ምእታው ባንኪታት ወፃኢ – ዕድል፣ ፈተናን መፍትሒን

ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ባንኪ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ዕድመ ከምዘለዎ ይግለፅ። ኣብዞም እዋናት ንዘጋጠሙዎ ፅቡቓት ዕድላትን ፈተናታትን ተሳጊሩ ናብ ሕዚ በፂሑ ‘ዩ። ናይ ሎማዓንቲ ቑመንኡ ‘ውን እንተኾነ ኽንዲ ዕድምኡ ዝኣክል ከምዘይኾነ ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ምሁራን ይዛረቡ።

ነዚ ንምቕያር መንግስቲ ዘፈር ባንኪ ንባንክታት ወፃኢ ኽፍቲ ንምግባር ዘኽእል ኣዋጅ ሓንፂፁ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ቐረባ ንክፀድቕ ገይሩ። ናይቲ ሕጊ ምፅዳቕ ብብዙሕ ትፅቢት ዝግበር እንተኾነ ‘ውን፤ ሕዚ ‘ውን ናይ ዜጋታት ኾነ ኣብቲ ዘፈር ዝርከቡ ምሁራን መዘራረቢ ኣጀንዳ ኾይኑ ይርከብ።

እቲ ሰብሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ዘፈር ባንኪ ንኽዋፈሩ ዝፈቅድ ኣዋጅ ንባንክታት ውሽጢ ሃገር እንታይ ሒዙ ይመፅእ፤ ተስፋ ወይ ስግኣት? ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎ ረብሓ ኸ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ሓሳብ ካብ ተወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ኣካላት ሕቶታት ክልዓል ገይሩ ‘ዩ። ነዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተልዓሉ ሕቶታት ‘ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ብሄራዊ ባንክን ናይቲ ዓውዲ ሰብሞያ ሓዊሱ መልሲ ሂቦምን እናሃቡን ይርከቡ ኣለው። ናይ ሎሚ ሰሙን እዋናዊ ዓምድና ‘ውን ኣብዚ ትኹረት ብምግባር ከምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

ዘፈር ፋይናንስ ንባንክታት ወፃኢ ክፍቲ ንክኸውንን ብቤት ምኽሪ ህዝቢ ተወከልቲ ንክፀድቕን ሓሳብ ብምልዓሉ ምኽንያት ብኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ሕቶታን ቀሪቦም ‘ዮም። ንዝተልዓሉ ሕቶታት ድማ ዋና ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ መብሪሂ ቀሪቡሉ ‘ዩ። ከም ሓበሬታ እቶም ገዛኢ ‘ውን፤ ዘፈር ፋይናንስ ንባንክታት ወፃኢ ተኸፊቱ ማለት ናይ ወፃኢ ባንኪ ናብ ሃገር ኣትዮም ከምዝደለይዎ ክሰርሑ፣ ዘፈር ባንኪ ከጥለቅልቅዎ ‘ዮም ተባሂሉ ክርኣይ ከምዘይብሉ ተላዒሉ ‘ዩ።

እዚ ዘፈር ባንኪ ንወፃኢ ኢንቨስትመንት ክፍቲ ናይ ምግባሩ ጉዳይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዘተ ቀሪቡ ውሳነ ዝተውሃቦን ብፖሊሲ ‘ውን ዝተደገፈ ከምዝነበረ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ። ምፅዳቅ እቲ ኣዋጅ ንባንክታት ውሽጢ ሃገር ፅቡቕ ኣበርክቶ እምበር ፅዕንቶ ከምዘይህልዎን እኳ ደኣስ ምስ ባክታት ውሽጢ ሃገር ብሽርክና ናይ ምስራሕ፣ ወኪል ቢሮታትን ጨንፈራትን ብምኽፋት ስራሕቲ ናይ ምውጋን ናይ ባዕሎሎም ግደ ከምዘበርክቱ ‘ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመላኽት።

ዘፈር ፋይናንስ ንባንክታት ወፃኢ ክፍቲ ምዃኑ ካብ ዘርክቦም ረብሓታት ‘ውን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝደልዮ ልቓሕን ሸርፊ ወፃኢን ንምርካብ ዕድል ብምስፋሕ ነቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘረጋግዑ ብምዃኖም፤ እዚ ድማ ባንክታት ኢትዮጵያ ዝበለፀ ዘጠናኽር፣ ዘጎልብትን ዓቕሚ ምፍፃም ከምዝረኽቡ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣረዲኦም ‘ዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ባንክታት ውሽጢ ሃገር ግደኦም ካብ ዝኾነ እዋን ብላዕሊ ንክዓቢ ኣበርክቶ ባንክታት ወፃኢ ሓፍ ዘብል ምዃኑን፤ እዞም ባንክታት ወፃኢ ስራሕ ይጀምሩ ኣይጀምሩ ባንክታት ኢትዮጵያ ካፒታሎም እናዕበዩን ዓቅሞም እናሃነፁን ክኸዱ ከምዘለዎምነ እቲ ኢኮኖሚ እናዓበየ ብምዃኑ ባንክታት ውሽጢ ሃገር ነኒባዕሎም እናተቀናጀዩ ሃፍቶምን ዓቕሞምን ብምትእኽኻብ ናይ ምስራሕ ሓላፊነት ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም ‘ዮም።

