ምድላው ዓመታዊ በዓል ኣብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዳግማዊት ኢዮሩሳሌም ከተማ ኣክሱም!

ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይ ዓመት ሙሉእ ዝኽበሩ ውቁብ ባህሊ፣ ጥበብ፣ ታሪኽ፣ ሃይማኖት፣ ተፈጥሮኣዊ ፅባቕን ዝተዓጀበት ሃፍታም መስሕብ ቱሪዝም ‘ያ። ብዝሕ ዝበለ በፃሒ ወይ ተሳታፊ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከበሎምን ብድምቀት ካብ ዝኽበሩን ዓበይቲ በዓላት ድማ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዳግማዊት ኢዮሩሳሌም ኣናተበሃለት እትፍለጥ ኣኽሱም ፅዮን በዓል ሓደ ‘ዩ።

ኣመፃፅኣ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ ክብረ በዓል 21 ሕዳር ፅዮን፣ ሕዳር ፅዮን፣ ፅዮን ማርያም፣ ታቦተ ፅዮን፣ ኣክሱም ፅዮን እናተብሃለ በቢዓመቱ ብድምቀት ይኽበር። ኩሉ ግዜ 21 ሕዳር ዝኽበረሉ ድማ ወዲ ንጉስ ሰለሙን ንግስቲ ማክዳን (ሳባ) ቀዳማዊ ምኒልክ ታቦተ ፅዮን ሒዙ ናብ ኣክሱም ብ982 ዓ/ዓ ዝኣተወሉ ሕዳር 21 ስለ ዝነበረ፣ ንግስተ ሳባ ‘ውን ድግስ ገይራ ብኽብሪ ዝተቐበለትሉ ዕለት ምንባሩን ይሕበር ።

ታቦተ ፅዮን ንኣኽሱም ክትመፅእ እንከላ ኣብ ወርቂ ሰረገላ ተቐሚጣ ርእሶም ብዝጠምጠሙ ሌዋውያን ተዓጂባ ኣብ ርእሶም ድማ ኣኽሊል ብዝደፍኡ ካህናት ሌዋውያን ተኸቢባ ነይራ ይብሉ ኣቦታት መራሕቲ ሃይማኖት። ንግስተ ሳባ ወዳ ንታቦተ ፅዮን ሒዙ ብባሕረ ኤርትራ ኣቋሪፁ ይመፅእ ከምዘሎ ብስራት ምስ ሰምዐት እቲ ህዝቢ ብዓቢዪ ኽብሪ ንኽቕበላ ብኣዋጅ ነገረት።

ታቦት ፅዮን ኣኽሱም ምስበፅሐት እቲ ህዝቢ ነጋሪት እንዳጎሰመ፣ መለኸት እንዳነፍሐ ዓብዪን ንእሽተይን ብዕልልታን ብመንፈሳዊ ስነ ስርዓትን ተቐቢልዋ ‘ዩ። በዚ ‘ውን ኣብቲ እዋን ንሱ ዝነበሩ ኣክሱማውያን ተጋሩ ንምምፃእ ታቦተ ፅዮንን ብምኽንያት ቀዳማዊ ምኒልክ ኣብ ዝመፅኣትሉ ግዘ ህዝቢ ኣክሱም ኣዝዩ ደስ ኢልዎ ፅቡቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩላ መረድኣታ ይሕብሩ።

ነዚ እዩ! ድማ በቢ ዓመቱ ሕዳር ፅዮን 21 ብድምቀት ዝኽበር። ድሕሪኡ ሚኒሊክ ምስቲ ሰሎሞን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝሰርሖም ኣብያተ ቤተ መቕደስ ዝመሳሰል ቤተ መቕደስ ሃነፀ። ንውሽጢ እቲ ቤት መቕደስ ካብ ወርቂ ብምልባጥ ኣዝዮም ብዝኸበሩ ብዕንቚታት ኣወቀቦ።

ካብቲ ኣዕናቕ ዝፍልፍል ዝነበረ ብርሃን ድማ ብለይቲ ነቲ ቤተ መቕደስ ከም ፀሓይ የብርሆ ነበረ። ነገስታት ኣብርሃ ወኣፅበሃ ኣብ ኣክሱም 12 ቤተ መቅደስ ዘለዎ ቤተ ክርስትያን ታቦተ ፅዮን፣ ብወርቂ ለቢጦም ብዘደንቕ ተኣምር ክሰርሑ ክኢሎም ከምዝነበሩን እቲ በዓል በቢ ዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት እናተኸበረ ዝርከብ ‘ውን ምስዚ ተተሓሒዙ ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ በዓል ሕዳር ፅዮን በቢዓመቱ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ተኸታሊ እምነት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትናን በፃሕቲ ዓዲን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ይሳተፉ ነበሩ። ኣጋይሽ ብኽብሪ ተቐቢልኻ፣ ኣኽቢርኻ ምስናይ፣ ኣክሱማውያን ዝፍለጥሉ ድሙቕ ባህሊ ‘ዩ ነይሩ ክብሉ የብርሁ።

