“መንደር ቤኑና ይክኣል ብዓይንና ዝረአናሉ ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ሃገርና ብስፍሓትን ብትኹረትን ኣጀንዳ ኮይኖም እናተዘዋወሩ ካብ ዝቀነዩ ሓደ ኣብ ገማግም ቀላይ በሰቃ ተመስሪቱ ዝተኸፈተ ሓዱሽ መንደር ቤኑና ‘ዩ። ኣብዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተረኺቦም ኣብ ዝመረቅሉ እዋን ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ እቲ መዛንግዒ መንደር ዝበልዎ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል።

መንደር ቤኑና ኣብ ወሰን ቃላይ በሰቃ ኣዚዩ ዘበናዊ መደቀሲ ክፍሊታት፣ ኣዳራሽ፣ እንዳ ሲኒማን መዘናግዒ ቦታታትን፣ ስፓ፣ ከምኡ ‘ውን ልምዓት ፍረምረን ትሩፋት ሌማትን ኣካቲቱ ዝሓዘ ‘ዩ፡፡ብሰንበት 1 ሕዳር 2017 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መሪቖም ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “መንደር ቤኑና ንይከኣል ‘ዩ ብዓይንና ዝረኣናሉ ‘ዩ” ክብሉ ብምገላፅ ዘይክኣል ነገር ከምዘየሎ ምርግጋፆም ይዛረቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ምርቓት ወሲኾም ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ከባቢ ኣዚዩ ኣፀጋሚ ጠባይ ኣየርን መልክዓ ምድሪን ከምዘለዎን እዚ ኹሉ ኣፀጋሚ ብምፅዋር ውቁብ ምስሊ ዘለዎ መንደር ጋህዲ ምግባር ከምዝተኽኣለን፤ መሰል ፈተናታት ንኢትዮጵያ ካብ ምቕያር ጠጠው ከምዘየብልዎም ዳግም ዘረጋገፅዎ ከምዝኾነን መንደር ቤኑና ኣፀገምቲ ኩነታት ተፃዊርካ ሃገር ብትግሃት ንምልዋጥ ትምህርቲ ዝውሰደሉ ከምዝኾነ ‘ዮም ዘብርሁ።

ኣብ ቀላይ በሰቃ ሕቡእ ፅባቐ ገሊፅና ኣለና ዝብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)፤ እቲ ዝተገለፀ ምሽጥር ‘ውን “ቤኑና መንደር” ዝብሃል ካብ ጥቓ ከተማ መተሃራ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣዋሽ ብሄራዊ ፓርክ ዝርከብ፤ ካብ ገፀ ምድሪ እሳተ ገሞራ ናብ ሰላም ዝህብ መሀደሲ ቦታን ሓምላዋይ ሕርሻ መሬትን ብዘገርም መንገዲ ተለዊጡ ኣሎ ክብሉ ይግልፁ።

ብተመሳሳሊ መንደር ቤኑና ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንምንቕቓሕ ዓቕሚ ዝፈጥር ሰሓቢ ስፍራ ከምዝኾነ ዝገለፃ ድማ ኣብ ባንኪ ዓለም ዋና ዳሬክተር ኤርትራ፣ኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ዝኾና መርየም ሳሊም ‘የን፡፡ መንደር ቤኑና ሰሓቢ ስፍራ መስሕብ ቱሪዝም ከምዝኾነን ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጠረ ፍልፍል ሓጎስ ንምክፋል ኣብ ቀፃሊ ምስ ቤተሰበን ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ንምዝንናይ ከምዝመፃ ‘ውን ተዛሪበን ‘የን።

ብተወሰኺ እቲ ከባቢ ንመፍረያይነት ግብርና ምችው ምዃኑ ምዐዛበን ዝሓበራ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ መንደር ቤኑና ንመስሕብ ቱሪዝም ዓብይ ዓቕሚ ብምፍጣር ታሪኻዊ ስራሕ ዝተሰርሐሉ ከባቢ ‘ዩ ብምባል ከምኡ ‘ውን ፍልፍል ኣታዊ ዜጋታት ብምስፋሕ ንዕቤት ሃገር ዝጠቕሙ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ‘የን ዘረድአ። ከምኡ ‘ውን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፈሮም- ኢሜስበርገር፤ “መንደር ቤኑና ልምዓት ቱሪዝምን ግብርናን ዘጣመረ ውቁብ መስሕብ ቱሪዝም ‘ዩ” ክብሉ ገሊፀምዎ ‘ዮም።

ህንፀት እቲ መንደር ባህላዊ ጥበብ ኪነ-ህንፃ ምስ ዘበናዊ ህንፀት ኣዋዲዱ ዝሓዘ እንትኸውን፤ ነቲ ከባቢ ተወሳኺ ዓቕሚ ቱሪዝም ዝፈጠረ ውቁብ መስሕብ ዝኾነን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብውለቀ ዘፈርን ብምትሕብባር መንግስቲ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ዝተሃነፀን ብሆቴል ስካይላይት ናይ ምምሕዳር ስራሕ ንክፍፀም ሓላፊነት ዝተውሃበ ምዃኑ ‘ዩ ዝሕበር፡፡

ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፤ ኣብ ዝቕፅል ዓሰርተ ዓመታት ቱሪዝም ንዓለም ኢኮኖሚ 16 ትሪልዮን ዶላር ዘበርክትን ናብ 450 ሚሊዮን ንዝኾኑ ሰባት ድማ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ዘፈር ከምዝኸውን እናተተነበየ’ዩ ዘሎ። ከም መንደር ቤኑና ዝበሉ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ( ዶ/ር) ትልሚ ስራሕን ውፅኢትን ብብረኪ ሃገር ዕውት ጉዕዞ እቲ ዘፈር ዝፀርጉ ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ፃንሒት እዋን ጎብነይቲ ኢትዮጵያ ዘርክዕ ንክኸውን ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ተመሓይሾም ንዓለምለኸ ደረጃ ንክምጥኑ ብምግባር ካብ መላእ ዓለም ጎብነይቲ ብምስሓብ ዝተትረፍረፈ ተፍጥሮኣዊ ፅባቀኣ፣ ታሪኻን ባህላዊ ሃፍታን ንምርኣይ ቆሪፃ ተላዒላ ኣላ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You