ግደ ቱሪዝም ኣብ ምሕዋይ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ስነ ልቦና

ሓተታዜና

ዘፈር ቱሪዝም ትኪ ዘይብሉ እንዱስተሪ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሰፊሕ ቢዝነስ ‘ዩ። ከም ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ከም ምህላዋ መጠን እሞ ድማ እዞም በዓላት እዚኦም መበቆላውን ሃማኖታውን ትውፊታቶም ብዝሓለወ መልክዑ ብምኽባር ናብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ረብሓ ክውዕሉ እንተተገይሮም ዘበርክትዎ ረብሓ ቐሊል ከምዘይኮነ ይግለፅ፡፡

ብፍላይ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከምዘረጋገፅዎ ሃይማኖታዊ ሓድግታትን ክብረ-በዓላትን ትግራይ ብፍላይ ምስቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኩናት ኣብ ሕውየት ህዝቢ ትግራይ ንቲ ስነ ህዝቢ ልቦናዊ ንምጥንኻር፣ ናብ ቤት እምነታቱ ክከድን ክፀናናዕን ብምምካርን ኣብ ሕውየት ዓብይ ግደ ከምዘለዎምን ብተወሳኪ ዘቤታዊ ቱሪዝም ብምትብባዕ ቁጠባውን ማሕበራውን ውሕስነት እቲ ህዝቢ ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ግደ ኣለዎም፡፡

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ እንዕዘቦ ዘለና ፅቡቅ ምንቅስቓሳት ፌስቲቫላትን ሃይማኖታዊ ክብረ-በዓላትን ናይዚ ሓደ መርኣያ ‘ዩ፡፡ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተገለፀ ግደ እቲ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ቁጠባዊ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያውን ዘህለዎ ብፅሒት ዝበለፀ ንምዕባይ ድማ ነባራትን ሓደሽትን መሰረተ ልምዓታት መስሕብ ቱሪዝም ምክያድ፣ ሃብትታት መስሕብ ምፍላጥ፣ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት መጥቃም ኣድላይ ምዃኑ ‘ዮም ናይቲ ዘፈር ሰብ ሞያ ዝዛረቡ።

ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ዓወዲ ዘነጥፉ ኣካላት ብምድጋፍ ምስኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምቅንጃው ክስራሕ እነተዘይተኻኢሉ ብዝድለ መልክዕ ወፅኢት ክምፅዕ ኣይክእልን። ዘፈር ቱሪዝም ብፍላይ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቱሪዝም ካብ ማሕበራዊ ቀውስን ፀቕጢ ስነ ልቦናን ገና ንዘይወፀ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ምሕዋይ ኣብ ምፍዋስ ዓብይ ግደ ከምዘለለዎ ዝገልፁ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ዝኾኑ ኣይተ ሃይላይ በየነ ‘ዮም፡፡ ኣይተ ሃይላይ ብፍላይ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ረብሕኡ ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ፡፡

ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ታሪኻዊን በዓላት ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ በዓላት ከኽበሩ ከለው፤ ብፍላይ ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምትብባዕ ኣዝዩ ሰፊሕን ክትካእ ዘይኽእል ግደ ‘ዮም ዝፃወቱ ዝብሉ ኣይተ ሃይላይ፤ ንኣብነት ናይ ዝሓልፈ በዓል ኣሸንዳ በቢከባቢኡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀር ህዝቢ ክንቀሳቀስ ዝገበረ ‘ዩ ብመባል፤ እዞም በዓላት ከም ዓዲ ወይ ሕብረተሰብ ኢሉ ‘ውን ከም ውልቀን ዝተፈላለየ ረብሓ ከምዘለዎምን ካብቶም ረብሓታት ድማ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ስነ ልቦናዊን ረብሓ ከምዘለዎ ‘ዮም ዝገልፁ፡፡

ኣብ እዋን ‘ዞም በዓላት ብሚልዮናት ቢለዮናት ዝቁፀር ገንዘብ ኣብ ቁጠባዊ እቲ እቲ ማሕበረሰብ ከምዝንቀሳቀስን ኣብዚ ዘይነቃቃሕ ህዝቢ ዘይሰርሕ ነጋዳይ የለን ብምባል፤ ብፍላይ ቁጠባዊ ረብሕኡ ብጣዕሚ ዓብዪ ከምዝኾነ ‘ዮም ዝዛረቡ፡፡ ካብ ቁጠባዊ ረብሕኡ ብተወሳኺ ስነ ልቦናዊ ረብሓኡ ‘ውን ዓብይ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሃይላይ ኣብ ድሕረ ኵናት ምህላውና ካብ ማሕበራዊ ቀውስን ፀቕጢ ስነ ልቦናን ገና ዘይወፃእና ስለ ዘለና እዚ ኣብ ምሕዋይን ኣብ ምፍዋስን ዓብይ ግደ ኣለዎ ‘ዩ፡፡

ብምኽንያት እቶም በዓላት ሰብ ብሓደ ተኣኪቡ እንትፃወት እንትሕጎስ እቲ ኣብ ስብራት ዘሎ ሰብ ነኒባዕሉ ፈውሲ ይረክብ ካብቲ ዝነበረሉ ሕማም ‘ውን ዝፍወሰሉን ተስፋ ንክገብር ፅቡቕ ዝኾነ ፅልዋ ኣለዎም ‘ዩ ክብሉ የረድኡ፡፡ ከም ገለፃ ኣይተ ሃይላይ፤ ኣብ ዲፕሎማሲን ፖለቲካን ‘ውን ዓብይ ፅልዋ ከምዘለዎምን ናይ ሰላም ናይ ሓድነትን ምረድዳእን በዓላት ምዃኖም፤ ሰላም ኣብ ምዕዛዝ ‘ውን ብተመሳሳሊ ናይ ባዕሎም ግደ ኣለዎ ይብሉ፡፡

ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለኻ እነተተፈላለኻ ኣብዞም በዓላት ግና ኣይትፈላለይን፡፡ ኣብ ትግራይ ድማ ዓብዪ ናይ ሕውየት መሳርሒ ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ልዑል ግደ ‘ዮም ዝፃወቱ ዘለው፡፡ ከመኡ ‘ውን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብዝምለከት ምስ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ ማሕበረሰብ ይኹን ካብ ካሊእ ምስ ዝመፅእ ማሕበራዊ ኣብ ምትእስሳር ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም፡፡

ኣብ መላእ ትግራይ ውድድር ብዝመስል መልክዕ በዓለት እንትኽበሩ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እንትግበር ሚደያታት እንትፅውዑ ኢኻ ትርኢ እዚ ድማ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ፡፡ ስለዚ እዚ ብግቡእ እንተተጠቂምናሉ እንዱስትሪ ቱሪዝም ንምዕባይ ‘ውን ዓብይ ግደ ክህልዎ ‘ዩ ይብሉ ፡፡

ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ታሪኻውን ህዝባውን በዓላት ክበዓሉ ከለዉ ካብ መቆሎም ወፂኦም እናተበረዙ ከይከዱ፤ ከም ቢሮ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ 2016 ሐዚ ‘ውን ተጠናኺሩ ዝኽየደሉ ዘሎ ኣንፈት ከምዝኾንን፤ በዓላት መቦቆላውነት ትሕዘትኦም ከይለቐቑ ንክብዓሉ ብምግባር፤ ሃይማኖታዊ ዝኾኑ በዓላት ሃመኖታዊ ብዝተኸተለ ክኸውን፤ ባህላዊ ዝኾኑ ድማ ባህላውነቱ በዘንፀባርቕ ምልክዕ ምትሕውዋስ ብዘይበሉ ክኸይድ ብምግባር ካብቲ መቆሎም ወፂኦም እናተበረዙ ዝኸዱ እነተሃለዮም ናብቲ መሰረቶም ክምለሱ ክኽእሉ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ ይብሉ።