ህዝቢ ኣኽሱም ድሕሪ ፅባሕ ብዓል ሕዳር- ፅዮን ከኽብሩ ንዝመፁ ኣጋይሽ ብፍሉይ እናተቐበለ ንምትእንጋድ በዓል ሕዳር ፅዮን ሎሚ ዓመት ብዝደመቐ ስነ- ስርዓትን ፍፁም ሰላማዊን ኮይኑ ንምኽባር ኩሉ ምድላዋት ተዛዚሙ ከምዘሎን ብፍላይ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምድላው እቲ በዓል ምኽንያት ገይሩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ብዝለዓለ ክብርን ድምቀትን ንክበዓል ልዑል ምድላዋት ተወጊኑ ‘ዩ።

ኩል ግዜ 21 ሕዳር ብድምቀት ዝኽበር በዓል ሕዳር ፅዮን ሎሚ ዘበን ‘ውን ብድምቀት ንምብዓል ምድላዋት ተገይሩ ‘ዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ዶክተር ኣፅበሃ ሓደ ሓደ ኣካላት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ሕብረተ ሰብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ስግኣታት ክፍጠር ይሙኩሩ ከምዘለውን ይኹን ኣምበር ኩሉ ህዝቢ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝበለፀ ንክኽበር ምንቕቓሕ ክፍጠር እጃሙ ከወፊ ፀዊዖም።

ብኻሊእ ሸነኽ ኣብዝ ዝተሳለጠ ናይ ሰላምን ፀጥታን ዋዕላ ኩሎም ኣማሓደርቲ ጣብያታትን ኣባላት ፓሊስን ኣካላት ፀጥታ እቲ ኸተማ ኣብ ዝተሳተፉሉ ብፍላይ ኣብ ዝኽበር ክብረ ብዓል ሕዳር ፅዮን ብስነ-ስርዓት ንምኽባር ኣብ ክስርሑ ዝግብኦም ስራሕቲ ፀጥታን ዘሎ ምውዳድን፤ ብብርኪ ከተማ ዝተወገኑ መደባት ፀጥታን ዝብሉ ኣጀንዳታት ዝድህሰስ ዋዕላ ፀጥታን ሰላምን ከምዝተሳለጠ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ተጋዳላይ መኮነን ኣሰፋ ገሊፂም ‘ዮም።

ተጋዳላይ መኮነን ኣሰፋ ከምዝገለፅዎ፤ “ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዘተኣማምን ሰላም ከምዘላ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብር ማሕበረሰብና ኽግንዘበልና ብርግፀኛነት ክግለፅ ይደሊ ምስበሉ ኣብ ከተማና ምንም ዓይነት ቶኩሲ ይኹን ናይ ተኹሲ ድምፂ ከምዘየለ ብምርዳእ ናብ ከተማና ዝመፅእ ጋሻ ብሰላም ኣትዩ ብሰላም ከምዝወፅእ ብምትእምማን ክብረ በዓል ሕዳር ፅዮን ኸኽብር ብሙሉእ ምትእምማን ክመፅእ ከረጋግፅ ይደሊ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብሓፈሻ ኣብ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ዳግማዊት ኢዮሩሳሌም ኣኽሱም ፅዮን 21 ሕዳር 2017 ዓ.ም ብድምቀት ንዝኽበር ክብረ ብዓል ሕዳር ፅዮን ከኽብሩ ንዝመፅኡ ኣጋይሽ ዝድህሰሱን ዘይድህሱን ሓድግታትን ካብ ምጉብናይ ብተወሳኺ ውፂኢት ምህዞ ኣኽሱማውያን እንዳሃወፁ ክስዕሙ ከምዝኽእሉን ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ኣኽሱም ‘ውን ኣጋይሹ ብኽብሪ ኸተኣናግድ ምድላዋቱ ወጋጊኑ ከምዝርከብ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ማእኸል ዝተረኽበ ሓበሬታ የምልክት።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You