መበል 19 ኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሕዳር 29 ‹‹ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት›› ብዝብል ቴማ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ክኽበር ተገሊፁ ‘ዩ፡፡
እዚ ዕለት ምትእስሳራት ዓርሲ ዓርስኻ ዘጉልሁን ሕብረ ብሔራዊ ሓድነት ብዘጠናኽሩ መልክዕ ከምዝኽበር ተሓቢሩ ‘ዩ፤ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እንትብሃል እንታይ ማለት ‘ዩ? ኣብ ዝበልን ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኸ ነዚ ከመይ ምዕቃብ ይክኣል ኣብ ዝብልን ዋና ዳይሬክተር ማዕከል ኣስተምህሮ ሕገ መንግሥትን ፌዴራሊዝምን ኃይለኢየሱስ ታዬ (ዶ/ር)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ትግሉ መለሰን ከምኡ ‘ውን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገርን ፀሓፊት ቤት ምኽሪ ጉዳያት ርክብ መንግስትታት፣ሓድነት ዲሞክራስን ኣስተምህሮ ሕገ መንግስትን ቀዋሚ ኮሚቴ ባንቺይርጋ መለሰን ኣብዚ ጉዳይ ዘንፀባረቅዎ ሓሳብ ከምዝስዕብ ኣቅሪበናዮ አለና’
ዋና ዳይሬክተር ማዕከል ኣስተምህሮ ሕገ መንግሥትን ፌዴራሊዝምን ኃይለኢየሱስ ታዬ (ዶ/ር) ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ሕብረ ብሔራዊነት ማለት ብሄራት ብሓባር፣ ብሕብሪ ኮይኖምን ብሓድነት ተሰማዕሚዖም ዝነብሩሉ ስርዓት’ዩ። ከምኡ ‘ውን ሕብረ ብሔራዊነት ስልጣን ዓርሰ ምሕደራ ኣብ ውሽጡ ዘለዎን፤ ብሄራት ናይ ባዕሎም ባህልን ቋንቋን ዘዕብይሉ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጎናፀፍሉ ‘ዩ።
ስርዓት ኣተሓሳስባ ሕብረ ብሔራዊነት፤ ዝተፈላለዩ ሕብር ብሔረሰባት ፈጢሮም ዓባይ ሃገር ንክምስርቱ ዘኽእል ምዃኑ ብምሕባር፤ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ንብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣፍልጦን ዝሃበን ዋና በዓል ስልጣን ምዃኖም ዘረጋገፀ ‘ዩ። እዛ ሃገር ስርዓት ፌዴራል ዝትኽተል ብምዃና ንብዙሕነት ኣፍልጦ ምሃቡ ይገልፁ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሃገር ብዙሕነት ብምዃና ኣፍልጦ ሕገ መንግስታዊ ተዋሂብዎ ክልላት ምምስራተን ብምግላፅ፤ ይኹን እምበር ብባህሪኡ ስርዓት ፌዴራሊዝም ንሕብረ ብሄራዊ ሃገራት ሕልኽላኻት ዘለዎ ‘ዩ ይብሉ።
ብዙሕ ብሄር ዘለዋ ሃገር ብዙሕ ዝኾነ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ ሕቶታት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቶም ሕቶታቱ ኣብ ሞነጎ ብዝሕነትን ሓድነትን ሚዛን ብዝሓለወ መልክዕ ምምላስ ከም ሃገር ብሓባር ምቕፃል ዘኽእል ምዃኑን መበገሲ ሓሳብ ፌዴራሊዝም ናይ ሓባርነት ሓሳብ ምዃኑ ዝሕብሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ሃገራዊ መንነቱ ካብ ብሄራዊ መንነትን ምስ ዓረሰ ምሕደራ ምኻድ ከም ዝሓትት ይዛረቡ።
ኣብ ውሽጢ ስርዓት ፌዴራሊዝም ሕብረ ብሄራዊነት ብሄራት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ናይ ባዕሎም ዓርሰ ምምሕዳር ናይ ምምሕዳር መሰል ከም ዝህቦም ብምገላፅ፤ ይኹን እምበር ኣብቲ ውሽጢ ክልል ዝርከቡ ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብ ፖለቲካዊን ዲሞክራሲያዊን መሰል ከይኽበር ይኽእል ‘ዩ ብዝብል ስግኣት ከምዘሎ የረድኡ።
ነሃተይ ክልል ስለዝኾነ ናተይ ባህሊ፣ ቋንቋ፣ ድልየት ዝተኣናገደሉ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ከምዝፍጠርን፤ ናይ ባዕለይ ጥራሕ ኣነ ጥራሕ ‘የ ክርባሕ ዘለኒ ኢልካ ብምሕሳብ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ኣግላሊ ብሄርተኝነት ንክርኣይ ይገብር ይብሉ። ኣብ መንነት ዝተመሰረተ ክልል ናይ ባዕሉ መንግስቲ፣ ሚዲያ፣ ቋንቋ ስራሕ፣ ባንዴራ ዘለዎ ብምዃኑ ንምንታይ ናይ ባዕለይ ሃገር ዘይምስርት ዝብል ድልየት ከሕድር ከምዝኽእል ብምግላፅ፤ ኣብቲ ሰርዓት ፌዴራሊዝም ጫፍ ዝረገፀ ኣተሓሳስባ ምህላው ናይቲ ስርዓት ፈተና ምዃኑ ይገልፁ።
እቲ ሃገራዊ ሓድነት፣ ምትእስሳሩን ብምጥንኻር ናይ ሓባር ትርኽቲ ዝፈጥሩ ጉዳያት ብምፍጣር ምቅራፍ የክኣል ‘ዩ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሃነት ከመዘሎ መግለፂ ሃገር ምዃኑ ምቕባል የድሊ ይብሉ። ኣብታ ሃገር ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ማዕረ ተሳትፎ ብምጥንኻር ውፅእ ዝበለ ድልየት ዘለዎም ናብ ሓበራዊ ሓሳብ ንክመፅኡ ብምግባር ኣድላይ ምዃኑን ዓርሱ ንምምሕዳር ዝተፈቀደሉ መንግስቲ ክልል ዲሞክራሲያዊ ክኸውን ከመዘለዎ ‘ዮም ዘገልፁ።
ከምኡ ‘ውን ኣተሓሳስባ ብዝሃነት ምቅባል ናብ ማእኸል ምምፃእ ከምዘድሊ ብምገላፅ፣ ኣብታ ሃገር ኣተሓሳስባ ሕብረ ብሄራዊነት ላዕላውነት ንክሕዝን ገዛኢ ኣተሓሳስባ ንክኸውን ምስራሕ ኣለዎ ክብሉ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኣብ ስርዓት ፌዴራሊዝም ዘጋጥሙ ፈተናታት እናቀረፈ ክኸይድ ከምዘለዎን ፀገማት ስርዓት ብዘጠናከሩ መልከዕ እናፈትሐ ምኻድን ዜጋታት ነቲ ስርዓት ንክርድኡ ምስራሕ የድሊ ይብሉ።
ትካላት ትምህርቲ ‘ውን ብዝሃነት መግለፂ ኢትዮጵያ ምዃኑ ተረዲኦም ብዝሑነት ዝቕበሉ፣ ሓቢርካ ንምንባር ፍቃደኛ ዝኾኑ ዜጋታት ምፍጣር ከም ዘድሊ፤ ፀገማት ብሕጊ ኣግባብ መፍታሕን ደቂ ሰባት ብሓባር ናይ ምንባር ኩነታት ዘኽእል ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ብተወሳኺ መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ኣብ ጉዳያት እታ ሃገር ብሄራዊ ምረድዳእ ምፍጣር የድሊ ክብሉ የረድኡ።
ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ብምዃና ሃገራዊ ምርድዳእ ኣተሓሳስባ ሕብረ ብሄራዊ ንክህልው ምግባር የድሊ ዝበሉ ኣይተ መለሰ፤ ሕብረ ብሄራዊነት እንትንብል ዓርስኻ ምምሕዳር፣ ዝተፈላለዩ መሰላት ምኽባር ፖለቲካዊን ሕገ መንግስታውን መሰላት ምስ ምኽባር ሓቢርካ ምኻድ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ናይ ባዕልኻ መንነት ውሽጢ ኮይንኻ ናይ ሓባር ሃገር ምህናፅ ዓቢይ ሃገራዊ ሓላፍነት ይኸውን ክብሉ ይዛረቡ።
ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ኩሉ ብሄረሰብ ናይ ባዕሉ መሰል ምምሕዳር ተኸቢሩሉ ንናይ ሓባር ዕላማ ደው ክብል ብምግባር ምዃኑ ዝገልፁ ኣይተ መለሰ፤ ሓድነቱ ከረጋገፅ ዝክኣል ኣብ ሞንጎ ብብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዘለው ርክባትን ምትሕብባራትን መሰረት ብዝገበረ መንገዲ ብምምራሕ ምዃኑ ይገልፁ።
