
ሓተታ–ዜና
መንግስቲ ልዑል ትኹረት ገይሩ እናሰርሐሎም ካብ ዝርከቡ ዘርፍታት ኢኮኖሚ እቲ ሓደ ዘፈር ሕርሻ ‘ዩ፡፡ ሕርሻ ኣብ ሃገርና ዓንዲ ሑቀ ኢኮኖሚ ‘ዩ፡፡ ሎሚ ዘበን መንግስቲ እኹል እታዎታት ሕርሻ ብምምልኡ ፅቡቕ ዝናብ ብምዝናቡን ዝራእቲ ቦቒሎም ሕዚ ናብ ምዕፃድ ገፅ በፂሖም ይርከቡ፡፡ ኮይኑ ግና ከም እዋኑ ዘይሐለወ ዝናብን ኣንበጣን ሓደጋታት ኣንፃላልዮሞ ይርከቡ፡፡
ሎሚ ቕነ ዩኒቨርስቲ ራያ ኣብዚ ኩነታት ኣድሂቡ መድረኽ ዘተ ዘሳለጠ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ መፍረያይነት ሕርሻ ሎሚ ዓመት ኣንፀላሊዮም ዘለዉ ከም ባልዕ ኣንበጣ ብምክልኻል፣ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ናብ ፀጋታት ንምልዋጥን ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ይገልፁ፡፡
ኣብ ልዕሊ መፍረያይነት ሕርሻ ሎሚ ዓመት ሓደጋታት ዝኾኑ ኣብ ወሰና ወሰን ክልል ዓፋር ዝረአ ዘሎ ባልዕ ኣንበጣን እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብን ዘብፀሕዎ ጉድኣት ንምክልኻል ብብርኪ ዞባን ወረዳታትን ብሓይሊ ሰብን መሳርሒታትን ምድላዋት ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ “መፍረያይነት ሎሚ ዓመት ጉዳይ ሞትን ሕውየትን ‘ያ” ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ኣንፀላልዮም ዘለዉ ሓደጋታትን ስግኣታትን ባልዓት፣ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ንምክልኻል ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ውዳበታት ብሓይሊ ሰብን መሳርሒታትን ብምውዳድ ምድላው ምግባር፤ዝባፅሑ ዝራእቲ ኣቐዲምካ ብምልዓልን ብዛዕባ ብኽነት ግንዛበ ንምፍጣርን ናብ ፀጋ ቀይርካ ንምስራሕ ዝተፈላለዩ ዕማማት ይውገኑ ከምዘለዉ ይገልፁ።
ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ራያ ፕሮፈሰር ታደሰ ደጀኔ ብወገኖም ፣”ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ኣንፀላልዮም ዘለዉ ሓደጋታት ንምክልኻል ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ ብምባል፤ ናይ ሎሚ ዘበን ምህርቲ ናብ ገዛና ንምእታውን ኣብ ገዛና ምስ ኣተወ ‘ውን ከይባኽን ምስራሕን ናይ ኩላትና ስራሕ ‘ዩ ” እዮም ዝብሉ፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ድማ እቲ ዋዕላ እዋናውን ጠቓምን ምዃኑ ብምግላፅ ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ ንሓሙሽተ ዓመታት ብተኸታታሊ ተራእዩ ስለ ዘሎን ንቐፃሊ ‘ውን ክቕፅል ስለ ዝኽእልን ግዚያዊ ዘይኮነስ ዘላቕን ዘበናውን ስራሕቲ ምክልኻል ክስራሕ ኣለዎ ብምባል፤ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ዝበፅሑ ዝራእቲ ዘብፀሖ ጉድኣት ንምቕናስ ወፍሪ ዓፂድ ንምስላጥ ከም ማዕፂድን ካልኦት መሳርሕታትን ሕፅረት ብምህላዉ ክፍታሕ ይግባእ ይብሉ።