በዚ መሰረት ንኣብነት በዓል ኣሸንዳ ብበዝሒ ናብ ከተማታት ዝመፅአሉ ዝነበረ ብዝተኽኣለ መጠን ናብ ዞባታት ንክወርድ ይግበር ኣሎ ዝብሉ ኣይተ ሃይላይ፤ ንቀፃሊ ድማ ናብ ወረዳታትን ጣብያታትን ከይተረፈ ወሪዱ ትኽክለኛ ባህሉ ንክሕዝ ‘ዩ ዝስርሐሉ ዘሎ ኣንፈት ብምባል የረድኡ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ትካል መጎብነይ ሰሜን ኢኮ ቱሪስት በዓልቲ ሞያ ማርኬቲንግ ዝኾነት ሃይማኖት ዘርኣይ ብወገና፤ ትካለን ካብ ዝምስረት ትሽዓተ ዓመታት ክምዘቁፀረ ብምሕባር፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መስሕብ ቱሪስት ንጎብነይቲ ቱሪስታት ከጎብንይ ፀኒሑ ‘ዩ፡፡

ይኹን እምበር ቅድም ክብል ተዛማዲ ሕማም ኮሮና፣ ቀፂሉ ‘ውን ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ኵናትን ዘይምርግጋዕን ኣብቲ ዘፈር ኣሉታዊ ተፅዕኖ ፈጢሩ ‘ዩ። ነዚ ተኸቲሉ ‘ውን ቁፅሪ በፃሕቲ ቀኒሱ ‘ዩ። ይኹን እምበር እቲ ትካል ነዞም ፀገማት ብምፅዋር ምፍላጥ ኢትዮጵያ ከምዝቀፀለ ብምሕባር፤ እቲ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ክሳብ ሐዚ ቀፂሉ ዘሎ ዘይምርግጋዕ መፍትሒ እንትርከብ ሐዚ ካብ ዘሎ ብዝሐሸ ምስራሕ ከምዝክኣል ይገልፃ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ መስሕባት ቱሪዝም እናተሃነፁ ከምዘለው ብምህባር፣ እቶም መስሕባት ዓለምለኸ ቱሪስታት ብበዝሒ ንክመፅኡ ንምግባር ናይ ባዕለን ግደ ከምዝዋፅኣ ይገልፃ። ትካለን ንቱሪስታት ዘዳልዎ ትልሚ ዑደት ንምስፋሕ እቶም እናተሃነፁ ዝርከቡ ተወሳኽቲ መሰረተ ልምዓት መስሕብ ቱሪዝም ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝፈጥረለን ‘ውን የረድኣ።

ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፍሉይ ብፅሒት ንክህልዎ መስሕብ ቱሪዝም ምልማዕ፣ ምፍላጥን ካብ ጉድኣት ምሕላውን ኣድላይ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ካብ ኩሉ ብላዕሊ ግና ሰላም ንቱሪስታት ድሕንነት ኣድላይ ከምዝኾነ ብምጥቋም፡፡ ብምዃኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ሐዚ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ክሃድእን ሰላም ንክፍጠር መስራሕ ከምዝገባእ የረድኣ።

እዚ ምግባር እንተተኻኢሉ ሃብትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ካብ እኹል ብላዕሊ ከምዝኾኑ ብምዝራብ፤ ከም ትካል እቲ መጎብነይ ሰላም ኢትዮጵያ ንክምለስ፣ ፅቡቕ ምስላ ተሓለዩ ክፀንሕ ንምኽኣል እቲ ትካል ምስ መንግስትን ካልኦት መሰል ትካላት ብምትሕብባር ከምዝሰርሕን ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ቱሪዝም ብምትብባዕ ቁጠባውን ማሕበራውን ውሕስነት እቲ ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝለዓለ ግደ ንክፃወት ኣበርቲዕኻ ምስራሕ ከምዘድሊ ይዛረባ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You