ከም ገለፃ ኣይተ ማሞ፤ ሃፍቲ ባንኪ ብተቀማጢ ገንዘብ፣ ብልቓሕን ብካፒታልን እናዓበዩ ዝመፅኡ ባንክታት ኢትዮጵያ ዝበለፀ ንኽጉልብቱ ንምግባር እቲ ኣዋጅ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ‘ዩ። ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እናመዝገቦ ዘሎ ዕብየት ንምቕፃልን ኣብ ልዕሊ ባንክታት ቅልውላው እንትፍጠር ዕልባት ንምሃብን ኣወሃህባ ፍቃድ ዘፈር ባንኪን ማዕቀፍ ቁፅፅርን ምስ ኣሰራርሐ ዓለምለኸ ዝተጠዓዓመ ንክኸውን ንምኽኣል ዝሕግዝ ‘ዩ።

እቲ ሰብሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ዘፈር ባንኪ ንኽዋፈሩ ዝፈቅድ ኣዋጅ ንባንክታት ውሽጢ ሃገር እንታይ ሒዙ ይመፅእ፤ ተስፋ ወይ ስግኣት? ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ሃገር ዝህልዎ ረብሓ ኸ እንታይ ይመስል ኣብ ዝብል ሓሳብ ሰብሞያ እቲ ዘፈር ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን መልሲ ካብ ዝህቡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሃፍቲ ምጣነ ኣይተ ክቡር ገና ብወገኖም፤ እቲ ኣዋጅ ምፅዳቑ ባንክታት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ንክሰርሑ ዝዕድም ምዃኑ፤ እቶም ባንክታት ክሰርሕዎ ዝኽእሉን ዘይኽእሉን ብዝርዝር ምቕማጡ ይዛረቡ።

ኣቀራርባ እቲ ኣዋጅ ባንክታት ውሽጢ ሃገር ንክኣትው ዘኽእል ደዩ ወይስ ዘየኽእል ዝብል ቀፃሊ ተግባራዊ እንትኾን ዝርኣይ ከምዝኸውን ብምልዓል፤ ሓደ ኣካል ናይቲ ኸይዲ ለውጢ ስለዝኾነ ግና እቲ ኣዋጅ ምምፅኡ ግቡእ ‘ዩ ዝብሉ ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ ምጣነ ሃፍቲ፤ ትሕዝቶ እቲ ኣዋጅን ኣንፈቱን ገና ግልፂ ኾይኑ ኣይተቀመጠን ብምባል፤ ሓደ ሓደ ነገራቱ ቐፃሊ ዝርኣይ ኮይኑ፤ ሐዚ ብዘለዎ ክንሪኦ ከለና ግና ናይ ደገ ባንክታት ንምስሓብ በሪ ብዝኸፈተ መጠን፤ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሓ እቶም ባንክታት ገደብ ትሕዝቶ ዘንበረ ‘ዩ። ስለዝኾነ እዚኦም ትሕዝቶታት ማሕለኻ ከይኮኑ ስጋኣት ክገብረሎም ከምዝኽእል ይዛረቡ።

በዚ ምኽንያት ባንክታት ወፃኢ ነቲ ኣዋጅ ተኸቲሎም ናብ ሃገር ውሽጢ ይመፅኡ ዶ ዝብል ሓደ ሕቶ ‘ዩ። እቲ ኣዋጅ ንክመፅኡ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ብምዃኑ ክመፅኡ ‘ዮም ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይተ ክቡር ገና፤ እተመፅኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለው ባንክታት ኣብዝሓኦም ብማእኸላይ ልዕሊ 20 ዓመት ዕድመ ዝኾኖም ስለዝኾኑ ኣብ ዝፀንሕሉ ዓመታት ውሽጢ ብዙሕ ለውጥታት ኣርእዮም ‘ዮም። እቶም ባንክታት ወፃኢ እንተመፅኡ ‘ውን ንምውድዳር ዘፀግመሎም ከምዘይመስሎምን እቲ ቴክኖሎጂ ‘ውን ገዚኦም ምምፃእ ከምዝኽእሉን ኣብቲ ዘፈር ፍልጠትን ልምድን ዘለዎም ሰባት ቆፂሮም ምስራሕ ይኽእሉ ‘ዮም ይብሉ።

በዓል ሞያ ሃፍቲ ምጣነ ኣይተ ሃይለመስቀል ጋዙ ብወገኖም፤ ኣብ ካሊእ ሃገር ዘሎ ኣሰራርሓ ባንኪ ምስ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣሰራርሓ ባንኪ ዘሎ ባህሊ ሓደ ዓይነት ብዘይምዃኑ፤ ባንክታት ወፃኢ ፅዕንቶ ክፍጠሮም ይኸእል ‘ዩ ይብሉ። እቲ ፀገም ምምሕዳር እቲ ባንኪ ብዝተወሰነ መልክዕ ከፍትን ስለዝኽእል ንምርድዳእ ‘ውን ፈተና ከኾኖም ከዝኽእል ‘ዮም ዝገልፁ።

ንኣብነት ኣብዚ ዘፈር ምሩፅ ልምዲ ዘለዋ ሃገረ ህንዲ እንትትኾን ናብ 46 ዝበፅሑ ባንክታት ወፃኢ ብምሓዝ ኢንዱስትሪ ባንኪ ብስፍሓት ዘሃነፀት ሃገር ‘ያ። ናይዛ ሃገር ልምዲ እቲ ኣዋጅ ካብ ምፅዳቁ ብተወሳኺ ናብ ተግባር ንክኣትው ምግባር ከምዝግባእ መመላኸቲ ‘ዩ። ብጣብያን ብሄርን ዝተደራጀው ባንክታት ናብ ሓደ ንክመፅኡ ዝኽእልሉ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። እዚ ኮይኑ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ባንክታት ክወሃዱ እንተዘይክኢሎም ኣብ ፈተና ክወድቁ ይኽእሉ ‘ዮም ክብሉ የረድኡ።

ኣይተ ክቡር ብወገኖም፤ ባንክታት ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታዎም ካብ ረብሕኡ ዝሓለፈ ስግኣት ከምዘለዎ ‘ዮም ዝዛረቡ። ብሓፈሻ ባንክትታት ወፃኢ ነቲ ዕዳጋ እንተተቆፃፂሮሞ ናይታ ሃገር ቀፃላይ ኣንፈት ዝመርሕዎ ንሶም ዝኾንሉ መንገዲ ሰፊሕ ‘ዩ ዝኸውን።

ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ፈፂሙ ናይ ውሽጢ ሃገር ባንክታት ዘይብለን ብባንክታት ወፃኢ ዝተውሓጣ ሃገራትን ብኣብነት ዝፅርሓ ኣለዋ ‘የን። ዋና ድልየት ባንክታት ወፃኢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ልምዓት ምምፃእ ከይኮነስ ንሰብ ዋናታትን ንበዓል ኣክሲዮናት ምዕባይ ረብሓ ‘ዩ ዕላማኦም። ካብ ኣብ ልምዓት ብፍላይ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ኣብ ዝቐርቡ ስራሕቲ ‘ዮም ትኹረት ዝገብሩ።

ብኻሊእ መልክዕ እቶም ባንክታት ናብ ውሽጢ ሃገር እንትኣትው ባንክታት ውሽጢ ሃገር ተወዳዳሪ ንክኾኑ ከምዝገብር ዘብራርሁ ኣይተ ኣይተ ክቡር፤ ንኣብነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቢእዋኑ ቴክኖሎጂ ብምቐባልን ብምውሃድን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪ ኾይኑ ንምስራሕ ምኽኣሉ ብምሕባር ባንክታት ‘ውን ካብዚ ብምምሃር ንምውድዳር ዘፀግሞምን ነገር ኣይህልውን በሃሊ ‘ዮም።

ባንክታትና ካብ ስግኣት ጠንኪሮም ምስራሕ ትፅቢት ይገበረሎም ዝብሉ ኣይተ ክቡር፤ ዓቕሚ እቲ ዕዳጋ እቲ ንግድን ኢንዱስትሪን ኣበይ ኣከባቢ ከምዝንቀሳቀስ ካብ ዝኾነ ባንኪ ወፃኢ ዝበለፀ ሓበሬታ ስለዘለዎም ተወዳዳሪ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ነሃቶም ምምፃእ ‘ውን ከተሓሳስብ ኣይግባእን፤ እቲ ፖሊሲ ‘ውን ነዚ ንምክልኻል ዘቅመጦ ድንጋገታት ምህላዎም ምምልካት ግቡእ ምዃኑ ይመኽሩ።

ኣይተ ክቡር፤ ብሓደ ወገን እቲ ዝፀደቀ ኣዋጅ ናብ ‹‹ሊብራሊዝም›› ኣይኸደን፤ ወይ ‹‹ዲቨሎፕመንታሊስት›› ናብ ዝበሃል ብምኻድ ባንክታ ንምምራሕ፤ ተሳትፍኦም ንከዕብዩ ዝደሊ ኾይኑ ይረኣይ። ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብቲ ዕዳጋ ዝበለፀ ግደ ንክህልዎ ይድለይ። ስለዝኾነ ገና ኣንፈቱ ኣይፈለየን ብምባል፤ ኣንፈት መንግስቲ ኣየናይ ከምዝኽተል ገና ኣይተቀመጠን። ንቀፃሊ ብዕዳጋ ካብ ምምራሕ ብትልሚ ንምምራሕ ትኹረት ከምዝህብ ይሕብሩ።

እቲ ኣዋጁ ዕላማኡ ንክወቅዕ ሃገር ብኢኮኖሚ ንምዕባይ ውፅኢታማ ዝኾኑ ልምዲ ሃገራትን ምውሳድ ከምዘድልን ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዘ ዕብየት ርኣዩ ከም ቻይና፤ ጃፓን ቬትናምን ዝኣምሰሉ ሃገራት ሐዚ ንዝበፅሕዎ ብርኪ ዕብየት ክበፅሑ ዝኻኣሉ እቲ ዕዳጋ ንክምራሕ ብምግባሮም ጥራሕ ከየኮንስ ኣንፈታት ለውጢ ‘ውን ብምቅማጥ ‘ዩ። ዝለዝኾነ እቲ ዘፈር ንክዓቢ መንግስቲ ግድኡ ክፃወት ከምዘለዎ ይመኽሩ።

ዕዳጋ ይምራሓዮ እንተተባሂሉ ዕብየቱ ፎቅ ኣብ ምህናፅ ዝተሃነፀ ‘ዩ ዝኸውን ዝበሉ ኣይተ ክቡር፤ ካብ ካልኦት ሃገራት ንምሃር እንተተባሂሉ መንግስቲ ልዑል ናይ ምምራሕ ሓላፊነት ወሲዱ ሃገር ንምዕባይ ዘኽእል መንገድታትን በሪ ብምኽፋት ንዕብየት ክንቀሳቀስ ይግባእ ይብሉ።

በዓል ሞያ ሃፍቲ ምጣነ ዝኾኑ ኣይተ ሃይለመስቀል ጋዙ ብወገኖም፤ እቲ ኣዋጅ ምፅዳቁ ንሓንቲ ሃገር ዕብየት መሰረት ዝኾነ ታሪካዊ ኩነት ተሳኺዑ ባክታት እንተኣትዮም ነቲ ዘፈር ብዙሕ ጥቅምታት ሒዞም ‘ዮም ዝመፅኡ። ከብ ሞንጎ ጥቅምታት ባንክታት ወፃኢ ዝዓበየ ቴክኖሎጂን ስርዓት ኣሰራርሓ ባንክን ሒዞም ‘ዮም ዝመፅኡ ኢሎም።

ቅደሚ ሓዚ ኢትዮ ቴሌኮም ተወዳዳሪ ብዘይምንባሩ ኣብ ተባፃሕነት ኔትወርክን ኢንተርኔት ብዘይምዝማኑ ከምቅሬታ ይልዓለሉ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሃይለመስቀል፤ ሳፋሪኮም ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው ንክወዳደር ክብል ከም ቴሌብር ዝኣምሰሉ መተግበሪያታት ብምምዕባል ምምሕያሽ ኣርእዩ ‘ዩ። ባንክታት ወፃኢ ምእታዎም ‘ውን ኣብቲ ዘፈር ዘሎ ውድድር ብምዕባይ ግልጋሎት ንክምሓየሽ ክገብር ‘ዩ። ባንክታት ውሽጢ ሃገር ባንኪ ኣብዘይብሎም ክፋላት እዛ ሃገር ኣትዮም ብምስራሕ ምንቕቓሕ ንክፈጥሩ ከለዓዕሎም ‘ዩ ኢሎም።

ናይ ሕጊ ምፅዳቕ ከም ሃገር ኣብ ዓለምለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንምእታው (access to global financial system) ዕድል ዝህብ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሃይለመስቀል፤ሽግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂ የፋጥን ኢሎም።ኣብዚ ከይዲ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ባንክታት ብምብርትታዕ ንኢንቨስትመንት ውሽጢ ሃገር ምቹው ኩነታት ንክፈጥሩ ክገብር ኣለዎ።ተዘይኮይኑ ግና ዘትረፍዎ ትርፊ ናብ ደገ ናይ ምውፃእ ዕድል ዝለዓለ ይኸውን።ባንክታት ውሽጢ ሃገር ንቲ ዕድል ብዝግባእ ብምጥቃም ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምዕባይ ክሰርሑ ኣለዎም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You