ግደ ግልጋሎት ወሃብቲ ኣብ ዕብየት ቱሪዝም

ቱሪዝም ተሳትፎ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካለት ዝሓትት ዘፈር ‘ዩ። ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ዓለምና ካብ ዘለው ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ውሽጢ ተወዳዳሪ ኣይርከቦን። ካብ ሰራሕተኛታት ዓለም 10 ሚእታዊ ዝኾኑ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ከምዝተሰማረዩ ‘ዩ ዝሕበር። ካብዚ ብምብጋስ መንግስቲ፣ ውልቀ ሰባትን ውልቀ ትካላትን ንዕብየት ዘላቂ ቱሪዝም ዝተዋደደ ተሳትፎ ንክገብሩ ትፅቢት ይገበር።

ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓ ሓፍ ንምባል ድማ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ከምዘድሊ ናይቲ ዘፈር ምሁራት ብተደጋጋሚ ‘ዮም ዘረድኡ። ብፍላይ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ውሽጢ ዘይትካእ ግደ ካብ ክፃወቱ ውሽጢ ድማ ግልጋሎት ወሃብቲ ኣብ ናይ መጀመሪያታት ደረጃ ዝስርዑ ‘ዮም። ብፍላይ ደረጀኦም ዝሓለው ሆቴላት፣ ሎጃት፣ ሪዞርታትን ሬስቶራንታን ፃንሒት ቱሪስታት ኣብ ምንዋሕ ዘለዎም ግደ ቀሊል ኣይኮነን።

ስለዝኾነ’ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቱሪዝም ካብ ዋና ዋና ኣዕምዲ ኢኮኖሚ ሓደ ገይሩ ወሲዱ ይሰርሓሉ ኣሎ። ፃንሒት ቱሪስታት ንክናዋሕ ዝተማልአ ምስሊ ሃገር ዝሃንፅ እንግዶት ረኺቦም ነናብ ዝመፅኡሉ ንክምለሱ፤ ኣብ ቀፃላይ ‘ውን እምነት ረኺቦም ካልኣይ ንምጉብናይ ካብ ምምፃኦም ብተወሳኺ ካልኦት ከምኦም ዝበሉ ሓደሽቲ በፃሕቲ ዓዲ ንክምፅኡ ንምግባር ምዝማን ዓወዲ ሆስፒታሊቲ ናይ ግድን የግድ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዓወዲ ይመኽሩ።

ጎብነይቲ በቀጥታ ናብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ናብ ምስሕባት ቱሪዝም ንከመፅኡ ዓቕሚ ምስሓብ ክህልዎም ከምዝግባእ ‘ውን የተሓሳስቡ። ኣይተ ሳህለ ተክለ ኣብ ኢንስቲቲዩት መሰልጠኒ ቱሪዝም ክፍሊ ምርምርን መፅናዕትን ላዕላዋይ ተመራማሪ ‘ዮም። ንሶም ከምዝብልዎ፤ ሆቴላት፣ ሎጃት፣ ሪዞርታት ብናይ ባዕሎም ተለዓዓልነት ቱሪስታት ናብ ኢትዮጵያ ንክመፅኡ ናይ ምስራሕ ዓቅሚ ምፍጣር ይኽእሉ ‘ዮም።

ኣብዛ ሃገር ፅቡቕ ሽም ሃኒፆም ዝርከቡ በዓል ኾኾብ ሆቴላት ሓዊሱ ኣብ ዘፈር ሆስፒታሊቲ ዝተሰማረዩ ትካላት ዓለምለኸ ስትራቴጂታት ብምንዳፍ ፍሰት ቱሪስት ንምውሳኽ ዓብይ ብፂሒት ከህልዎም ከምዝግባእ ‘ዮም ዘረድኡ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ነባራዊ ኩነታት ቱሪስታት ብበዝሒ ዝመፅኡ ብትካላት ኣጎብነይቲን ናብ መስሕብ ቱሪስታት ከምዝመፅኡ ብምሕባር፣ ኣብ ሆስፒታሊቲ ዝሰርሑ ኣካላት ‘ውን ፍሰት ቱሪስት ንምዕባይ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ‘ውን ይገልፁ። ‹‹ፅቡቕ ሽም ተሳጋሪ ‘ዩ።

ዕዳጋ ንክፍጠር፤ ቱሪስታት ድልየት ሃልይዎም ፃንሒቶም ከናወሑ የኽእል ‘ዩ›› ዝብሉ እቶም ላዕላዋይ ተመራማሪ፤ ዘፈር ሆስፒታሊቲ ኣብ ቱሪዝም ኣውንታዊ ተፅዕኖ ንክህልዎ ኣወሃህባ ግልጋሎት ደረጅኡ ምዕባይ ከምዝግባእ የረድኡ። ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ግና ካብ ሓደ ሓደ ደረጅኦም ዝሓለው ሆቴላት ተዘይኮይኖም ዓለም ለኸ ቱሪስታት ብዝተማልአ ኩነታት ከርክዕ ዘኽእል ግልጋሎት ምርካብ ኣፀጋሚ ምዃኑ ‘ዮም ዘመልክቱ።

እዚ ንምቅያርን እቲ ዝቀርብ ፍርያት ይኹን ግልጋሎት ብመሰረት ድልየት ቱሪስታት ዘተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎ ብምሕባር፤ እዚ ዘፈር ሆስፒታሊቲ ስሙን ዝንኡን ብዝምጥን መልከዕ ክዋደድ ከምዝግባእ የመላኽቱ። ዕብየት ዘፈር ቱሪዝም ንክቀላጠፍ ዘፈር ሆስፒታሊቲ ዓብይ ብፅሒት ከምዘለዎ ዝዛረቡ ኣይተ ሳህለ፣ ካብዚ ውሽጢ ሆቴላት ዓለም ለኸ ስም (Brand) ክሃንፁ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሓቢሮም። ነዚ ድማ ናይ ግድን ተፈለጥቲ ምስ ዝኾኑ ሽም ሆቴላት ወፃኢ ዓዲ ምትእስሳር ምፍጣር ከምዘድሊ ብምግላፅ ሓዱሽን ሃገራዊ ዝኾኑ ተፈለጥቲ ሽማት ምህናፅ ከምዝክኣል የረድኡ።

ኣብ ኢንዱስትሪ ሆስፒታሊቲ ዝተሰማረዩ (ሆቴላት፣ ሪዞርታት፣ ሬስቶራንታት፣ ሎጅታት ባህላዊ ገዛውቲ) ቱሪዝም ንክዓቢ ብፅሒቶም ዝለዓለ ‘ዩ ዝብሉ እቶም ላዕላዋይ ተመራማሪ፤ ባህላዊ ምግቢታት ኢትዮጵያ ንምምጋብ፣ ንምፍላጥ ዝመፅኡ ቱሪስታት ንምዕባይ ቱሪዝም ብጣዕሚ ወሳኒ ምዃኖም ‘ዩ ዘረድእ። ናይ ባህሊ፣ ተፈጥሮ፣ ታሪኽን ቅድም ዝበሉ ቅርስታት ኪነ ህንፃ ከምኡ ‘ውን ርክባት ኣርኪዮሎጂካል ንምጉብናይ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅእሉ እዋን ባህላዊ ምግብታት ንምምጋብ ምስ ከባቢኦም ባዕሎም ንምልምማድ ድልየት ከምዝህልዎም ብምሕባር፤ እዚ ግልጋሎት ብፅርየት ንምቕራብ በብዘኽእል ቁመና ኣብ ዘፈር ሆስፒታሊቲ ክህልው ከምዝግባእ ኣይተ ሳህለ ተክለ ምኽረ ሓሳቦም ሂቦም።

ናይ ሼቫ ቪሌጅ ሪዞርት ፍሮንት ኦፊስ በዓል ሞያ ዝኾኑ ኣይተ ያብስራ ኣረጋዊ ብወገኖም ከምዝብልዎ፤ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝርከብ ሪዞርቶም ናይ ብዙሓት ውሽጢ ሃገርን ዓለምለኸን ቱሪስታት መዕረፊ ‘ዩ። ኣብ 25 ሽሕ ካሬ ሜትር ዝዓረፈ እቲ ሪዞርት ጎብነይቲ ናብ ከተማዋ ኣብ ዝመፅእሉ እዋን ፃንሒቶም ኣናዊሖም፤ ተዘናጊዖምን ነታ ከተማ ጎብንዮም ንክኸዱ ምችው ግልጋሎት እናሃበ ይርከብ። ስለዝኾነ ንዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዓቅሚ እናኾነ ‘ዩ ይብሉ።

ከም ገለፃ ኣይተ ያብስራ ኣረጋዊ፤ ሼቫ ቪሌጅ ዓለምለኸ ቱሪስታት ኣብ ከተማ ዘለዎም ምችው ፃንሒት ንክገብሩ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ‘ዩ። 20 ቪላ ገዛውቲ በዓል ሰለስተን በዓል ሓሙሽተን መደቀሲ እንትህልዎም ነኒሕድሕዶም ኣብ 500 ካሬ ሜትር ዝዓረፉ ምዃኖም የረድኡ። እዚ ድማ ቱሪስታት ዝደልይዎም ምቾትን ውልቀ ድሕንነትን ንክረኽቡ ዘኽእል ‘ዩ። ብተወሳኺ ተፈጥሮ ንምርኣይን ምንቅስቃስ ስፖርቲ ንምገባር መውፅኢ ጎቦ (hiking) ን ካልኦት ምዝንጋዕ ዝፈጥሩ ኩነታት ከምዝዳለው ተዛርቦም ።

ኣብ ቀፃሊ ‘ውን እቲ ሪዞርት ንዘፈር ቱሪዝም ተወሳኺ ዓቕሚ ንምፍጣርን ኢትዮጵያ ተመራፂት መስሕብ ንክትኸውን ንምስራሕ ትልሚ ምሓዞም የረድኡ። እንትጠቃለል ካብ ኢትዮጵያ ዝነኣሰ መስህባት ቱሪዝም ዘለወን ሃገራት ከይተረፋ ኣብ ሆስፒታሊቲአን ብግቡእ ብምፍላጠን ፅርየት ዘለዎ ግልጋሎት ስለዘለወንን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ጎብነይቲ ከተኣናግዳን ዝሐሸ ረብሓን ክረኽባን ‘የን ዝርአያ።

ስለዝኾነ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ትኩረት ገይሮም ዝሰርሑ ኣካላት ዕውት ዘፈር ቱሪዝም ንምህናፅን ጥንኩር ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዝተዋደደ ተሳትፎ መንግስቲን ውልቀ ትካላትን ብምትሕብባር ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ሰብ ሞያ የመኽሩ ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You