በዓል ብሄርን ብሄረሰባትን ሓድነት ህብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምሕያል ዓብዪ ግደ ኣለዎ

ሎሚ ዘበን 2017 ዓ.ም መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 29 ሕዳር ምኽባሩ ዝዝከር ‘ዩ:: እቲ በዓል ብሄር ብሄረሰብ ኣብዝተኸበረሉ እዋን ብዙሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዳራልን ክልላትን ተረኺቦም ብዛዕባ እቲ በዓል መደረ ገይሮም ‘ዮም:: እቲ በዓል መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ብልዑል መስዋእትነት ዝተረኽበ ናይ ሕውነትን ሓድነትን መግለፂ በዓል ምዃኑ ኣብቲ በዓል ተገሊፁ ‘ዩ::

ሕብር ብሄራዊ ሓድነት ዝሰፈነላ ኢትዮጵያ ንምፍጣርን ጠንካራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብፍላይ ምስቲ ለውጢ ተተሓሒዙ ዝመፀ ‘ዩ:: ኣብቲ ስነ- ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ሓላፊ ማእከል ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን፣ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ አፈ ጉባኤ ቤት ምኸሪ ፌዴሬሽን አገኘሁ ተሻገርን ካልኦት ላዕለዎት ሓላፍቲ መንግስቲ ኣብቲ በዓል ተረኺቦም ‘ዮም። ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም::

‹‹ ደቂ ሉሲ ዝኾንኩም ዓፋራት፣ ደቂ ታሪኻዊት ዓድዋ ዝኾንኩም ትግራዎት፣ ደቂ ደጃች ኡመር ሰመተር ሱማሌታት፣ ደቂ ዳሽን ተራራ ኣምሓሩ ፣ደቂ ዲሞክራሲ ሃሁ ባዓል ዋና ስርዓት ገዳ ዝኾንኩም ኦሮማ፣ ደቂ መርከቢት ህዳሰ ግድብ ቤንሻንጉል፣ ደቂ መቐነት ባሮ ጋንቤላ ፣ድምቅት ፍቼ ጨምበላላ ሲዳማ ፣ባዓል ዋና ግንብ ደጎል ሃረር ፣ ደቂ ኬላ ሃላላን ብዙሓት ተፈጥሮ ሃፍቲ ወነንቲ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ፃዕራማት ስራሕ ፈጠርቲ ደቂ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ደቂ መርከቢት ፍቅሪ ህዝብታትን ፈተውቲ ሰላምን ባዓል ዋና ተፈጥሮ ደቂ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት፣ ደቂ ምልክት ብልፅግና ድሬ፣ ደቂ ኣይንሸነፍን በሃሊት ጠንካራ ኢትዮጵያ በዚ ዓብይ መዓልቲ በዚኣ ፅብቕቲ ከተማ ፍቕሪ ዝተመልኦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጋሞ ምርካብ ካብ በዓል ንላዕሊ ኽብሪ ስለዝኾነ እንኳዕ ድስ በለኩም ክብል ይፎቱ:: ህብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምፅናዕ፣ ንምልዕዓል ከምዚ ዝበሉ በዓላት ኣብ ትኽክለኛ ቦታ እንትኽበሩ ናይ ኢትዮጵያ መልክዕ ሓድነትን ስለዝገልፁ፤ ኣርባምንጭ ሓድነትና በዓል ዋና መሰረት ፍቕሪ ዝኾንኩም እንኳዕ ደስ በለኩም ንምባል ይፎቱ::

ክቡራትን ክቡራንን ካብ ሓደ መፅሓፍ ቤተ መፅሓፍቲ ይበልፅ ፤ ቤተ መፅሓፍ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት መፅሓፍቲ ምድሓዝ ይኽእል ‘ዩ:: ዝሓዞም መፅሓፍቲ ኣናእሽተን ወይም ዓበይቲ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም:: ግና ኹሎም መፅሓፍቲ ናይ ቅድሚት ገፅ ዘለዎም፣ ርእሲ ዘለዎም፣ ደራሲ ዘለዎም ኣብ ውሽጦም ድማ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ ዘለዎም ብምዃኖም ፅቡቕ ትምህርቲ ከምዝህቡ ኣየከራክርን:: ኾይኑ ግና ሓደ መፅሓፍ ካብ ምንባብ ብሓደ ቤተ መፅሓፍቲ ምግልጋል ዝበለፀ ረብሓ ኣለዎ:: ኢትዮጵያ ከም ዓብይ ቤተ መፅሓፍቲ ‘ያ::

ኣብ ውሽጣ ዝተፈላለዩ፣ ታሪኻት፣ ቋንቋታት፣ ዝተፈላለዩ ጥበባት ዝርከቡላ ‘ያ:: እዚኦም ታሪኻትን ጥበባትን ብምንፃል ካብ ምጥቃም ንላዕሊ ብኢትዮጵያውነት ማዕቀፍ ውሽጢ ምርኣይ ዝበለፀ ዘዕብይ ፣ዘጠንክር ዘሳግር ስለዝኾነ ካብ ሰፈር እይታ ንላዕሊ ልዕልነት ኢትዮጵያ ምርኣይ ንክንኽእል፤ ካብ ሓደ መፅሓፍ ንላዕሊ ብቤተመፅሓፍት ውሽጢ ምግልጋል ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ በዚ በዓል መልእኽተይ ከመሓላልፍ ይደሊ:: ሓደ መፅሓፍ በይኑ ሙሉእ ኣይኮነን፤ ሕድሕድ መፅሓፍ ካብ ቡዙሕ መፅሓፍ ዝተቀድሐ ‘ዩ::

ኹሉ ብሄር በይኑ ሙሉእ ኣይኮነን:: ካብ ሕድሕድ ብሄር ባህሊ፣ ቋንቋ ፣ ልምዲ ይሰንቅ ይማሃር:: እዚ ንምምልካት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጋሞ ወላይታ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ወላይታ ዳዉሮ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዳዉሮ ጎፋ ፣ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጎፋ ኮንታ እንትትመልከቱ ሓደ መፅሓፍ በይኑ ሙሉእ መፅሓፍ ከምዘይኾን መርኣያ ‘ዩ:: ሓደ ሰብ መፅሓፍ እንትፅሕፍ ብዙሓት መፅሓፋት ምርኣይ ከምዘለዎ ኹሉ ሓደ ሰብ ኢትዮጵያዊ ንክባሃል ኢትዮጵያን ምፍላጥን ኹሎም ብሄራት ብዕምቆት ምፍላጥ ምርዳእ ኣለዎ:: ኢትዮጵያ ተቀዲሓ ዘይትውዳእ ባሕሪ ስለዝኾነት ብንእሽተን ነገር ኢትዮጵያ ንምግላፅ ምሙካር ስለዝኸብድ በቢ መዓልቱ እናቀረብና እንተመፂና ግና ዝበለፀ ፍልጠት ንምህናፅ ስለዝሕግዝ መላእ ደቂ ኢትዮጵያ ሃገርና ፈሊጥና ብዙሓት ጥበባትን ታሪኻትን ዘለዉዋ ሃገር ስለዝኾነት ልብና ናብ ሰላምን ፍቕርን ብምምላስ ኢትዮጵያ ንምፍላጥን ንምብልፃግን ብሓባር ንክንሰርሕ ብትሕትና ፃውዒት ከቕርብ ይፈቱ ::

ኣብዚ ዝተዓደምኹም ኣጋይሽ ጫካ ኣርባምንጭ ከይረኣእኹም ከይትኸዱ:: ኣብ ጫካ ኣርባምንጭ ሓደ ዛፍ በይኑ ኣይትረኽቡን:: ዝተፈላለዩ ተኽልታት ረጎድቲ፣ ቀጠንቲ፣ሓፀርቲ፣ ነዋሕቲ፣ቆፅሎም ሰፋሕትን ፀበብትን ብሓፈሻ መልክዕ ኣርባምንጭ ኾይኖም ‘ዮም ዝረኣዩ:: ሓደ ተኽሊ በይኑ እንተኾይኑ ሓመድ ስለዝሽርሸር ብንፋስ ስለዝጉዳእ ናይ ዝተፈላለዩ ዛፋት ዝኣክል መልክዕ ኣይህልዮን:: ብሓባር ጥቕጥቕ ዝበሉ ተኽልታት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ንፋስ ይከላኸል፣ ሓመድ ከይሽርሸር እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ሓገዝ ኾይኑ ይድግፍ፤ ብሓባር ጠጠው እንትብሉ ብቀሊሉ ከምዘይሽርሸሩ ኾይኖም ይረኣዩ:: ኢትዮጵያ ‘ውን ዝተፈላለዩ ባህሊ ፣ቋንቋን ኣረኣእያ ዘለዋ ስለዝኾነት ብሓባር ጠጠው ክንብል ከለና ከም ዱር ኣርባምንጭ ዘይንሽርሸር ንክንኾን ብሓድነት ክንድመር ብትሕትና ፃውዒተይ የቕርብ::

ኣብ ቀረባ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝርከቡ ዕጡቋት ሰላም ካብ ኹናት ይሓይሽ ፣ ምዝርራብ ካብ ምቅትታል ይሓይሽ ካብ እንባላዕ ምፍልላይና ኣብ ክቢ ጠረቤዛ ብምዝርራብ ይሓይሽ ኢሎም መገዲ ሰላም ከምዝመረፁ ኹላትና ንዝክር ኢና:: እዚ ሰናይ ጅማሮ ኻልኦት ዝተረፉ ኣብ ኦሮምያ፣ ኣምሓራ ካልኦት ክልላትን ብምቅትታል ዓወት ክርከብ ‘ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ኣሕዋትና ናብ ሰላም ክመፁ ይግባእ:: ኣብ ኦሮምያ ዝተዓጠቑ ዕጡቃት ሰላም ዝደለይሉ ምኽንያት ድልየት ሰላም ስለዝኾነ ካልኦት እዚ ኣሰር ተኸቲሎም ከምዚ ሰላምን ፍቕርን ዝተመልኦ ከተማ ምስ መላእ ዕጡቃት ንክመርፁ ፃውዒተይ የቕርብ::

ኣባይ ኣባይ ዘብሎ ብሓባር ምፍሳሱ ‘ዩ:: እዚ ምድማር ኢትዮጵያውነት ይባሃል:: ከም ኣባይ እንድሕር ተደሚርና ከም ኣባይ ብሓደ ቱቦ ምጉዓዝ እንተመሪፅና፣ሰላም እንተቐዲምና ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ብልፅግና ንወለዶ ምስግጋር ንክትኽእል ሕድሕድ ዜጋ ሓላፊ ምዃኑ ተገንዚቡ ዘይሓልፍ ታሪኽ ዘይሓልፍ ዓሻራ ናብ ወለዶ ስራሕ ሓሊፉ ምስጋር ንኽእል ብድጋሚ ፃውዒተይ ከመሓላልፍ ይደሊ::

ዝተኸበርኩም ኢትዮጵያውያን ኹሉ ናይ ፅልኢ፣ኹናት ፣ተንኮል ዕጥቅና ፈቲሕና ፍቕርን ሰላምን ተዓጢቕና ኢትዮጵያ ምብልፃግ ቀዳሚ ኣጀንዳና ንክኾን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዝረጋገፅ ድማ ብስራሕን ጥራሕ ከምዝኾነ ምእማን ዝደሊ ሰብ ዓምን ሎሚን ኣርባምንጭ እንተዋዳዲሩ ስራሕ ከመይ ሃገር ከምዝቕይር ምስትውዐል ይኽእል ‘ዩ:: እዚኦም ዜጋታት ነዳዲ ኾነ ወርቂ ኣይረኸቡን ግና ተደሚሮም ኣፅሪዮም፣ተኺሎም ናይ ኢትዮጵያ ከተማታት ኹርዓት ኾይኖም ምረኣይ ስለዝኽኣሉ፤ ካልኦት ኣብዚ ኸባቢ ዘለዉ ኸባቢታት ኣሰር ኣርባምንጭ ብምኽታል ከተመኦም ምፅራይ ተኽሊ ምትኻል ናይ ቱሪስት መባፅሒት ንክትኾንን ካብዛ ከተማ ትምህርቲ ምውሳድ የድሊ::

ጋሞ ከይትስልችውና ደጋጊምና ክንመፅእ ኢና:: ፍቕሪ ስለዝኾንኩም ሰላም ስለእትፎትዩ ጋሻ ምቕባል ምብላዕ ስለዘይስልችወኩም መሬትኹም ፅቡቕን ልሙዕን ሃገር ስለዝኾነ ንኢትጵያውያን ጥራሕ እንተይኾነስ ንኣፍሪካውያን ‘ውን መባፅሒ ኾይንኩም ኣብነት ፍቕርን ሰላምን ኾይንኩም ንክትፀንሑ እዚ ድማ ከይውሰደኩም ብዓብይ ትሕትና ከተሓሳስበኩም ይፎቲ:: ኢትዮጵያ ካብ ላዕሊ ተፈቒድላ ‘ዩ እሞ ክትብልፅግ ‘ያ:: ኢትዮጵያ ብናትና ፍልጠት፣ ብናትና ጥበብ እንተይኾነስ ብውህብቶ ፈጣሪ ብዜጋታታ ፃዕሪ ካብ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብልፅግና ጠጠው ከብላ ዝኽእል የለንሞ ፈጣሪኣ እናመስገነት ጉዕዞ ብልፅግና፣ሰላምን ፍቕሪን ትቕፅል ‘ያ::

ኢትዮጵያ ካብ ብልግፅና ጠጠው ዘብላ ሓይሊ የለን ክንብል ከለና ብልፅግና ተኣማሚና እንተይኾነስ፣ ወታደራትና ተኣማሚና እንተይኾነስ እዚ ዘደንቕ ዓለም ዝፈጠረ ኹሉ ከኣሊ ዝኾነ ብማንም ዘይሽነፍ ዓብይ ኣምላኽ ከምዘለዋ ብምእማን ‘ዩ:: ፈጣሪና ስንፍናና ድኻምና እንተይኾነስ ፍቕርና ልብናን ሪኡ ድንን ስለዝበለልና ብዓብይ ምስጋና እናመስገንኩ ኢትዮጵያን ህዝባን ፈጣሪኦም ዘመስግኑን ዘምልኩን ዝፅዕሩ ዝተሓባባሩ ብሓድነት መንፈስ ንቕድሚት ዝጓዓዙ ንክኾኑ ዘለኒ ድልየት እናተመነኹ ኢትዮጵያውነት ልዕል ክሳብ ዝብል ብፃዕሪ ክንሰርሕ ኢና። የቐንየለይ!›› ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም::

ምስ እዚ ተደሓሒዙ ማለት ‘ውን እዚ ባዓል ብሄርን ብሄረሰባትን ምኽንያት ብምግባር ድማ ፕሬዚዳንት ታዬ አጽቀ ሥላሴ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣብ ዘመሓላላፍዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያውያን ንሰላምን ናፅነትናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ሓይሊ ብምምብርካኽ ሓድነትና ዓቂብና ኣለና ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ሕብረ ብሄራዊ ንሃገሩ ቅኑዕ ዝኾነን ልምዓት ክውን ንምግባር ቆሪፁ ዝወሰነ ወለዶ ብዘተኣማምን መገዲ ሰላም ከፅንዕ ‘ዩ። ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ኣብ ማዕርነትን ፍትሕን ኣጠናኺርና ሓያል፣ ብልፅግቲ፣ ዝይትድፈርን እትኽበርን ኢትዮጵያ ንህነፅ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም::

