ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተርኣዩ ድኽመታት ብምእራም ኣብ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ካብ ፍርያት ልምዓት መስኖ ዝሓሸ እቶት ንምርካብ ምድላዋቱ ይውግን ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ኣብ ከባቢና ዘሎ ሃፍቲ ብግቡእ ምጥቓምን ምስራሕን የድሊ ክብል ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ክልል ትግራይ ኣይተ ሓየሎም ገብረፃድቃን ገሊፆም፡፡
25 መስከረም 2017 ዓ.ም ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ሓዊሱ ካብ ዞባን ወረዳ ራያ ዓዘቦን ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰብ ሞያ መስኖ፣ ኢንቨስተራት፣ ሓረስቶትን ካልኦት ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተሳተፍሉ “ዘለውና ፀጋታት ተጠቒምና መፍራያይነት ልምዓት መስኖ ንወስኽ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ቀዳማይ ዙር ምንቕናቕ መድረኽ ልምዓት መስኖ ተኻይዱ ኣሎ።
ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መኽፈቲ ዘረባ ዝገበሩ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ኣይተ ተዘራ ጌታሁን፣ ዕላማ እዚ መድረኽ ካብ ሕሉፍ ዓመት ድኹምን ጥንኩርን ጎንታት ብምብጋስ ዘለውና ሃፍተ ገነት ብምጥቃም ኣብ 2017 ዓ.ም መፍረያይነት ልምዓት መስኖ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ‘ዩ ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ናይ ሎሚ መድረኽ ካብ ሕሉፍ ዓመት ፍልይ ዘብሎ ዓሚ ኣብ ድርቂ ኮይንና ዝገበርና እንትንኸውን ሐዚ ግና ኣብ ፅቡቕ ናይ ኣዝመራን ጠሊን ኮይንና እነካይዶ ዘለና ብምዃኑ እንተወሓደ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ብመስኖ ክነልምዕ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ራያ ዓዘቦ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ዝራእትን ሆርቲካልቸርን ኣይተ ዘሞ ሃፍቱ ብወገኖም ከምዝበልዎ፣ ብውልቀ ኢንቨስተራት ዝለምዕ 1ሺሕን250 ሄክታር ተሓራሲ መሬት ሓዊሱ ብጠቅላላ 3ሺሕን400 ሄክታር ተሓራሲ መሬት ሎሚ ዘበን ብመስኖ ንምሽፉን ምስ ዝተፈላለዩ መድረግቲ ኣካላት ተዋዲድካ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
መብዛሕቲኦም ኢንቨስተራት ዘለዎም ስፍሓት መሬት ብሙሉእነት ዘይምልማዕን ናብ ቀዳማይ ዙር ልምዓት መስኖ ዘንጊዕኻ ምእታውን ፣ ኣብ ብርክት ዝበላ ጣብያታት ድማ ንመስኖ ኣብ ዝተዳለወ ናቑጣ ጫትን ጌሾን ዘልምዑ ገባራት ምንባሮም፣ ጉድለት ምሕደራ ማይን ትሑት ባህሊ ዕቋር ምህላውን እቶም ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ሕሉፍ ዓመት ምንባሮም ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።
ዕዱም ጋሻ ኮይኖም ዝተረኸቡ ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም ሎሚ ዘበን ፅቡቕ ዝኾነ ሽፋን ዝናብ ስለዝረኸብና ካብ ዓሚ ዝበለፀ እንሰርሐሉን ካብ ተፀባይነት መሊእና እንወፅሉን ብሉፅ ስራሕቲ ልምዓት እንሰርሐሉን ዓመት ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ወረዳና ንምድንፋዕ ቁልፊ መፍትሒ ኣብ ኢድናን ከባቢናን ዘሎ ሃፍቲ ምዃኑ ተረዲእና ዓቅምና ኣዋዲድና ብዝግባእ ከንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ክልል ትግራይ ኣይተ ሓየሎም ገብረፃድቃን ገሊፆም፡፡
እቶም ሓላፊ ነዚ ዝበሉ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣፈፃፅማ መደባት 2016 ዓ.ም ከምኡ ‘ውን መደባትን ትልሚ ኣንፈታትን 2017 ዓ.ም ብዝምልከት ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ሓየሎም ገብረፃድቃን ከም ዝሓበርዎ፣ሎሚ እነካይዶ ዘለና መድረኽ ምንቕናቕ ቁጠባዊ ልምዓት ኣብ ኩሎም ዓቕምታት ናብ ሓደ ብምውዳብ ካብ ፅግዕተኝነት ብዘውፅእን ዓርሰ ሙርኮሳ ብዘረጋግፅን ክንሰርሕ ይግባእ።
ብምዃኑ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትና ልምዓት መስኖና፣ሃፍቲ እንስሳና ፣ዳኣንትና ፣ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ግልጋሎት ሕርሻን ኩሎም ፓኬጃት ብምጥቃም ብግዜ የለን መንፈስ ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ሓየሎም፣ኣብ ሕብረተሰብና ዝረአዩ ዘለው ጉድለት ሰናይ ምምሕዳር ብልዑል ወነ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ምክትል ዋና ኣማሓዳርን ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ልምዓት ወረዳ ኣሕፈሮምን ኢንጅነር ሙሉጌታ ታረቀ ብወገኖም፣እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ክነተኩር ብፍላይ እቶም ኣብ ሕሉፍ ዓመት ዝተርኣዩ ጉድለታትና ብዝኾነ መልክዕ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ንከይድገሙ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ውግንናና ህዝብና ብምግባር ካብ ሓሶት ፀብፃብ ወፂና ናይ ተግባር ሰባት ክንኾን ኣለና ብምባል፣እዚኣ ዘይፍፅም በዓል ሞያ ተሓታትነት ከም ነስፍን ክርዳእ ይግባእ ኢሎም። ቁጠባዊ ዓቕምና ንምድንፋዕ ለይትን ቀትርን ኢልና እንሰርሐሉ ወሳኒ ግዜ ሎሚ እዩ ክብሉ ‘ውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ከም ሓበሬታን ቢሮ ጉዳይ ኮሚኒኬሽን ትግራይ፣ ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ወረዳን ጣብያን ከም ዝተሳተፉ ብምግላፅ፤ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ እዚ ዝቐረበልና ኣፈፃፅማ መደብን ትልምን ቅቡል ‘ዩ ምስ በሉ ዕላማ እቲ ዋዕላ ንምትግባር ኣጠናኺሮም ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም