ካፍ ሕቶ ኢትዮጵያ ንከፅድቕ ፃውዒት ቐሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፡ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ኢትዮጵያ ንምድላው ዋንጫ ኣፍሪካ ዝሓተተቶ ተቀቢሉ ንከፅድቕ ፕረዚዳንት ታየ ኣፅቀስላሴ ፃውዒት ኣቅሪቦም።

መበል 46 መደበኛ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትጅመር ናይ እንኳን ደሓን መፃእኹም ዝርርብ ዝገበሩ ፕረዚዳንት ታየ ኣፅቀስላሴ፤ (ካፍ) ኢትዮጵያ ንምድላው ዋንጫ ኣፍሪካ 2029 ዝሓተተቶ ተቀቢሉ ንከፅድቕ ሓቲቶም። “ኣፍሪካዉያን ገዛኹም ናብ ዝኾነት ኢትዮጵያ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም” ዝበሉ እቶም ፕረዚዳንት፤ ኢትዮጵያ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ግዙፍ ዓሻራ ከምዘለዋን ቅድሚ 67 ዓመት ካፍ ካብ ዝመስረቱ ሃገራት ሓንቲ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም።

ፕሬዚዳንት ካፍ ዝነበሩ ይድነቃው ተሰማ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም መድረኽ ዝግብኦ ቦታ ንክረክብ ብወገኖም ልዑል ኣስተዋፅኦ ምግባሮም ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ብሚልየናት ናይ ዝቁፀሩ ፈተውቲ ኩዕሶ እግሪ ‘ያ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ንምዕባይ ዘለዋ ታሪኻዊ ብፅሒት ኣብ ግምት ብምእታው ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ 2029 ዋንጫ ኣፍሪካ ንምድላው ሕቶ ምቕራባ ኣመላኺቶም።

ኢትዮጵያ ዋንጫ ኣፍሪካ ተጠቒማ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ንምዕባይን በቲ ስፖርት ሃገር ንምህናፅ ከም እትሰርሕ ዝተዛረቡ ፕረዚዳንት ታየ፤ ዋንጫ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ስታዴማት እናሃነፀትን እቶም ዘለው ‘ውን መመሓየሺ እናገበረትሎም ከምእትርከብ ገሊፆም።

ፕረዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ምድላው ዋንጫ ኣፍሪካ ካፍ ብዘለዎ ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝርኣይ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ እግሪ ኩዕሶ ኣፍሪካ ታሪኻዊ ግደ ከምዘለዋን ኣባል መስራቲት ካፍ ምዃናን ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ንነፃነት ኣፍሪካ ዓብዪ ግደ ዝተፃወተት ሃገር ከምዝኾነት ኣልዒሎም።

“ኢትዮጵያ ዋንጫ ኣፍሪካ ናይ ምድላው ሕቶ ዘቕረበቶ ትኽክለኛ እዋን ‘ዩ።” ዝበሉ ፓትሪስ፤ ኢትዮጵያውያን ንእግሪ ኩዕሶ ዘለዎም ስምዒት ልዑል ምዃኑ ከምዝርድኡን እዚ ‘ውን ነቲ ህዝቢ ሓደ ናይ ምግባር ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኑ ኣብሪሆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ እናተሃነፁ ዘለዉ ስታዴማትን መሰረተ ልምዓት ሰፖርትን ከምዘጎብነይዎምን ብዝረኣይዎ ነገር ‘ውን ምሕጓሶም ወሲኾም ገሊፂም።

“ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤ ካፍ ብዓወት ምትእንጋዳ ብምግላፅ፤ ኣቀባብላ ጋሻ ኢትዮጵያዉያን ኣድኒቆም። ካፍ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ምድላው ዋንጫ ኣፍሪካ ብዝምልከት ኣብ ቀፃላይ ዓመት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሳነ ከምዝህብ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You