ኢትዮ ኤሌክትሪክ ውድድር ጎዳና ጉያ 30 ኪሎ ሜትሮ ተዓዋታይ ኾይኑ

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ በቢ ዓመቱ ዘካይዶም ናይ ዓዲ ውሽጢ ውድድራት እቲ ሓደ ጎዳና ውድድር 30 ኪሎሜትሮ ‘ዩ፡፡ እቲ ፌደሬሽን 2017 ዓ.ም መርሃ ግብሪ ውድድር ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቢሾፍቱ ከተማ በዚ ውድድር ዝጀመረ እንትኾን ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ጠቕላላ እቲ ውድድር ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ዓብይ ሽም ዘለዎም ኣትሌታት ሓዊሱ ዝተፎኻኸርሉ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ትእግስት ግርማ ካብ ክለብ ፌደራል ቤት ህንፀት ቀዳመይቲ ኾይና ዛዚማ ‘ያ፡፡ ፅጌ ሃይለስላሴ ካብ ኢትዮ ኤሌትሪክ መበል ካልኣይ፤ ሩቲ ኣጋናን ሮዛ ደረጀን ካብ ፌደራል ማርምያ ሳልሳይን ራብዓይን ብርኪ ሒዘን ዛዚመን ‘የን፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ሃይለማርያም ኪሮስ ካብ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ቀዳማይ ኾይኑ እንትዛዝም፤ ኣሰፋ መንግስቱ ብውልቀ መበል ካልኣይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ ባየልኝ ተሻገርን እንባየ ጎይተኦምን ካብ ኢትዮ ኤሌክትሪክ መበል ሳልሳይን ራብዓይን ኾይኖም ዛዚሞም ‘ዮም፡፡

በቲ ውፅኢት መሰረት ኢትዮ ኤሌክትሪክ ብደቂ ኣንስትዮ ብ22 ነጥቢ 1ይን ተሸላሚ ፅዋዕን እትኾን፣ ፌደራል ቤት ህንፀት ብ24 ነጥቢ መበል 2ይ፤ ፖሊስ ኦሮምያ 50 ነጥቢ መበል 3ይ ብርኪ ምሓዝ ክኢሉ ‘ዩ። በደቂ ተባዕትዮ ኢትዮ ኤሌክትሪክ 19ነጥቢ 1ይ ተሸላሚ ፅዋዕ እንትኾን ፤ፖሊስ ኦሮምያ ብ40 ነጥቢ 2ይ፤ ንግድ ባንኪ ኢትዮጵያ 76ነጥቢ 3ይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ። በዚ ድማ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ብሓፈሻ ናይቲ ውድድር ተዓዋታይ ዝኾነሉ ፅዋዕ ወሲዱ ‘ዮ፡፡

ብደቂ ተባዕትዮ ቬትራን ልዕሊ 50 ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ገዛሀኝ ገብሬ ተዓዋታይ እትኾን፣ ስዩም ደበሌ መበል ካልኣይ፤ ደረጄ ገምቹ መበል ሳልሳይ ኾይኖም ዛዚሞም ‘ዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ብቬትራን ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 50 ዓመት ኣበሩ ዘውዴ ተዓዋቲት እንትትኾን ኣዳነች ተሰፋዬን እህተብርሃን ኣዳሙ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ኾይነን ምዝዛም ክኢለን ‘የን፡፡

ካብ 1-3 ዝዛዘሙ ኣትሌታት ናይ ወርቂ፣ ብሩርን ነሓስን ሜዳልያ ዝተሸለሙ እንትትኸውን ከም ደረጀኦም ካብ 40ሽሕ ክሳብ 18ሽሕ ብር ተበርኪትሎም ‘ዩ፡፡ ካብ 4-8 ዝዛዘሙ ኣትሌታት በቢ ደረጀኦም ካብ 16ሽሕ ክሳብ 8ሽሕ ብር ተሸለምቲ ኾይኖም ‘ዮም፡፡

ናይቲ ውድድር ዓላማ ክለባት ክልልን ከተማ ምምሕዳርን፣ ትካላትን ናይ ውልቀ ተወዳደርትን ኣትሌታት ዕድል ውድድር ንምፍጣርን ተተካእቲ ኣትሌታት ንምፍራይ ከምኡ ‘ውን ኣትሌታት ብሽልማት ንምብርትታዕ ከምዝኾነ እቲ ፌደሬሽን ገሊፁ፡፡

ናይቲ ውድድር ተሳተፍቲ ክልላት ፣ ክለባት ፣ከምኡ ‘ውን ብውልቀ ተመዝጊቦም ዝወዳደሩ ኣትሌታትን ነባር ኣትሌታትን እንትኾኑ ኣብ ናይ ሎሚ ውድድር ሰለስተ ክልላት ፣ሓደ ከተማ ምምሕዳር ፣ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክለባት ፣ ነባራት (ቬትራን) ኣትሌታትን ብውልቀ ተመዝጊቦም ዝወዳደሩ ኣትሌታት ተሳተፍቲ ኾይኖም ‘ዮም፡፡ 385 ደቂ ተባዕትዮ ፣137ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብሓፈሻ 522 ኣትሌታት ተፎኻኸርቲ ኾይኖም ‘ዮም። እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ውድድር ብ59 ኣትሌታት ናይ ሎሚ ውድድር ተሳትፎ ዝበለፀ ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ፡፡

እዚ 30ኪሎ ሜትሮ ናይ ጎዳና ውድድር ጉያ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብ 2001ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ናይ መጀመርያ ውድድር ብ115 ደቂ ተባዕትዮ ብ28 ደቂ ኣንስትዮ ብድምሩ 143 ኣትሌታት ብምስታፍ ዝተጀመረ እንትኾን ፣ን10 ተኸታታሊ ዓመታት ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ፀኒሑ ክሳብ 2010 ዓ.ም እቲ ውድድር ተቋሪፁ ነይሩ ‘ዩ፡፡

ንኻልአይ ግዜ ድማ መበል 7ይን 9ይን ውድድር ኣብ ቢሾፍቱ እንትካየድ መበል 6ይ ውድድር ንምክያድ ትልሚ ተዳሒዙ እንተነበረ ‘ውን ብኮቪድ ምኽንያት ተሰሪዙ ‘ዩ፡፡ ንመበል 8ይ ክካየድ ዝነበረ ውድድር ድማ ብስራሕ ምድርራብ ከይተኻየደ ከምዝተረፈ ካብቲ ፌደሬሽን ዝተውሃበ ሓበሬታ የመልክት፡፡ ሎሚ ዓመት ግና ‹‹መበል 11 ጎዳና ውድድር ጉያ 30 ኪሎሜትሮ ›› ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You