‹‹ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ኣብ መትከል ፍትሓውነት ተመርኲሳ እያ እትሳተፍ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ኣብ መትከል ፍትሓውነት ተመርኲሳ ክትሳተፍ ድልውቲ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሪስያ ካዛን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 16 ዋዕላ መራሕቲ ብሪክስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ሓዳሽ ኣባል ብሪክስ ከም ምዃና መጠን ብፍትሓዊነት መርህ ዝዓበያን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራትን ዘማእኸለ ብዙሕነታዊ ምትሕግጋዝ ክጉልብት ከትሰርሕ ‘ያ፡፡

ምትእኽኻብ ሃገራት መራሕቲ እቲ ጉጅለ ሎሚ ዘጋጥመን ተኣፋፊ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ውፅኢታዊ ብዙሕነታዊ ምትሕብባር ተስፋ ከምዘለዎ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝዓበያን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራትን ኣብ ፍትሓዊነት መትከል መሰረት ብምግባር ክትሳተፍ ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።

ዓለምና ጥበብን ምስትውዓልን ብዝሓትት ብዙሕ ቅልውላዋት እናጋጠማ ብቕልጡፍ እናተለወጠት ምዃና ብምጥቓስ፣ ንኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራ ቁጠባዊ ዕብየት ዝፈታተነን ዘይፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓተ ፋይናንስ ብምህላዉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ዓለም ለኻዊ ማእቀፋት ዘሎ ዘይምዕሩይነት ምውሳኽ ዋጋታትን ስራሕ ኣልቦነትን እናወሰኸ ምምፅኡ ካብ ዝኾነ ግዜ ንለዓሊ ናይ ሓባር ፃዕሪ ከምዝሓታት ብምግላፅ፤ እቲ ቅልውላው እናገደደ ምስ ዝከደ ቑፅሪ ጠለባት ስጉምቲ ነባሪ ኣየርን ፋይናንስ ዝቀረቡ ሕቶታት ሸለል እናተባህሉ ምቕፃሎም ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ብሪክስ ዓቢዪ ዕድል ከምዘሎን ካብ ህዝቢ ዓለም ፍርቂ ዝኸውን ከም ዝውክል ብምግላፅ፣ ካብ ዓለም ለኻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ልዕሊ ሲሶ፣ ብሪክስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ናይ ምዃን ዓቕሚ ከምዘለዎን ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ምዃኑን ኣብሪሆም።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ተጠቓሚ ዝገብር ቁጠባዊ ዕብየት ከስፍን ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶምቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝተፈላላዩ ኢኮኖሚን ልዑል ናይ ዕብየት ዓቕምን ብምጥቃም ሓቀኛ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ክነምዝግብ ኣለና ኢሎም፡፡

ኣብ ምምዕባል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ምትሕብባር ምዕባይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቓስ፣ ንሓዱሽ ልምዓታዊ ባንኪ ዝቐርብ ሕቶ ኣባልነት ብቕልጡፍ ክሕሰበሉን እዚ ኣማራፂ ናይ ፋይናንሳዊ ፍልልይ ንምምሕያሽን ንፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ዝሕግዝን ምዃኑ ጠቚሞም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም

Recommended For You