ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኸተማ ውቕሮ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ ከባቢ 4 ሽሕን 6 ሚእትን 29 ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባን ከተማ ውቕሮ ኣይተ ሓዱሽ ኣሰፋ ገሊፆም። ኣይተ ሓዱሽ ኣሰፋ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኸተማ ውቕሮ ኣስታት 5ሽሕን 7ሚኢትን 56 ዘኸውን ስራሕ ስእነት ኣሎ፡፡
ካብዚኦም ኣብዚ ዓመት ካብ 63 ክሳብ 65 ሚእታዊ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ተተሊሙ ናብ ከባቢ 3 ሽሕን 4 ሚኢትን 9 ብቀዋምን ግዝያውን ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን 1ሽሕን 2 ሚእትን 20 ድማ ብብርኪ ኢተርፐራይዝ ስራሕ ንክፍጠረሎም ትልሚ ተተሒዙ ይስራሕ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ዝበዝሕ ናይ ቕድመ ምድላው ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝመፅአ ዝሓበሩ ኣይተ ሓዱሽ፤ ምስ እዚ ጎና ጎኒ ብቀዋሚ 2 ሚኢትን 63፣ ብግዝያዊ ድማ 4 ብብርኪ እንተርፐራይዝ ከዓ 251 ሰብ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ገሊፆም።
ብፍላይ እንተርፕራይዝ ክብሃል ከሎ ኣብ ደኣንትን ማኒፋክቸሪን ንግዲ ፍቃድ ኣውፂኦም ትካል መስሪቶም ሓደሽቲ ምንቅስቃስ ስራሕ ዝጀመሩ ከምዝኾኑ ዝብርሁ ኣይተ ሓዱሽ፤ ብሓፈሻ ብግዝያዊ፣ ብቀዋሚን ብእንተርፐራይዝን ዝተፈጠረ ዕድል ስራሕ ናብ 519 ዝኣክል ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ኣብ ቀፃሊ ስራሕ ዝፍጠረሎም ኣካላት ኣብ ንግድን ማኒፋክቸራትን ዘተወደቡ ማሕበራት ንመስርሒ ዝኸውን መሬት ከምዝዕደሉን ብተወሳኺ ነቲ ነባሪ ማሕበረሰብ ‘ውን ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ክዕደል ከምዝግበር ኣይተ ሓዱሽ ሓቢሮም።
እዚ እንትንስራሕ ካብ መንግስቲ ዝልቀቅ እኹል በጀት ዘይምህላው፣ መሃያ ስቪል ሰርቫንት ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥርሕ ዘሎ ምዃኑ ዘጋጥሙ ፈተናታት ከምዘለው ዝገለፁ ኣይተ ሓዱሽ፤ ይኹን እምበር እዚ ንምቕራፍ ኣብ ከባቢኦም ዘለው ነጋዶ ብምልዕዓል፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃፍተ ገነት ብምጥቃም ናይ ባዕልና እቶት ብናይ ባዕልና ሰራሕተኛ ብዝብል ምንቕስቃስ ሰራሕቲ ከምዝተጀመሩ ኣብሪሆም።
ከም ገለፃ ኣይተ ሓዱሽ፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ከነዕውቶም ኢልና ካብ ዝሓዝናዮም ትልምታት ውሽጢ ካብ ዝበለዎም ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት፣ ስራሕቲ ኣስፓልቲ፣ ምስፍሕፋሕ መልክዐኛ እምኒን ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልማዓት ማይ፣ መብራህቲ ‘ዩ ብምባል ስራሕቲ ኣስፓልት ምስ ሱር ኮንስተራክሽን ውዕል ተኣሲሩ ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም