‹‹ኣብ ክልልና ዘሎ ሕፅረት ቐረብ ሙሩፅ ዘርኢ ክሳብ ሕዚ ዝተቐረፈ ጉዳይ ኣይኮነን››   -ኣይተ ሃይለ ታደለ

ሕርሻ ዓንዲ ሑቐ ህዝብና ከም ምዃኑ መጠን መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ካብዝሃቦም ዘፈራት ሓደ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሃገርና መብዛሕትኡ ንጥፈታት ሕርሻ ኣብ ክረምቲ ጥራሕ ዝካየድ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና እዚ ብናይ ክረምቲ ማይ ጥራሕ ተፀቢኻ ዝግበር ንጥፈታት ሕርሻ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ ኣይከኣልን፡፡

ብፍላይ በዝሒ ህዝበን ኣዝዩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ፍርያተን ሕርሻ ብናይ ልምዓት መስኖ እንተዘይተደጊፉ ሕፅረት ምግቢ ምቕራፍ ኣይከኣልን፡፡ ብናይ መስኖ ልምዓት ሓጋይ ምውሳኽ ምህርቲ ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ብዝግባእ እንተተጠቒምናሉ ሓረስቶት ኣብ ደረቕ ወቕቲ ምህርቲ ከፍርዩ ዝኽእልሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ እኹል ልሙዕ መሬትን ከርሰ ምድሪ ማይን ኣሎ፡፡

ብዘይ ሕርሻ ዕብየትን ውሕስነትን ምግቢ ምርግጋፅ ስለዘይከኣል ብመስኖ ሓጋይ ዝተደገፈ ሕርሻ ክህሉ ናይ ግድን ‘ዩ፡፡ 85 ሚእታዊ መነባብሮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቐጥታ ብሕርሻ ዝመሓደር ‘ዩ፡፡ ስለዚ መስኖ ሓጋይ እንተይወሰኽካ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ስለዘይከኣል መንግስቲ ንልምዓት መስኖ ሓጋይ ትኹረት ብምሃብ ዕውታት ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ እንተሪእና ብዙሓት ዝተርፉና ስራሕቲ ዋላ ይሃልዉ ፅቡቕ ጅማሮታት ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልምዓት መስኖ ሓጋይ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲን ካልኦት ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ምስ ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ልምዓት ዘፈር ሆርቲካልቸር ኣይተ ሃይለ ታደለ ከምዝስዕብ ፃኒሕት ገይርና ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዓቕሚ ምልማዕ መስኖ እንታይ ይመስል? ክንደይ ሄክታር መሬት ንምልማዕ ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ? ከምኡ ‘ውን ነዚ ንምልማዕ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ሃይለ፡- ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ መስኖ ልምዓትና ናብ 69 ሺሕን 551 ሄክታር መሬት ‘ዩ ብክልል ደረጃ ተሊምና ንንቐሳቐስ ዘለና ወይ ክነልመዖ ዝሓሰብናዎ እዚ ‘ዩ:: ናይ እዚ ተጠቐምቲ ድማ ናብ 228ሺሕን 906 መራሕቲ ስድራ ዝሓዘ ‘ዩ:: ነዚኦም ንምዕዋት ድማ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ::

ማለት ነቲ ዝተለምናዮ ንምፍፃም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዓቕሚ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ:: ትልሚ ናይ ምፅዳቕ፣ መደብ ኦሬንቴሽን፣ ሞያዊ ስልጠና ወዘተ ዝመሳሰሉ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና:: ስለዚ እዚ ናብቲ ንሓስቦ ዘለና ናይ መስኖ ስግግር ክወስደና ‘ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ:: ናይ ሎሚ ዓመት ምንቕስቓሳት መስኖ ለውጢ እነምፀአሉ ኢና ኢልና ኢና ንሓስብ::

ስለዚ ክሳብ ሕዚ እቲ መደብ ኦሬንቴሽን ብክልል ደረጃ ናብ 503 ዝኣኽሉ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን መደብ ኦሬቴሽን ናይ ትልሚ ምፅዳቕ ሂብና ኢና፤ ካብዚ ቐፂሉ ‘ውን ኣብ ክልተ ዙር ገይርና ሞያዊ ስልጠና ሂብና ኢና:: ብሓፈሻ ናይ ልምዓት ኣሕምልቲ፣ ፍራምረን ቕመማ ቕመምን ፓኬጃት ናይ ልምዓት ፍራምረ ቐፂሉ ‘ውን ኣብ በለስ፣ ናይ ማይ ኣጣቓቕማ፣ ኣብ ናይ ክላስተር መፍረይቲ ሓረስቶት፣ ድህረ ምህርቲ፣ ናይ ልሙዑነት ሓመድ ስራሕቲ፣ ኣብተን ዋና ዋና ንብለን ናይ ባልዓትን ሕማማትን ምክልኻል ማእኸል ገይርና ናይ ስልጠና ስራሕቲ ኣካይድና ኢና፤ ናይ 5 መዓልቲ ስልጠና ን679 ዝኣክል ሓይሊ ሰብ ኣብ ውቕሮ ብኽልተ ዙር ሂብና፤ ቐፂሉ እቲ ናይ ሓረስታይ በቢወረድኡ ንሰብ ሞያ ስልጠና ተዋሂቡ ‘ዩ::

እቲ ናይ ሓረስታይ ናይ መስኖ ተጠቐምቲ ‘ውን ዕውት ስልጠና ተዋሂቡ ተዛዚሙ ኣሎ:: ካሊእ እቲ ናይ እታዎታት ናይ ምክፍፋል፣ ኣብ እታዎታት መዳበርያ፣ ሙሩፅ ዘርኢ ናይ ምክፍፋል ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ:: ኣብቲ ናይ መዳበርያ ንመስኖ ዝኣክል ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረፈ ናብ ከባቢ 8ሽሕ ዝኣክል መዳበርያ ናብ ገባራት ኣብፂሕና ኣለና:: ክነብፅሖ ሓሲብና ዝነበርና 150ሽሕ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ናብ ከባቢ 80 ሽሕ ዝኣክል ‘ዩ ናብ ገባር በፂሑ ዘሎ::

ወጋሕታ፡- ኣብ ምህርቲ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት መስኖ ሓጋይ ክንደይ ዝኣክል ምህርቲ ንምርካብ ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ

ኣይተ ሃይለ፡- ኣብ ምህርቲ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት መስኖ ሓጋይ ክንደይ ዝኣክል ምህርቲ ንምርካብ ተሓሲቡ ይስራሕ ኣሎ ኣብ ዝብል፣ ካብቲ ካብ 69ሽሕን 551 ሄክታር መሬት ንምልማዕ ዝሓዝናዮ ትልሚ፣ ብኣሕምልቲ፣ ፍረምረ ዝመሳሰሉ 13 ሚልዮን ዝኣክል ኩንታል ንምርካብ ኢና ተሊምና ንሰርሕ ዘለና፤ ስለዚ ኣብዝሓለፈ ዓመት 106ፐር ሄክታር ኢና ረኺብና ነይርና ሎሚ ዓመት ግና ናብ 30 ኩንታል ካብ ሓደ ሄክታር ብማእኸላይ ንረኽበሉ መንገዲ ኢና ንሰርሕ ዘለና::

ወጋሕታ፡- ብመንግስቲ ክኸውን ይኽእል ብኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ምቕራብ ናውቲ መስኖ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃይለ፡- ኣብቲ እታዎት ናይ ዘመናዊ ድኹዒ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ብዝገበሮ ምርድዳእ እኹል ናይ ዘመናዊ እታዎታት ዘመናዊ ድኹዒ መፅዩና ነይሩ ‘ዩ:: ስለዚ ሕዚ ንናይ መስኖ ንጥቐመሉ ዘለና ካብኡ ዝተረፈ ‘ዩ:: ኣብ ናይ ቐዳማይ ዙር ብዙሕ ሕፅረት ከጋጥመና ኣይኽእልን::

