
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣቢያ በለስ ብክላስተር ዝተዘርአ ጣፍ ማእኸል ዝገበረ ተሞኩሮ ልውውጥ ከም ዝተኻየደ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባን ልምዓትን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ገሊፁ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባን ልምዓትን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ኣይተ ገዛኢ ጠለለ ከምዝገለፅዎ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ዑደት ዋና ዕላምኡ ብኩታ ገጠም መንገዲ ጣፍ ብመስመር ዝዘርኡ ሓረስቶት ብውዳበ ብምስርሖም ዘምፅእዎ ለውጢ ንምዕዛብን ኩታ ገጠም ምዝራእ እታወታት ብምጥቃም ብሉፅ ስራሕቲ ናብ ኩለን ጣቢያታት ንምግፋሕን ሓረስቶ ንባዕሎም ተረቢሖም ናብ ዕዳጋ ዘቕርቡሉ ብርኪ ንኽበፅሑን ይጠቕም ‘ዩ ኢሎም።
ብሓፈሻ ብኩታ ገጠም ምልማዕ ከም ባህሊ ንክውሰድ ዝዓለመ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፣እዚ ተግባራዊ ንክኸውን ከም ወረዳ ዘላቕነት ዘለዎ ክትትልን ደገፍን ከም ዝግበር ወሲኾም ሓቢሮም።
ኣብ ጣቢያ በለስ ኩታ ገጠም ብዝኾነ መንገዲ ተወዲቦም ጣፍ ብመስመር ዝዘርኡ ሓረስቶት ኣይተ ደሳለኝ ገብረገርግስ፣ቀሺ በርሀ ሃይለን ኣብራሃለይ መሓሪን ነቶም ዑደት ዘካይዱ ተሳተፍቲ ከምዝገለፅዎ፤ ንሕና ንብዙሕ ዓመታት ብማሕበር ተወዲብና ብክላስተር ኩታ ገጠም ብዝኾነ መንገዲ ጣፍ ብመስመር ብምዝራእና ዝሓሸ እቶት እናረኸብና ዝመፃና ኮይንና ሎሚ ዘበን ‘ውን ከምቲ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ‘ዩ ኢሎም።
እዚ ቡሉፅ ስራሕ ብሰብ ሞያ ወረዳን ጣቢያን ዝዋሃቡና ቴክኒካዊ ደገፋት ብዝግባእ ተግባራዊ ብምግባርና ውዳበና ‘ውን ኩታ ገጠም ብምዃኑ ተረባሕቲ ኮይና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ዑደት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሓረስቶት ኣይተ ሽሻይ ትኩእን ኣይተ ፀጋይ ተኽላይን ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ዑደት ተረኺቦም ኩታ ገጠም ብዝኾነ መንገዲ ጣፍ ብመስመር ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ግራቶም ቤት ትምህርቲ ሓረስቶት መስሪቶም ንባዕሎም ተረባሕቲ ኮይኖም ናብ ዕዳጋ ሙሩፅ ዘርኢ ዘቕርቡ ሞዴል ሓረስቶት ኣብ ግራቶም ተረኺብና ብሉፅ ስራሕቶም ብምዕዛቦም ዝላዓለ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎምን ዝራኣይዎ ብሉፅ ስራሕቲ ኣብ ጣቢኦምን ግራቶምን ብስፍሓት ከም ዝሰርሑሉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ትግራይ ዘለው ሓረስቶት ነዚ ብሉፅ ስራሕቲ ተግባራዊ እንተዝገብርዎ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ቁልጡፍ ዕብየት ከም ነመዝግብ ኣይንጠራጠርን ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ተሞኩሮ ልውውጥ ካብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ዝመፁ ልዕሊ 250 ኣመራርሓ ወረዳን ጣብያን ሰብ ሞያ ዝራእትን ክላስተር ማእኸል ገይሮም ዝዘርኡ ሓረስቶትን ተሳተፍቲ ናይቲ ዑደት ከምዝኾኑ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ብምጥቓስ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ ሓቢሩ።
ብጋዜጣ ሪፖርተር
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም