ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ ዝናብ ክህልው ‘ዩ – ኣብ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ዘሎ ስግኣት ናብ ዕድል ምቕያር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ዘለው 10 መዓልታት ኣብ ገለ ክፋላት እታ ሃገር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዝናብ ከምዝህልው ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ዘሎ ስግኣት ናብ ዕድል ምቕያር ከምዝግባእ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለኣኾ ሪፖረት፤ ኣብዚ ወርሒ ሕዳር መወዳእታ ዘለዉ 10 መዓልታት ኣብ ሓጋይ ካልኣይ እዋን ዝናቦም ዝኾኑ ኣብ ደቡብ ምዕራብን ደቡብ ምብራቕን ከባቢታት ክፋል እታ ሃገር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዝናብ ንክህልው ምችው ዝፈጥር ኩነታት ሚቲዎሮሎጂ ከምዘሎ ይሕብር፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ማእኸላይ፣ ኣብ ምብራቅ፤ ኣብ ሰሜን ምብራቅ፣ ኣብ ሰሜንን ሰሜን ምዕራብን ክፋላት እታ ሃገር ካብ ዝተጠናኸሩ ኩነታት ኣየር ሓለሓሊፉ ዝርኣዩ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ከምዝህልው ‘ውን እቲ ሪፖርት የመላኽት፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ሓጋይ ካልኣይ ናይ ዝናብ እዋኖም ኣብ ዝኾኑ ኣብ ደቡብን ደቡብ ምብራቅን ከባቢታት እታ ሃገር ዝናብ ንክፍጠር ምችው ኩነታት ዝፈጥሩ ምልክታት ሚቲዎሮሎጂ ኣብ ቀፃሊ ከምዝህልዎም ዘመልከተ እቲ ኢንስቲትዩት፤ ብሓይሊ ፀሓይ ተሓጊዙ ካብ ዝተጠናኸሩ ኩነታት ኣየር ኣብ ደቡብ ምዕራብን ኣብ ሓጋይ ካልኣይ እዋን ዝናቦም ኣብ ዝኾኑ ፍርቂ ደቡብ ክፋላት እታ ሃገር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክዘንብ ‘ዩ፡፡

ከም ገለፃ እቲ ኢንስቲትዩት፤ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ መዓልታት ኣብ ሓጋይ ካልኣይ ዝናብ እዋኖም ኣብ ዝኾኑ ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ሱማሌ፣ ኣብ ሐረሪን ድሬዳዋን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዘለዎ ዝናብ ክረኽቡ ‘ዮም፡፡

ካብ ተረእዮታት ዝተጠናኸሩ ኩነታት ኣየር ብምብጋስ ሓለሓሊፉ ኣብቶም ዝህልዉ መዓልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ማእኸላዊ ኢትዮጵያ፣ሃረሪ፣ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋ እዋኑ ዘይሓለወ ቀሊል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክህልው ከምዝኽእል ሓበሬታታት ኣሃዛዊ ትንበያ የርእዩ ኣለው ኢሉ፡፡

ኣብ ሰሜን፣ ኣብ ማእኸላይን ኣብ ምብራቅን እታ ሃገር ናይ ቀውዒ ኣዝርእቲ ዘውቅሉ ከባቢታት ትፅቢት ዝግበሮ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዝበፅሑ ኣዝርእቲ ጉድኣት ከብፅሕ ስለዝኽእል ዝምልከቶም ኣካላት ጥንቃቐ ምግባር ከምዘድሊ ኣብቲ ሪፖርቱ ተሓቢሩ፡፡ ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ዘሎ ስግኣት ናብ ዕድል ምቕያር ከምዝግባእ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮን መተሓባበሪ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ከምዝበልዎ፤ ብመሰረት ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ሓልሓሊፉ ካብ ቐሊል ክሳብ ማእኸላይ ዝናብ ከምዝዘንብ የረድእ።

ስለዚ አብዚ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ዘሎ ስግኣት ናብ ዕድል ንምቕያር ከምዘድሊ ‘ውን ምኽሪ ሓሳብ የቕርቡ፤ ኣብ ምህርቲ ዘራእትን ቐለብ እንሰሳን ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ምስላጥ ዓፂድ ጥራሕ እኹል ስለዘይኮነ ቐልጢፍካ ምዝባጥን ናብ ገዛ ምእታውን ከምዝግባእ ይገልፁ።

ከም ገለፃ ኣይተ ኣለምብርሃን፤ ብኻሊእ ገፅ እንትርአ እቲ ኣጋጣሚ (ዝናብ) ንምልማዕ መስኖ፣ ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምዕቋር ማይን ምልማዕ ቐለብን ምውዓል የድሊ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You