ኣብ ኢድና ሒዝና ኢና ምናልባሽ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ዙርን ናይ ክረምትን ግና ኣብ ኢድና ዝሓዝናዮ ዘመናዊ ድኹዒ ስለዘየለ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ክለኣኽ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለና:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሕፅረት ከጋጥም ይኽእል ዶ ኣይኽኽእል ናይ ፌዴራል ኩነታት ‘ዩ ዝኸውን:: ክሳብሕዚ ግና ናይ ዘመናዊ ድኹዒ ሕፅረት የብልናን::

ሙሩፅ ዘርኢ ብዝምልከት መንግስቲ ሕዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘቕረቦ ነገር የለን:: ካብ ናይ ደገን ካልኦት ለገስቲ ኣካላትን ‘ዩ ድጋፍ ዝግበር ዘሎ:: ስለዚ ኣብ ክልልና ኣብ ሙሩፅ ዘርኢ ዓብዪ ሕፅረት ‘ዩ ዘሎ:: ኣብ ቐረብ ሙሩፅ ዘርኢ ሕዚ ‘ውን ዝተቐረፈ ጉዳይ ኣይኮነን:: ብፍላይ እቲ ሓረስታይ ካብዝነበሮ ናይ ተፀባይነት ኣተሓሳስባ ድጋፍ ወፂኡ ሕዚ በዓሉ ናይ ምድቓል ስራሕቲ ‘ዩ ዘካይድ ዘሎ::

እቲ ናይ ምፍራይን ናይ ኣፍራያይነትን ምዕፃፍ ውፅኢት ስለዝረኣዮ ፀቕቲ ገይሩ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እዚ ሕፅረት እዚ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ ‘ዩ:: ክሳብ ሕዚ ካብ ፌዴራል ይኹን ካብ ክልል መንግስቲ ዝቐረበ ነገር የለን:: ብዘይ መንግስታዊ ትካላት፣ ብናይ መንግስታዊ ትካላትን ካልኦት ውልቀ ኣካላትን ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ:: ብመንግስቲ ዝተማእኸለ ናይ ምቕራብ ሙሩፅ ዘርኢ ስለዘየለ ኣብቲ ናይ ዘርኢ ቐረብ ኣሕምልትን ፍረምረን ስፍሕ ዝበለ ፀገም ‘ዩ ዘሎ::

ወጋሕታ፡- እቲ ሓረስታይ ጥቕሚ ልምዓት መስኖ ተገንዚቡ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ እንታይ ከምዝመስል ከምኡ ‘ውን ዘጋጥምዎ ዘለዉ ፀገማት ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ሃይለ፡- እቲ ሓረስታይ ልምዓት መስኖ ኣብ ምጥቓም ዘለዎ ኣተሓሳስባ ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ንቕሓት ሕዚ ላውጢ ኣሎ ‘ዩ:: ኣብቶም ዝመፃናዮም ከባቢ 30 ዓመታት ሓረስታይ ጥቕሚ መስኖ ተረዲእዎ ፅቡቕ ምንቕስቓስ እናገበረ ዝመፀ ‘ዩ:: በርግፅ ብዙሓት ትካላት መስኖ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ጉድኣት በፂሕዎን ‘ዩ::

በቲ ዘጋጠመና ኹናት ኣብቲ ናይ ልምዓት መስኖ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብቲ ስትራክቸር ከይቐረየ ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ:: እቲ ሓረስታይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚአን እናፀገነ ናይ ምንቕስቓስ መንፈስ ሒዙ ተላዒሉ እናሰርሐ ይርከብ:: እቲ ሓረስታይ በዓሉ ተለቒሑ ይኹን ጥሪቱ እናሸጠ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ማይ እናውፀአ ናይ ልምዓት መስኖ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ::

ይኹን እምበር ሕዚ ‘ውን ዘይተቐረፉ ነገራት ኣለዉ:: ሓደ እቲ ናይ ሓረስታይ ዓቕሚ ንቕድሚት ክመፅእ ብዙሕ ምስራሕ የድሊ:: ከምቲ ዝፍለጥ መስኖ ክባር ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ:: እንተነኣሰ ናይ ልቓሕ ኣክሰስ የድልዮ:: ናይ ናፍጣ፣ መብራህቲ፣ ትራንስፎርመርን ጀኔሬተራትን ዝመሳሰሉ ነገራት የድልይዎ ‘ዮም::

ብፍላይ ድማ ናይ መብራህቲ ክፍሊት በዚሕዎም ዘንፀርፅርሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ:: ብምዃኑ ኣብዞም ጉዳያት እዚኦም እናተረዳዳእና ኢና ንምፍታሕ ንፍትን ዘለና፤ ብዝኾነ ግን እቲ ፀገም ስኽ ኢሉ ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይኮነን:: ስለዚ ሕዚ ‘ውን ምትሕግጋዝ ዝደልዩ ብፍላይ ኣብቶም ናይ መስኖ ስትራክቸራት መሊስካ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ሓረስታይ ዝኾነሉ ኩነታት ኣሎ::

ዝተፈላለያ ግድባት ብዝተፈላላየ ምኽንያታት ናብ ስራሕ ክኣትዋ ኣይከኣላን:: ስለዚ እቲ ዝበፅሐ መከራ ወይ ፀገም ፍሉጥ ስለዝኾነ ካብ ናይ ህይወትን ኣካልን ምኽፋል ሓሊፉ ብሓፈሻ ኣብቲ ናይ ኢኮኖሚ ኩነታት ንደሓር ናይ ምምለስ ኩነታት ተፈጢሩ ማለት ዓብዪ ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ:: ኣብዚ እቲ ሓደ ዝበፅሐ ፀገም ኣብ ናይ መስኖ ሴክተር ‘ዩ::

ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንሓረስታይ ጥራሕ ዝወሃብ እንተይኮነስ ተሓጋጊዝካ ክስራሕ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራል ጀሚርዎ ኣሎ ‘ዩ:: እዚ ክተባባዕ ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ:: ምስ መንግስቲ ፌዴራል ፅቡቕ ርክብ እናፈጠርካ እዚ ናይ ሞተራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ናይ ሞተራት ፓምፕ ናብ 72 ዝኣኽላ ኣብዚ ዓመት እዚ ብመንግስቲ ፌዴራል ተሓጊዝና ኢና:: እዚ ፅቡቕ ስለዝኾነ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢለ እየ መልእኽተይ ከሕልፍ ዝደሊ::

ኣብቲ ምቕራብ ናይ ዘመናዊ ድኹዒ ‘ውን ተጠናኺሩ ዝቕፅለሉ መንገዲ ክህሉ ኣለዎ:: ስለዚ ተረዳዲእኻ ክስራሕ ዝግበኦም ነገራት ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ:: ብሓፈሻ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት መንግስታዊ ኣካል ይኹን ዘይመንግስታዊ ኣካል ዝሕግዘሉ ኩነታት ምፍጣር ካባና ትፅቢት ይግበር::

ወጋሕታ፡- ኣብ ጉዳይ መስኖ ብመንግስቲ ዝተተሓዙ ከም ምስራሕ ዓብይቲ ግድባትን ክኾን ይኽእል ካልኦትን ፕሮጀክትታት እንተሃልዮም ወይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈለየ ስራሕ ይስራሕ ተሃልዩ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ሃይለ፡- ካብቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ብዙሕ ዝተፈለየ የለን:: ከም ክልል መንግስቲ በቲ ዝኸኣሎ ዓቕሚ መሰረት ገይሩ ‘ዩ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ:: ናይ ዕድል ጉዳይ ኮይኑ ኣብናይ ተደረቕቲ ዞባ ኢና ዘለና፤ ስለዚ ድርቒ ዝፃወር ፍርያት ሕርሻ ንምፍራይ ኢና ንንቐሳቐስ ዘለና::

ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ በርቲዕኻ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ልምዓት መስኖ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ሞትን ሕውየትን ጉዳይ ‘ዩ:: እዚ ኮይኑ እቲ ክልል ዝመፀ ይምፃእ ኣብቲ ናይ መስኖ ስራሕቲ ኢንቨስት ክገብር ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ሰፋሕቲ ምንቕስቓሳት ይግበር ኣሎ::

ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ዝተፈለየ ትልሚ ማለት ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ብዝሓሸ ደረጃ ተተሊሙ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ኣብ ናይ ኣሕምልትን ፍረምረን ዝመሳሰሉ ሰፋሕቲ ትልሚ ተተሊሙ ከመይ ገይርና ከንኸይድ ኣለና ብዝብል ካብ እቲ ፖሊስን ስትራቴጅን ብምብጋስ ናይ በዓሉ ኣንፈት ብምቕማጥ እናተንቐሳቐስና ንርከብ:: እዚ ተጠናኺሩ ‘ውን ይቕፅል ኣሎ:: ስለዚ ጀሚርናዮ ኣለና፤ መንግስቲ ትኹረት ብምሃብ ቖሪፁ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ:: ብፍላይ ኣብታ ናይ መስኖ ምልማዕን ምስፋሕን ምንቕስቓስና ቖሪፅና ክንኣትዎ ኣለና ብዝብል መንፈስ ኢና ንሰርሕ ዘለና::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክቐሪ ዘይግበኦ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ሃይለ፡- ብዙሕ ዝቐረየ ዳርጋ የለን፤ ክብል ዝደሊ ግና ክሳብ ሕዚ ዓቕሚ መስኖ ትግራይ ብዝግባእ ኣይተጠቐምናሉን፤ ከንጥቐመሉ ዝግባእ ሃፍቲ መሬትናን ማይን ከንጥቐመሉ ይግባእ:: ስለዚ ሕዚ ‘ውን እቲ ሓረስታይና በቢ ከባቢኡ ዘሎ ንመስኖ ዝኸውን ሃፍቲ ክጥቐመሉ ኣለዎ:: ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ሃፍቲ ማይ ክባኽን የብሉን::

ናይ ክረምቲ ሕርሻ ጥራሕ ዓመት ሙሉእ ክምግን ስለ ዘይኽእል ነዚ ብምርዳእ ሓረስታይ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ማይ ከባኽኖ የብሉን:: ምጥቓም መስኖ ንመነባብሮና ወይ ንውሕስነት ምግብና ወሳኒ ስለዝኾነ ሸለል ከንብሎ የብልናን:: ኣብ ከተማ ዘሎ ይኹን ኣብ ገጠር ዋላ ማይ ተሸኪሙ ካብቲ መደበኛ ልምዓት መስኖ ወፃኢ ‘ውን ዋላ እንተኾነ ክነጥፍ ክኽእል ኣለዎ:: ከምዚ እንተዘይኮይኑ ውሕስነት ምግቢ ምርግጋፅ ኣይከኣልን::

ብፍላይ እቲ መንእሰይ ካብ ናብ ስደት እናመርሐ ናብ ተፈላላዩ ፀገማት ዝሳጣሕ ኣብከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ብምውፋር ክልወጥ ክሰርሕ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ መስኖ ብምውፋር ዝተለወጡ ኣለዉ ‘ዮም:: ዋላ መሬት ተወፊሮም ይኹን ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል መልእኽቲ ከመሓላላፍ እደሊ::

ወጋሕታ፡- ንዝሃቡና ሓበሬታ የቕንየልና::

ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You