ካብ ለውጢ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ዘሎ ሓድነት ንምጥንኻር ሰፊሕ ስራሕቲ ተኻይዱ ‘ዩ ክብሉ ዝገለፁ ድማ አፈ ጉባኤ ቤትምኸሪ ፌዴሬሽን አገኘሁ ተሻገር ‘ዮም። መበል 19 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ብዝተፈላለየ መደባት እንትኽበር እቲ ቤት ምኽሪ ትኸክለኛ ቁመና ዘለዎ ፌደራላዊ ስርዓት ንምምዕባል ብርክት ዝበሉ ስርሓትታት ይሳለጡ ከምዘለዉ እቶም ኣፈ ጉባኤ ገሊፆም ‘ዮም። ብደረጃ ሃገር ሃገራዊ ሓድነት ናይ ምህናፅ ተልእኾ ንምፍፃም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ክረአ ከምዝጀመረ ‘ውን ተዛሪቦም። ባዓል ብሔራት ፣ብሔረሰባትን ህዝብታትን ሓድነት ንኸፀንዕን ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓወታት ንኸምዝገቡ መሰረት ዘንበረ ‘ዩ ::

ስርዓት ፌዴራል ናይ ምርድዳእ ዴሞክራሲ ብምንባር ዴሞክራሲያዊ ተሳትፎ ህዝብታት ይውስኽ ‘ዩ። ብዝሃ ማንነታት ኣብ ዝተሃነፁላ ኢትዮጵያ ህዝብታት ተደጋጊፎም ሃገር እንትሃንፁ ኣፈላላዮም ንጎኒ ብምግዳፍ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ብምኽኣሎም ‘ዩ። ከይዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ በቢዘበኑ እንትጅመር እንትፈርስ፣ እንትወድቕ እንትለዓል ምምፅኡ ብምሕባር፣ ሐዚ ዝተጀመረ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ብዓወት ንክጓዓዝ ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ፕረዝደንት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ካብ ዝገበርዎ መደረ ‹‹ንሕብረትና ምዕባይ ንብልፅግና ተግባራዊ ምዃን ከምኡ ‘ውን ንፀላእትና ኣሕፊርና ሕብረት ንክንፈጥር ዕድል ዝሃበና ዓቕሚ ጉልበት ዝኾነና ብኹሉ ነገር ዝረድኣና፤ፈጣሪ የመስግን:: ኢትዮጵያ ዓለም ኹሉ ዝቀንአላ ናይ ፍቕርን ሓድነትን ዝዕደሉላ እንበር ዘይቃለሱላ ባዓልቲ ዋና ባህልን ማዓርግን ምዃና ይፍለጥ::

ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዝሓዘት ብምዃና እዚ ዝግለፀሉ ድማ ናይ ብሄርን ብሄረሰባትን በዓል እንትኾን ናብ ብዙሓት ብሄረሰባት መአከቢት ዝኾነትን መርኣያ ብልፅግና ናብ ዝኾነ ደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ብተፈጥሮ መስሕብ ዝተኸበበት ብተፈጥሮ መስሕብ ከተማ ኣርባምንጭ እንኳን ደሓን መፃኹም:: እዚ ዓብይ በዓል ርሕቐት ከይገደበኩም ፍቕሪ ኢትዮጵያውነት ኣገዲድኩም ብምምፃእኹም ሓድነት ኢትዮጵያዊ ጥንኩር ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ:: ንክንስብሰብ ዝገበረና ናይቲ ለውጢ ትሩፋት መርኣያ ‘ውን ‘ዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You