ኮንፈረንስ ሰላም ንህንፀት ሰላማውን ዝበልፀገትን ኣፍሪካ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተገበሩ ዓበይቲ ናይ ውሽጢ ዓድን ኣህጉራውን ዓለማውን ዘሰተፉ መድረኻት “ዝበልፀገን ሰላማውን ኣፍሪካ ንህነፅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ሰላም ኣፍሪካ ሓደ ‘ዩ።

ኣብዚ መድረኽ ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣፈጉባኤ ቤት ምኸሪ ባይቶ ወካልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለምን ሓዊሱ ሰበስልጣናትን ሚኒስትራትን ዝተፈላለያ ሃገራት አብዚ አህጉራዊ ጉባኤ ሰላም ንምስታፍ አዲስ አበባ ዝተረኸብሉን ኣባላት ልኡኽ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ብዝተፈላለዩ ሚኒስትራትን ሓለፍቲ መንግስትን ኣቀባብላ ተገይርም ‘ዩ።

ብመሰረት እዚ ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ደቡብ ኣፍሪካ ሞትሼክጋ ማፄ ዝተመርሐ ልኡኽ ሓዊሱ ሚኒስትራት ርዋንዳ ፣ ቡርንዲ ፣ ላይበሪያ ፣ ደቡብ ሱዳንን ካልኦት ልዕሊ 20 ሃገራት ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ተረኺቦም ‘ዮም። እቲ ኮንፈረንስ ብዋናት ትኹረት ካብ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ህንፀት ሰላም፣ ለውጢ ኣየር ንብረትን ኣብ ኣጀንዳ 2063 ዘትኩርን ናይ ሃገራት ኣፍሪካን ትካላትን እታ ኣህጉር ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ድልየታት ሰላም ንምምላእን ፍሉይ ትኹረት ንክህቡ ዝገብር ‘ዩ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዳር 16ን 17 ኣህጉር ሓቆፍ ኮንፍረንስ ሰላም ዝተኻያደ መርሃ ግብሪ ካብቲ ዘተ ብተወሳኺ ናይ ሰላም ኤግዚቢሽንን ዶክመንተሪን ካብ ምድላው ከምኡ ‘ውን እቶም ተሳታፈቲ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ልመዓት ኮሪደር፣ ሙዚየም ዓድዋን ዑደት ዝተፈላለዩ ትካላት ተኻይዱ’ዩ።

ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ‘ውን ኣብዚ መድረኽ ካብ ዝተልዓሉ ሓሳባት ብፍላይ መልእኽትታት ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ኣፈጉባኤ ቤት ምኸሪ ባይቶ ወካልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለምን ሓዊሱ ናይ ካልኦት ተሳተፍቲ መልእኽታትን ከምዝስዕብ ዘቐርብ ይኸውን፡-

ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ሰላም ኣፍሪካ “ዝበልፀገን ሰላማውን ኣፍሪካ ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣብ መኽፈቲ ዝርርቦም፤ ኣፍሪካ ዘላቂ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ንግድን ቴክኖሎጅን ትኹረት ዝገበሩ ጥንኩር ኣሰራርሓታት ክትኽተል ከምዝግባእን ኣፍሪካ ዘለዋ ዓቕሚ ተጠቒማ ንቕድሚት ክትስጉም ከምዘለዋ ይገልፁ።

ኣፍሪካ ንዝመፅኡ ፈተናታትን ሰላምን ብልፅግናን ዓርሳ ክተዳልው ኣለዋ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እቲ ኮንፈረንስ ሰላምን ልምዓት ኣፍሪካ ዘበረታትዑ ሓሳባት ንምፍልፋል ከምዝሕግዝ ብምሕባር ዞባዊ ነፃ ንግዲ ኣፍሪካ ሰላም ንምቕፃል ኣድላይ ምዃኑ ይገልፁ።

ዝተሓላለኹ ፈተናታት ህንፀት ሰላም ንምፍታሕ ትካላት ምጥቃም ኣድላይ ምዃኑ ብምግላፅ ስግኣት ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምቕራፍ ዘላቂ መፍትሒታት ምዃኖም ብምሕባር፤ መርሃ ግብሪ ዓሸራ ሓምላዋይ ኢትዮጵያ ነታ ኣህጉር ‘ውን ኣብነት ከምዝኸውን ብተወሳኺ እቲ ኮንፈረንስ ሰላምን ብልፅግናን ንምዕሳል ዝግበር ፃዕሪ ከምዘበረታትዕ ዘለዎም እምነት ብምገላፅ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ሽቶታት ንዕብየት ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ የብርሁ።

ብተመሳሳሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ምቹው ኩነታት እናፈጠረት ምዃና ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብኣፍሪካ ምፍታሕ ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋን ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ‘ውን ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ምፍታት ይግባእ ዝብል ፅኑዕ ቅዋማ ብተግባር ዘረጋገፀ ኢዩ ክብሉ ዘረድኡ እቶም ፕሬዚዳንት፤ ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ሓሊፉ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብምግባር ኣብቲ ዞባ ንግዲን ኢንቨስትመንት ንኽሰፍሕ ሃናፂ ግደ ከምዝተዋፀአት ‘ውን ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንኽረጋገፅ ምችው ኩነታት ኩነታት እናፈጠረት ዘላ ሃገር ከምዝኾነትን እቲ ሰላም ኮነፈረስን ድማ ቀጠናዊ ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን ንክሰፍሕ ዝገብርን ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ልምዓትን ዘበረታትዑ ሓሳባት ንክለዓሉን ሰላምን ብልፅግናን ንምዕሳል ንዝግበር ፃዕሪ ሓጋዚ ምዃኑ ‘ውን ይዛረቡ።

ኣብዚ መድረኽ “ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ዝኸደትሎም መንገድታት” ኣብ ዝበል ዘተ ፓናል ኣብ ዝተገበረሉ፤ ፈተናታት ኣፍሪካ ንምፍታሕ ናይ ሓባር ኣፍሪካዊ መፍትሒ የድሊ ዝብሉ አፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፤ ሰላም ዕብየትን ብልፅግናን ኣብቲ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕሳል ዘለዎ ግደ ዘይነዓቅ ከምዝኾነን ሰላም እንምነያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንዕበየት እቲ ሕብረተሰብ መሰረታዊ ድልየት ‘ውን ‘ዩ ብምባል፤ ዕፃ ኣፍሪካዊያን ዝተኣሳሰሩን ዓወትና ‘ውን ናይ ሓባር ‘ዮም። ሰለዝኾነ ብዝሕነት ኣፍሪካ ከምጥንካረ፣ ሓድነትን ሓይልን ክንጥቀም ይግባእ ይብሉ።

ሓቀኛ ዕብየት ዝልካዕ ብእንዛረቦ እንተይኮነስ ብእንሰርሖ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዝተልዓሉ ሓሳባት ትርጉም ናብ ዘለዎ ተግባር ምቕያር ከምዝግባእ የተሓሳስቡ። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣለም ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ነበር ተዋጋእቲ ተዋጋእቲ ዕጥቂ ብምፍታሕን ናብ ማሕበረሰብ ብምፅምባርን ንሰላምን ምርግጋዕን እቲ ዞባ ዘለዋ ቆራፅነት መርአያ ከምዝኾነት ብምርዳእ፤ ኢትዮጵያ እናካየደቶ ዝትርከብ ስግግር ፍትሒ፣ ብሄራዊ ዘተን ብሄራዊ ተሃድሶን ንሰላም ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ የብርሁ::

ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ እምነታትን ኣረኣእያታትን ዝንፀባረቀላ ሃገር ምዃናን ዝገልፁ ኣይተ ብናልፍ ኣንዱኣለም፤ ናይታ ሃገር ናይ ሓባር ትርኽቲ ብምህናፅ ሕበረ ብሄራዊ ንክሰፍን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ‘ውን ይዛረቡ። ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱዓለም ኣብዚ እዋን፤ ናብ ኣህጉራዊ ሰላምን ብልፅግናን ዝወስድ መንገዲ ብሓድነት ጠጠው ምባል ወሳኒ ጉዳይ ከምዝኾነ ንተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ መልእኽቲ እንኳዕ ደሓን መፃኹም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ተዛሪቦም።

ምድምማፅን ልዕሊ ዶብን ርእዮተ ዓለምን ዝኾኑ ምሕዝነታት ምፍጣርን ምኽኣል ብዝሓበረ ቅልፅም ንመፃኢ ወለዶ መንገዲ ብሩህ ተስፋ ንምምችቻው ሎሚ ኣህጉራዊ ምሕዝነታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ሰላም ብባህሪኡ ብሰብ ስራሕ ዶብ ዘይሕፀር ናይ ኩሉ ምዃኑ ብምርዳእ ኣፍሪካውያን ብመንፈስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ንሰላም ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ክጎዓዙ ከምዘለዎም መልእኽቶም ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ከምኡ ‘ውን ኣፍሪካውያን ብዝሓነቶም ተጠቒሞምና ጠንካራ ኣህጉራዊ ሓድነት ብምፍጣር ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሕታት ብምንዳይ ሓሳባት ብምውዳድ ናብ ዘላቒ ሰላም ዘብፀሕ መንገዲ ክቕይሱን ክጎዓዙን ከምዝግባእ ኣብዚ መድረኽ ካብ ዝተለዓሉ መልእኸታት ‘ዩ።

ብተወሳኺ ናብ ኣህጉራዊ ሰላምን ብልፅግናን ዝወስድ መንገዲ ብሓድነት ጠጠው ምባል ከምዝግባእን በዚ መሰረት ‘ውን ኢትዮጵያ ብሃገራዊ ምኽክር ዘላቂ ሰላምን ንምስፋንን ብሔራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን እናሰረሐት ከምዘላ ‘ውን እቶም ምኒስተር ብምግላፅ፤ ንዝቕፅል ወለዶ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ዝሐሸት ኣፍሪካን ንምፍጣር ዘላቂ ሰላም ‘ውን ንምርግጋፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዘኾነትን ኣብዚ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ሃገራት ኣፍሪካ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሕታት መንግዲ ሰላም ገይሮም ብምትሕብባር ክትኣሳሰሩ ከምዝግባእን በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ንሓድነት ህብረ ብሔራዊ ኣብ ህንፀት ትርክቲ እናሰረሐት ከምዝኾነትን እዚ ድማ ንህንፀት ሰላምን ሓድነትን ኩሉ ሓቆፍ ብዝሓነት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ካብዚ ብተወሳኺ መርሃ ግብሪ ሓምላዋይ ዓሻራ ተግባራዊ እናተገበረ ምዃኑ ሓለዋ ከባቢ ምስ ህንፀት ሰላም ‘ውን ከም ዝመጋገብ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተት ምዃና ዝገልፁ ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ዝኹኑ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ፤ ኣብ ኣፍሪካ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋት ዘላቒ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ብትኹረት ክስራሕ ኣለዎ ብምባል ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ሰላም እቲ ዞባን እታ ኣህጉርን ንምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተት ከምዝኾነት ይገልፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ካብ ዘርኣዮ ቆራፅነት ብተወሳኺ ብሽግግር ፍትሒ ዘላቒ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋፅ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ እናሳለጠ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ ብተወሳኺ ‘ውን ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ሕብረተሰቦም ተፀምቢሮም ስሩዕ ሂወቶም ንክመርሑ ብቢልዮን ዝቑፀር ገንዘብ መዲቡ ናብ ተግባር ምእታዉ ይንእዱ።

እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምድላዉ ፍሉይ ሓጎስ ፈጢሩለይ ዝበሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ኢትዮጵያን መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝን ራሚዝ ኣላክባሮቭ (ዶ/ር) እቲ ኮንፈረንስ ሰላም ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሃገራት ኣፍሪካን እታ ኣህጉርን ‘ውን ጠቓሚ ከምዝኾነ ብምገላፅ፤ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ኢሉ ‘ውን ኣብ ዓለም ሰላም ንክረጋገፅ ንትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፆም ‘ዮም።

ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ‘ውን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ንክረጋገፅ ንትገብሮ ፃዕሪ ደገፍ ከምዝገብር ብምሕባር፤ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ንምርግጋፅ ሰላም ኣፍሪካ ምሕላው ወሳኒ ከምዝኾነን ነዚ ድማ ብሓባርን ብምትሕብባርን ምስራሕ ዝግባእ መልእኽቲ የሕልፉ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You