ሕብረ ብሄራዊነት ብተፈጥረኡ ፖለቲካዊ ‘ዩ ዝብሉ ኣይተ ትግሉ፤ ዓርስኻ ብዓርስኻ ምምሕዳር፣ ንባዕልኻ ዝተፈለዩ መሰላት ብሕጊ ምኽባር፣ ምስ ምውካል ዝተራኸቡ ጉዳያት ምዃኖምን ሕብረ ብሄራዊነት ባህሊን ብዙሕነትን ዘርኢ ዓርስኻ ብዓርስኻ ምምሕዳር፣ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን ዝገልፅ ምዃኑ ብምሕባር፤ ንሓደ ሃገር ምርድዳእ ቁልፊ ጉዳይ ምዃን ከም ሃገር ሓደ ንምዃን ኣብ ሕብረ ብሄራዊነት ምርድዳእ ይሓትት ክብሉ ይገልፁ።
መበል19 ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕዳር 29 ‹‹ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት›› ብዝብል ቴማ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ምስ ምኽባሩ ተተሓሒዙ በቲ መሪሕ ሓሳብን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘጠናኽሩ ርእሰ ጉዳያት ንሚድያ ኣመራርሓን ንጋዜጠኛታትን ግንዝበ መጨበጢ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ብዙሕ ማንነት ንዘለዋ ኢትዮጵያ ሕብረብሄራዊ ሓድነት ንምህናፅ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣስኳል ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም።
ኣይተ ኣገኘሁ ኣብቲ ስልጠና ከምዝገለፅዎ፤ ከም ኢትዮጵያ ብዙሕ ሃይማኖት፣ ቋንቋ፣ ባህልን ኣመለኻኽታን ንዘለዋ ሃገር ሕብረብሄራውነት ሓድነት ንምህናፅ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣስኳል ‘ከምዝኾነን እቲ ባዓል ናይ ኢትዮጵያ ብዙሕ መንነት ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ብማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነትን ሰላምን ንምህናፅ ከምዝሕግዝ የብርሁ፡፡
ስርዓት ፌደራል ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምህናፅ ዘጋጥሙ ፀገማት ብምዝርራብ ብምምኽኻር ምፍታሕ ሕብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዘግልፁ ኣይተ ኣገኘሁ፤ እቲ ባዓል ናይ ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሕድሕድ ምፍላጥን ዝገብር ከምዝኾነን፤ ብኣዳለውቲ ክልላትን ከተማ ምምሕዳራትን ዝርከቡ ቱሪስትታት ታሪኻዊ ቦታታት ንክፋለጡ ምችው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ‘ውን የረድኡ።
ከምኡ ‘ውን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዘይ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣይፀንዕን ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት መሰረቱ ‘ዩ፡፡ ሃገራዊ ምርድዳእ ብዘተ፣ብምኽክር፣ ብሂብካ ምቕባል ዝመፅእን ንሃገራዊ እሴት ክብርን ዋጋን ዝህብ ከምዝኾነ ታሪኻት ተዋሂዶም እንትውሕዙ ሕብረ ብሄራውነት ሓድነት ከምዝሃንፁ ድሕሪ ምግላፅ፤ ብተፃራሪኡ ድማ ናተይ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ ብሓፈሻ ናተይ ጥራሕ ማንነት ልዕል ይበል ዝብል ሓሳብ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ተግባራዊ ንከይኾን ዝገብር ከምዝኾነ ይዛረቡ፡፡
ሓድነታ ዘይተሓለወት፣ ሰላማ ዘይሰፈነት ሃገር ልምዓት ምስኻዕ ኣይትኽእልን ዝበሉ ኣይተ ኣገኘሁ፤ እቲ ባዓል ናይ ሓባር ታሪኽናን እሴታትናን እነርእየሉ፤ ናይ ህዝብታት ናብራ ዝንፀባረቐሉ ከምዝኾነን መበል 19 መዓልቲ በዓል ናይ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታት በቢብርኩ እንትነኽብር ሓድነት ህዝብታትን ምትእስሳርን ንክረጋገፅ ብምግባር ከምኡ ‘ውን ሓድነት ሃገርን ሰላምን ተሓልዩ ንቀፃሊ ወለዶ ብትኹረት እንሰርሐሉ ክኾን ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ፡፡
መራኸብቲ ሓፋሻት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብፍትሓዊነት፣ ሕብረብሄራዊነት ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ብምህናፅ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእን እዚ ባዓል እንትኽበር ኣብ መንጎ ህዝብታት ማዓርነት ዝተመስረተ ሓድነት ሱር ንክሰድድን ንክምዕብልን ንምግባር መራኸቢ ሓፋሽ ዘይትካእ ግደ ኣለዎም፡፡
ቤት ምኽሪ ፀሓፊት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ መንግስትታት፣ሓድነት ዲሞክራስን ኣስተምህሮ ሕገ መንግስትን ባንቺይርጋ መለሰ ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፤ መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን “ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ከምዝኽበር ብምፍላጥ፤ እዚ ሎሚ ዘበን ዝኽበር መበል 19 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን፤ ምትእስሳር ሕድ ሕድን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ብዘጠናኽሩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ‘ውን ይገልፃ።
ምስ እዚ ተተሓሒዙ 25 ሕዳር መዓልቲ ኣሕዋት ብዝብልን ዓብይ ጉያ ንሕብረት ብዝብል ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ከምዝኽበር፣ 26 ሕዳር ድማ መዓልቲ ሕብረት ብዝብል ብሄር፣ብሄረሰብን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝኣትዉሉን ኣብቲ መዓልቲ ምርኢትን ባዛርን ንግዲ ከምዝኽፈት፣ 27 ሕዳር መዓልቲ ደቡብ ኢትዮጵያ እንትኸውን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሎም ዘርእይሉ ፌስቲቫል ባህልን ብዛዕባ ልምዓትን ባህልን ደቡብ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሽፋን ሚድያ ዝረኽባሉን ከምዝኾን የረድኣ።
ከምኡ ‘ውን 28 ሕዳር መዓልቲ ምኽክር እንትኸውን ሃገራዊ ሲምፖዜምን ችቦ ሰላም ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንኩሎም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ዘረክበሉን መዓልቲ ኮይኑ 29 ሕዳር ድማ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ብዝብል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባህሎም ዘፋልጥሉን ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓደ መድረኽ ዝራኸብሉን ከምዝኾነን። ኣብቲ መዓልቲ፤ መርሃ ግብርታት መርኢት ባህሊ፣ መዛዘሚ ርኽክብ ዋንጫ ዓብይ ግድብ ሕዳሰን ምፍላጥ ቀፃሊ ኣዳለዊት ክልልን ከምዝሳለጥ ኣረዲአን።
Ethiopian nation nationalities day
የኢትዮጵያ ብሄር ብሄረሰቦች እና ህዝቦች ቀን
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም