‹‹ታሪክ ኣብ ኣዳራሽ ቤተ መንግስቲ ተዓፅዩ ዝቕመጥ እንተይኮነስ ክፉት ኮይኑ እንርእዮን እንመሃረሉን ክኸውን ይግባእ›› -ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ሕድሳት ተገይርሉ ንህዝቢ ክፍቲ ንክኸውን ተወሲኑ ‘ዩ:: ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ተረኺቦም ‘ዮም::

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ተሳለጠ መርሃ ግብሪ ምርቓት ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ ታሪክ ኣብ አዳራሽ ቤተ መንግስቲ ተዓፅዩ ዝኽመጥ እንተይኮነስ ክፉት ኮይኑ እንርእዮ እንመሃረሉ ምስ ናይ ሎሚ ባህግና ኣስማዕሚዕና ሎሚ ብኸመይን ከመይን ክህነፅ ከምዘለዎ እንግንዘበሉ ‘ዩ ከብሉ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም። እዚ ዕላዊ ንምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ናእደኦም ‘ውን ገሊፆም። ፕሬዝደንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ዝገበርዎ መደረ ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና:: ሰናይ ንባብ!

እዚ ቤተ መንግስቲ በዚ መልክዑ ደሚቑ ተሓዲሱ ብምርኣይና ዝተሰመዐኒ ሓጎስ ብዕምቆት ክገልፅ ይፈቱ:: እዚ ቤተ መንግስቲ ልዕል ዝበለ ኪናዊ ጥበብ ዝሓዘ ህንፃ ጥራሕ ገይርካ ምውሳድ እኹል ኣይኮነን:: ናይ ታሪኽና መአከቢ ናይ ቃልስና ናይ ብዙሓት ፈተናታትናን ዝንበበሉ ድርሰት ወይም መፅሓፍ ምባል ይካኣል ‘ዩ::

ሕድሕድ መራሒ ህዝቡን ሃገሩን ካብ ምምሕዳር ብተወሳኺ ናይ ባዕሉ ሓሳብ ኣረኣእያ፣ ምጉትን ድልየት ይህልዎ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ድማ እዚ ቤተ መንግስቲ ንምሕዳስ ዝነበረ ሓሳብን ድልየትን ዓብይ ቤተ መንግስቲ ካብ ምህናፅ ብዝሓላፈ ምናልባት ብዓብይኡ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝሪእዎ ኾይኑ ብናተይ ወገን ሰለስተ ምኽንያት ከምዝነበረ ይግምት::

እቲ ሓደ ዘመናዊነት ካብ ምፍላጥ ንጉሰ ነገስት ካብ ዝነበሮም ድልየት ብዕምቆት ዝተኣሳስረ ‘ዩ:: ኣብ ወፃኢ ኣብ ዝነበርዎ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዝተገረምሎም ዝተደነቕሎም ኩነታት ከምዝነበረ ዝእመን ‘ዩ :: ስለዝኾነ ድማ ከም ንጉስ እንታይ ክኾን ይግባእ ? ዝብል ብዘልዐልዎ ልክዕ እዚ ህንፃ ንምህናፅ ከምዝተልዓሉ ምግማት ይኽእል ‘ዩ::

ኻልኣይን ናይቲ ህንፀት ሓሳብ ብፋሽሽቲ መሰሎኒ ኣብ ህዝብና ዘብፀሖ መከራ ብዓወት ዝዛዘምናሉ ቅሩብ ዓመታት ከምዝኾነ እንትንዝክር ምናልባት እቶም ንጉስ እዚ ቤተ መንግስቲን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅ ከሕልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ ከምዝነበረ ንግንዛብ:: እዚ ድማ ዝመረረ መከራ ኣሕሊፍና ተመሊስና ጠንኪርና ተመሊስና ኣለና ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝደለዩ ይመስሉ:: ሳልሳይን ጠቓሚ ዝኾነ ምኽንያት ድማ እዚ ዝኣመሰለ ህንፀት ኣዲስ ኣበባ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነፃ ዝወፁ ኣፍሪካ ሃገራት ናይ ነፃነት ብርሃን ምቕራፅን ዋና ከተማ ዓለምለኸ ንክትኾንን ካብ ዝተልዓለ ድልየት ‘ውን ከምዝኾነ ምግማት ይካኣል::

ብ1942 ዓ.ም ሕብረት ዓለምለኸ ኣርክቴክ ካብ ብዙሕ ሃገራት ዝተወፃፅኡ ባዓል ሞያታት በቲ ቤተ መንግስቲ ሓሳብ ኣብቲ ውድድር ንክሳተፉ ተገይሮም ‘ዮም:: ኾይኑ ግን ዕደለኛ ተዓዋታይ ግን መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ ናይ ስዊዝ ዜጋ ከምዝነበረ መዛግብት ይገልፁ:: ብሄራዊ ቴያትር ኢትዮጵያ ፣ኣዳራሽ ኣፍሪካ ፣ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ፣ሚኒስትር ጉደይ ወፃኢ ከምኡ ድማ ሂልተን ኣዲስ ኣበባ እዚኦም ኣብዚ ቤተ መንግስቲ ዙርያ ዝተሃነፁ ህንፀታት ‘ዮም::

እዚ ቤተ መንግስቲ ናይ ዲፕሎማስን ርክብ ወፃኢ ጎሊሁ ይረኢ ‘ዩ:: እዚ ጠጠው ኢልናሉ ዘለና ቦታ ካብ ንጉሰ ነገስታት ደማቕ ኣኼባታት ክሳብ ውስብስብ ናይ ዲፕሎማሲ ድርድር ዓሻርኡ ሎሚ ‘ውን ዝረአ ‘ዩ:: እቲ ቤተ መንግስቲ ከይዲ ውፃእ ውረድ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ኣታኣናጊዱ ‘ዩ:: ዓበይቲ ዝባሃሉ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣተኣናጊዱ ‘ዩ::

መራሕቲ ኣፍሪካ ካብዚ ቤተ መንግስቲ ናብ ኣዳራሽ ኣፍሪካ ጉዕዞ እግሪ ብምግባር ናይ ኢትዮጵያ ፓን ኣፍሪካ ምድላይ ፤ ናይ ፓን ኣፍሪካ ዘመርቲ ብሩህነት ኣስማዕሚዖም ናይዚ ኣህጉር ዕድል በዚ ኣዳራሽ ምቕራፅ ክኢሎም ‘ዮም:: እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ቅድሚ ኸዚ ክሳብ ኣፍሪካ ኣዳራሽ ኢትዮጵያ ዑደት ዝገበሩ ብዙሓት መራሕቲ በዚ በሪ ሓሊፎም ‘ዮም ተመላሊሶም ‘ዮም:: ብዙሓት ናይ ዓለምና መራሕቲ ተኽሊ ተኺሎም ‘ዮም::

1970ታት መጀመርያ ንኢትዮጵያ ፈታኒ ዓመታት ‘ዮም ነይሮም:: እዚ ቤተ መንግስቲ ብዝተፈላለየ ስምዒታት ብምድናቕን ብምግራምን ብዙሓት ናይ ባዕሉ መስረቲ ውድቐት ተዓዚቡ ‘ዩ:: ደርጊ እቲ ቤተ መንግስቲ ናብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ እንትቕይር ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ስብስባት ሓልዩ ፀኒሑ ‘ዩ:: እቲ ቤተ መንግስቲ ረብሓን ቀፃልነትን ስለዘኽብርዎ ፍሉይ ምስጋና ይግበኦም ‘ዩ::

ኣብ ዝሓለፉ ሓምሽተ ዓሰርተ ዓመታት ሰራሕተኛታት ናይቲ ቤተ መንግስቲ ኹሎም ፍሉይ ብዝኾነ ሃገር ፍቕርን ሞየኦምን ሓለዉቲ ታሪኻት ብምዃኖም ኣኽብሮተይ ደጊመ ክገልፅ ይፎቱ:: እዚ ንወሎዶ ዝተርፍ ቅርስ ተሓልዩ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘመን ተሳጋራይ ታሪኻዊ ሃፍቲ ናይ ምሕላው ናይ ነዊሕ ዓመት ባህሊ ከም ዝነበረና ‘ውን መርኣያ ‘ዩ:: እዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት እዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ብፀገም ዝሓልፉ ሃገራት ‘ውን ንምርኣይ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ:: ፕሬዝደንት ኦባማ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን በዚ ግቢን ኣዳራሽን ብእግሮም ተዘዋዊሮም መጀመርያ ምስ ሉሲ ተፋሊጦም ‘ዮም::

እዚ ቤተ መንግስቲ ብዝግባእ መልክዑ ተሓዲሱ ንህዝቢ ምርኢት ኽፉት ንክኾን ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር እንትውስኑ ናይቲ ቤተ መንግስቲ ታሪኽን ህያው ረብሓ ቅብብል ልዕል ኣቢሎም ምግንዛቦም ዘርእይ ‘ዩ:: ታሪኽ ኣብ ቤተ መንግስቲ ካዝና ተቆሊፉ ዝቕመጥ እንተይኾነስ ክፍት ኾይኑ እንሪኦ፣ እነንብቦ፣ እንማሃረሉ እነድንቖ ምስ ናይ ሎሚ ድልየትና ኣስማዕሚዕና ሎሚ ከመይ ምህናፅ ከምዘለና እንርደአሉ ‘ዩ::

በዚ ኣጋጣሚ ፕሮጀክት ጫካ ካብዚ ሓሳብ ዝፈልፈለ ከምዝኾነ ብውልቀይ ይስመዐኒ:: ርግፀኛ እየ እቲ ፕሮጀክት ዝተጀመረ ናይ ዘመናዊነት መንፈስ ንምቕፃል ፅኑዕ እምነት ከምዝኾነ ንርዳእ ኢና:: ካልኦት ዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ካብ ፊዝካል ክሳብ ድጂታል ዝተመስረቱ መሰረተ ልምዓት ዝተተለሙ ሃገርና ንምዝማን ካብ ዝተጀመሩ ፃዕርታታ እቶም ዓበይቲ ዝጥቀሱ ‘ዮም::

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዘሎ ልምዓት ከተማ ምስ እዚ ቤተ መንግስቲ ዘመን ዝመጋገብን ተወራራስን ከምዝኾነ ምርደእ ይካኣል:: ሎሚ ንኻልኣይ ግዜ ዝተወለደ እዚ ቤተ መንግስቲ ንታሪኽና ዝደንቕ ምስክር ጥራሕ እንተይኾነስ ዓብይ መስሕብ ቱሪስት ዲፕሎማቲክ ተግባራት መስርሒ ፣ማእኸል ባህሊ ልውውጥ ፣ ናይ ዘተን ምትሕብባር መድረኽ ኮይኑ ከምዝገልግል ይኣምን::

መፃኢ ወለዶ ምስ ነባር ውርሲ ብምዃን ዝራኸበሉ ናይ ታሪኽ ሰንሰለት ዝኾን ‘ዩ:: ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እዚ ኹሉ ተግባራዊ ንምግባር ስለዝኻኣሉ ልባዊ ኣድናቖትን ምስጋናን የቕርብ:: በዚ ዓብይ ስራሕ ዝተሳተፉ ናይ ፕሮጀክት መራሕቲ ፣ኣርክቴክታት ፣በዓል ሞያት ቅርስን መዛግብትን፣ ምሁራን ታሪኻት ከምኡ ‘ውን ብጉልበት ኹሉ ዝተሳተፉ ምስጋናይ የቕርብ::

ንመንግስቲ ፈረንሳይ ብፍላይ ድማ ነቶም ፕሬዝደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዝገበርዎ ግደን ተሳትፎን ዓብይ ምስጋና ክዋሃም ይግባእ:: ኣብቲ ዑደቶም ብክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝተገለፀ እዚ ፕሮጀክት ኣብ መንጎ ኽልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ምትሕብባርን ሕውነታውን ምርኣያን ቀፃልነትን ከምዘለዎ ዘመልክት ብምዃኑ ዝምስገን ‘ዩ::

እዚ ቤተ መንግስቲ ናይ ምዝማንን ናይ ምሕዳስን ስራሕ ነባር ቅርስታት ምሕዳስ ተግባር ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ኢትዮጵያ ንቅድሚት ምዝማንን ምብልፃግን ራእይ ናይ ተግባር ዓንዲ ‘ውን ገይርና ምውሳድ ይግበአና:: ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ኣህጉራዊ ሓድነት ንምግላፅን ዓለምለኸነት ንምስፍሕፋሕ ሃገርና ዝተፃወተቶ ጉልህ ግደ ዝተረዳና ብምዃኑ እዚ ዘመን ዝደልዮን ሃገርና እትድለዮ ዓለምለኸ ርክብን ዝበለፀ ዲፕሎማሲ ተግባራት ንምግባር ዘፅዕረና ከምዝኾነ እምነተይ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ንዘላኣለም ትንበር! የመስግን:: ››

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You