ኣንበጣ ዘብፅሖ ሓደጋ ንምክልኻል መንግስቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ክልል ዓፋር ተዋዲዱ ዝሰርሐሉ ኣገባብ ክፍጠር ኣለዎ ብምባል፤ ኣብቲ ዋዕላ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመታት ዕስለ ኣንበጣ ከም ዝተረኣየን ዘብፅሖ ጉድኣትን ዝተገበረ ምክልኻልን ኣመልኪቱ ብዩኒቨርስቲ ራያ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቐሪቡ ‘ዩ፡፡ ብኻሊእ ወገን ምህርቲ እዋኑ ብዘይሓለወ ማይ ከይበላሸው ብምእካብ እቲ ማይ ናብ ጥቕሚ ክነውዕሎ ኣብ ምድላው ንርከብ ክብል ዝገልፁ ድማ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪአለ ምሩፅ ‘ዮም፡፡
ሎምዘበን ምህርቲ ኣብ ፅቡቕ ኹነታት ይርከብ፤ኾይኑ ግና እዋን ዘይሓለወ ማይ ነቲ ምህርቲ ከየበላሽዎ ብእዋኑ ብምእካብ እቲ ዝተረኸበ ማይ ድማ ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ምድላው እናገበርና ኢና ብምባል፤ እቲ ማይ ብፍላይ ኣብ ምህርቲ ጣፍ ሓደጋ ከየስዕብ ብእዋኑ እናተዓፀደ ንክኹመርን እንተተኻኢሉ ተኣኪቡ ናብ ጎተራ ንኽኣትው ምስ ሓረስቶት እናተረዳዳእና ኢና ክብሉ ይዛረቡ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ምህርቲ ዓተርን ስገምን እናተዓፀደ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኮይኑ ግና ደንጉዮም ዝተዘርኡ ጣፍን ማሸላን ጥንቃቐ ብምግባር ንቐፃሊ ንኽዕፀዱ ብትኹረት እናተሰተርሐ ከምዝኾነ ይዛረቡ፡፡
እቲ ትፅቢት ዝግበር ማይ ቀለብ እንስሳት ንምድላው ከምኡ ‘ውን ንቐፃሊ ልምዓት መስኖ ንምጥንኻር ኣዝዩ ሓጋዚ ምዃኑ ብምሕባር፤ነዚ ዕድል ብምጥቃም ልምዓት መስኖ ንምስላጥ ተሊምና ብቀጥታ ናብ ስራሕ ብምእታው ብምግቢ ዓርስና ንምኽኣል ምስ ሓረስታይ እናተረዳዳእና ብምስራሕ ሎሚ ዘበን ብመሰረት እቲ ትልሚ ንምስኻዕ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና፤ እቲ እናተርኣየ ዘሎ ዕውት ስራሕቲ ካብ ወረዳ እስካዕ ዞባ ምህርቲ ተኣኪቡ ናብ ቖፎ እስካዕ ዝኣቱ መረዳእታ እናተለዋወጥና ምስ ሓረስታይ ተረዳዲእና እናሰራሕና ኢና ክብሉ ‘ዮም ዝሕብሩ፡፡
እቲ ክልል ብርክት ዝበሉ ፀገማት ፀይሩ ስራሕቲ ንምስኻዕ ሕብረተሰብ ዘርእዮ ዘሎ ንጡፍ ተሳትፎ ፅቡቕ ‘ዩ፤ብሕክምና እንስሳትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዝተገበሩ ርክባትን ቐፃልነት ንክህልዎም ክግበር ‘ዩ፤ እቲ ሓረስታይ ነንርእሱ ዝመሃሀረሉ፤ከምኡ ‘ውን ንቐፃሊ ኣዝርእቲ ምምራፅን ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምድንፋዕን መሰረቱ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምግባር ቕድም ክብል ዝተተኸሉ ፈልስታት ንኽፀድቁ ብጉጅለን ብክላስተርን ደቂ ኣንስትዮ ብምስታፍ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ‘ዮም ዝገልፁ፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልትታት ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ሃገርና ማይ ከምዝህሉ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ‘ዩ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም