ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ንሓድሽ ስትራተጂን ፖለሲን ልምዓት ገጠር ሕርሻን ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ንምግባር ዘኸእሉ ተግባራት እናተወገኑ ምዃኖም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቢሮ ሃብቲ ተፈጥሮን ሕርሸን ገሊፁ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ወረዳ ራያ ወራር ኣዕዋፍ ስለ ዝኣተዋ ግቡእ ጥንቓቐ ክግበር ይግባእ ተባሂሉ፡፡
ሓድሽ ስትራተጂን ፖሊሲን ልምዓት ገጠርን ግብርናን ንመካናይዜሽን ግብርና ብምስፍፋሕ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ አብ እቲ ዘፈር ንክዋፈሩ ዝዕድም ብምዃኑ ሰብ ሃፍቲ ናብ እቲ ክልል መፂኦም ኢንቨስት ንኸገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ንግዚኢ ከምዝገለፅዎ፤ ሓድሽ ስትራቴጂን ፖሊሲን ልምዓት ገጠር ግብርና ንልምዓት እቲ ዘፈር ጡጡሕ ‘ዩ፤ ቅድም ክብል ዝፀንሐ ፖሊሲ እቲ ዘፈር ዘየሳትፍን ፀገም ፋይናንስ ሓረስቶት ዘይፈትሕ ምንባሩ ኣዘኻኺሮም ።
“ብዘፈር ሕርሻ ንጉልበት ሓይሊ ሰብ ዝትክእን ንመፍረያይነት ዘደንፍዕ ቴክኖሎጂ የድሊ” ዝበሉ ዶክተር እያሱ ሓድሽ ስትራተጂፖሊሲልምዓት ገጠርን ግብርናን ነዚ ዝትግብርን ዕዳጋ ተኮር ፍርያት ዘፍሪ ሓረስታይ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊፆም። ብኻሊእ ወገን ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ባግኤደልቦ ዝበሃል ቦታ ዒፍ ዋጃ ዝበሃላ ዕስለ ወራር ኣዕዋፍ ስለዝኣተዋ ሕብረተሰብ ግቡእ ጥንቓቐ ክገብር ከምዘለዎ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይን መተሓባበሪ ዘፈር ሃፍቲ ተፈጥሮን ውሕስና ምግብን ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ገሊፆም።
ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ባግኤደልቦ ዝበሃል ቦታ ዒፍ ዋጃ ዝበሃላ ዕስለ ወራር ኣዕዋፍ ኣትየን ከምዘለዋን ኣብቲ ዝኣተዋሉ ከባቢ ንምክልኻል ምንቅስቃስ ዝተጀመረ ኾይኑ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም። ሓፈሻዊ መበገሲ ኩሎም ሓደጋታት ለውጢ ኩነታት ኣየር (Climate Change) ‘ዩ ዝብሉ ኣይተ ኣለምብርሃን፤ ሳዕቤን እዘን ዕስለ ወራር ኣዕዋፍ ዘራእቲ ብዘይምሕረት እንትኾና ብፍላይ ርሑስ እኽልን ሳዕርን ከምዝፈትዋ ብጣዕሚ ከምዘጥቅዓ ኣመላኺቶም።
እዘን ናብ ባግኤደልቦ ዝበሃል ቦታ ኣትየን ዘለዋ ዕስለ ወራር ኣዕዋፍ ናብ ካልኦት ከባብታት ክኣትዋ ከምዝኽእላ ብምሕባር፤ እቲ ዝተጀመረ ከይዲ ምእካብ ዘራእቲ ክጠናኸርን ቕድመ ምድላው ምክልኻል ክግበርን ‘ውን ኣተሓሳሲቦም። ከም ሓበሬታ ኣይተኣለምብርሃን፤ ካብ መከላኸሊ መንገዲ ዕስለ ወራር ኣዕዋፍ ሓደ ኣብ ዝዓረፋሉ ቦታ ብባህላዊ መንገዲ ምርባሽን ምብራርን ኮይኑ ከምኡ ‘ውን ብኣየር ኬሚካል ብምንፃግን ምክልኻል ከምዝክኣል ኣብሪሆም።
መኣርግ ገ/ሄርን ኣብርሃ ሓጎስን
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም