ውፅኢት ኩለመዳያዊ ብልፅግና ኣብ ጉዕዞ ሓሙሽተ ዓመታት

ኢትዮጵያ ብሕቶ ህዝቢ ናብ ለውጢ ካብ እትኣቱ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ብልፅግና ከም ውድብ ተመስሪቱ ሃገር ክመርሕ ካብ ዝጅምር ድማ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ብዙሕ ለውጥታትን ብድሆታትን ተራእየን ‘የን። ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ህዝቢ ዝደልዮ ናይ ኢኮኖሚ፣ ማሕባራውን ፖለቲካውን ተጠቓምነት ንምርግጋፅ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ክፍለ ኢኮኖሚ ሕርሻ ክሳብ ኢንዱስትሪ፣ ካብ ትሩፋት ሌማት፣ ክሳብ ልምዓት ኮሪደር ዝመፁ ውፅኢታት ከም ኣብነት ዝግለፁ ‘ዮም፡፡

ብምኽንያት ሓምሻይ ዓመት ፓርቲ ብልፅግና ፕረዚደንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ.ር) “ለውጥን ፍረ ለውጥን” ብዝብል መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ፤ ብህዝባዊ ፀቕጥን ብፓርቲ ሰሓባይነትን ዘመፀ ሃገራዊ ለውጢ፣ ቀዳማይ ምዕራፍ እናተሳገረ ‘ዩ። በዚ መንገዲ እቲ ናይ ለውጢ ሓሳብ ብቓላትን ብተግባርን ይግለፅ ነይሩ። እቲ ለውጢ ዘጋጠሞ ብድሆታት ኣካል ናይዚ ኮይኑ ህዝቢ ነቒሕሉን ተቓሊሱሉን ኣሎ። እዚ ድማ ፍረ እቲ ለውጢ ንምዕባይን ብድሆታት እቲ ለውጢ ንምርታዕን ዕድል ዝፈጠረ ‘ዩ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ነባራት ፖለቲካዊ ክብርታት ብዘሐይልን ፖለቲካዊ ስንብራትና ብዝፅግንን መልክዑ ተመስሪቱ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ እዚ ሓደ ካብቲ ፍረ ናይቲ ለውጢ ‘ዩ። እቲ ፓርቲ ናይ ጐድናዊን ማእከላይን፤ ቀንዲን መሻርኽትን፣ መጓሰን ሓረስታይን፤ ገስጋሲን ኣድሓሪን፤ፀላእን ፈታዊን መንደቕ ብምፍራስ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ውዳበ ምፍጣር ከምዝተኸኣለ ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም ‘ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቐርቡ ሕቶታት ካብ ቃላት ንላዕሊ ግብራዊ መልሲ ረኺቦም ‘ዮም ክብሉ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ፖሊሲ፣ ሕግን ተግባርን ጥራሕ ዘይኮነስ ባህላዊ ለውጢ ተራእዩ ‘ዩ። እቲ ለውጢ ሕሉፍ ስብራት ሃገርና ዝፅግን፣ ንሎሚ ዝጠቅምን ናይ ፅባሕ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዘቕንዕን ምዃኑ ኣብሪሆም ‘ዮም።

ቅድሚ እቲ ለውጢ ሃይማኖታዊ ትካላት ብናይ ኢድ ምእታው መንግስቲ፣ ፅግዕተኛነትን ናይ ህላወ ፀገምን ከምዝነበሮም ብምዝኽኻር፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ልዕልና ሃይማኖታዊ ትካላት ተኸቢሩ። መንግስቲ ነዚ ክብሪ ንምሕላው ኣብ ትካላት ክገብሮ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ምትእትታው ደው ከምዝበለ ‘ዮም ዝገለፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ትካላት ሲቪክ ማሕበራት፣ ነቲ ቕድሚ ሕዚ ዝነበረ ትኽክል ዘይኮነ ኣተሓሳስባ ብምእራም፣ ብሓደሽቲ ሕግታትን ውዳበታትን ንሃገር ብዝጥዕም መንገዲ ተሃኒፆም ‘ዮም። ቅድሚ እቲ ለውጢ 1 ሽሕን 900 ሲቪክ ማሕበራት ዝነበራ እንትኾና ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራሕ ግና 3 ሽሕን 300 ሓደሽቲ ሲቪክ ማሕበራት ተመዝጊበን ‘የን።

ዲሞክራስያዊ ትካላት ናፃ፣ ዘይሻራዊን ተኣማንነትን ንኽህልወን ዘኽእሉ ሕጋውን ናይ ኣዋዳድባን ለውጢን ተገይሩ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ብዙሕነት ሚድያ ንምምሕያሽ፣ ኣመሓደርቲ ሕግታት ንምምሕያሽ፤ ተበፃሕነት ሚድያ ንምድንፋዕን ሚድያታት ነንሕድሕደን ባዕለን ዝቆፃፀራሉ ስርዓት ንምትካልን ፃዕሪ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም ‘ዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ እዋን ለውጢ ድሕረት ሕርሻ ቐሪፎም ልኡላውነት መግቢ ንምሕላው ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናይ ባህሊ ለውጢ መፂኡ ‘ዩ። ዝናብ መሰረት ዝገበረ ሕርሻዊ ባህሊ መስኖ ብምጥቃም፣ ግራትን መሬትን ብክላስተር ንኽኸውን ዝተሰርሐ ስራሕ ዓመት ምሉእ ናይ ምፍራይ ባህሊ እናምፀአ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ስርናይ፣ ሩዝ፣ ስገም፣ ዕፉን ፍርያት ፍረታትን ትኹረት ብምሃብ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኣፍራዪት ስርናይ ምዃና ብምግላፅ፤ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ተአቱ ዝነበረት ሃገር ብበዝሒ ስርናይ ብምፍራይ ናብ ሰደድ ቐይራቶ ‘ያ፡፡ ኣብ ናይ ሌማት ትሩፋ ኣብ ዝተሰርሐ ስራሕ ፍርያት ፀባ፣ ደርሆን መዓርን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ሌማት ክበፅሕ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣመልኪቶም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዘመናዊት ንምግባር ብዝተሰርሐ ሰፊሕ ስራሕ ኣብታ ሃገር ልዑል ፅሬት ዘለዎ ፍርያት ምፍራይ ተኻኣሉ ኣሎ። ዘመናዊ ምግባር ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ዲጂታላይዜሽን ክረጋገፅ ስለዘይክእል ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ዲጂታል ኢትዮጵያን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ዝግበር ምርምርን ኢንቨስትመንትን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ‘ዮም ዝሕብሩ፡፡

ኣብ ናይ ‹‹ገበታ ንሃገር›› ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተሃነፁ መባፅሕቲ ቱሪዝም ብተወሳኺ፣ ኣብ ጎርጎራ፣ ወንጪ፣ ሃላላ ኬላን ኮይሻን ብፕሮጀክት ናይ ቱሪስት መባፅሕቲ ተሃኒፆም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉን ‘ዮም። ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ሸውዓተ ከባቢታት ሃገርና ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ገበታ ንትውልዲ ኢትዮጵያ ዘመናዊት ንምግባር ካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ምዃኑ ይዛረቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ኣብ ካኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ‘ውን እናተሰርሐ ከምዝኾነን ብምግላፅ፤ ትካላት ድሕንነት ፀጥታ ንምዝማን ብዝተሰርሐ ስራሕ ሰብኣዊ፣ መዋቕራዊን ቴክኖሎጂያዊ ብቕዓት ዘለዎም ትካላት ድሕንነት ፀጥታ ተፈጢረን ‘የን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፤ እተን ትካላት ሕገ መንግስቲ ጥራሕ መሰረት ብምግባር ተልእኾአን ክፍፅማ፣ ካብ ፖለቲካዊ ወገናውነት ናፃ ኮይነን ‘የን፡፡ ናይ ኣሳራርሓን ኣወዳድባን ሪፎርም ብምግባር ንኢትዮጵያ ዝምጥኑ ትካላት ክኾኑ ይግበር ከምዘሎ ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

ካብቶም ለውጢ ክመፅእ ዝደፋፍኡ ሃገራዊ ስንብራት ሓደ ዝኾነ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ስብራት ኣብ መልእኽቶም ዘስፈሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነቲ ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ስምብራት ንምፅጋን ሃገር በቖል ኢኮኖሚያዊ ፅገናታት ንምትግባር ኩለመዳያዊ ፃዕርታት ተገይሩ ‘ዩ ክብሉ ‘ዮም ዝገልፁ።

ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው፣ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ግቡእን ቅኑዕን ምዃኑ ዓለም ክትቅበል ምግባር ተኻኢሉ ‘ዩ። ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ሃገራዊ ረብሓታታ ከኽብሩ ዝኽእሉ ክልተኣውን ብዙሕነታውን ምትሕብባራት ብንጥፈት ከምእትሳተፍ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም አሕሊፎም ‘ዮም፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመሰንግ ጥሩነህ ብግዲኦም፤ ከም ሃገር ብልፅግና ናይቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ፍልልያት ኣብ ሓሳብ ፍትሓውነት ተወሲኽሉ ምህላዉ ብምጥቓስ፤ ድኽነት ንምስጋር ብዙሓት ጠቐምቲ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ዘለዉ ፀጋታት፤ ባህልታት፣ ክብርታትን ዓቕምታትን ብምውህሃድ ዓብዪ ሃገራዊ ዓቕሚ ፈጢርና ኣለና ክብሉ ይዛረቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን መድረኽ ዓለም ዝግብኣ መሪሕ ተራ ክትፃወት ከምዘለዋ ዘዘኻኸሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ስራሕቲ ሰላምን ልምዓትን ብምጥንኻር ኣብ ዓለም ናይ ፖለቲካን ኢኮኖሚን መድረኽ ኢትዮጵያ ዝግበኣ ናይ መሪሕነት ግደ ከትፃወት ከምዘለዋ ብምግላፅ፣ ፓርቲ ብልፅግና ብዘይ ዕረፍቲ ብምስራሕ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ከምዝገብር ‘ዮም ዝገልፁ፡፡

ናይ ብልፅግና ፓርቲ ምክትል ፕረዚደንትን ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ማእርግ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ሓላፊ ኣይተ ኣዳም ፋራህ፣ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቃልሲ ለውጢ ተወሊዱ ሓድሽ ራእይን ሓድሽ ምዕራፍን ሒዙ ዝዓቢ ዘሎ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓውድታት ኩለመዳያዊ ብልፅግና ዘረጋግፅ መስተንክር ውፅኢት ከመዝግብ ክኢሉ ‘ዩ።

ዘፈር ህዝባውን ዓለምለኸን ርክባት ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ ኢትዮጵያ ተጓዒዛቶ ዘላ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ጉዕዞ ዓወት ዘመዝገበትሉን ብድሆታት ‘ውን ስዒራ ዘሓለፈትሉ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ዓወታት ዘመዝገበቶም ዓወታት ዓብዪ ‘ዩ።

ፓርቲ ብልፅግና ንኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓቖፈ፣ ሕብረ ብሄራዊ፣ ሃገራዊ ፓርቲ ኮይኑ ብምፍጣሩ ምኽንያት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓንቲ ፅላል ምትእኽኻብ ዝኸኣልሉ ‘ዩ። እቲ ፓርቲ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ናይ ትረኻ ለውጢ ተራእዩ ‘ዩ። ኣብ ክንዲ እቶም ዝፈላልዩና ነገራት ኣብ እቶም ዝጥርንፉናን ሓድነት ኣብ ዝፈጥሩን ትረኻታት ክጥንክሩ ምግባር ከምዝተኸኣለ ይገልፁ።

ቢቂላ (ዶ/ር)፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ኢኮኖሚን ኣብ ሓገር በቖል ኢኮኖሚያዊ ሪፎርምታት ብምክያዱ እቲ ኢኮኖሚ ካብ ምውዳቕ ኣድሒኑ ‘ዩ። ናይ ዕዳ ምስትኽኻል ምስግጋርን ኣቢሉ ዕዳ ሃገርና ኣብ ምቅላል ‘ውን ዓቢዪ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ። ሕርሻ ጥራሕ ዝበሃል ዝነበረ ናይ ኢኮኖሚ ኣታሓሳስባ ናይ ብዝሃ ዘርፍ ኢኮኖሚ ክኸውን፣ ግብርና፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ዕደና፣ ቱሪዝምን ዲጂታል ኢኮኖሚን ብምጥማር ናይታ ሃገር ዘፈር ኢኮኖሚ ሚዛኑ ሓልዩን ተደጋጊፉን ክዓብዩ ምግባር ዘኽአለ ስራሕ ከምተሰርሐ የብርሁ፡፡

ብሓሳብ ልዕልና ኣብ ናይ ተስፋ ጉዕዞና ዘመዝገብናዮም ውፅኢታት ንተወሳኺ ዓወታት ከንተግህ ዝገብሩ ስራሕቲ ‘ዮም ተሰሪሖም ክብሉ ኣብ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር መዓርግ ማእኸል ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሓላፊን ምክትል ፕረዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ይገልፁ፡፡

ሕድሕድ ሰከንድን ደቒቓን ብዘይብርቱዕ ፃዕሪ ከይሓልፍ ብቕልጡፍን ብመሃዛይነትን ዝሰጎምናሉ ኣገባብ ናይ 5ይ ዓመት ፓርቲና በዓል ምስረታ ብኹለመዳያዊ ዓወታት እነኽብረሉ እዋን ከብፀሐና ክኢሉ ‘ዩ ብምባል፤ ስርናይ ካብ ምምላእ ውሽጣዊ ድሌታትና ሓሊፍና ናብ ሰደድ ዝተሰጋገርናሉ፣ ኣብ ዓቢዪ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሂወት ዝተኸልናሉ፣ብውሑሉል ዲፕሎማስያዊ ስራሕና ምስ ብሪክስ ከንፅመር ዝኸኣልናሉ፣ ኮታስ ተቖፂሮም ዘይውድኡ ብዙሓት ዓወታት ዘመዝገብናሉ ብናይ ህዝብና ኩለመዳያዊ ድጋፋት ተዓጂብና ኢና ክብሉ ‘ዮም ብዝርዝር ዘብርሁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You