ዕውት ጉዕዞ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)- ኣብ ጉባኤ ብሪክስን ዕላዊ ስራሕ ኣብ ማሌዢያን

ናይዚ ሰሙን እዋናዊ ዛዕባ ዓምድና ከምቲ ዝተለመደ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መንግስትን ትኹረት ዝገበሩሉ ኣብ ተሳትፎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣባላት ብሪክስን ኣብ ዕላዊ ምብፃሕ ሰራሕ ማሌዢያን ዝነበሮም ፃንሒትን ካብቲ ጉባኤ ጎና ጎኒ ምስ ኣባላት ብሪክስን ኣባል መራሕቲ ሃገራት ካልኦትን ኣብ ዝተገበሩ ናይ ክልተኣዊ ዘተን ተዛመድቲ ጉዳያትን ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪበናዮ ኣልና ሰናይ ንባብ፡-

ናብ ማሌዢያ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ናይስራሕ ምብፃሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣንዋር ኢብራሂም ከምኡ ‘ውን መንግስትን ህዝብን ማሌዢያ ኣብ እዋን ፃኒሒቶም ንዝገበሩሎም ድሙቕ ኣቀባብላን ፍቕርን ብምምስጋን፤ ምትሕብባሮምን ትኹረቶምን ኣብ ግብርና፣ መኣድን፣ ማኑፋክቸሪንግን ተሓዳሲ ሓይልን ከምኡ ‘ውን ኣብ ዘፈራት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ ካልኦትን ቐንዲ ቐንዲ ቁልፊ ስራሕትታት ንምጥንኻር ከምዝተስማዕምዑ ገሊፆም ‘ዮም።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ርክብ ኢትዮጵያን ማሌዢያን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝዓለመ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብፃሕ ምክያዶምን፤ ኣብዚ ምብፃሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ በዓልቲ ገዝኦም ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ሓዊሱ ጉጅለ ልኡኻት ሚኒስትራት ንዕላዊ ናይ ስራሕ ምብፃሕ ማሌዢያ ኳላላምፑር ዝሓለፈ ሰሙን ምእታዎም ዝዝከር ‘ዩ።

አብ መራሕቲ ጉባኤ ብሪክስ ብሔራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምኸባርን ተደማፅነት ንምውሳኸን ዘኸእሉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ፖለቲካዊ ስራሕትታት ምስላጦምን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ጉጅለ ሉኡኻት ሚኒስትራት ብምዃን ኣብ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ፤ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ኣመልኪቶም ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) መብርሒ ኣብ ዝሃብሉ፤ ኣብ እቲ ጉባኤ ኣብ ሰፋሕቲ ዛዕባታት ዘተ ምክያዱን ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ውፅኢታዊ ተሳትፎ ምክያዱ ሓቢሮም ‘ዮም።

ኣብ ጉበኤ መራሕቲ ብሪክስ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ናይ ምኸባርን ተደማፅነት ምውሳኸን ዘኸእሉ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ፖለትካዊ ስራሕትታት ምስላጦም ብምምልካት፤ ኣብ እቲ ጉባኤ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዉ ምትሕብባራት ሓለዋ ከባብን መማሓየሺ ቤት ምኸሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምልከቱ ውሳነታት ምምሕልላፎም ‘ውን ፀሪሖም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ንክልቲኣዊ ዘተ ንምግባር ዝኸዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ጉጅለ ልኡኻት ሚኒስትራትን ኣብ ማሌዢያ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዳቱክ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎምን እዚ ድማ ርክብ ክልቲኣዊ ርክባት ንምጥንኻር ምዃኑ ዘተገለፀ ኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ምትሕብባር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ግብርና፣ ኢንዱስትሪ፣ዘላቂ ልምዓት፣ ጥዕና ሓዊሱ፣ ቱሪዝምን ትምህርት ትኹረት ዝገበረ ምዃኑ ናይ ማሌዥያ ዴይሊ-በርንማ ምፅብፃቡ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣቋፃፅራ ፈረንጂ 2023 ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ መበል 26 ናይ ማሌዢያ ዓባይ ሸሪክ ንግዲ ምዃና ብምግላፅ፣ኣብ ሞነጎ እተን ሃገራት ዘሎ ክልቲኣዊ ንግዲ 446 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ናይ ማሌዢያ ገንዘብ እንተኾን፤ ናይተን ሃገራት ንግዲ ወፃኢ ካብዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብ 24 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ወሰኽ ምረኣዩ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ካብ ማሌዢያ ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ፣ ኤሌክትሮኒክ፣ ፓልም ዘይትን ካልኦት ፍርያት ሕርሻን፣ ጨርቃመጨርቂ፣ ክዳውንትን ጫማታትን ከምዝተእትው ተሓቢሩ ‘ዩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ እቲ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዝነስ ተራኺቡ ዝዘተየ ኮይኑ፤ ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ምቹእ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት መብርሂ ብምሃብ፤ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ፋርማሲዩቲካል፣ ቴክስታይልን ጋርመንትን፣ ማዕድንን ኮንስትራክሽንን ሰብ ሃፍቲ ማሌዥያ ነንኽዋፈሩ ፃውዒት ከምዝቀረበሎም ተሓቢሩ ‘ዩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ፍሰት ኢንቨስትመንት ንክህሊ፣ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘለዋ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ቀዳምነት ብዛዕባ እትህቦም ዓውዲታትን፣ ንሰብ ሃፍቲ ምቹእ ምህዳር ኢንቨስትመንት ንምፍጣር ዝግበሩ ዘለዉ ተግባራት ሪፎርምን መብርሂ ዝተወሃቦም ኮይኑ፤ ኣባላት ማሕበረሰብ ቢዚነስ ማሌዥያ ብግዲኦም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዑደት ቅድመ ኢንቨስትመንት ዝገብር ልኡኽ ክንልእኽ ኢና ምባሎም ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ማሕበረሰብ ንግዲ ማሌዢያን ዓውዲ ውልቀን ኣብ ኢንቨስትመንት ዝገብሮ ተሳትፎ መንግስቲ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብረሉን ኢትዮጵያ ካብ ማሌዢያ ስርዓት ፌዴራል፣ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ከተማታትን ኣብ ምምዕባል ካብ ዘለዋ ልምዲ ክትካፈል ከምትደሊ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ።

ማሌዢያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምትሰርሕን ኢትዮጵያ ወሳኒት መሓዛን መእተዊት በሪ ኣፍሪካን ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነኣድ ለውጥን ዕቤትን እናተርኣየ ከምዝኾነን ኢትዮጵያ፤ ማሌዢያ ኣባል ብሪክስ ንክትኸውን ንዝገበረቶ ደገፍ ‘ውን ምስጋና ምቕራቡ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበራ ተሳትፎ ዝጠመተ መብርሂ ኣብ ዘሃብሉ ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ከተማ ካዛን ኣብ ዝተሳተፍሉን ምስ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ኢትዮጵያ ብመትከል ሂብካ ምቕባል በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ባህጊ ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ.ር) ኣብቲ ጉባኤ፥ ኣብ ክልቲኣዊን ኩለመዳየን መድረኻት ውፅኢታዊ ተሳትፎ ምግባሮም ሓቢሮም ‘ዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ ውክልና ምርካብ ከምዝግብኣን ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናነስ ሓቛፊ ንክኾንን ዘቕረብዎ ፃውዒት እቲ ጉባኤ ተቐቢሉ ሓበራዊ ቅዋም ከምዝሓዘ ብምብራህ፤ ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ኣባል ሃገራት ብሪክስን መሻርኽቲ ሃገራትን ኣብ ዝተገበረ ክልቲኣዊ ዘተታት ቅዋም ኢትዮጵያ ምቅላሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ወደብ ኣብ ዝተዛመደ ኢትዮጵያ ካብ ታሪኻ፣ ኣቀማምጣ መልከኣ ምድሪ፣ ብዝሓት ህዝብን ምዕባለ ኢኮኖሚን ዝምጥን በሪ ባሕሪ ክትረክብ ከምዝግበኣ ምስ ኣርባዕተ መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ምግላፆም ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ መትከል ሂብካ ምቕባል መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም ምዝራቦም ተገሊፁ ‘ዩ።

ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክልትአዊ ዘተ ምክያዶም ዘተሓበረ ኮይኑ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕረዝዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘተ ምግባሮምን፤ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘተኦም ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ምትሕብባር ምሕያል ብዛዕባ ዝካኣለሉ ‘ውን ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶም ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ቐፃሊ ክልቲአን ሃገራት ብምትሕብባር ዝሰርሕሎም ጉዳያት ኣንፈት ከምዝተቐመጠን ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ከምተበፅሐን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ልውውጥ ንግዲ ይውስኽ ከምዘሎ ‘ውን ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣፍሊጦም ‘ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፤ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክብ ዝተደረኸ ክልቲኣዊ ርክብና እናማዕበለ ቀፂሉ ኣሎ ምባሎምን ኣብ ክልቲኣዊ መድረኽ ንዝገበርዎ ዓሚቕ ዘተ ንፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ምምስጋኖም ዝተሓበረ ኮይኑ፤ ብተወሳኺ ናይ ኩልና ዝኾነ መድረኽ ብሪክስ ስፍሕ ዝበለ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንክንሰርሕ በሪ ኸፊቱ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)፤ ሩሲያ ኣብ ውሽጢ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እኳ እንተኾነት ኢኮኖሚያዊ ጥንካረ ብምሕላው ዕውቲ ምዃና ብምንኣድ፤ ከምኡ ‘ውን ኢትዮጵያ ምስ ሩሲያ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም ‘ዮም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ብግዲኦም፤ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተቐባልነት እናወሰኸ ዝመፅአት ኢትዮጵያ ኣባል ብሪክስ ምዃና ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ብምዝራብ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ መንጎ ዲፕሎማቲክ ሚሲዮናት ዘሎ ርክብ ዝበለፀ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ‘ውን ምሕባሮም ተገሊፁ ‘ዩ።

ብመሰረት እዚ ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ርከብ ጠመተ ከምእትገብር ዝገለፁ ፕሬዚዳንት ፑቲን፤ ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ከም እተካየድን፤ ምስ እዚ ተዛሚዱ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪየንኮ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ዑደት ከምዝገብሩ ምዝራቦም ተሓቢሩ ‘ዩ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ብሪክስ ጉባኤ መራሕትን ኣብ ማሌዢያ ዝነበሮም ዕላዊ ናይ ስራሕ ምብፃሕ ዕውት ፃኒሒት ምግባሮም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቢልለኔ ስዩም ኣብ ዘሃብኦ መብርሂ ዝገለፃ እንትኾና፤ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስ፣ ኢትዮጵያ ኣባል ድሕሪ ምዃና ዝተሳተፈትሉ ናይ መጀመርያ ጉባኤ ምዃኑ ሓቢረን ‘የን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ፣ ኣብ ናይ ክልተኣዊን ናይ ብዙሓት ወገናት መድረኻት ምኽክር ዕውት ተሳትፎ ምግባራን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ቀዋሚ ውክልና ክትረክብ ከምዘለዋ፣ ዓለም ለኸ ስርዓት ፋይናንስ ንክምሓየሽን ፃውዒት መቕራቦም ኣመላኺተን ‘የን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ካብቲ ጉባኤ ጎና ጎኒ ምስ ኣባላት ብሪክስን ኣባል ንሙዃን ዝደልዩ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝተገበሩ ናይ ክልተኣዊ ዘተ ቅዋማት ኢትዮጵያን ምንፅብራቆም፤ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ጎና ጎኒ ዘተኦም ማዕኸል መገጣጠሚ መኪና ፕሮቶንን ስራሕቲ ምዝማን ከተማን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምንቕስቃስ ልምዓታት ከምዝጎብነዩ ተዛሪበን ‘የን።

ብሓፈሻ ቀዳማይ ሚኒስትር (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ብሪክስን ኣብ ዕላዊ ምብፃሕ ስራሕ ማሌዢያ ዝነበሮም ፃንሒት ዕውት ከምዘነበረ እተን ሓላፊት ኣመላኺተን ‘የን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You