ንምዕባይ እትገብሮ ዘላ ዝተፈላላየ ዲፕሎማስያዊን ሰላማዊን ፃዕሪ ሂብካ ካብ ምቕባል ዝሓለፈ ካልእ ኣጀንዳ ከምዘይብላ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ድሌታ እዚ ክሳብ ዝኾነ ብሰለማዊ መንገዲ ንምዕዋት ፃዕራ እናቐፀለትሉ ትርከብ። ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ዝህልዋ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ‘ውን ተደጋጊፋ ክትዓቢ ኣዝዩ ዝሕግዝ ‘ዩ። ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ በዝሒ ህዝብን ቁጠባዊ ዕብየትን ስዒቡ ኣፍደገ ባሕሪ ስለዘድልያ ነዚ ጋህዲ ንምግባር ድማ ሕቶኣ ብሰላማዊ መንገዲ እናቕረበት ከምትርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምዝራቦም ዝዝከር ‘ዩ።
ሕቶ ሰላማዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ቀንዲ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሓ ብምዃኑ ነዚ ሃገራዊ ረብሓ ንምግሃድ ብመንግስቲ ኩለመዳያዊ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ንዝካየድ ዘሎ ሕቶ ወደብ ባሕሪ ከም ቀንዲ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ገይርካ ብምቕፃል ብኸመይ ክዕወት ይኽእል? ብዛዕባ ዝብሉ ሓሳባት ንሰብ ሞያታት ከምዝስዕብ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።
ኣማኻሪ ጉዳያት ፖሊሲ ቆስጠንጢኖስ በርሄ ተስፋ (ዶ/ር)፣ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕነትን ቁጠባዊን ምዕባለ ዝኾነት ሃገር ንምርግጋፅ መሰረት ምዃኑ ይዛረቡ። ምኽንያቱ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ናብ ፀገም ዘአቱ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣፍደገ ባሕሪ እንተሃለዋ ንኣቑሑት ንምጉዕዓዝ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞባታት ንምቛም ‘ውን ጠቓሚ ምዃኑ የረድኡ።
ኢትዮጵያ በብዓመቱ ንጅቡቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ትኸፍል ዝበሉ ቆስጠንጢኖስ (ዶክተር)፤ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶኣ እንተተመሊሱ እዚ ወፃኢታት ከምዘይህሉ ይገልፁ። ብኻሊእ ወገን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዝህልወላ እዋን ናይ ማይ ቦታታት ስለዝህልዋ ልዑል ምህርቲ ዓሳ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ክህልዋ ከምዝኽእል ‘ውን የርድኡ።
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እኳ እንተዘይሃለዋ፣ ካብ ኣፍሪካ ብዙሓት መራኽብ ዘለዋ ሃገር ‘ያ ክብሉ ቆስጠንጢኖስ (ዶ/ር) ይዛረቡ። እዘን መራኽብ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ደው ምስ ዝብላ ንመዕረፊአን ከም ዝኸፍላ ብምግላፅ፣ እዚ ድማ ብቐጥታ ንቁጠባ እታ ሃገር ዝፀሉ ‘ዩ ይብሉ።
ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣፍደገ ባሕሪ እንተሃልይዋ ግን ዘይነዓቕ ገንዘብ ክቑጠብ ከምዝኽእል የመልክቱ። ብመንፅር እዚ ቁጠባዊ ረብሓታት’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ቀንዲ ኣካል ሃገራዊ ረብሓ ህላወ ዝለዓል ‘ዩ ይብሉ።
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ንሰላሳ ዓመታት ዘገልገሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና ብግዲኦም፤ ሓንቲ ሃገር ምሉእ ንኽትከውን ዶብ፣ መንግስቲ፣ ህዝቢ፣ ድልዱል ቁጠባ ገንዘብን ካልእን ከም ዘድልያ ይገልፁ። ሓንቲ ሃገር ካብዞም ጉዳያት ዘይንእስ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያ ይጠቕሱ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ምስ ካልኦት ማዕረ ክትረአ ከም ዘይትኽእል ‘ውን ወሲኾም ይገልፁ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ዘይብላ ሃገር እንትነፃፀር ዓመታዊ ዝተፃረየ እቶት ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚኢታዊ ክዛይድ ከምዘይኽእል ‘ዮም ዝጠቕሱ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኩሉ ንብረት ተፈቲሹ ናብታ ሃገር ስለዝኣቱ ምሉእ ብምሉእ ናፃ ክትከውን ኣይትኽእልን።
በዚ ኣጋጠሚታት እዚ ድማ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣገዳሲ እምበር ንምርኣዩ ቀሊል ዘይኮነ ቀንዲ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሓን ህልውናን ምዃኑ ይዛረቡ። ኣብ ስልጡን ዓለም ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣዝዩ ጎሊሑ ዝረአ ፀገም ዋላ እንተዘይኮነ እንተኾነ ግና ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ዝግበአን ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይረኸባ ዝቐረያ ኣዝዩ ኣገዳሲን ናይ ህላወን ጉዳይ ‘ዩ።
ከም ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ዝኣክል ንሃገራዊ ድሕነት ሓደገኛ ዝኾነ ጉዳይ ከምዘየለ ይገልፁ። በዚ መንፅር ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ጉዳይ ሃገራዊ ረብሓ ‘ውን ከምዘለዎ ብምግንዛብ፣ ካብ ህፃናት ክሳብ ዓበይቲ ነቲ ጉዳይ ምፍላጥን ምዝታይን ኣገዳሲ ምዃኑ የመልክቱ።
ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር) ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ እንትገልፁ፣ ሓደ ሓደ ኢትዮጵያውያን ባንዳታት ገንዘብ ተኸፊልዎም ዝቕለቡ ነቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ብምልባስ ዘናፍስዎ ወረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዕሾ ከምዘይብሉ ኣምባሳደር ጥሩነህ ይዛረቡ። ሓቀኛታት ኢትዮጵያውያን እቲ ጉዳይ ዓቢዪ ጉድኣት ከም ዘስዕብ ስለ ዝተረድኡ፣ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓፂር ግዜ ምእንቲ ክምለስ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ኢሎም ብሰላማዊ ኣገባብ እጃሞም ክገብሩ ትፅቢት ከም ዝግበረሎም የመላኽቱ።
ቆስጠንጢኖስ (ዶክተር)፤ ቅድሚ ሕዚ ኢትዮጵያ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ጀሚራ ዓሰብን ምፅዋዕን ሓዊሱ ካልኦት ወደባት ከም ዝነበራን ኣብዘን ወደባት እዚኣተን ብዙሕ ናይ ባሕሪ ንግዲ ንጥፈታት እትገብር ሃገር ምንባራ የዘክሩ፤ መንግስቲ ነዚ ንግዳዊ ንጥፈት እዚ ንምምላስ ‘ዩ ዓቢዪ ፃዕሪ ዝገብር ዘሎ ክብሉ ይዛረቡ። ሰላም ክሳብ ዝኾነ፣ እቲ ሕቶ ተቐባልነት ክሳብ ዝረኸበ፣ ብሶማሊያ፣ ሶማሊላንድን ኤርትራን ኣቢሉ ኣፍደገ ባሕሪ እንተተረኺቡ፣ ቁጠባ እታ ሃገር ብዓቢይኡ ክቕይር ዝኽእል ነገራት ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዘሎ የመልክቱ።
ሕዚ ነገራት ኣብ መስመር ዘለዉ ይመስለኒ ዝብሉ ዶክተር ቆስጠንጢኖስ፤ ብፍላይ ሓዱሽ ተመራፂ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክህባ እየ እናበሉ ‘ዮም ምባሉ፣ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ‘ውን ተገዚኣ ብምንባራ ሕዚ ‘ውን ብእንግሊዛውያን ኣፍልጦ ዘለዋ ብምዃና፣ ኣብ ዘመነ ኢህወዴግ መንግስቲ ቁጠባኣ ንምዕባይ ዓቢዪ ፃዕሪ ከምተገብረ፣ ሕዚ ድማ ምስ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ቱርክ ዝተገብረ ዘተ ፅቡቕ ውፅኢት ዘርክብ እንተኾይኑ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ሰላማዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምላሽ ረኺቡ ብሄራዊ ረብሓኣ እተኽብረሉ ዕድል ከምዝህሉ የብርሁ፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዞባዊ ምትእስሳር ንምፍጣር ናብ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ኬንያ ሕዚ ድማ ናብ ታንዛንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቕርብ ምህላዋ፣ እዚ ዞባዊ ምትእስሳር ኣብ ግምት እንተኣትዩ ድማ ኢትዮጵያ በዓላ እትቆፃፀሮ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዘድልያ ቆስጠንጢኖስ (ዶ/ር)፤ ይጥቑሙ፡፡
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ፣ ፀገም ዝፈጠረ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኣብቲ ቦታ ከምተስፍር ስለዝተገልፀ ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ጂቡታውያን ከይተረፉ በዚ ጉዳይ ሰንቢዶም ወደብ ታጁራ ንንግዲ ክህቡ ዋላ እንተተስመዓምዑ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብኡ ክሰፍር ምስ ሓተቱ ግን ፈቓደኛታት ከምዘይኮነ ይዛረቡ።
እዞም ጉዳያት ስፍሕ ብዝበለ ብምዝታይን ብዓለምለኻዊ ርክብን ዲፕሎማሲን ዝፍትሑ ከምዝኾኑ ብምምልኻት፣ ልክዕ ከም ቆስጠንጢኖስ (ዶክተር)፣ ኣምባሳደር ጥሩነህ፣ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዝነበራ ብምዝኽኻር፣ ብኹናትን ዝተፈላለየ ምኽንያታትን ኣፍደገ ባሕሪ ዝተቋረፀሉ እዋን ከምዝነበረ የረድኡ።
ኣብ ታሪኽ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክቆፃፀሩ ዘይከኣልሉ እዋን ከምዝነበረ ብምዝካር፣ እዚ ኩነታት ግን ከምዘይቐፀለን ኢትዮጵያ መሊሳ ኣፍደገ ባሕሪ ክትጥቀም ከምዝፀንሐትን ይዝክሩ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፣ ውድብ መንግስታት ዓለም፣ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያ ተገንዚቡ ነዚ ድማ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፌደረሽን ንምጥርናፍ ዝተወስደ ውሳነ ‘ውን የመልክቱ።
ኣብቲ እዋን ንናፅነት ኤርትራ ዝምጉቱ ውሑዳት ውድባት ከምዝነበሩ ዝጠቐሱ ኣምባሳደር ጥሩነህ፣ ኮይኑ ግና ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ውሳነ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝነበረ ይገልፁ። እቲ ትካል ነዚ ውሳነ ዝወሰደ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ንኢትዮጵያ ንወራር ባዕዳውያን ክፉት ክገብራ ከምዝኽእል ስለዝተገንዘበ ‘ዩ ይብሉ። ነዚ ስዒቡ ኢትዮጵያ ንወደባት ምፅዋዕን ዓሰብን ካብ እትጥቀመሉ ነዊሕ እዋን ከምዝገበረት ይገልፁ።
ሶማሊላንድ ይኹን ሶማሊያ ንሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እንተሃልይዎም ብብዙሕ መዳይ ይጥቀሙ እምበር ጉድኣት ከምዘይህልዎ ይዛረቡ። ዕድል ስራሕ ከምዝፍጠረሎምን ሓድሽቲ ክእለታት ከም ዝመሃሩን ይጠቕሱ። ብተወሳኺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ከዕብዮ ከምዝኽእል ‘ዮም ዝጥቑሙ።
ኣምባሳደር ጥሩነህ ብግዲኦም፣ ሓንቲ ሃገር ብሄራዊ ጥቕማ ክተኽብር እትኽእል ምስ ካልኦት ሃገራት ብምዝርራብ፣ ብምትሕብባርን ብምስምዕማዕን ክብሉ ይዛረቡ። ሃገራት ዓለም ‘ውን ስለዝተረድአኦ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ሓፂር ግዜ ክምለስ ተኽእሎ ከምዘሎ የመልክቱ።
እዚ ድማ ቁጠባዊ ዕቤት ኢትዮጵያ ዘቀላጥፍ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ። ናፅነትን ድሕነትን እታ ሃገር ዘኸብር ‘ውን ‘ዩ ይብሉ። ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እትረኽቦም ኩሉ ረብሓታት ከትረክብ ከምእትኽእል ብምጥቋም ድልዱል ሃገርን ህዝብን ዝህነፅ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ዝህሉ ‘ዩ። ስለዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምስዝህልዋ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሓይሊ ንባዕላ ጥራሕ ዘይኮነስ ንማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ፅቡቕ ሚዛን ከምዝፈጥር ኣምባሳደር ጥሩነህ ይዛረቡ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም