ትንታነ-ዜና
ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ፌዴሪኢ 17 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ መበል 31 ስሩዕ ኣኼባ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ንኽፀድቕ ከምዝተገበረ ዝዝከር ‘ዩ። ሎሚቕነ ‘ውን ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሕርሻን ሓለፍቲ ግብርና ክልልን ኣብቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ዙርያ ዘተ ኣሳሊጦም።
ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ዝምርሐሉ ፖሊሲ፣ ስትራቴጂን መፈፀሚ ሜላታትን ልምዓት ገጠርን ኣብ 1994 ዓ.ም ተሓንፂፆም ኣብ ስራሕ ምውዓሎም ዝፍለጥ ‘ዩ። እንተኾነ ‘ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዕብየት ሕርሻን ሓቢሩ ኽጎዓዝ ስለዘይከኣለ፣ ሕዚ ‘ውን ውሕስነት ምግቢ ዘየረጋገፁ ዝለዓለ ቑፅሪ ዘለዎም ዜጋታት ምህላዎምን ኢንዱስትሪ ዘድልዮ ጥረ ኣቕሓ ብእኹል ዓይነት፣ መጠንን ፅርየትን ምቕራብ ዘይምኽኣልን ነቲ ፖሊሲ ንምቕያር ከም ምኽንያት ዝለዓሉ ‘ዮም።
ቐረብ ንንግዲ ወፃኢ ዝቐርቡ ፍርያታት ሕርሻ ምዕባይን ተወዳዳራይነት ምርግጋፅን ከምኡ ‘ውን ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ሕርሻን ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ዘይምኽኣል እቲ ኻልእ ዕንቅፋት ምዃኑ ይጥቀስ። ዕንቅፋታት ሕርሻንን ልምዓት ገጠርን ንምቕራፍ፣ ብብርኪ ሃገር እናተኻየዱ ንዝርከቡ ስራሕቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃምን ንዘፈር ሕርሻን ምስ ኻልኦት ዘፈራት ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ንምትእስሳር ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ስትራቴጂን ሜላታትን ልምዓት ገጠር በቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ምትካእ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ይዛረቡ።
ንምዃኑ እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እንታይ ሓዱሽ ነገር ዝሓዘ ‘ዩ? ካብቲ ናይ ቀደም ፖሊሲ እንታይ ይፈልዮ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ሰብሞያን ሓለፍቲ ስራሕን እቲ ዘፈር ንትፕኢ ርኢቶኦም ሂቦም ‘ዮም። ኣብ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ዳይሬክተር ፖሊሲ ግብርና ኣይተ ረታ ወጋር፤ እቲ ናይ ቀደም ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን ኣብ ጉልበት ሰብን መሬትን ጠመተ ዝገበረ እንትኸውን እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ካብቲ ናይ ቐደም ፖሊሲ ከምዝፍለይ ይጠቕሱ።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣብ ገጠር ዘሎ ሓይሊ ሰብ ጉልበቱ ኣብ ሕርሻ ጥራሕ ዘይኾነስ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ናብ ኢንዱስትሪታት ዝሳገረሉ ዕድል ዘመቻችው ‘ዩ ይብሉ። ኣጠቓቕማ መሬት ብዝምልከት እቲ ናይ ቐደም ፖሊሲ መሰል በዓል ዋናነት መሬት ሓረስቶት ዝገደበ እንትኸውን፤ እቲ ናይ ሕዚ ፖሊሲ ሓረስቶት መሬቶም ኣትሒዞም ካብ ንትካላት ፋይናንስ ልቓሕ ናይ ምርካብ፣ ነቲ መሬት ናይ ምክራይ ፍቓድ ከምኡ ‘ውን ናይቲ መሬት ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ከም ካሕሳ ናይ ምጥቃም መሰል ከምዝተውሃቦም የብርሁ።
ካፒታል ንዕብየት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ብምዃኑ ኣብቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ዝተኻተተ ሓደ ጉዳይ ምዃኑ ዝገልፁ ኣይተ ረታ፤ ኣብ ቐፃሊ ብርክት ዝበሉ ውልቃዊ ሴክተራት ናብ ገጠር ዝኣትዉሉ፣ ባንክታት ዝጣየሹሉ፣ ሓረስቶት ብቐረባ ቐረብ ልቓሕ ዝረኽቡሉ ከምኡ ‘ውን ኣብ መሬት ንዘለዉ ዝራእቲ ኾነ እንስሳት ብምጥቃም ዋሕስ ዝረኽቡሉ ዕድል ዝፈጥር ፖሊሲ ምዃኑ ይገልፁ።
ካብቲ ፖሊሲ ትፅቢት ካብ ዝግበሩ ውፅኢታት እቲ ሓደ ቐፃልነት ዘለዎ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይ ‘ዩ። ናይ ሓረስታይ ኣታዊ ምውሳኽ እቲ ኻልእ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ምዃኑ ገሊፆም፤ ውሕስነት ምግቢ ዘረጋግፅን ንኹሉ ዜጋ ዘሳትፍን ፖሊሲ ምዃኑ ይዛረቡ። ነቲ ፖሊሲ ንምፍፃም ብዋናነት ሚኒስቴር ግብርና ነቲ ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕ እንትኸውን፤ ኻልኦት 12 ኣብያተ ዕዮ ሚኒስቴር ነቲ ፖሊሲ ንኸፈፅሙ መንግስቲ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ‘ዩ።
ብተወሳኺ ‘ውን እቲ ፖሊሲ ንኽትግበር ዝሕግዙ ኣዋጃት፣ ደንብታትን ማዕቀፋት ሕግን ፀዲቖም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ከምዘለዎም ዝተዛረቡ ኣይተ ረታ፤ ዛጊድ ‘ውን 23 ሓደሽትን ሸውዓተ ዝኽለሱን ኣዋጃት ከምኡ ‘ውን 25 ዝኾኑ ሓደሽቲ ደንብታትን እናተዳለዉ ከምዝርከቡ ይገልፁ።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ብወገኖም፤ እቲ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን ዘሳኽዖም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት እንተሃለዉ ‘ውን ዘፈር ግብርና ሕዚ ምስ ዝበፅሐሉን ንቐፃሊ ክስርሑ ምስ ዝተሓሰቡን ጉዳያት ዘይኸይድ ብምዃኑ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣብ ስራሕ ምውዓል ኣድላዪ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ምስቲ ናይ ቐደም ፖሊሲ እንትነፃፀር ሓደሽቲ ኣረኣእያታት ዝሓዘን ኣብ ቐፃሊ ኣብ ዘፈር ግብርና ክብፃሕ ንዝተሓሰበ ደረጃ ኣብ ግምት ዘእተወን ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ንኣብነት ‘ውን እቲ ፖሊሲ ናብ ገጠር ወሪዱ ንሓረስቶት ዓቕሚ ፋይናንስ ዝውስኽ ምዃኑ ዝጥቀስ ‘ዩ ይብሉ።
እቲ ፖሊሲ ምስቶም ሕዚ ዘለዉ ትካላት ፋይናንስ ሓቢሩ ዝሰርሕ ኾይኑ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ሓቛፋይ ዝኾነ ስርዓት ፋይናንስ ንክኾኑ ዝገብር ‘ዩ ክብሉ ይዛረቡ። ብኻልእ ወገን እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣርቢሖም ዝሓድሩን ብኽፋል ኣርቢሖም ዝሓድሩን ኣብ ሜላ ኣነባብርኦም ዝተመስረተ ቐረብ ቴክኖሎጅን ኻልኦት ድጋፋትን ‘ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ‘ዩ።
ካብኡ ‘ሓሊፉ ‘ውን ፍርያትን መፍረያይነትን ግብርና ብዘላቕነት ብምዕባይ ውሕስነት ምግቢ ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ምዃኑ ይገልፁ። እቲ ፖሊሲ ኣብ ቐረባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንዘብሰሩዎ ልምዓት ኮሪደር ገጠርን ተበፃሕነት መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክን ሎጂስቲክስን ማእኸላት ከተማ ገጠርን ኣቐዲሙ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ገሊፆም ‘ዮም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም