ስርዓት ፌደራል ንኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ኣፍልጦ ብምሃብ፤ ኩሎም ዜጋታት ባህሎም፣ ቋንቍኦምን ከምኡ ‘ውን መግለፂ መንነቶም ዝኾኑ ንከማዕብሉ ዝፈጥር ማዓልቲ ‘ዩ። ንብሄራት ብሄረሰባት ማዕረ መሰል ተዋሂቡ ነቲ መዓልቲ ብሓባር ምኽባር ምኽኣል ባዕሉ ሓደ ካብ መኽሰብ ስርዓት ፌደራል ምዃኑ ምግንዛብ ይግባእ።
ንኩሎም ብሄር ብሄረሰባት ኣፍልጦን እኹል መብት ምሃቡ ናይ ባህሊ፣ ቋንቋን ከምኡ ‘ውን መግለፂ መንነትን ንምምዕባል ዘኽኣለ ‘ዩ፤ በብዓመቱ እቲ በዓል ምኽባሩ ኣብ ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ሃገርና፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልምዓት ዓውዲ ቱሪዝም ግደ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ሕብረ ብሔራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ንብዙሕ መንነት መግለፂአን ዝኾና ሃገራት ዝሓሸ መማራፂ ‘ዩ፤ ፌደራሊዝም ማዕርነት ህዝብታት፣ ሓድነትን ምትእስሳርን ምጥንኻርን ዲሞክራስያውን ንቅሓተ ሕገ-መንግስቲ ህዝቢ ብምዕባይን ሓያል ሃገር ናይ ምህናፅ ግደ ከምዘለዎ ይግለፅ። ነዚ ‘ዩ እቲ በዓል በብዓመቱ ምኽባሩ ኣብ ብዝሃነት ውሽጢ ሓድነት ንምሕያልን ከምኡ ‘ውን ኣገዳስነት ሓድነት ኣብ ብዝሃነት ንምግንዛብ ረብሓ ዘለዎ።
ስርዓት ፌደራሊዝም መግለፂ መንነት፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድሌታት ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኣብ ምሕላው ዓቢዪ ግደ ኣለዎ። ብሓባር ደው ብምባል ነታ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ኢትዮጵያ ክንሃንፅን ከነበልፅግን ይግባእ ። ብዙሕነት ነቲ ብውልቂ ዘየማላእናዮ ድሌታት ከነማልእን ነቲ ክፍተት ብሕታውነት ንክንሰግሮ ዘኽእል ‘ዩ።
ምኽባር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብ ብዙሕ ረብሓታት ከም ዘምፀአ ዝክሓድ ኣይኮነን፤ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት መሰረት ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ‘ዩ። እቲ በዓል ክኽበር ከሎ ህዝብታት ንነዊሕ ዘመናት ሒዞሞ ዝመፅኡ ሓድነት ንከስጥሙ፣ ኣብ ክንዲ ፍልልይ ሓድነት ከማዕብሉን ብዛዕባ ሕገ- መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ግንዛበ ክፈጥሩ ‘ውን ዝገብር ‘ዩ። እዚ ድማ ምዕቡል ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሓልፍ ዝገበር ‘ዩ።
እዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይን ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ዝኾና ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበረኦ ሙሉእ ትሕዝቶ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ምኽባሩ ረብሕኡ ከመይ ይገልፀኦዮ ? እዚ በዓል ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘሎ ባህልን መንነትን ኣብ ምፍላጥ ዘለዎ ረብሓኸ ?
ወይዘሮ ኣበባ፡- መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ኣብ ሃገርና እንትኽበር ኣብ መንጎ ህዝብታት ምክብባርን ምርድዳን ዘምፅእ ‘ዩ፤ ብሃገር ለኸ ተጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ምኽክር ‘ውን ዘጠናኽር ‘ዩ።
ኣብ ሃገርና መዓልቲ ብሄረን ብሄረሰባትን ምኽባሩ ብዋናነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብዙሓት ብሄረር ብሄረሰባት፣ እዚኦም ብሄረሰባት ኹሎም ተወለድቲ ኢትዮጵያ ስለዝኾኑ፣ ተወሊዶም ናይ ምዕባይን ምንባርን ብሓፈሻ መሰረታዊ ዝባሃል ኹሉ ተማሊእሎም ናይ ምጥቃም መሰልን ኽብርን ስለዘለዎም ዲሞክራሲ መሰሎም ተጠቒሞም ዝነብሩላን ዝከባበሩላን ሃገር ስለዘላቶም ማሕበራዊ ኢኮኖምያዊ ፖለቲካዊ ክምኡ ድማ ዲሞክራያዊ መሰሎም ተሓልዩ ብምኽባሮም ሓደ ዝገብሮም ሓድነታዊ ርክብ ንከምፅኡ ዝገብርን ክቡር መዓልቲ ‘ዩ።
ከምዝፍለጥ ሃገርና ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕ ፀጋታት ወናኒት ሃገር ከምዝኾነት ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኣከዳድና ኣነባብራ ፣ ኣዘራርባ ቋንቋ ፣ ኣመጋግባ፣ ከምኡ ድማ ዝማሓደርሉ ሕጊ ወይ ድማ ባህላዊ ብይን ዘለዎም በሄራት ዝሓቖፈት ሃገር ‘ያ።
እዚ ድማ እቲ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ሓደ ማሕበረሰብ ባዕሉን ማንነቱን ንምፍላጥ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበር እቲ በዓል ክኽበር ከሎ እቲ ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝፀንሐ ሓባራዊነት ንከጠናኽርን ኣብ ክንዲ ፍልልይ ሓድነት ንከሐይልን ዝፈጥር ‘ዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ወናኒት ብዙሓት ባህልታትን ቋንቋታትን ክብርታትን ዝኾነት ኢትዮጵያ ምስ ብርቱዓት ደቃ ናብ ብፅልግና እናሰጎመት ከምዘላ ብምርዳእ ብሓባር ምስራሕን ምትሕብባርን ክጠናኸር ይግባእ። ክንቀራረብ ከለና ክንፋለጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ነቲ ዝዓግተና ፀገማት ንምስጋር ዕድል ከምዘሎ ክንርዳእ ይግባእ። ብዙህነት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓቂ ስለዝኾነ ካብ ሃገራዊ ሓድነት ከይፈለና ከም ዕድል ክንወስዶ ይግባእ።
ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሊ፣ ቋንቋን እምነትን ንከዕብይ ዘኽአለ ካብ ሙዃኑ ብተወሳኺ፤ ዜጋታት ፍልልያቶም ኣኽቢሮም ብሓባር ክነብሩ ዘኽእሎም ከምዝኾነን፤ ከም ሃገር ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ባህሊ ምትሕግጋዝን ምቅርራብን ክስፋሕፋሕ ከም ዝግባእ፤ ፍልልያት ብምፅባብ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ህንፀት ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ንምግላፅ ዕድል ዝፈጠር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ‘ዩ። መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ኣብ መንጎና ምክብባርን ሓድነትን ዘጠናኽር ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ናይ ዝተፈላለዩ ብሄርን ብሄረሰባትን ባህሊ ዝንፀባረቀሉ መዓልቲ ብምዃኑ ቱሪስታት ኣብ ምስሓብን ቱሪዝም ኣብ ምዕባይን ዝህልዎ ግደ እንታይ ይመስል?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ከምቲ ልዕል ኢለ ዝለገለፅኽዎ እንድሕር ደኣ ተጠቒምናሉ ኢትዮጵያ ብዙሓት ንዓለም ክፍለጡ ዝግበኦም ፀጋታት ዝሓዘት ‘ያ። እዚ ዝኸበር መዓልቲ ብሄርን ብሄረሰባትን ድማ እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝወፀ ባህልን መንነትን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንዓለም ብምፍላጥ ዓብይ መስሕብ ቱሪስት ክኾን ይኽእል ‘ዩ።
ኣብ ዓለም ዘለዉ በፃሕቲ ቱሪስታት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ዝጓዝሉ ምኽንያት ናይ ሓንቲ ሃገር ባህልን ኣነባብራን ምርኣይ ‘ዩ። እዚ በዓል ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተፈላላዩ ባህልታትን ኣነባብራን ዝንፀባረቐሉ ብምዃኑ ንመስሕብ ቱሪዝም ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ስለዚ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና ማለት ‘ዩ። ሓድነትና ንመላእ ዓለም እነሪእየሉ ኣጋጣሚ ‘ውን ‘ዩ። እዚ እቲ በዓል በቢ ዓመቱ እናተኸበረ ብዝመፀ ቁፅሪ ቱሪስት ንክውስኽን ቀልቢ ዝስሕብን ስለዝኸውን ባዕሉ ዝኸኣለ ኣታዊ ኢኮኖሚ ከምፅእ ዝኽእል ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- መዓልቲ ብሄረሰባት እንትኽበር ዋና ዓለምኡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምክብባርን ምትሕስሳብን ዘለዎ ሓድነት ንክፍጠር ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር እዚ ሓድነት ካብ ምጥንኻር እንፃር ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይመስል?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ሃገራዊ ሓድነት ካብ ምጥንኻር ዘለዎ ረብሓ ዓብይ ‘ዩ። ብዋናነት ናይ ኢትዮጵያ ክፋል ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላት ኾይኖም ኣጀንደታት ብምእካብ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ካብ ዝፍጠሩ ሓሳባት ብምርሓቕ ንሃገር ረብሓ ዝኾኑ ንኣብነት ረብሓ ሃገር ምቐዳም፣ ገዛኢነት ዲሞክራያዊ ሕጊ ምቕዳም፣ ግልፅነትን ምኽንታዊነትን ዝኾኑ ሓሳባት ብምልዓል ኹሎም ሓሳባት ዝሳተፍሉ ኣጀንዳን ዋዕላን ኾይኑ ህብረ ብሄራዊነት ዘንፀባርቕን ናብ ሓደ ዘምፅእን ስለዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ ክህሉ ምግባሩ ንብሄር ብሄረሰባትን ኣዚዩ ጠቓሚን ሓድነት ዝፈጥርን ‘ዩ።
እቲ ዋና ነገር ፍልልይና ተቀቢልና ሓድነትና ድማ ከም ሓይሊን ዓቕምናን ኾይኑ ምጥቃሙ ‘ዩ። ናይ ትማሊ ታሪኽና ወይ ስሕተትና ኣብ ፅባሕ እንጓዓዘሉ መንገዲ ዕንቅፋት ክኾን ኣይግባእን። ትምህርቲ ሂብና ከይድገም ብጥንቃቐ ክንጉዓዝ ‘ዩ ዝግባእ። ናይ ትማሊ ታሪኽ ንሓባራዊነት መጠንከሪ እንበር ናይ ፍልልይ ምኽንያት ንከይኾን ክንሰርሕ ይግባእ።
እናተደማመፅና፣ እናተኸባበርና ንሓሳብን ንዛተን በርና ክፍቲ እናገበርና ክንጉዓዝ ይግባእ። ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር፣ ንመፃኢ ዘመን ሃገርና ብሓባር ንስራሕ፣ ካብ ናይ ትማሊ ብምምሃር ጉልበትናን ግዜናን ንልምዓት ሃገር ንሎማዕንትን ፅባሕን ነውዕል። እዚ ‘ዩ ናይዚ ወለዶ ዓብይ ሓላፍነት ክኸውን ዝግባእ።
ስለዚ ዝጎደለ እናመላእና፣ ዘይተስማዕማዕናሉ ብዘተ ንስክንሰማዕመዐሉ እናገበርና፣ ብምርድዳእን ብምትሕልላይን ሓቢርና ክንጉዓዝ ይግባእ። ዘየረዳድእ ሃገራዊ ጉዳይ እንትህሉ እቲ ህዝቢ ብዘተ ብምፍታሕ፤ ፀገማት ብምድማፅ ድምፂ ህዝቢ እናኽበርና ብምኻድ ንመፃኢ ወለዶ
ዝሐሸትን ብዘተ እትኣምን ሃገር ክነውርስ ይግባእ። ኸዚ እንሪኦም ዘለና ዝበልፀጉ ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ፍልልይ ስለዝይብሎም ኣይኮነን። ብዙሓት ናይ ሓሳብ ምፍልላይን ዘይምቕባልን ዝተመልኡ ‘ዮም። ኾይኑ ግና ፍልልይና ብምክእኣል ናብ ጎንፂ ምኻድ እንተይኾነስ ብዝርርብ ብምፍታሕ ስልጡን ወለዶ ክንፈጥር ይግባእ። ብሓሳብ ምፍላይን ከምኡ ድማ ሓድነትን ተፈጥራዊ ‘ዩ። ወዲ ሰብ ብመልክዕ፣ እምነት፣ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣለዎ ‘ዩ። እዚ ጉዳይ ተፈጥሮ ‘ዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ሓደ ዝገብርዎ ናይ ሰብኣውነት ጉዳያት ‘ውን ኣሎ።
ወጋሕታ፡- ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ትግራይ ንኽካየድን ዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተ ንክፍትሑን ካብ መንግስቲ ኾነ ካብ ህዝቢ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣነ ከምዝመስለኒ መንግስቲ ፌደራል እዚ ምኽክር ሃገራዊ ዋዕላ ኣጅንዳ ገይሩ ብሃገር ለኸ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኣሎ። እዚ ዝተፈጠረ ሃገራዊ መድረኽ ከም ዓብይ ዕድል ተጠቒሙ ኣብቲ ክልልና ዝርከብ ማሕበረሰብ ማለት ‘ውን ተወለድቲ ዓዲ፣ ሲቪል ማሕበራት ከምኡ ድማ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብምዃን እዚ ዝተፈጠረ ዕድል ክጥቀምሉ ይግባእ።
እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዋዕላ ሃገራዊ ምኽክር ከም መላእ ሃገር ዝተውሃበ ሰለዝኾነ ክሓልፍ ኣይግበኦን። ከምተን ካልኦት ክልላት ተጠቀምቲ ዝኾና ኣጀንዳ ኣተኣኻኺበን ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ክልል ትግራይ ‘ውን ናብ ስራሕ ተትኣቱ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ተግባራዊ እንተኾይኑ ‘ውን ‘ዩ ምክብባር፣ ምክእኣልን ምትሕልላይን ክመፅእ ዝኽእል። ስለዚ ብወገን መንግስቲ ብሃገር ደረጃ ዕላዊ ገይሩ ናብተግባር ኣትዩ ኣሎ፤ እቲ ዕድል ናይ ምጥቃም ድማ ናይቲ ህዝቢ ይኾን ማለት ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ብምንፅር ምቕዳም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዝፍጠሩ ኣፈላላያት ፖለቲካ ብምንታይ መንገዲ ክፍትሑ ኣለዎም ?
ወይዘሮ ኣበባ፡- ከም ናተይ ሓሳብ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ዝነበረ ኣካይዳ ፖለቲካ ትግራይ ንህዝቢ ዘቐደመ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ፀገማቱ ከይፍትሽ ፖለቲካ ፕሮፖጋንዳ እናተሰርሐሉ መፂኡ ‘ዩ። ምስ ጎረባብቲ ቅርሕንቲ ፈጢሩ ንክፈላለይ እናተገበረ ዝመፀ ህዝቢ ‘ዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ሕጊ እናጠሓስካ መሬት ምውራር፣ ወርቂ ምጉሕጓሕ ከምዘሎ እናተሰምዐ ‘ዩ፤ እዚ ተሓታትነቱ እቲ እናገዝአ ዘሎ ውድብ ‘ዩ። ናብ መፍቲሕኡ ክንመፅእ ከለና ድማ መፍቲሒኡ ኣብቲ ህዝቢ ‘ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን ብጣዕሚ በልፂገን ዝባሃላ ሃገራት ካብ ከምዚ ዓይነት ፀገም እየን ወፂአን። ናፃነተን ስለዝኣወጃ እየን ኣብ ዓለም ተፈለጥቲ ዝኾና። ናይዚ መልዕሊ ድማ ባዓል ዋንኡ እቲ ህዝቢ ‘ዩ ነይሩ።
ስለዚ እቲ ህዝቢ ይኣኽለና ኢሉ ናፃነቱ ክእውጅ ኣለዎ። ከምተን ካልኦት ክልላት ዲሞክራስያዊ ሕትኡ ብምልዓል ምስ ብሄረን ብሄረሰባትን ኣብ ልምዓት ይኹን ኢኮኖሚ ማሕበራዊ ብሓባር ንክሳተፍ ይግባእ። እቲ ህዝቢ ባዕሉ እንድሕር ዘይተላዒሉ ኢድ በይኑ ከጣቅዕ ከምዘይኽእል ኹሉ መንግስቲ በይኑ ምንም ፍታሕ ንከየምፅእ ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ ማለት መንግስቲ ማለት ‘ዩ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ግዜ ክወስድ ኣይግበኦን።
ከምቲ ካልኦት ክልላት ኣብ ዝተፈላለየ ወፍሪ ልምዓት እናተኻየደ ዘሎ ኣብ ትግራይ ድማ ልምዓትን ስራሕትን እታ ክልል ንክሳለጥን ለውጢ ንክመፅእን ዓበይቲ ዝኾኑ መድረኻት ብምፍጣር ምዝታይ ኣድላይ ‘ዩ። እዚ በዓል ብሄር ብሄረሰባት ድማ እዚ ሓድነት ዘጠናኽር ዕድል ስለዝኾነ ብኣግባብ ተጠቂምና ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣር ናይ ኹላትና ግደ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት ኣመስግን።
ወይዘሮ ኣበባ፡– ኣነ ‘ውን ኣመስግን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም