ብዲጂታል መለለዪ መንነት ዝወሃቡ ኣግልጋሎታት እናሰፍሑ ብምፅኦም ድልየት ተመዝጋቢ ይውስኽ ኣሎ

ብዲጂታል መለለዪ መንነት ዝወሃቡ ኣግልጋሎታት እናወሰኹ ብምፅኦም ድልየት ተመዝጋቢ ይውስኽ ከምዘሎ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ምዝገባ ስቪልን ነባሪነትን ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ ሸንተማ ገሊፀን። ብዲጅታል መለለዪ መንነት መደበኛ ኣገልጋሎት ወሳኒ ኩነት ምርካብ ከምዝክኣል ‘ውን ሓቢረን።

ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ካብ እዋን ናብ እዋን ኣግልጋሎታት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዝደሊ ሰብ እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ። እዚ ድልየት ንክውስኽ ከብ ዝገበርዎ ድማ በዚ መለለዪ መንነት ዝወሃቡ ኣግልግሎታት ምውሳኾም፣ ዘለዎ ረብሓታት ብወፍሪ ግንዛበ ምውሃበቡን ኣብ ቀበሌታትኣ ኣግልግላት ንምርካብ ከም ቅድመ ኩነት ምቕማጡን ዝኣምሰሉ ‘ዮም።

ከም ክፍለ ከተማ ኣራዳ ዲጅታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ምምዝጋብ ዝተጀመረ ጥቅምቲ ሓደ ከምዝኾነ ዝሓበራ ወይዘሮ ኣበባ፤ ኣብ 8 ወረዳታትን ኣብ ክፍለ ከተማን ምዝጋባ ብምክያድ ብብረኪ እቲ ክፍለ ከተማ ንክምዝገብ ካብ ዝተተሓዘ ትልሚ 90 ሽሕ ኮይኑ ክሳብ ሓዚ ድማ ናይዚ 75 ሚእታዊ ከምዝተመዝገበ ሓቢረን። እዚ በዝሒ ክምዝገብ ዝተኽኣለ ኣብ መደበኛ መመዝገቢ ቦታ ጥራሕ ዘየኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ትካላት፣ ቤት ዕዮታት፣ ዩኒቨርስቲታት፣ ናይ ጎዳና ዕዳጋታትን መሰል ቦታትን ድንኳን ብምትካል ‘ውን ብዝተገበረ ወፍሪ ምዝገባ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ኣብ ዝህብኦም ኣግልጋሎታት ዲጅታል መለለዪ መንነት ከምቅድመ መስፈርቲ ብምቐማጥ ብዘይ ዲጃታል መለለዪ መንነት ኣገለግሎት ከምዘይወሃብ ዝሓበራ ወይዘሮ ኣበባ፤ ነዚ መለለዪ መንነት ንምርካብ ከይንገላታዕ ድማ እቲ ናይ ምዝገባ ኣገልግሎት ባዕልና ብምሃብ ኣግልግሎት ንክረከብ ይግበር ከምዘሎ ተዛሪበን። ቅድሚ ሐዚ ብናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ጥራሕ ዝወሃብ ዝነበረ ከም ምዝገባ ወሳኒ ኩነት ዝበሉ መደበኛ ኣገልግሎታት ብዲጅታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣግልግሎት ምርካብ ከምዝክኣል ኢጀንሲ ኣገልግሎት ምዝገባ ስቪልን ነባሪነትን መምርሒ ብምውፅኡ ብዚ መለለዪ መንነት ክውሃብ ከምዝተጀመረ ‘ውን ሓቢረን።

ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወረዳ 6 ኣግልግሎት እናረኸቡ ዝረኸብናዮም ኣይተ ቴድሮስ ባዛበትሩ ዲጅታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ንከውፅኡ ካብ ዝገበሮም ኣብ ባንኪ ኣዋሽ ኣግልግሎት ንምርካብ ኣብ ዝኸዱሉ ግዘ ዲጅታል መለለዪ መንነት ከምዝሓተቶምን ብምግላፅ፤ መለለዪ መንነት ንምርካብ ኣብ ዝተመዝገቡሉ ድማ ፅቡቕ ኣገልገሎት ከምዝረኸቡ ተዛሪቦም።

ከም ገለፃ ኣይተ ቴድሮስ፤ እዚ ዲጅታል መለለዪ መንነት ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ከምዝኸነ ብምገላፅ፤ ብተወሳኺ ኣብ ብዙሓት ወሃብቲ ኣግልጋሎት እዚ መንነት መለለዪ ዝጥየቅ ዘሎ ምዃኑን እዚ መለለዪ መንነት ምሓዙ ፅቡቅ ከምዝኾነ የረድኡ። ኣይተ ተስፋየ በዛበትሩ ብወገኖም ዲጅታል መለለዪ መንነት ንከውፅኡ ዘለዓዓሎም ቅድሚ ሐዚ ዓመታዊ ግበሪ ንክኸፍሉ መፂኦም ከም ቅድመ ኩነት ዲጅታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ስለዝተሓተቱ ከምዘውፅኡ ብምሕባር፤ ኣብቲ እዋን ብዙሕ ሰበ ከምዘይነበረን በቅልጡፍ ነቲ ኣግለግሎት ረኺቦም ግብሮም ‘ውን ከፊሎም ከምዘኸዱ ተዛሪቦም።

ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ፅቡቕ ከምዘኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋየ ይኹን እምበር እቲ ዲጅታል መለለዪ መንነት ገና ሐዚ ይጀምር ብምህላው ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ናይ ግድን ዲጅታል መለለዪ መንነት ኣምፅእ ዝብል ቀስብቅ ተዝትግብርዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You