‹‹ሕብረተሰብና ብሕማም ዓሶ ከይጥቓዕ ግቡእ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ›› -ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክኢላ ምቑፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ዓሶ

ሕማም ዓሶ እንታይ ‘ዩ? ዝብል ብተወሰነ ደረጃ ንምርኣይ ዝኣክል፣ ሕማም ዓሶ ብምኽንያት ፅግዕተኛ ታህዋስያን ዝመፅእ ‘ዩ። ምልክታት እቲ ሕማም ወይ ዓሶ ድማ ረሃፅ፣ ሕማም ርእሲ፣ ምቑራር፣ ረስኒን ተምላስን ዝመሳሰሉ ‘ዮም፡፡ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ምልክታት ካብ 48 ክሳብ 72 ሰዓታት እናፀንሑ ዳግማይ ይረኣዩ፤ እዚ ከም ነቲ ውልቐ ሰብ ዘጥቕዑ ታህዋስያን ዓይነትን በቲ ሕማም ተታሒዙ ዝፀንሐሉ እዋንን ‘ዩ ዝውሰን። ብተወሳኺ ዓሶ ዝመሓላላፍ ፕላስሞድያ ተባሂሎም ብዝፅውዑ ባክተርያታት እንትኾኑ ናብ ውሽጢ ደም ዝኣትዉ ባክተርያታት ድማ ኣኖፊሊስ ብትብሃል በራሪት ነብሳት ምኽንያት ‘ዩ፡፡

ድሕሪኡ እቶም ባክተርያ ኣብ ውሽጢ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምርባሖም ይቕፅሉ። ብሓፈሻ እዚ ወቅቲ እዚ ሕማም ኣሶ ብሰፊሑ ዝረኣየሉ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ ክልልና ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክኢላ ምቑፅፃርን ምክልኻልን ሕማም ዓሶ ኣይተ ገብረመድህን ክንፉ ከምዝስዕብ ፃኒሕት ገይርና ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ምስ ሕማም ዓሶ ተተሓሒዙ ኣብዚ በጀት ዓመት እዚ ክስርሑ ዝተሓሰቡ፣ እናተሰርሑ ወይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተሃልዮም እንታይ ከምዝመስሉ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- ምስ ሕማም ዓሶ ተተሓሒዞም ኣብዚ በጀት ዓመት እዚ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም፡፡ብፍላይ ኣነ ክኢላ ምክልኻልን ምቑፅፃርን ሕማም ዓሶ ምስ ምዃነይ ተተሓሒዙ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ክገልፅ እንተለኹ፣ ኣብዚ ወቕቲ እዚ ሕማም ዓሶ ብስፍሓት ዝኽሰተሉ ኩነታት ምዃኑ ስለ ዝፍለጥ ብእኡ ልክዕ ብቢሮ ደረጃ ይኹን ክሳብ ታሕቲ ትልሚ ይዳሎ ‘ዩ፡፡

እቲ ትልሚ ከዓ ምስ ዘለካ ሃፍተ ገነት መሰረት ገይሩ ዝዳሎ ኮይኑ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ‘ውን ብኡ መሰረት ገይሩ ተዳልዩ ‘ዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ፡፡ከም ኣብነት እቶም ክስርሑ ተተሓዙ መደባትን እናተሰርሑ ዝመፁን እቲ ሓደ ነፀጋ መንበሪ ኣባይቲ ‘ዩ ነይሩ፡፡ምስቲ ውስንነት ቐረብ ኬሚካል ኣብ 6ወረዳታት ነፀጋ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡ኣስታት 145 ዝኾን ገዛውቲ ነፀጋ ተገይሩሎም ‘ዩ። በዚ ልዕሊ 2ሚኢቲ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ተጠቓማይ ኮይኑ ‘ዩ፡፡

ካብኡ ላምስያ፣ ከምዝፍለጥ ኣብ መወዳእታ 2015 ናብ 1 ነጥቢ 3ሚልዮን ዝኣክል ናብ 36 ወረዳታት ተኻፊሉ ‘ዩ። ላምስያ ከዓ ሰለስተ ዓመትን ልዕሊኡን ከገልግል ትፅቢት ስለዝግበር ንሱ ድማ ኣጣቓቕምኡ ብትኽክል ክኸውን ዝተፈላላዩ ጎስጋሳትን ኣስተምህሮታትን እናተገበረ መፂኡ ‘ዩ፡፡ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከም ኣንፈት ተወሲዱ እናተሰርሐሉ መፂኡ ‘ዩ፡፡

ካሊእ ናይ ከባብያዊ ፅሬት ብምክያድ፣ ናብ ማይ ሓዊስካ ዝንፀግ ኬሚካል፤ ወይ ላርቫ ዘጥፍእ ኬሚካል ብምጥቓም ናይ ነፀጋ ስራሕቲ እናተሰርሑ መፂኡ ‘ዩ፡፡ብኸምዚን ካልኦትን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ንኽስራሕ ትልሚ ወፂኡ እናሰራሕና መፂኢና ኢና፤ ሕዚ ምስ ምክልኻልን ምቑፅፃርን ተተሓሒዙ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡ብኡ መሰረት ‘ውን ከባቢ 3ሚኢቲ ሊትሮ ኬሚካል ናብ 26 ወረዳታት ልኢኽና ኢና፤ እዚ ናብ ማይ በፅቢፅካ ዝንፀግ ኮይኑ ናብ መራብሒ ጣንጡ ኣብ ዝተፈላላዩ ወረዳታት ተነፂጉ ‘ዩ፡፡

ከምኡ ‘ውን ብማሕበረሰብ ኣብ ናይ መራብሒ ጣንጡ ናይ ፅሬት ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ፡፡ብተወሳኺ ገዛ ንገዛ ናይ ጎስጓሳት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም፡፡ሓደ ቲም ተጣይሹ ኣብ ታሕቲ እተን ቐንዲ ሕማም ዓሶ ዝመሓላለፈለን ወረዳታት ከባቢ 18 ዝኾና ኣብኡ ስራሕ ክስራሕ ተገይሩ ‘ዩ፡፡ብዝተኸኣለ መጠን ‘ውን ቐረብ መድሓኒት ካብ ዝምልከቶ ኣካል እናሓተትካ ክከፋፈል ተገይሩ ‘ዩ፡፡ከምዚ ኮይኑ እንደጋና ሕዚ እንታይ ተጌሩ ኣሎ እንተይልና ናብ 27 ወረዳታት ክኢላታት ብጉጅለ ተጣይሹ ነቲ ሕማም ንምግታእ ተባሂሉ ናብ 27 ቐንዲ ሕማም ዓሶ ዘለዎን ወረዳታት ሓይሊ ሰብ ተላኢኹ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ዓሶ እናወሰኸ ብዝኸደ ቑፅሪ እቲ ቢሮ ዝህቦ ግብረ መልሲ ‘ውን ብኡ ልክዕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡ብሓፈሻ ብፍላይ እዚ ወቕቲ እዚ ብስፍሓት ሕማም ዓሶ ዝረኣየሉ ምስ ምዃኑ ተታሓሒዙ ኣብ ምክልኻላት እዚ ሕማም ዓሶ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ዝተሰርሑ ኮይኖም ብፍላይ በቲ ዝወፀ ትልሚ መሰረት ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም፤ ሕዚ ‘ውን እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡

ወጋሕታ፡- ብበዝሒ ሕማም ዓሶ ዝረኣየሎም ከባቢታት ተዝገልፁልና፤ ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ዓመት እዚ ክሳብ ሕዚ በዚ ሕማም እዚ ዝተተሓዙ ወገናት ብቁፅሪ ምግላፅ እንተተኻኢሉ፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- እተን ወረዳታት ብዙሓት ‘የን፤ ግና ንምጥቓስ ዝኣክል ከም በዓል ኣስገደ፣ ፅምብላ፣ ቐይሕ ተኽሊ፣ ድሒሩ ድማ ከም እኒ በዓል ሳምረ፣ ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣ ዝበላ ወረዳታት እናተወሰኻ ዝመፃ ዘለዋ ‘የን፡፡

ኮይኑ ግና ከባቢ 27 ዝኾና ወረዳታት ‘የን፡፡ዋላ ‘ውን ኣብተን ቕድሚ ሕዚ ብዙሕ ዘይረኣየለን ኣብ ከም እኒ በዓል እንደርታ ዝበላ ወረዳታት እቲ ሕማም ተራእዩ ‘ዩ፡፡ብጀካ ውሱናት ከም ደጉዓ ዝበላ ከባቢታት መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ዳርጋ እቲ ሕማም ዓሶ ዝርከበሉ ‘ዩ፡፡እዚ ሕማም ዓሶ እዚ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት ‘ዩ ዝረአ ዘሎ፡፡

ካሊእ በዝሒ ብሕማም ዓሶ ዝተተሓዘ ከንርኢ እንተለና ኣብዚ ናይ ሰለስተ ወርሒ ማለት ርብዒ ዓመት ከባቢ 93 ሽሕ ዝኾኑ ወገናት ብሕማም ዓሶ ተታሒዞም ‘ዮም፡፡ካብዚኦም መብዛሕቲኦም ተሓኪሞም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ‘ዮም፡፡ማለት እዚኦም እቲ ሕማም ዓሶ ዝተረኣየሎም ኮይኖም ብድሕሪኡ ክልተ ሰሙን ወሲኽናሉ ኣለና፤ ድሕሪኡ ‘ውን ዝተተሓዙ ኣለዉ፤ ስለዚ ልዕሊ 93 ሽሕ ከምተታሓዙ ‘ዩ ዘሪአካ፡፡

ምውሳኽ ድማ ባህሪያዊ ‘ዩ፡ ፡ምኽንያቱ እቲ ወቕቲ ንምርባሕ ጣንጡ ዝምችው ‘ዩ፡ ፡ኮይኑ ግና ካብቲ ቕድሚ ኩናት ዝነበረ ንሪኦ ዝነበርና ኣዝዩ እናወሰኸ ብምኻዱ ንሱ ‘ውን ናይ ምዕራብ ይኹን ናይ ሰሜን ምዕራብ ክፋላት ሪፖርት እንተይሓወሰ ማለት ‘ዩ፡፡ብምዃኑ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ‘ዩ ዘሪአካ፡፡ዋላ ካብቲ ናይ ዓሚ ዝነበረ ኣዝዩ ወሲኹ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና እተን ናይ ዓሚ ሪፖርት ዝገብራ ዝነበራ ምስ ናይ ሎሚ ዝገብራ ዘለዋ ማዕረ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሎሚዘበን ብዙሓት ወረዳታት ሪፖርት እናገበራ ‘የን ዘለዋ፡፡

ኣብ ናይ ዓሚ ሪፖርት ናይ በዓሉ ውስንነት ነይርዎ ‘ዩ፡፡ብዝኾነ ሕማም ዓሶ ብጣዕሚ ‘ዩ ወሲኹ ዘሎ፡፡እዚ ዘርእየካ ድማ በቲ ዝውስኾ ዘሎ መጠን ብዙሕ ስራሕ ከንሰርሕ ከምዘለና ‘ዩ ዘርኢ፡፡ስለዚ ብሓፈሻ ብሕማም ዓሶ ዝተትሓዘ ሰብ ከንርኢ እንተለና ልዕሊ 93 ሽሕ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ካብ ሓምለ ጀሚሩ ‘ውን ናብ ከባቢ 9 ሰባት በቲ ሕማም ዓሶ ሂወቶም ክስእኑ ክኢሎም ‘ዮም፡፡

ወጋሕታ፡- ሕማም ዓሶ ብኸመይ ምክልኻል ከምዝግባእ ኩሉ ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ርድኢት ስለዘይብሉ ወይ ሕብረተሰብና ግንዛበ ንኽህልዎ ቀንዲ ምኽንያታት ሕማም ዓሶ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- ሕማም ዓሶ ብሓፈሻ ምስ ክሊማ ወይ ኩነታት ኣየር ‘ዩ ዝተሓሓዝ፤ ማለት ጠሊ፣ ዝናብ፣ ሙቐት ዝመሳሰሉ ክህልዉ እንተለዉ እቲ ኩነታት ዓሶ ከምዝውስኽ፤ መተሓላለፊኡ እቲ ሕማም ድማ ብጣንጡ ‘ዩ፤ ማለት ፕላዝሞድየም ብዝበሃል ተሃዋስያን ‘ዩ፡፡ስለዚ ብንክሲት ጣንጡ ኣቢሉ ካብ በቲ ሕማም ዓሶ ዝተተሓዘ ሰብ ናብቲ ካሊእ ዘይ ሓመመ ሰብ ዝመሓላለፍ ምዃኑ እቲ ማሕበረሰብና ክፈልጦ ኣለዎ፡፡

ፈሊጡ ድማ ክጥንቐቕ ኣለዎ፡፡እዚ መብዛሕትኡ ሰብ ይፈልጦ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ከምቲ ቕድም ዝበልካዮ ኩሉ ሰብ ስለ ዘይፈልጦ ግልፂ ምግባር ፅቡቕ ‘ዩ፡፡ዓሶ ከመይ ይመሓላለፍ ኩሉ ሰብ ማዕረ ርድኢት የብሉን፡፡ዝተወሰነ ሰብ እኹል ርድኢት ክህልዎ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ፡፡ኩሉ ሕብረተሰብ ግና እኹል ርድኢት ኣለዎ ከንብል ኣይንኽእልን፡፡ወይ ድማ ገሊኡ ሕማም ዓሶ ኣቕሊሉ ስለዝርእዮ በዚ ኣቢሉ ድማ ሸለልትነት ‘ውን ክህልዎ ስለ ዝኽእል ብቐሊሉ ክተሓዝ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ስለዚ ሕማም ዓሶ ኣቕሊልና ከንሪኦ የብልናን፡፡

ሕብረተሰብና ብሰብ ሞያ ዝወሃቦ ሓበሬታ ከተግብር ኣለዎ፡፡ማለት ከም ብሬድዮ፣ ቴሌቢዥንን ካልኦት ሚድያታትን ዝወሃቦ ሓበሬታ፤ ሰብ ሞያ ‘ውን ኣብ ኣኼባታትን ሓደ ሓደ ትካላትን ተረኺቦም ኣስተምህሮ እንትህቡ ብዝግባእ ከንጥቐመሉ ኣለና፡፡ዝወሃበና ኩሉ ሓበሬታ ከንጥቐመሉ ኣለና እንተኽኢልና በቲ ሕማም ዘይከንተሓዝ ንኽእል ኢና፡፡ብሓፂሩ እቲ ኣገባብ ኣካላኽልኡ ምኽሪ ሰብ ሞያታት ሰሚዕኻ ምትግባር ‘ዩ። ንኣብነት ላምስያ ብኣግባቡ ተጠቐም ክበሃል እንተሎ ክጥቐም ኣለዎ፡፡

ካብ ምክልኻል ዓሶ ወፃኢ ንኻሊእ ከውዕሎ የብሉን፡፡ከምዚኦም ዝበሉ ምኽርታት ሰሚዕኻ ምትግባር የድሊ፡፡ ካሊእ ኣብ ከባብያዊ ፅሬት ምስታፍ፣ እንደገና ምልክት ክረኣዮ ከሎ ቐልጢፉ ናብ ትካላት ጥዕና ከይዱ ምሕካም የድሊ፡፡ክሕሸኒ ‘ዩ እናበለ ክዛናጋዕ የብሉን፤ ግዜ ክህብ የብሉን፤ ግዜ እንተሂብካዮ ክሳብ ሞት ከብፀሐካ ይኽእል ‘ዩ፡፡እቲ ማሕበረሰብ ከም ረስንን ምቑራርን ክስመዖ እንተሎ ቐልጢፉ ናብ ትካላት ሕክምና ከይዱ ክምርመር ኣለዎ፡፡

ካብኡ ድማ ብተኣዘዘሉ መሰረት መድሓኒቱ ክወስድ ኣለዎ፡፡መድሓኒት ምምቕቓል ኣይፍቐድን፤ ኣብ ሓደ ሓደ ሰባት ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ኣሎ። እዚ ክኸውን የብሉን፤ ስሕተት ‘ዩ፡፡ከምኡ ‘ውን እናወሰድካ እንተለኻ ብተወሰነ ደረጃ ክሕሸካ እንተሎ ክተቋርፆ የብልካን፡፡ከትውድኦ ‘ዩ ዘለካ፡፡ምኽንያቱ ዝሓሸካ መሲሉካ ክምለሰካ ይኽእል ‘ዩ፡፡እዚ ጌጋ ምዃኑ እቲ ሕብረተሰብ ክፈልጦ ኣለዎ፡፡ሕማም ዓሶ ብትኽክል እንተዘይተጠቒምካዮ እቲ ሕማም ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ‘ዩ። ስለዚ ምኽሪ ሰብ ሞያታት ክትግበር ኣለዎ እየ ዝብል፡፡

ወጋሕታ፡- ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ነዚ ሕማም ዓሶ እዚ ንምክልኻል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር እነሰርሐ እንተኾይኑ ወይ ሓገዝ እናረኸበ እንተኾይኑ እቲ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን እንታይ ከምዝመስል ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ገብረመድህን፡- ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣብ ከምዚኦምን ካልኦትን ሕማማት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ፡፡ ከም ምስ ሚኒስቴር ጥዕና፤ ትካል መድሓኒት ፈንድ ዝመሳሰሉን ካልኦት መንግስታዊ ምስ ዘይኮኑ ትካላት ጥዕናን ብሓባር ‘ዩ ዝሰርሕ፤ ኣብዚ ‹‹ኢኦሲ›› ዝበሃል ኣሎ ኩሉ ግዜ በቢሰሙኑ እናተራኸበ ዝውስን፤ ማለት ምስቶም ኣብ ጥዕና ዝሰርሑ መዳርግቲ ኣካላት እናተማያየጥካን እናተዛራረብካን ከምኡ ‘ውን ውሳነታት እናሃብካ ዝስራሕ ስራሕ ኣሎ፡፡ኢመርጀንሲ ሴንተር ኣለና ኣብዙይ ምስቶም ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ፡፡

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተታሓሒዙ ክቀሪ ዘይግበኦ ሓሳብ ወይ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ገብረመድህን፡- ነቲ ሕማም ንምክልኻል ቆላሕታ ሂብካ ምስራሕ የድሊ፤ ሕብረተሰብና በቲ ሕማም ከይተሓዝ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፡፡ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ናይ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነን፤ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ‘ውን ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም፡፡

ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ማለት ኢመርጀንሲ ሴንተር ኣለና፤ እዙይ ምስቶም ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ ‘ዩ ዝሰርሕ፤ ግና ኣብዚ እንታይ ክብል እደሊ ኣነ እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ካልኦት ‘ውን ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ሴክተራት ኣለዋ፤ ከም ሕርሻ፣ መኣድን፣ትምህርቲ ኮታስ ንሕብረተሰብ ዘፀግም ዘሎ ሕማም ዓሶ ኣስተዋፅኦ ክገብራ ዝኽእላ ብዙሓት ሴክተራት ኣለዋ፤ ናታተን ተሳትፎ ክዓዝዝ ኣለዎ።

ካብኡ ‘ውን ካልእ ናይ ምምሕዳር ማሕቡር ኣሎ፤ ካብ ዞባ ጀሚሩ ወረዳ ጣብያ እናበለ ዝኸይድ፤ ብፍላይ እቲ ገባር ዓሶ ሒዝዎ ካብ ዓፂድ ቦኺሩ ዝረኣቱ ኣደዳ ባልዓትን ወቕቱ ንዘይሓለወ ማይ ከይኾን እቲ ዝምልከቶ ናይ ምምሕዳር ኣካል ንኹለን ሴክተራት ከንቐሳቕሰን ስለዘለዎ ንግዚኡ እቲ ፖለቲካዊ ሕትኹቱኽ ገዲፉ ኣብቲ ናይ ዓሶ ምክልኻል ተርኡ ክፃወት ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ፡፡

ወጋሕታ፡– ንዝሃቡና ስፍሕ ዝበለ መብራህርሂ ኣዚና ነመስግን፡፡

ኣይተ ገብረመድህን፡– ኣነ ‘ውን ስለ ዝዓደምኩምኒ ኣዝየ ኣመስግን፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You