
ኢትዮጵያ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምድላው ዓቕሚ ከምዘለዋ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንካፍ፣ ንፊፋ ፕሬዝደንታትን ንስራሕ ፈፃሚ ካፍ ኮሚቴ ላዕለወት ኣመራርሓን ኣብ ቤተ መንግስቲ እንግዶት ድራር ኣብ ዝገበርዎ እዋን ኢትዮጵያ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንክተዳሉ ብዕሊ ሓቲቶም ‘ዮም፡፡ ነዚ ድማ ኢትዮጵያ እዚ ዓብይ መድረኽ ዓቕሚ ምድላው ከምዘለዋ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ እናደለወት ዘላ መበል 46 ናይ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ኮንፌዴሬሽን (ካፍ) ስሩዕ ጉባኤ ኣቐዲሙ ፕሬዝዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔን ከምኡ ‘ውን ስራሕ ፈፃሚ ካፍ ኮሚቴ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘነጋገሩ እንትኾን ኣብ ምዝዛም ዘሎ ብሄራዊ ስታድየም ብሓባር ዑደት ከምዝገበሩ ገሊፆም፡፡ ኢትዮጵያ እዚ ጠቅላላ ጉባኤ ዝተሳኸዐ ንክኸው ብዝግባእ ከምዝተዳለወት ተዛሪቦም፡፡
ፕሬዝደንት ካፍ ፓትሪስ ሙትሴፔ(ዶ/ር) ብወገኖም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገበረሎም ደማቕ ኣቀባብላ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፣ ባህሊ ኢትዮጵያ፣ ጋሻ ተቐባልነትን ኢትዮጵያ ገዛና ከምዝኾነት ንክስመዐና ገይሩና ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኢትዮጵያ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምድላው ዘቕረበቶ ሕቶ ካፍ ምስ ኮሚቴ ከምዝመኽረሉ ገሊፆም፡፡
ፕሬዝዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖም ‹‹ዘርኢ ወዲሰብ ዝተረኸበላ ኢትዮጵያ ናትና ሃገር ‘ውን ‘ያ›› ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ(ዶ/ር) ንኹሎም ፕሬዝደንትታት ናይ ኢትዮጵያ ኩዕሶ እግሪ ማልያ ብውህብቶ ኣበርኪቶም ‘ዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ፕሬዝደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ 2029 ዝብል ፊርሞኦም ዘዓረፈሉ ኩዕሶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣበርኪቶም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዕለት ኣብ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሕውነት ፀወታ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ሳላዲን ሰይድ፣ ኣዳነ ግርማን ካልኦት ነባራት ናይ ዋልያ ኮኾባት ምስ ነባራት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ፀወታ ሕውነት ገይሮም ‘ዮም፡፡ ናይ ካሜሮን ኮኾብ ተፃዋታይ ሳሙኤል ኢቶ፣ ፕሬዝዳንት ካፍ ፓትሪ ሞትሴፔ፣ ነባር ናይጄርያዊ ኮኾብ ጄይጄይ ኦካቻ ካልኦት ናይቲ ሕውነት ፀወታ ተካፈልቲ ኾይኖም ‘ዮም፡፡
እዚ ብዝምልከት ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ መበል 46 ጠቕላላ ጉባኤ ከምኡ ‘ውን እቲ ጉባኤ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ሕውነታዊ ፀወታ ቤተሰብ ስፖርት ዘነቓቕሐ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡ እተን ሚኒስትር፤ መበል46 ካፍ ጠቕላላ ጉባኤ ምድላው ከምኡ ‘ውን ናይ ኢትዮጵያ 2029 ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይ ምድላው ድልየት ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላፅ መንግስቲ ‘ውን ዝተጀመሩ ህንፀትን ስታድየምን ናይ ምዝዛም ስራሕ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም፡፡
‹‹ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ኣብ ሓፂር እዋን ናይ ምዝዛም ልምዲ ዘለና ብምዃኑ ኣብ ህንፀት ዘለዉ ስታድየም ናይ ምዝዛም ብቅዓትን ምልዕዓልን ኣለና›› ዝበላ እተን ሚኒስትር፣ ኣብዝሓ ስታድየም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ብምዝኽኻር፤ ናይ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ላዕለዋይ ኣካል (ካፍ) ዝቕበል እንድሕር ኾይኑ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቐዲምካ ስታድየም ናይ ምዝዛም ስራሕ ከምዝስራሕ ኣፍሊጠን፡፡ ነቲ ስራሕ ዓብይ ዝኾነ ምልዕዓልን ብቕዓትን ከምዘሎ ኣረዲአን፡፡
ካብ ስታድየም ብተወሳኺ ተተካእቲ ስፖርተኛታት ዝወፅሎም ኣናእሽተን ሜዳታት ኣብ ግምት ውሽጢ ከምዝኣትዩን ውድድር ንምድላው ዘድልዩ ተወስኽቲ መሰረተ ልምዓት ስራሕቲ ትኹረት ከምዝግበር መብርሂ ሂበን ፡፡ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ካፍ ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይ ምድላው ሕቶ ተቐቢሉ ንከፅድቕ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኩዕሶ እግሪ ዓብይ ስም ከምዘለዋ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1957 ካፍ እንትምስረት መስረቲ ካብ ዝነበሩ ሃገራት እታ ሓንቲ ከምዝኾነት ድሕሪ ምዝካር ፤ ፕሬዝዳንት ካፍ ዝነበሩ ይድነቃቸው ተሰማ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ቦታ ንክረክብ ዓብይ ግደ ከምዝነበሮም ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብሚልየናት ዝቁፀሩ ኩዕሶ እግሪ ፈተውቲ ዘለዉዋ ሃገር ‘ያ ዝበሉ ፕሬዝዳንት ታዬ፤ ኢትዮጵያ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ዘለዋ ታሪኻዊ ግደ ኣብ ግመት ውሽጢ ብምእታው ኣብ 2029 ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሕቶ ምቕራባ ገሊፆም ‘ዮም፡፡ ኢትዮጵያ እቲ ፅዋዕ ኣፍሪካ ተጠቂማ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ሃገርን ንምዕባይ ከምትሰርሕ ኣረዲኦም፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም