
ኣዲስ ኣበባ፡- ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣብ ደንቢ ታሪፍ ግልጋሎት ቤት መዘጋጃ ትግራይ ዘይተኻተቱ ፍልፍል ኣታዉታት መሰረት ብምግባር ዝወፀ ሓዱሽ መምርሒ ቑፅሪ 1/2016 ዓ/ም ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ ገምጋማዊ ስልጠና ኣብ ከተማ መቐለ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ዘይተኸፈለ ውዝፍ ሊዝ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን መሬት ብሊዝ ወሲዶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተኸፈለ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ውዝፍ ኣብዚ ዓመት እዚ ንምምላስ ዘኽእል ኣንፈት ከም ዘንበረ ‘ውን ወሲኹ ኣፍሊጡ።
ዋና ስራሕ መካየዲ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣይተ ወረስ ገ/ፃድቓን ከም ዝበልዎ፣ ሓዱሽ መምርሒ ግልጋሎት ክፍሊት ቤት መዘጋጃ ቑፅሪ 1/2016 ዓ/ም ተወሳኺ ፍልፍል ኣታዊና ብምድንፋዕ ንኩለመዳይ ዕብየት ከተማና ወሳኒ ተራ ስለ ዘለዎ ንተግባራዉነቱ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክረባረብ ኣተሓሳሲቦም።
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ን2017 ዓ/ም ልዕሊ 12 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር በጀት ከም ዝሓዘ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ወረስ፣ እዚ ድማ ኩሎም ፍልፍል ኣታዊታትና ብፍትሓዉነት ብዝግባእ ፀንቂቕካ ብምጥቃም ከም ዝትግበር ተዛሪቦም።
ኣብ ከተማና ንብርክት ዝበለ ዓመታት ዘይተኸፈለ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ዉዙፍ ሊዝ ከም ዘሎ ዝገለፁ እቶም ዋና ስራሕ መካየዲ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ ንምምላስን ናብ ስርዓት ንምእታዉን ምድላዋት ከም ዘሎ ብምሕባር ዉዙፍ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ዕድኦም ክኸፍሉ ፀዊዖም።
ኣብ ደንቢ ታሪፍ ክፍሊት ግልጋሎት ቤት መዘጋጃ ትግራይ ደንቢ ቑፅሪ 104/2011 ዘይተካተቱ ፍልፍል ኣታዉታት ንምዉሳን ዝወፀ መምርሒ ቑፅሪ 1/2016 ዓ/ም ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ካብ ዘፅድቆ ጀሚሩ ተግባራዊ እናተገበረ ከም ዝርከብ ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ መቐለ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ መዘጋጃቤታዊ እቶት ኣይተ ሙሉጌታ ገ/የሱስ ገሊፆም።
ሓዱሽ መምርሒ ቑፅሪ 1/2016 ዓ/ም ብዋናነት ኣብ ግልጋሎት ክፍሊት መፅንሒ ተሽከርከርቲ፣ መሕደርን መዉዐልን ተሽከርከርቲ፣ ፅዕነት ዝፀዓና ተሽከርከርቲ፣ 3ይ ደረጃ መንበሪ ገዛን ግልጋሎት ክፍሊት ፅሬት ትካላት ንግድን መንበርን ማእከል ዝገበረ ኮይኑ ብዜካ ግልጋሎት ክፍሊት ፓርኪንግ ልዕሊ 90 ሚእታዊ ናብ ተግባር ከም ዝተኣተየ ኣረዲኦም።
ግልጋሎት ክፍሊት ፓርኪንግ ንምጅማር ድማ ምስ ኩሎም መድረግቲ ኣካላት እኹል ምርድዳእ ከምዝተገበረ ‘ውን ወሲኾም ሓቢሮም። እዚ መምርሒ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ጀሚሩ ተስፋ ህዝብ ዝሓሸ ተወሳኺ እቶት ይርከብ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሙሉጌታ፣ ብመዳይ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብፍላይ ኣብ ቀረፅ ቀረፅቲ ን438 ዝተመለሱ ነበር ዕጡቓት ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረ ገሊፆም።
ንተግባራዉነት እዚ መምርሒ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፍላይ ሰብ ሞያ እቲ ዓውድን በብብርኩ ዘሎ መሪሕነትን ብትኹረት ክሰርሕ ኣተሓሳሲቦም። ከም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ፣ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ዝተዉሃቦም ስልጠና ዝሓሸ ግንዛበ ከም ዝፈጠረሎም ብምጥቃስ ንሙሉእ ተግባራዉነት መምርሒ ቑፅሪ 1/2016 ግደ መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ‘ዩ ኢሎም፡፡
ብጋዜጣ ሪፖርተር
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም